ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፡9) ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፡9)
ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ።
ሰላምታ
1.“ብእምነት ናይ ሓቂ ደቅና’’ ናብ ዝኾኑ ምእመናንን፣ ናብ ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፣
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን፣ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታናን፣ ጸጋን ምሕረትን ሰላምን
ምሳኻትኩም ይኹን።1 ብትንሣኤ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኃጢኣትን ሞትን ዓወት
ዝተረኽበሉ፡ በዚ ዘመነ ትንሣኤ ብጐይታ ኣብ ብርሃን ምእንቲ ክትህልዉ፡ፍረ
ብርሃን ዝኾነ ጽድቅን ሓቅን ክትለብሱ (ኤፌ.5፡8-9 ረአ) ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ።
ፍቁራን ብኽርስቶስ ኣኅዋትን ኣኃትን! “እምነት ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም
እንረኽቦ ዜረጋግጽ፣ ነቲ ዘይረአ ነገር ከምዘሎ ዜረድእ….”ጥራሕ ዘይኮነ፣ “ዅሉ
ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ…” ዚገልጽ፣ ነቲ ዅሉ ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ
ዚፍጸምን ዚኸውንን ዘበለ ከኣ ኡነተይና ትርጕሙን መልእኽቱን ብብርሃን “እምነት
ስለ እነስተውዕሎ”2፣ ካብ’ዛ እምነት’ዚኣ ተበጊስናን፣ በኣኣ ተንቀሳቒስናን ነዛ
ሓዋርያዊት መልእኽትና ነቕርበልኩም።
ምሉእ ትሕዝቶ: ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ዘፍጥ.4፡9) ሓዋርያዊ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ። ዘመነ ትንሣኤ (2014)