“ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ?” (ማር 8፡29)

መልእኽቲ ንበዓለ ልደት ካብ ሊቀ ጳጳሳት ዘበአስመራ (ኤርትራ) ብፁዕ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም’ 2017

ኣብ ንእስነትና፡ ትምህርተ ክርስቶስ ክንመሃር ከሎና፡ “ምሥጢረ ሥጋዌ እንታይ ማለት እዩ?” ንዝብል መሠረታዊ ሕቶ፣ ብሓጺሩ፡ “ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ ማለት እዩ”፣ ወይ ከኣ ብንውሕ ዝበለ ኣገባብ፣ “ወዲ ኣምላኽ ምእንታና ምእንቲ ድኅነትናን ቢሉ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። እዚ ማለት ድማ ንኣና ንኃጢኣተይናታት ምስ ኣምላኽ ከተዓርቕ፣ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ ክገልጸልና፣ ናይ ቅድስና ኣርኣያ ኪኾነና፣ ‘ተሳተፍቲ መለኮታዊ ባህርዩ’ ምእንቲ ክንከውን (2ጴጥ 1፡4)) ክርስቶስ ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ” (ጥርኑፍ መዝገበ ሃይማኖት ቊ 85) ብምባል ኢና እንምልሶ። እዚ መልስ’ዚ ብብዙኅ ዘመናት ቤተክርስትያን ዘማዕበለቶን ዘዕሞቖቶን ናይ እምነት መልሲ እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊሊጶስ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ? ዝብል ንሓዋርያቱ ዘቕረበሎም ሕቶ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ሃንደበታዊ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ ከቢድ ሕቶውን እዩ ነቢሩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኢየሱስ ነቲ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16)፡ ማለት፡ ቅቡእ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ብምባል መልሲ ክህብ ዝፈተነ ቅዱስ ጴጥሮስ እኳ፡ “ስምዖን ወዲ ዮና እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ደኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ” (ማቴ 16፡17) ቢሉ እዩ ዝመለሰሉ። እምበኣር ብመሠረቱ፡ ንክርስቶስ ምፍላጥ፡ ምሥጢር ትስብእቱን (ሰብ ምዃኑ)፡ ስብከቱን፡ ሕማማቱን፡ ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ንምርዳእ እምበኣር ህያብ ኣምላኽ እምበር ፍረ ጻዕሪ ሰብ ኣይኮነን ማለት እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ኣብርሂሉኳ ሽዑ ነዚ ዝተጠቕሰ መልሲ እንተሃበ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ከጋጥሞ ዝነበሮ ሕማማትን ሞትን ምስ ገለጸሉ ግን ፍልጠቱን ርድኢቱን ኣዝዩ ድሩት ከምዝነበረ ኣረጋጊጹ እዩ። ፈሊጠ ኢሉ ንኢየሱስ “ ጐይታ የድኅንካ እባ ደኣ፣ እዚ ነገር’ዝስ ከቶ ኣባኻ ኣይውረድ እናበለውን ኪገንሖ ጀመረ። ኢየሱስ ግና ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ‘ካባይ ረሓቕ ሰይጣን፣ ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ’ በሎ” (ማቴ 16 22 23)።

በዓለ ልደት ከነብዕል ከሎና ነዚ ባዕሉ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕረበሎም ሕቶ መልሲ ክንህብ ይግብኣና። እቲ ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፡ ሰብኣ ሰገል ዝሰገዱሉ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ክቐትሎ ምስ ደለየ ማርያም ኣዲኡን ዮሴፍ ጻድቕን ሒዞምዎ ንግብጺ ዝሃደመ ሕጻን መን እዩ ትብልዎ? እንተንበሃልከ ከመይ ዝበለ መልሲ ምሃብና?። ንእትፈልጦን እትጽበዮን ኢኻ እትቕበል እምበር ንዘይትፈልጦ ንዘይተጸባኻዮ ጋሻ ክትቅበል ትሽገር ኢኻ። እግዝእትነ ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ከም ትእዛዝ ኣጉስጦስ ቄሳር ክምዝገቡ ካብ ናዝሬት ናብ ቤተልሔም ምስ ተጓዕዙ፣ ዝፈልጥዎም ኣይረኸቡን። በዚ ምኽንያት ከኣ “ንኣኹም ዝኸውን መኅደሪ ኣጋይሽ የብልናን” ቢሎም መለሱሎም እሞ ካብቲ ከተማ ወጺኦም ኣብ መብልዕ ማል ክጽግዑ ተገደዱ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምዝበልዎ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝሓድረሉ ቦታ ሰኣነ። ካብ ከተማ ወጻኢ ተወሊዱ ካብ ከተማ ወጻኢ ድማ ኣብ ቀራንዮ ተሰቒሉ ሞተ። ወዮ ኢሳይያስ ነቢይ “ሕፃን ተወሊዱልና፣ ወዲ ተዋሂቡና እዩ። ንሱ ከኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ዘለዓለማዊ ኣቦ፣ መስፍን ሰላም፣ ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ” (ኢሳ 9፡6) እናበለ ዝተነበየሉ ንጉሥ ደኣ ከመይ ኢሉ መኅደሪ ቦታ ይስእን?

ቅዱስ ወንጌል፣ ንመድኃኔ ዓለም ብእምነትን ብክፉት ልብን ካብ ዝተቐበልዎ ሰባት፣ ብፍላይ ፣ እኖና እግዝእትነ ማርያም፣ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፣ ዘካርያስ፡ ዮሓንስ መጥምቕ፣ ቅዱስ ዮሴፍ፣ እቶም ጓሶት ቤተልሔም፣ ካብ ርሑቕ ኮኾብ መሪሑዎም ክሰግዱሉ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል፣ ኣብ ቤተ መቕድሰ ዝተቐበልዎ  ስምዖን ነቢይን፡ ሃናን ነቢይትን ይጠቅስ። እዚኣቶም ልቦም ከፊቶም ብተስፋ ንመድኃኔ ዓለም ዝጽበዩ ዝጸንሑ ምዃኖም ብተግባርን ብቃልን መስኪሮም እዮም። ብፍላይ ስምዖን ነቢይ~ “ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ከም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ። ከመይ ኣዕይንተይ ነቲ ምድኃንካ ርእየናኦ እየን። እዚ ከኣ እቲ ኣብ ቅድሚ ኲሉ ሕዝቢ ዘዳሎኻዮ ድኅነት እዩ። ንሱ እቲ ንኣሕዛብ ብርሃን፣ ንሕዝብኻ እስራኤል’ውን ክብሪ ዚገልጽ እዩ። ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ ዝተባህለ ነገራት ተገረሙ” (ሉቃ 2፡29-33)። እቶም ብትሕትናን ብተስፋን ዝጽበዩ፡ ከም ማርያምን ዮሴፍን፡ ከምቶም ኣብ በረኻ ዝሓድሩ ዝነበሩ ጓሶትን ይግረሙ፡ የመስግኑ፡ ይሰግዱ፡ የምልኹ። ንሕናውን ኣብዚ ልደተ ጥምቀት እነብዕለሉ ዘሎና ጊዜ፡ “ብሓቂዶ ንክርስቶስ እፈልጦን እፈትዎን እኽተሎን እየ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ንርእስና ክንሓትት፣ ልብና ከፊትና ብምግራምን ብታሕጓስን ክንቅበሎ ድልዋት ምዃናን ዘይምዃናን ክንምርምር ንጽዋዕ ኣሎና። ሎሚውን ‘ንስኻኸ መን እዩ ትብለኒ? ንስኺኸ መን እዩ ትብልኒ?’ ዚብል ሕቶ ይቐርበልና ኣሎ ማለት እዩ። ንፈልጦዶ ንኸውን? ነፍቕሮዶ ንኸውን? ፣ በቲ ንሱ ዝደልዮ መንገዲዶ ንጓዓዝ ንኸውን? ኣብ ወንጌል ቅዱስ ዮሓንስ፣ ቶማስ ሓዋርያ ንኢየሱስ “ጐይታ ናበይ ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ነቲ መንገዲ ደኣ ከመይ ገይርና ኢና እንፈልጦ?” ቢሉ ምስ ሓተቶ፣ ኢየሱስ

“መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፡ ብዘይ ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተትኾኑስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም” (ዮሓ 14፡5-7)ዝብል ንጹር መልሲ ሃቦ። ንወዲ ኣምላኽ እንተ ተቐቢልናዮ፡ እንተፈሊጥናዮ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦና ንርእዮን ንረኽቦን ማለት እዩ። ኢየሱስ ናይቲ ዘይርአ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝርአ መልክዑን ዝስማዕ ድምጹን እዩ።  ብሓቂ ከኣ ኢየሱስ ናብ ነፍስወከፍና ክመጽእ ከሎ ድኅነትን ሕውየትን ሒዙልና እዩ ዝመጽእ።

ኣብዚ፡ እቶም ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ክውለድ ከሎ ዘይተቐበልዎን ማዕጾ ልቦም ዘይከፈቱሉንከ እንመን እዮም ዝብል ሕቶውን ከይተላዕለ ኣይተርፍን እዩ። ብመጀመርታ እቶም ዋናታት መዕረፍ ኣጋይሽ ኮነ ዝበዝሕ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም ክቕበሎ ፍቓደይና ኣይነበረን። ንጉሥ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ናብኡ መጺኦም “ኮኾብ መሪሑና ኢና መጺእና ነቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣርእየና” ምስ በልዎ ኣይተሓጐሰን። በንጻሩ ፈሪሁን ሰንቢዱን። ከምኡውን እቶም ትንቢት ነቢያት ዝፈልጡ ዝነበሩ ካህናትን መማህራን ሕግን ንኢየሱስ ክቕበልዎ ድሉዋት ኣይነበሩን። ሎሚውን ዝጐድለና ከምዘይብልና ብትዕቢትን ብኣነነትን ተመሊእና ምቕባል እንተኣቢናዮ ነዚ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ዝህበና ተሪር ማዕዳ ንስማዕ፣ “ሃብታምን ፈሳስን እየ፣ ሓንቲ ኳ ዝጐድለኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ ሕሱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕውርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ (ራእ 3፡17)። ድኻታት ክንስና ሃብታማት ኢና እንተበልና ንርእስና ኢና ነታልል። ዕውራት ክንስና ንርኢ እንተበልና ኣብ ጸልማት ኢና ንነብር። ዕሩቓት ክንስና ክዳን ኣሎና እንተበልና ንርእስና ኢና ነተዓሻሹ። በዚ ምኽንያት እዩ መድኃኔ ዓለም ባዕሉ ካብ ዕሽነትና ክንወጽእ ካብ ዑረትና ክንሓዊ ዝመኽረናን መዋጽኦ ዘርእየናን ዘሎ። ከመይ፡ ሓቀይና ሃብቲ፣ ሓቀይና ክዳን፣ ሓቀይና ጽርየትን ንጽሕናን፣ ኣብ ኢየሱስ ካብ ዝርከብ ጸጋታትን ረድኤትን እዩ ዝርከብ። “ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ኅፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ከይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ክዳውንቲ ፣ ምእንቲ ክትርኢ ነዕይንቲኻ ክትኰሓለሉውን ኲሕሊ ካባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ” (ራእ 3፡18)። ነዚ ንምግባር ግን ኣዕሚቑና ንኢየሱስ መድኃኒና ክንፈልጦን ክንቅበሎን ክንክተሎን ኣድላዪ እዩ። ኢየሱስ ነቶም ድኽነትናን ዕራቖትናን ዑረትናን ተኣሚንና ናብኡ ዝቐረብና፡“እንታይ ክገብረልካ ተደሊ” (ማር 10፡51) ቢሉ ይሓተና እሞ ከም ባርጢመዎስ “መምህር ክርኢ” (ማር 10፡51) እናበልና ብእምነት ክንምልስ ኢና። ኢየሱስ ከኣ ንነፍስ ወከፍና “ኪድ እምነትካ ኣሕወየትካ” (ማር 10፡52) ዝብል ዘተባብዕ መልሲ ክህበና ኣዩ። እውነተይና ጸጸትን ንስሓን ንዓይኒ ኅሊናና ይኸፍተልና። በቶም ሾብዓተ ኣርእስቲ ኃጢኣት፣ ማለት ትዕቢት ንፍገት፡ ፍትወት ሥጋ፡ ቊጥዓ፡ ስስዐ፡ ቅንኢ፡ ትህኪት፣ ልብና ዓዊሩን ደንዚዙን እንተ ተረኽበውን፣ ኢየሱስ ባዕሉ፣ “ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖምን እቐጽዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳሕ።  እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣሎኹ። ሓደኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፣ ናብኡ ክኣቱ ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቕመጥ እየ፣ ንሱውን ምሳይ ኪቕመጥ እዩ” (ራእ 3፡19-20) እናበለ ዓብይ ተስፋ ክህበና ይርከብ። እግዚኣብሔር ብዝተፈላለየ መንገዲ ገኒሑና እንተኾነውን ስለዘፍቅረና እምበር ስለዝጸልኣና ከምዘይኮነ፡ ከሕውየናን ከበርትዓናን እምበር ክፈርደናን ከዳኽመናን ከምዘይኮነ ብቓሉ የረጋግጸልና ኣሎ።

እምበኣር ሎሚውን፣ ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ኢየሱስ፣ ንነፍስወከፍና፣ “ንስኻ፡መን እዩ ትብለኒ ? ንስኺ መን እዩ ትብልኒ?” እናበለ ይሓተና ኣሎ። ከመይ ዝበለ መልሲ ንህቦ ንኸውን?። ከም ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ”(ማቴ 16፡16) ክንብል እንተተረኺብና፣ ነቲ ኣብ ቤተልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒና ብኽፉት ልቢ ተቐቢልናዮ ማለት ስለዝኾነ “ብፁዓን፡ ዕውታት ኢና”። በዓለ ልደተ ጥምቀት ድማ ብሓቂ በዓላት ኣስተርእዮ ወይ መለኮታዊ ግልጸት ይኾነልና። እቶም ኣብ በረኻታት ቤተልሔም ማሎም ዝጓስዩ ዝነበሩ ገረሀይናታት ጓሶት “ ነዚ እግዚኣብሔር ዝገለጸልና ክውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ ንቤተልሔም ንኺድ” (ሉቃ 2፡15) እናተበሃሃሉ ብምኻድ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻንን” (ሉቃ 2፡16) ከምዝረኸብዎም፣ ንሕናውን ብትሕትናን ብቅንዕናን ብእምነትን እንተ ተሰናዲውና ንመድኃኔ ዓለም ክንረኽቦን ክንቅበሎን ኢና። ንሱ ከኣ ኣብ ልብና ኣቲዉ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ክመልኣናን ክባርኸናን እዩ። ልብና እንተኸፊትናሉ ኢየሱስ ሕጻን ኣብዚ በዓላት ልደተ ጥምቀት፣ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ትዕግሥቲ፡ ልግስነት፡ ሕያውነት፡ ርኅራኄ፡ ተኣማንነት፡ ለወሃት፡ ርእስኻ ምግታእ፡ ተዓቅቦ ፡ንጽሕና (ገላ 5፡22-23 ረአ)፣ ክልግሰልና እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብሓቂ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ከኣ ምሳና ነበረ፣ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ወዱ ዝኾነ ዚረኽቦ ክብሪ፣ ዝኣክል ክብሩ ረኣና” (ዮሓ 1፡14)። “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዚሕጐሰሎም ሰባት” (ሉቃ 2፡14) እናበልና ብሓጐስን ብምግራምን ምስቶም መላእኽቲ ክንዝምር ኢና።

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን በዓላት ልደተ ጥምቀት ይግበረልና።

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

 

 

 

“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኻትኩም ናብ ማያት ንዑ”

፴፱ ታኅሣሥ ፴፻፱ ዓ ም ግ፥ 7 ጥሪ 2016 ዓ ም ፈ

ፍቁር ሕዝበ እግዚኣብሔር

ጒዕዞ ዓመት ምሕረት ካብ እንጅምር ድሮ ወርኂ ሓሊፉ፣ ብዕለት 12 ታሕሣሥ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት፡ ማዕጾ ምሕረት ከፊትና መስዋዕተ ምስጋና (ቅዳሴ) ኣብ ዘዕረግናሉ ንግሆ ዝተራእየ ብዝኂ ሕዝብን ዕዙዝ ተሳትፎን ናይቲ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍና ዘሎ ጽምእን ጥምየትን ምሕረት ኣምላኽ እዩ ገሊጹልና፣ ዓመት ምሕረት ብምውእዋጁ ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ ንሕዝቢ እስራኤል ዘስምዖ፡“ኣቱም ጽሙኣት ኲልኹም ናብ ማያት ንዑ። ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ። ንዑ። ተሻየጡ እሞ ብልዑ፣ እወ ንዑ። ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ፣ ገንዘብኩም እንጌራ ኣብ ዘይኮነ። ጻማኹም ድማ ኣብ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡስ ስለምንታይ? ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ። ነቲ ዝጸበቐ ከኣ ብልዑ። ብጥዑም ብልዒ ድማ ባህ ኪብለኩም እዩ” (ኢሳ 55፡1-2) ዝብል ጸዋዒት ዝሰማዕና ኢና ንመስል ነቢርና፣

ከም ሓቁ እንተኾይኑስ፡ ከምሎሚ እዋን እኳ ብዛዕባ ገንዘብ ተዛሪብና ኣይንፈልጥን፣ ብሓደ ወገን ብዛዕባ ዝኣቱን ዝቕየርን ገንዘብ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣወጻጽኣኡ ብዙኅ ክንዛረብን ክንከራኸርን ቀኒና ኣሎና፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ከም ሎሚ’ኳ ገንዘብ ውሒዱና ኣይፈልጥን ክንብል ንኽእል፣ ንክዳንን ንመግቢ ዕለትን። ንትምህርትን ንደሞዝን-ንስራሕን። ንሕክምናን ንመንቀሳቐስን። ንሓጐስን ንሓዘንን። ንምትሕግጋዝን ንምክሳስን ክንብል እነጥፍኦ ገንዘብን ኃይልን ኣዝዩ ብዙኅ ከምዝኾነ ዕለታዊ መነባብሮና ዝምስክሮ እዩ፣ ኩሉ ዝግዛእን ዝሽየጥን ነገር ክብሪ ኮይኑ ከምዘሎውን ኣይጠፍኣናን፣ ስለምንታይ ደኣ እዩ ነቢዪ ኢሳይያስ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ እዋን። “ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ- ገንዘብኩም እንጌራ ኣብ ዘይኮነ፥ ጻማኹም ድማ ኣብ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡስ ስለምንታይ?” እናበለ ዝሓትት? ከይከፈልካን ከይደኸምካን ዝርከብ መግብን መስተንከ ከመይ ዝበለ እዩ? ኣበይከ ይርከብ? እቲ ለጋሥ ወሃቢኸ መን ይኸውን? ዝብሉ ሕቶታት ንርእስና ክንሓትት ኣገዳሲ ይኸውን፣

ብርግጽ እዚ ኢሳይያስ ዝዛረበሉ ዘሎ መግቢ እቲ ንሕና እንፈልጦ መዓልታዊ ሓላፊ መግቢ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቃል እግዚኣብሔር እቲ ነቢዪ እግዚኣብሔር ብነጻን ብብዝኅን ንሕዝቡ ብዛዕባ ዘዳልዎ ካልእ ሺሻይ እዩ ዝገልጽ ዘሎ፣ ምስ እዚ ናይ ሎምዘመን ዓመተ ኢዮቤል ኣተሓሒዝና እንተረኣናዮ ከኣ እቲ ቀዲሕካዮ ዘይነጽፍ በሊዕካዮ ዘይውዳእ ምሕረት ኣምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእ ሺሻይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ኣብዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ልደተ-ጥምቀትውን ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥርዓት ኣምልኾናን ብዛዕባ እዚ ምሕረት ኣምላኽ እዮም ዝዛረቡና፣ “እቲ ብምሕረት ሀብታም ዝኾነ ኣምላኽ” (ኤፈ 2:4)፥ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፥ ንዂራ ደንጓዪ፡በዓል ዓብይ ፍቕርን ሓቅን” (ዘፀ 34፡6) “ምሕረቱ ከኣ ንዘለዓለም እዩ” (መዝ 136) ዝብሉ ጠቕስታት ክንሰምዕ ከሎና፥ ምሕረት ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና መለለይን ዝዓበየ ስራሕን ከምዝኾነ ንርዳእ፣ ነዚ ምሕረቱን መደብ ድኅነቱን ብዝተፈላለዩ መንገድታትን፡ ኣብ ዝተፈላለ ጊዜን ዘመንን ክገልጽ ድሕሪ ጸኒሑ “ኣብዘን ዳኅሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኲሉ ዝገበሮ ወዱ ብእውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፣ ወልድ ናይ ኣምላኽ ክብሪ ዘንጸባርቕ’—ፍጹም ኣርኣያ እግዚኣብሔር እዩ” (ዕብ 1: 2-3)፣ ንሱ፡ እዚ ፍቁር ወዱ ኣብ ማእከልና ምስ መጸ እዩ ነቲ ነቢይ ኢሳያስ ኣቐዲሙ ዘበሠሮ መኣዲ እንጌራ ጽድቅን ማይ ሕይወትን ዝሠርዓልና፣ ባዕሉውን ”ናይ ሕይወት እንጌራ ኣነ እየ፡ እቲ ናባይ ዚመጽእ ኣይክጠምን፡እቲ ብኣይ ዚኣምን ድማ ኣይክጸምእን እዩ”(ዮሓ6፡35)ኢሉና እዩ።

መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብኣና ብደቅሰብ ዝርአን ዝስማዕን፡ ገጽን ድምጽን፡ ናይ መሓሪ ኣቦኡ ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ካብ ድንግል ማርያም ሥጋና ለቢሱ ኣብ ቤተልሔም ተወልደ፣ ስለዚ ልደት ክርስቶስ ንርእሱ ዓብይ ተኣምርን ዓብይ ናይ ምሕረት ስራሕን እዩ፣ ወልደ እግዚኣብሔር ንኣና ክመስል ምምራጹ፥ ኣብ ማእከልና ምሕዳሩ እቲ ዝዓበየን ጭቡጥን ምልክት ፍቕርን ምሕረትን እዩ፣ “ቃል ሥጋ ኮነ ወኅደረ ላዕሌነ” ክንብል ከሎና፥ ብሓጺሩ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገጽ’ቲ መሓርን ርኅሩኅን ኣቦና ኮይኑ እዩ ክበጽሓና መጺኡ ማለት እዩ፣ ንሱ ጥራይ እዩ መልክዕ እግዚኣብሔር ብርግጽነት ክገልጽ፥ ክምስታ ኣቦናውን ከርእየናን ከጥዕመናን ዝኸኣለ፣ ወንጌል ዮሓንስ ከምዝብሎ “ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦ ዘሎ እቲ እንኮ ውሉድ ዝኾነ ኣምላኽ ገለጾ” (ዮሓ 1:18፥ 6፡46)፣ ጐይታና ኢየሱስውን “እቲ ንኣይ ዝርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ እዩ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ከይነብር፥ ኣነ ብርሃን ኮይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣሎኹ” (ዮሓ 12:45-46) ይብለና፣ ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ “ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንቲና ዝረኣናዮ። በእዳውና ዘረምሰስናዮ። ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና፣

ሕይወት ተገሊጻ እያ፡ ንሕና ከኣ ርኢናያ ኢና ንምስክርውን ኣሎና፣ እታ ንኣና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዝነበረት ዘለዓለማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣሎና” (1ዮሓ 1:1-2) ክብል ከሎ እቲ ርጉጽ ገላጺ መልክዕን ጠባይ ምሕረትን ሕይወትን እግዚኣብሔር መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣

ኣብቲ “ገጽ ምሕረት-ኣምላኽ” ዝኣርእስቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶም፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እውን መድኅኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝረአ ገጽ-ምሕረት ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ኣነጺሮም ይገልጹልና እዮም፣ እዚ ደረት ዘይብሉ መሓርነት ናይ እግዚኣብሔር ግን ካብ ምንታይ እዩ ዝፍልፍል? እንተበልና፥ ካብ እቲ ወሰን ዘይብሉ ዕብየቱን ክእለቱን ስልጣኑን ጥራይ እዩ ዝመጽእ፣ ኣብቲ ኣብ በዓላት ልደተ-ትምቀት እንጥቀመሉ ኣኰቴተ ቊርባን፡ “እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ኣምላኽ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ንጉሥ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ኲሉ ዝኃዝካ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መላኺ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መድኃኒ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ፈራዲ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መሕየዊ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ መጋቢ ኢኻ፥ እወ ኦ ጐይታ! ናይ ኲሉ ሰሳዪ ኢኻ”፥ ብምባል ልዑል ኣምላኽና ዝሰኣኖ ከምዘይብሉ ምስ ተኣመንና፥ ቀጺልና ከኣ “ንኣና ንኃጥኣን እንተመሓርካና፡ ሽዑ ኢኻ መሓሪ እትብሃል፥ ንጻድቃንሲ ብምግባሮም ኢኻ እትምሕሮም፥ ከም ጽድቆምውን ትፈድዮም፣ ዝቐደመ በድልና ኣይትዘክር፥ ኦ ጐይታ ምሕረትካ ቀልጢፉ ይምጽኣና፣ ናባኻ ንጠርዕ ናባኻ ነእዊ ናባኻ ንምህለል ኣሎና፣ ንዘለዓለም ዓለም” (ሓዳፌ ነፍስ፥ እምቅድመ ዓለም (ዲዮስቆሮስ) እናበልና ኣብቲ ደረት ዘይብሉ መሓርነቱ ዘሎና ዓብይ ተስፋ ንገልጽ፣ ሰናይ ፍቓዱን ክእለቱን እንተዘይኮይኑ ምሕረት ከምጽኣልና ዝኽእል ካልእ ኃይሊ የልቦን፣ በዚ ምኽንያት ኢና መዓልቲ መጸ “በከመ ምሕረትከ እግዚኦ ወኣኮ በከመ ኣበሳነ” ከም ምሕረትካ ደኣ እምበር ከም በደልና ኣይትኺደና(መጽሓፈ ቅዳሴ)፥ “ኢትግድፈነ ኢትግድፈነ ወኢትመንነነ ኣምላከ ሰላም ተራድኣነ” ኣይትግደፈና ኣይትመንነና ኣምላክ ሰላም ተራድኣና(ሥርዓተ ዋዜማ) እናበልና ንልምኖ፣

ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን ብዓብይ ክእለት፡ “ብምኽሪ ርጉም ተመን ትእዛዙ ምስ ኣፍረስና፡ ካብታ ናይ ደስታ ገነት ናብ ጥፍኣት ወጻእና። ካብ ሕይወት ናብ ሞት፡ ካብ ሓርነት ናብ ባርነት፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ኃጢኣት ተገዛእና፣ ንሱ ግና ንፍጥረቱ ኣይኅደገናን፡ ሸለልውን ኣይበለናን፣ ከምቲ ዝበደልናዮ ኣይተቐየመናን። ብኃጢኣትና ፈጺምና ክንጠፍእ ከኣ ኣይኃደገናን፣ እኳ ደኣ ኣፍቀረናን መሓረናን ራኅርኃልናን፣ ካብ ኢድ እቲ ዚገዝኣናውን ኣናገፈና፣ ነቦኡ መልኣኽ ምኽሩን የማናይ ኢዱን ኃይሉን ጥበቡን ተበጃውን መድኃንን ዝኾነ ወዱ ለኣኸልና” (ቅዳሴ ዮሓንስ ኣፈወርቅ) ብምባል ነቲ ዘይሕለል ምሕረት ኣምላኽን ናይ ደቅሰብ ብዝኂ ኃጢኣትን የነጻጽሮ፣ ቅዳሴ እምቅድመ ዓለም ከኣ  ንልመናና ኣይንዓቖን፡ ኣይተቖጥዓናን፡ ምሕረቱውን ካባና ኣየርሓቐን፡ እሞ እግዚኣብሔር ኣምላኽና መሓሪ እዩ፣°እስመ ኢመነነ ወኢተቆጥዓ ስእለተነ። ወኢያርሐቀ ሣህሎ እምኔነ እስመ መሓሪ ውእቱ እግዚኣብሔር ኣምላክነ” እናበለ ምሕረት እግዚኣብሔር ጭቡጥ መግለጺ ፍቕሩን ትዕግሥቱን ለውኃቱን ከምዝኾነ ይገልጸልና፣

ኣብ መጨረስታ፡ ኢሳይያስ ነቢይ “ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ። ነቲ ዝጸበቐ ከኣ ብልዑ። ብጥዑም ብልዒ ድማ ባህ ኪብለኩም እዩ” (ኢሳ 55፡1-2) ይብለና፣ ንኣና እዚ ዝጸበቐ ጥዑም ብልዒ እዚ እቲ ገጽ ምሕረት ኣምላኽ ዝኾነ፥ ኣብ ማኅጸን ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ፡ ኣብ ቤተልሔም፡ ኣብ መብልዕ ማል ዝተወልደ፥ ጓሶት ዝሰገዱሉ መላእኽቲ ሰማይ “ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ” እናበሉ ዝዘመሩሉ ኢየሱስ ሕጻን እዩ፣ ልደት ኢየሱስ ሕጻን እምበኣር፥ ካብ ሰማይ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ነፍስ ወከፍና ኣውሪዱ ከምቲ ወትሩ መሓሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ንእናውን መሓርቲ ይግበረና፣ ስለዚ ንኢየሱስ ሕጻን፡ መሓርቲ ኣዕይንቲ፡ መሓርቲ ኣእዛን፡ መሓሪት መልሓስ፡ መሓርቲ ኣእዳው፡ መሓርቲ እእጋር፡ መሓሪ ልቢ፡ ሀበኒ እናበልና ንለምኖ፣ ምሉእ ዓመተ ምሕረት ከኣ ምስ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ይኹነልና፣ “እቲ ምሕረት ዝገብር ብሓጐስ ይነብር” (ሮማ12፡8) ከምዝብል ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሕጉስን በዓላት ልደተ-ጥምቀት ይግበረልና፣ ኣብዚ ዓመትዚ ንጉሥ ሰላም መድኃኔ ዓለም፡ “ምሕረትን ሓቅን ከምዝራኸባ ፍትሕን ሰላምን ከኣ ከምዝሰዓዓማ” (መዝ 85) ይግበረልና

ምስ ብዙኅ ሰላምታን ቡራኬን

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

ሊቀ ጳጳስ ዘበኣሥመራ

 

 

ጾምን ጸሎትን

 

 

ጾምን ጸሎትን

ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከኣ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ”። ገላ: 2፡20

ዝኸበርኩም ምእመናን ካብዚ ናይ ጳውሎስ መልእኽቲ ተበጊስና ወዲ ሰብ ወይ ኣማናይ ሓጢኣት ከይንገብር ክመውትን  ግና ምስ ክርስቶስ ሕያው ኮይኑ ከምዝነብርን ክንኣምን ይግብኦ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ከም ዝሞትኩም፥ ብኽርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ሕያዋን ከም ዝኸንኩም፥ ርእስኹም ቁጸሩ፡ ይብል ኣብ ሮሜ 6:11፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ካብዚ ተበጊሱ ነዚ ቃል ኣምላኽ ክነብሮን ኣብ መዓልታዊ  ሕይወቱ ነዚ ቓል ኣምላኽ እዚ ከስተንትንን ክእውጅን  ፍሉይ ጸዋዕታ ኣለዎ።  ኣብ ሕይወት ክርስቲያን ሰለስተ ጸላእቲ ኣለውና ንሳቶም ከኣ፥ ስጋ፡ ዓለም፡ ሸይጣን ኢያቶም።

እዞም ጸላእትና ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝሰዓሮም። ንሕናውን ሕጂ ነዞም ሰለስተ ጸላእቲ ደቂ ሰባት ንምስዓር ብፍላይ በዚ ግዜ እዚ ወትሩ ዕጡቓት ክንከውን ይግበኣና። ስለዚ ንሕና ነዞም ፈተናታት ኢዚኣቶም  በቲ ኣብ መስቀል ምእንቲ ድሕነትና ዝተፈጸመ ተግባራት ብምእማን ክንስዕሮም ይግበኣና። ምኽንያቱ ንሱ ኣብ መስቀል ኣብ ልዕሊ  ስጋን ዓለምን ሸይጣንን ከምዝተዓወተ ኣብ መስቀል ኣርእዩና ኢዩ።  ነዚ ንኽንገብር ከኣ  እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዘዲሊ መሳርሒ ንእምነትና ዘደልድልን ፍረ ዝህብን ነቶም ናይ እምነትናን ጉዑዞናን  ጸላእቲ እንስዕረሉ መሳርሒ ገዲፉልና ከይዱ ኢዩ። እዚኣቶም ከኣ ጾምን ጸሎትን ኢዮም።

ጾም እቲ መሰረቱ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾነ ወዲ ሰብ በዚ መንገዲ እዚ ብእምነት ንኽዓብን ክቕደስን ቢሉ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓሉን ተግባሩን  ዝመሃሮ ቅዱስ መሳሪሒ ቅድስናና ኢዩ። ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ነገራት ኣለዉ ብዘይ ጾምን ጸሎትን ክንስዕሮም ዘይንኽእል። “እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ግና በጸሎትን ብጾምን እንተዘይኮይኑ ኣይወጽእን እዩ በሎም ” ማቴ፡ 17፡21

ክርስቶስ ጾም ንኽትገብር ይምህረካ፡ ኣብነት ይህበካ ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትጸውም ከለኻ . . አንዳበለ ጾምካ ፍረ ምእንቲ ክህልዎ አንታይ ክትገብር ከምዘለካ መገዲን ኣገባብን  ይሕብረካ. . ማቴ 6: 16። ስለዚ ንነፍሲ ወከፍ ኣማናይ ኣብ ጉዕዞ እምነቱ ንኽዓቢ ናብ ቅድስና ንኽበጽሕ ብፍሉይ መገዲ ኣብዚ ግዜ ጾም እዚ ምጽዋት፡ ጸሎት፡ ጾም ከዘውትር ይግበኦ።

እዚ ዓይነት ተግባር ብፍቅሪ ተደሪኽና ምእንቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ኢልና ክንገብሮ ኣብ ማቴዎስ 6 ጎይታና  ኢየሱስ ክርስቶስ ይምህረና። “ ብሰብ ምእንቲ ኽትረኣዩ ኢልኩም ጽድቅኹም ከይትገብሩ ተጠንቐቁ። እንተዘይኮይኑ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምበኣር ንስኻ ክትጸውም ከለኻ፥ የማነይቲ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፥ እቲ ብስውር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ክፈዲየካ ኢዩ። ክትጽሊ ከለኻ ናብ ቤትኻ፥ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብስውር ዘሎ ኣቦካ ጸሊ. . . .ይብለና ።

ዝኸበርኩም ምእመናን ጾም ንደጋዊን ውሽጣዊን ጉዕዞ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ገምጋም እንገብረሉን ንስሓ ብምእታው ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሓውና እንዕረቐሉ  ቅዱስ ግዜ ዩ። እምበኣር ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ …ክዳውንትኹም ዘይኮነ ልብኹም ቅደዱ… እግዚኣብሔር ንኹራ ደንጓዩ ብምሕረት ምሉእ ካብ ክቐጽዕ ክርሕርሕን ክምሕርን እዩ ዝፈቱ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ’’ ይብሎም፣ (ኢዮኤል. 2:12-13)። ስለዚ ንሕናውን ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚኣብሔር እንምለሰሉ ግዜን ወቕትን ኢዩ። ከምቲ ኣቀድሚና ዘስተንተናዮ ነቶም ናይ ዓለም ፈተናታት ደቂ ሰባት ስጋ፡ ዓለም፡ ሸይጣን ስዒርና ኣብቲ ናይ  ክርስቶስ ትምህርቲን ጸዋዕታናን   እሙናት ኮይና፡ ንኽንርከብ እንዕጠቐሉ ግዜ ኢዩ።

ጳውሎስ ናብ ኤፈሶን ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል፥  ንስኻትኩም ግና ንኽርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመህርክምዎን። እንተ ደኣ ብሓቂ ሰሚዕኩምዎ ኼንኩም፥ ብአኡ ከኣ ተማሂርኩም አንተኾንኩም. . . . . ነቲ ቐደም ትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፋእ ትምኒት ዝተበላሸወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፥ በተሓሳስባኹም እውን ተሓደሱ” ይብል። ሎሚ ንሕና ብሓቂ ነቲ ዝመጽእ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንስኤ ብዝግባእ ክነብዕል እንተኾይና፡ ነዚ ቃል ጳውሎስ ክንሰምዕ ይግበኣና። ብተግባርናን ኣተሓሳስባናን ክንልወጥ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባና ክረኣን ክሰርሕን ክንሰርሕ ይግበኣና። ጾም ናይ ለውጢ፡ ናይ ንስሓ፡ ዕርቂ ግዜ ኢዩ እሞ ንተቀመሉ። ኣብ ቅድሚኡ ቀሪብና ከኣ ምስ ዳዊት ኮይና ከምዚ እንዳበልና ንዘምረሉ፥

“ኦ ኣምላኽ፥ ምእንቲ ዘለኣለማዊ ምሕረትካ ኢልካ ይቕረ በለለይ፥

ምእንቲ ዓቢይ ርሕራሔኻ ኢልካ ኸኣ ኣበሳይ ደንምስስ።

ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፥

ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።

ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ ኣለኹ፥

ሓጢኣተይውን ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።

ኣነ ንኣኻ፥ ንኣኻ ንበይንኻ ጥራይ በደልኩ፥

ኣብ ቅድሜኻውን እከይ ገበርኩ፥

ስለዚ ኽትፈርደኒ ሓቅኻ ኢኻ፥

እንተቐጻዕካኒውን ቅኑዕ ኣሎኻ።

ኦ ኣምላኸይ፥ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፥

ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ።

ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፥

ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።

ሓጎስ ምድሃንካ ምለሰለይ፥

ፈትየ ክእዘዘካ ደግፈኒ! ኣሜን

እግዚኣብሔር ስለ ኹሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን! ኣሜን

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

ዓመተ ምሕረት

ፍሉይ ዓመተ ምሕረት ( እዮቤል)

እዚ ዓመት እዚ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍሉይ ዓመተ ኢዮቤል ኣዊጆሙልና ኣለዉ። ንሕናዊን ከም ቁምስና ነዚ ጸዋዕታ እዚ ተቐቢልና ብግሊ ይኹን ብሓባር መደባት ብምሕንጻጽ ዕውትን ፍርያምን ጉዕዞ ክንገብር ንዕደም ኣለና። ከምቲ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝበሉዎ “ ምሕረት ኣምላኽ ምንጪ ሓጎስን ርግኣትን ሰላምን ስለዝኾነ፡ ድኅነትና ከኣ ኣብኡ ስለዚምርኮስ፡ ነዚ ምሕረት-ኣምላኽ ወትሩ ክነስተንትኖ የድሊየና”።

ስልዚ ዝኸበርኩም ምእመናን ከምቲ ዘማራይ ኣብ መዝሙር 119 “ ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ፡ ንመንገደይ ከኣ ብርሃን ኢዩ” ኢልና ብልቢ እንዳጸለና ነዚ ዓመት እዚ ክንዕጠቕ ፍቓድ ኣምላኽ ክንፍጽምን ይግበኣና። ድላይ ወይ ፍቓድ ኣምላኽ ንወድ ሰብ ብጽዕናን ድሕነትን ዚህብ እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ እቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዜውጽኦ መደብ ድሕነት እዩ። ኣምላኽ ንወድሰብ ስለ ዜፍቅሮን ኣብ መደብ ድሕነቱ ስለ ዘእተዎን ኣብ ዓወት ኪበጽሕ ስለ ዚደልዮን ኩሉ ግዜ ብልብን ብሕጉስ መንፈስን ፍቓድካ ኣብ ሰማይ እናበለ ንኺጽሊ ይዕድም። እዚ ማለት ከኣ ፍቕርን ሓልዮትን ኣምላኽ ኣብ ዓለምና ኪስፍን ብዘይምቁራጽ ጸሎት ምግባር የስምዕ።

እምበኣር ነዚ ብቑዓት ኮይና ንኽንርከብ ሎሚ እግዚኣብሔር ብቤተክርስቲያኑ ገሩ ብዛዕባ ምሕረት ክነስተንትን ፍሉይ ጸዋዕታ ይገብረልና ኣሎ። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ በቲ ሓደ ወዱ ሓንሳብን ንሓዋሩን ገሊጹልና ኢዩ። ኢዮብ ነዚ ከኣሌ-ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽና እንክዝክር ከምዚ እንዳበለ ይገልጾ፥  ኩሉ ከም እትኽእልን፤ ነቲ ዝመደብካዮ ኻብ ምግባር ዚኽልክለካ ኸም ዘአልቦን ሕጂ ፈለጥኩ ይብል ኢዮ 42:2።  እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ኢዩ። ነዚ ኣሚና “ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝኾነ ንስኻትኩም ከኣ ርሕሩሓት ኩኑ” ሉቃ፡ 6፡36 ዝብል ቃል ወንጌል እንዳስተንተና፡ ኣብ ምሕረትን ዕርቅን  ክንመላለስ እቲ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ኣብ ሕይወትና ምሕረት ምዝውታር ማለት ምስ እግዚኣብሔር ኣቦናን ኣሕዋትናን ዕርቂ ምዝውታር ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ንስሓ መወዳእትኡ ምሕረት ኣምላክ ምርካብ ስለዝኾነ።

ዝኸበርኩም ኣቦታት ኣዴታት ኣሕዋት እምበኣር ነዚ ጸዋዕታ እዚ ንሕናውን ከም ቁምስና ዕለት 6 ሕዳር ብመስዋዕተ ቅዳሴ ጀሚርናዮ። ነዚ ወትሩ ዘሰንየና ሓደ ንእሽተይ ጸሎት ቀሪብናውን ወትሩ ሰንበት ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴ ንደግሞ ኣለና። ከምኡውን 20 ሕዳር 2015 ኣባ ቪቶርዮ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ብዛዕባ መልእኽቲ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰፊሕ መግለጺን ትምህርትን ሂቦሙና ። እግዚኣብሔር ነባ ቪቶሪዮ ይባርኽን ይቐድስን።

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ

መልእክቲ ቆሞስ በዓለ ልደት 2016

ኢየሱስ ኣብ ውንጌል ማቴዎስ ከምዚ እንዳበለ ይእውጅን ይምህርን፥ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጻሎም። ኢየሱስ ካብታ እዋን እቲኣ፥ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ እሞ ተነስሑ እናበለ ኪሰብኽ ጀመረ። ማቴ :16-17

ዝኸበርኩም ምእመናን ብጸጋ እግዚኣብሔር እንሆ ነዚ በዓለ ልደት 2016 ክነብዕል በቒዕና። ነዚ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝተወልደ ክርስቶስ ሎሚ በቲ እንፍጽሞ ስርዓት  ኣምልኾና፡ ኣነባብራ ሕይወትና ኣብ መንጎና ህልው ንገብሮ፥ ኣብ ልባትና ከምዝውለድ ንገብሮ።  ግዜኡ ምስበጽሐ ግን፤ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ከድሕን፤ ንሕናውን ናይ ውልድነት መሰል ምእንቲ ኽንረክብ፤ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ: ኣብ ትሕቲ ሕግውን ዝሓደረ ወዱ ለኣኾ። እዚ ኸኣ እቲ ነቦታትና  ነብርሃምን ንዘርኡን ዝኣተወጀሎም ቃል በዚ ልደት እዚ ክፍጸም ንረኽቦ።  የውሃንስ እንታይ ይብል ..” እቲ ቃል ስጋ ኮነ፤ ጸጋን ጽድቅን መሊኡዎ፤ ኣብ  ምንጎና ሓደረ፤ ሓደ ወዱ ነቡኡ ዝኾነ: መጠን ዚረኸቦ ክብሪ ዚኣኽል ክብሩ ረአና ንሕና ኹልና ካብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና

ኣብቲ ናይ ጸሎተ ሃይማኖትውን ውትሩ እንደግሞ … ንአና ንደቂ ሰብ: ምእቲ ድሕነትና ኢሉ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ። ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ከም ተሰግወ፤ ሰብውን ከም ዝኾነ ኢልና ንጽልን ንደግምን። ስለዚ እግዚኣብሔር ንወድሰብ ናብቲ መሰረቱ ንምላስን .. ንምድሓንን ምእንቲ ካሕሳ ሓጥያትና ኣምላኽ ሰብ ኮነ። ናብ ዓለም መጸ .. ስጋና ከኣ ለበሰ። ብኣኡ ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ፤ ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ለኣኾ። በዚ ኸኣ ኣሕዋት ፍቕሪ ኣምላኽ ኣባና ተገልጸ። 1የው. 4:9 ስለዚ ነዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘለና ልደት ወይ ክነብዕል ከለና መጀመሪያ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዝገበረልና ጸጋ ክነመስግንን ክንውድስን ይግበኣና። ንሱ ኣምላኽ እካ እንተኾነ ነቲ ኹሉ ኣምልኽነቱ ብምግዳፍ   ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ብምላድ ሰብ ብምኻን ንዓለምና ድሕነት ዘበሰረላ መዓልቲ.. ንነፍሲ ወከፍና  ፍቕሩ ዝገለጸላ መዓልቲ ኢያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሎምውን ክርስቶስ ጎይታ ኣባይን ኣባኹምን ክውለድን ክንጸግን ከምዝኽእል ምርዳእ የድሊ።

ዮውሃንስ ነዚ ክምስክር ንረኽቦ። ብዛዕባቲ ካብ መጀመሪያ ዝነበረ፤ ንሕና ዝሰማዕናዮ፤ ብዕይንትና ዝረኣናዮ ዝጠመትናዮ፤ በኣእዳውና ዝረምሰስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣለና። ሎሚውን እዚ ቃል እባይን ኣባኹምን ተሰማዕነት ክረክብ የድሊ። ቃል ኣምላኽ ዝብለና .. ቤተክርስቲያና .. ትብለና ክንሰምዕ።  እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፦ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ደማ ብርሃን ወጸሎም። ሕጻን ተወሊዱልና፦ ወዲ ተዋሂቡና እዩ፦ንሱ ኸኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ነሱ “ ግሩም መኻሪ ”“ ብርቱዕ ኣምላኽ ” “ ዘለኣለማዊ ኣቦ ” “ መስፍን ሰላምተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ።

ሎሚ ቃል እግዚኣብሔር ቦታ ሲኢኑ ….. ትምህርቲ ክርስቶስ ናይ ድኹማትን ሕማቓትን ኮይኑ ክፍአትን ንዓይ ይጥዓመንን ነጊሱ ኣብ ዘለወሉ ጊዜ ….. እዞም ኣብ ክርስቶስ እንኣምን ብሓቂ ክነስተንትንን ክንጽልን – መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሉይ መገዲ   ንነፍሲ ወከፍና እጽውዕ። ቃለይ ኪትሰምዑ ኣብ ጽምው ዚበለ ቦታ ውጹ’ሞ ኣዕርፉ ሽዑ ድምጸይንድለይተይን ከተለልዩ ኢኹም ይብለና ኣሎ።- ካብ ምድረ በዳ ወሲዳ ኣብ ልብኹም ክዛረበኩም ኣብኡ ዘተቐረበ እንጌራን ዚተዳለወ ማይን ክትበልዑን ክትሰትዩን ኢኹም ክትመስግኑ ድማ ኢኹምበኣይ ዚኣምን ኣይጠምን ኣይክጸምእን ድማ” ይብለና ኣሎ …. በል እዚ እንተኾይኑ ጸዋዕታይ ጸዋዕታኹም “ምሳኻ ምዃን ጥዑም’ዩ – ድንኳናት ንትከል” “ንስኻ ንኩሉ ግዜ ምሳና ትረፍ – እንጌራ ከኣ ባሪካ ሃበና’ሞ ሕይወት ክንረክብ ኢና” እንበሎ ነቲ መድሓኒና።

ንዓለም ከኣ – ምስቲ ዘማራይ ኮይንና እግዚኣብሔር ሠናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን ኣብኡ ዚውከል ሰብ ዕዉት ብጹዕ እዩ እንዳበልና ነሕዋትና ንመስክር።  ነቶም ዝእዘዝዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ። ደቀየ ንዑ ስምዑኒ ኣነ ከኣ ፍርሓት እግዚኣብሔር ክምህረኩም እየ። ጽቡቕ ኪነብር ዚደሊ መን’ዩ – ሓጎስ ዘይመልኦ ነዊሕ ዕድመ ኪረክብ ዚደሊ መን እዩ? ካብ እከይ ርሓቕ ሠናይ ከኣ ግበር – ንሰላም ድለያ ሰዓባ’ውን ይብለና መዝሙር 34 እሞ ንሕናውን ብፍላይ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝተባህለና ነዚ ናይዚ ዓመት እዚ ኣዋጅ ቅዱስ ኣቦና ፍሉይ “ዓመተ ኢዮቤል – ዓመተ ምሕረት” ተቐቢልና ብትሑት መንፈስ ንሰናይ ተግባራትን ዕርቅን ሰላምን ክንሰርሕ ይግበኣና።

መሓርቲ፥ ምሕረት ክርኽቡ ኢዮም እሞ ብጹኣን ኢዮም” ከምዝብሎ ማቴዎስ ኣብ ወንጌሉ፡ ምሕረት ናይ ንስሓ መግለጺ እዩ እሞ  ብንስሓ ቅድሚ ኵሉ፤ ንልባትና ናብኡ ንመለስ። መሠረታዊ ዝኾነ ውሽጣዊ ንስሓ ንግበር።  ብምሉእ ልብና ናብ ኣምላኽ ንመለስ።  ካብ ክሉ ክፍኣት ዘበለ መገዲን ሓሳባትን ገዲፍና ናብቲ ቅኑዕ ዝኾነ መገዲ ኣምላኽ ንመለስ። ኣምላኽና ኣምላኽ ምሕረት ኢዩ እሞ ኣብ ምሕረት-ኣምላኽ ብምትስፋው፤ ብሓገዝ ጸጋኡ ሕይወትና ንምልዋጥ ንጽዓር።  እቲ ንድሕነትና ነቲ ሓደ ወዱ እካ ዘይበቐቀልና ኣቦ ምሕረት ዝኾነ ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ ክሰደልና እዩ።  ዝኸበርኩም ምእመናን ዓመተ 2016 ዓመተ ምሕረትን፥ ዕርቅን፥ ሰላምን፥ ይትግበረልና።

እግዚኣብሔር ጉዕዞና ይባርኽን ይቐድስን! ኣሜን!!

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

ኣስተንትኖ ብዛዕባ ድንግል ማርያም

ብሰይ ንእግዚኣብሔር ተዕብዮመንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ፥ በቲ መድሓኒየይ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ እሞ እንሆ ኻብ ሕጂ ንደሓር ኲሎም ወለዶ ብጽዕቲ ክብሉኒ እዮም”። ሉቃ.1:46-48

ኣብ ካቶሊካዊት እምነት … ብዛዕባ ማርያም ዚእመን ዘበለ ኹሉ፣ ኣብ’ቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚእመን ኩሉ ዝተመስረተ እዩ። እቲ ብዛዕባ ማርያም ዚምህሮ ከኣ ተመሊሱ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ እምነት ዜብርሆ እዩ። እግዚኣብሔር ንወዱ ለኣኾ ግና ንኣኡ ዝኸውን ስጋ ንምስንዳው ናይ ሓንቲ ፍጥረት ነጻ ዝኾነ ምትሕብባር ደለየ። ስለዚ ኸኣ ንማርያም መረጸ።  ቤተክርስትያና ድንግል ማርያም   ብሓቂ ኣደ ኣምላኽን ኣደ’ቲ መድሕንን ከምዝኮነት ትፈልጥን ተኽብርን። ንሳ ብኑጹር ኣደ’ቶም ኩሎም ኣባላት ክርስቶስ እያ። ምኽንያቱ ኸኣ እቶም ኣባላት’ቲ ርእሲ ዝኾኑ ምእመናን ንኽውለዱ በቲ ኣፍቅሮታ ተሓባቢራ እያ።

ማርያም ብጸጋ ኣምላኽ ዝሃብተመት ሰብ እያ፣ ንሳ ነቲ ተስፋ ደቂ ሰባትን ፍረ ታሪኽ ድሕነትን ዝኾነ ክርስቶስ መድሓኒ ወሊዳትልና። እዛ ድንግል እዚኣ ንቃል ኣምላኽ ኣብ ልባ ሒዛ ኣሚናን እተስተንትን ዝነበረት ብጽዕቲ ኢያ።

እዛ ቅድስቲ ኣደ መድሓኒናን ኣደናን፡ ምስ ወዳ ኣብ ግብረ-ድሕነት ዘለዋ ሓድነት፣ ካብ ክርስቶስ ድንግልናዊ ተጸንሶቱ ኣትሒዙ ክሳብ ግዜ ሞቱ: ብፍላይ ኣብቲ ሥቕያቱን – ሕማማቱን ተገሊጹ ንረኽቦ። ምእንቲ’ዚ ድንግል ማሪያም ክሳብ መወዳእታ: ኣብቲ ምስወዳ ዘለዋ ሓድነት ብተኣማንነት ጸኒዓ ተረኽበት። ነቲ መለኮታዊ መደብ ብምሕላው፡ ኣብኡ ደው ብምባል፣ ምስ’ቲ ኡንኮ ወዳ ኣብ’ቲ መስዋእቱ ብእናታዊ ርሕራሔ ብምጽንባር፣ ነቲ ሥቕያት ናይ ወዳ ብምጽዋር፣ እዚ ካብኣ ዝተወልደ በጊዕ፡ ክስዋዕ ብፍቕሪ ተቐበለቶ።

ግን ከኣ ከምቲ ስምኦን ዝተነበዮ እንሆ እዚ ሕጻን እዚ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሳኦምን፥ ከምኡውን ዘይቕበልዎ ምልክትን ኪኸውን ዝተመደበ እዩ .. ብምባል ቀጺሉ … ንዓኺ ኸኣ ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ክግለጽ፥ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንጥቖ እዩ እንዳበለ እቲ ሓቀኛ ጸዋዕታኣን መጻኢ ሕይወታን ይንበ።

ማርያም ኣብ ሰለስተ ወሰንቲ ናይ ድሕነት ወዲ ሰብ  ታሪኽ ተሳታፊት ኮይና ንረኽባ። እታ  ጋል ጽዮን ዝነበረት ኣደ እቲ መድሃኔ ዓለም ትኸውን። ኣብ መንጎ እቶም 12 ሓዋርያት ኮይና ናይ’ቲ ስቅያቱን ሞቱን ትንሳኤኡን ተሳታፊት ትኸውን። ድሕሪ ዕርገት-ወዳ እውን እንተኾነ ማርያም ብጸሎታ ኣብ ምምሥራት ቤተክርስቲያን ተሓጋገዘት። ኣብቲ ናይ  መጀመርታ ታሪኽ ወይ ምምስራት ቤተክርስትያን ተሳታፊት ጥራይ ዘይኮነስ  ኣብ ምምስራት ቤተክርስቲያን ዓቢ ቦታ ሒዛ ትርከብ። ኣብቲ ምስ ሓዋርያትን ካልኦት ብርክት ዝበላ ኣንስትን ብሕብረት ዝነበረቶ፣ ማርያም ኣብ ጸሎት ተጸሚዳ፣ ድሮ ካብ ግዜ ብስራታ ኣጽሊልዋ ናይ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ከተማልድ ንርእያ። ማርያም እዚ ኹሉ ጸጋ ክትረክብ ዝኸኣለት ነቲ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ሰለዝሰምዐት .. ወይ ኣብኣ ንኽፍጸም ስለዘፍቀደት ጥራይ እዩ።

ርያም ድማእኔኹ ኣነ ባርያ እግዚኣብሔር እየ፥ ከም ዝበልካለይ ይኹነለይ እናበለት ኣብ ጉዕዞ ሕይወታ ንፍቃድ እግዚኣብሔር ኣቦ ብምልኣት ብምፍጻም፡ ኣብ ናይ ወዳ ስራሕ ድሕነት ሰሚራ፡ ንኹሉ ናይ መንፈስ ቁዱስ ሕሹኽታ ብምቕባል፣ ድንግል ማርያም ንቤተኽርስቲያን ናይ እምነትን ኣፍቕሮትን ኣብነት ትኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናይ ቤተኽርስቲያን ፍጽምቲ ኣምሳል ትብሃል። ብፍሉይ ዝኾነ መገዲ፣ ብተኣዝዞኣን እምነታን ተስፋኣን፣ በቲ ዘቓጽል ኣፍቅሮታን፡ ንነፍሳት መልእልተ-ባሕሪያዊ ሕይወት ንምሃብ ኣብ ዝግበር ስራሕ መድኃኔ ዓለም ተሓባባሪት ኮነት። በዚ ምኽንያት ንነፍሲ ወከፍና ኣዴና ትኸውን። ቅዱስ ኢረንዩስ …. ተኣዛዚት ብምኻና ንርእሳን ንመላእ ዓሌት-ሰብን ምኽንያት ድሕነት ኮነት። ኣዚ ኩሉ ጸጋታት ህያባት ናይ ማርያም ካብቲ ናይ ክርስቶስ ምልኣተ ጸጋ ዝፈሰሰ፣ እዩ።

ስለዚ እቲ ንማርያም ዝወሃብ ክብሪ፣ ዝኽሪ ካብቲ  ተልኡኾኣ ብምብጋስ ጥራይ ዘይኮነስ … ካብቲ ኣብነታዊ ዝኾነ ሕይወታ ዝነቐለ’ውን ኢዩ። ንማርያም ምስትንታን ማለት ንብምልኡ ገጽ ወንገል ምስትንታን ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ንወንጌል ብሕይወታ ስለዝመስከርቶ። ብተወስኺ ንማርያም ክብርን ውድሴን ነቕርበላ .. ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ስለዝተቐበለት ኢና። ሰላም ንዓኺ ምልእተ ጸጋ፥ እግዚ ኣብሔር ምሳኺ እዩ፥ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ።  ከምዚ እናበለ መልኣኽ እግዚኣብሔር ካብ ወደሳን ካብ ኣኽበራን … ስለዚ ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ንማርያም ዝተወፈየ ወርሒ:  ምህለላን ጸሎትን  ምስታፍ ማለት ነደቂ ሰባት ንኣመንቲ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ  ወይ ምንጪ ድሕነት ዘሳትፈና ክኸውን ይግብኦ። ስለዚ ንሕና ደቂ ማርያም ንኩሉ ጉዕዛዊ ሕይወትና  ምስቲ ናይ ማርያም ሕይወት ክነመሳስሎ ንጽዓር።ምኽንያቱ ወልደ እግዚኣብሔር ብመንገዲ ማርያም ካብ መጻና ንሕናውን ብመንገዲ ማርያም ንርከቦ።

ዝለዚ ሎሚውን እግዚኣብሔር ነዛ ብእምነት ምድረበዳ ዝኾነት ዓለምናብኣብነቶምን ቃላቶምን ናብ ምድረ ገነት ዝመርሕዋ… ከም ማርያም ብትሑት ሕይወት ዝመላለሱ ፍጥረት የድልዩዋ ኣለዉ። እምበኣር ኩሉና ኣብ ማርያም እነኣምን ነቲ ናታ ኣብነት ምኽታል እዚ ወርሒ እዚ ብፍሉይ መገዲ ኣብ ምህለላን ጸሎትን ብኣማላድነት ድንግል ማርያም ክንሳተፍ ንዕድም ኣለና።

ስም እግዚኣብሔር ዝተባረኸ ይኹን! ኣሜን።

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

ንስሓ

ዝኸበርኩም ምእመናን ደብረ መድኃኔ ዓለም

ብመጀመሪያ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምስኻትኩም ይኹን እንዳበልኩ ክርስትያናውን ኣባታው ሰላምታይ የቕርበልኩም። እንሆ እምበኣር ነዚ ወርሒ ሓምለ ምስ እግዚኣብሔርን ሓውናን ዕርቂን ሰላምን ንኽንገብር: ብዛዕባ ንስሓ ክነስተንትን ዕድመይ የቕርብ። ብተወሳኺ እዚ ወርሒ እዚ ብቤተክርስቲያን ንቕድስቲ ሓና ኣደ ማርያምን እያቄምን ቅዱሳት ስድራ ዝተወፈየ ወርሒ እዩሞ: ንኹለን ስድራቤታት ኣብዛ ቕድስቲ ስድራቤት ነማዕቅበን።

ስም ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ተሓጺብኩም ተቐዲስኩምን ጸዲኩምን ኢኻትኩም። ካብቲ ንኽርስቶስ ዝለበሰ ሰብ ኃጢኣት ከምዝተቐንጠጠ ንምርዳእ እግዚኣብሔር ብምስጢራቱ መባእታ ኽርስትና ገቢሩ ዝሃበና ጸጋታት ስፍሓቱን ጥልቀቱን ምግንዛብ የድሊ”።

ሓዋርያ የውሃንስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ “ኃጢአት የብልናን እንተበልና ንርእስና ነሰሓሕት ሓቅውን ኣባና የላን” ንስሓ ክትርጎም ከሎ ክቡራት ኣሕዋት ለውጢ የስምዕ። ናይ ገዛእ ርእስካ ለውጢ: ደጋዊ ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ ውሽጣዊ ለውጢ ናይ ሕይወት የስምዕ። ስለዚ ዚኮነ ኣማናይ ክርስትና ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ኣብ ልውጢ ዕርቂ ምሕረት ክመላለስን ክኣምንን ይግበኦ።g

መኣስ ኢና ንሕና ተለዊጥና እንብል ጽልኢ ናብ ዕርቂ: ስስዕ ናብ ልግሲ: ጽልኢ ናብ ዕርቅን ፍቕርን ምስ እንልውጦ .. እዚ ምስእንፍጽም ኢና እምበኣር ኣብ ሕወትና ለውጢ ገቢርና ክንብል እንኽእል። ሕይወት ንምልዋጥ ብጣዕሚ ጸገም ኢዩ። ዓሚቅ ብስለትን ዕብየት ናይ እምነትን ይሓትት። ብፍላይ ዓሚቅ  እምነት ኣብ ቃል ኣምላክ። ስለዚ ከምቲ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኩሉ ዚነበሮ ክብሪ ገዲፉ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዚሃበ: ንሕናውን ነቲ ኩሉ ኣባና ዘሎ ክፍኣት: ሕመቕ: ጉድልነት ክንቀትሎ ገዛእ ርእስና ክንመውት ይግበኣና: ምእንቲ ዳሕራይ ክነብር።

ጳውሎስ ከምዚ እንዳበለ ይጽሕፍ “እምበኣር ናይ ክርስቶስ ብምኻንኩም ኣተባቢዕኩም እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ብፍቅሩ ድማ ተጸናኒዕኩም እንተ ደኣ ኮንኩም፥ ምስ መንፈስ ቅዱስ እውን ኅብረት እንተ ደኣ ኣልዩኩም፥ ከምኡውን ለውሃትን ርኅራኄን እንተ ደኣ ኣልዩኩም፥ ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ፥ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምትእስሳር፥ ብሓደ መንፈስ ንሓደ ዕላማ ብምዕያይ፥ ንሓጎሰይ ምልኣት ሃብዎ። ሓንቲ ነገር እካ፥ “ ንርእሰይ ይጥዓመኒ” ብምባል ወይ ንውዳሴ ኸንቱ ኢልኩም፥ ኣይትግበሩ። እካ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዚበልጹ ጌርኩም ገምቱ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ካልኦት ረብሓ ኸኣ እምበር ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ ጥራይ ኣይርኣ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሃሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ። ፊል 2:1-5

ስለዚ ንስሓ ማለት ኣሕዋት ኣሓት ሕይወትካን  መንነትካን ምርካብ ማለት ኢዩ። ነታ ብሙሉእ ድልየትካ ዘርሳሕካያ ነብስኻ .. ናብቲ ንቡር ጸዋዕታኣ ምምላስ ማለት ኢዩ።  እዚ ማለት ከኣ ንክርስቶስ እንደገና ምርካብ ማለት ኢዩ። ንመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምርካብ ማለት ኢዩ።  ኣብቲ ወሃቢ ሕይወት ዝኾነ ቃላቱን ምስጢራቱን: ሕግታቱ ወይ ትእዛዛቱን ፍቕሩን ምምልላስ ማለት ኢዩ።

ቃላቱ …. “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን ናይ ዘለኣለማዊ ሕይወት ኣላቶ”።ዮው, 5, 24

ኣብ ምስጢራቱ .. “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቕዱስን እንተዘይተወልደ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክአቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን።ዮው 3, 5 ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ኣለዎ”።

ኣብ ትእዛዝቱ .. ኣብ ወንጌል ማቴዎስ እቲ መንእሰይ “ መምህር ናይ ዝለዓለ ሕይወት ንኽወርስሲ እንታይ ሰናይ ነገር ክገብር ይግበኣኒ ምስ በሎ” ኢቲ ሰናይ ሓደ ኢዩ “ናብ ሕይወት ክትአቱ እንተደሊኻ ግና ትእዛዛት ሓሉ” ይብሎ።ማቴ 19:16-17

ኣብ ፍቕሩ .. “ከምቲ ኣቦ ዘፍቐረኒ ኣነውን ኣፍቕረኩም ኢየ: ኣብ ፍቕረይ ንበሩ ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዓ ዝነብር ዘለኹ፤ ከምኡ ኽአ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተሓለኩም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ኽትነብሩ ኢኹም።

ስለዚ ሓደ ኣማናይ ኣብ ሕይወቱ ናይ እምነት: ናይ ጉዕዞ ለውጢ ኪገብር እንድሕር ደኣ ኮይኑ: ተኣምር ኣብ ሕይወቱ ኪፍጸም እንድሕር ደኣ ደልዩ ንስሓ ኪኣቱ ይግብኦ። ምስቲ ኣምላኹን ፈጣሪኡን ክዕረቕ ይግበኦ። ኣብ ንስሓ ዝመላለሱ ደቂ ሰባት ብሓቂ እቶም ብጹዓን ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ኣብ ቃሉ ኣሚኖም ኣብ ፍቅሩ ዝመላለሱ እያቶም፣ ነቲ ዘፍቀሮም ክርስቶስ ከፍቅርዎ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ዝጽዕሩ እያቶም። ስለዚ ሕይወት ክርስቶስ ኣሕዋት ፍቅሪን ሕውነት እዩ። እዚ  ዓይነት ፍቅሪን ሕውነትን  ትሕትና ካባና ዝጠፍእ ብገርህነትን ብቅንዕናን ምስዘይንመላለስ ጥራይ ኢዩ ። ስለዚ ኣብ ጉዕዞ ክርስትናዊ ሕይወትና ኣባና ዘሎ ኣሉታዊ ነገር ምጥማት የድሊ።

ነቲ ኣባና ዘሎ ኣሉታዊ ነገር ጠሚትና ነቲ ኣባና ዘሎ ሕማም ከምዘለዎ ምቅባል: እዚ እቲ ቀዳማይ መገዲ ናይ ዕርቒ ናይ ንስሓ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና በደልናን ጉድልነትናን ጌጋናን ተቀቢልና ክንክእል ኣለና። ምክንያቱ ጉድልነትካ ዘይምቅባል: ነቲ ክትገብሮ ዘለካ ጉዑዞ ወይ ለውጢ ዝዓግት ኢዩ። ስለዚ ንስሓ ማለት ብቀሊል ኣዘራርባ ናኣሽቱ ምዃን: ንኹሉ ክትከስር ቁሩብ ምኻን ማለት ኢዩ። እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባና ከንጸባርቕ ምጽዓር ማለት ኢዩ።

ዓሚቅ ትርጉም ናይ ንስሓ እምበኣር .. ንኩሉ ሓሳብካ ብምሉኡ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ነገራት ኣተኵርካ ብእምነት ምምልላስ ማለት ኢዩ። ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺካ ብፈሪሓ እግዚኣብሔር ምንባር ማለት ኢዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ዓሻ ምኻን ማለት ኢዩ። ምስ ዳዊት ኮይና “ኦ ኣምላክ ጽሩይ ልቢ ፍጠረልይ ጽኑዕ መንፈስ ኽኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ እንዳበልና ምንባር ማለት ኢዩ። ስለዚ ምስጢረ ንስሓ ምስ እግዚኣብሔር ዓሙቅ ርክብ ንኽንገብር: ኣብ ፍቅሩ ክንመላለስ: ክንዓቢ ይሕግዘና። ኣብዚ ግን ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ሓደ ዓቢ መሰረታዊ ለውጢ ንኽትገብር: ሓደ ዓቢን ዓሙቕን መሰረታዊ ምናኔ ኣብ ሕይወትካ ክንገብር የዲሊ። ማለት ካብ ገዛእ ርእስኻ ብምውጻእ: ኣነ ዝብል ቃል ገዲፍካ ንሕና (ናይ ሓባር ረብሓ) ዚብል ቃል ምጥቃም። ሓደ ዓቢ ፀሓፋይ ብዛዕባ እዚ እንኪዛረብ ከምዚ ይብል “ ሓደ ሰብ ጥዑይ እንብሎ ኣብ ሕብረት ዚነብር ሰብ ኢዩ ይብል። እቲ ሕሙም ሰብ ዚበሃል ከኣ እቲ ንዓይ ጥራይ እናበለ ዚነብር እዩ። ናይዚ ኣብነት ባዕሉ መድሓኒና ክርስቶስ ኣለና። ነቲ ዝነበሮ ኩሉ ክብሪ ገዲፉ ምስቶም ሰረቅትን ዓመጽትን ክስቀል መሪጹ። መጨረሻ ዓስቢ ናይዚ ኩሉ ከኣ እግዚኣብሔር-ኣብ እቲ ዝዓየ ሽልማት ሂብዎ። ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጡር ልዕል ከኣ ኣበሎ።

ስለዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ ኽንድዚ ካብ ኣፈቀረና ነቲ መንገዱን ትእዛዛቱን ንኽንክተልን ምኽሩ ክንሰምዕን እንታይ ይጽግመና! ንድሕነትና ዘይንጽዕረሉን ኣብ ምሥጢረ ንስሓ ዘይንመላለሰሉ እንታይ ኣለና! ስለዚ እዚ ምሥጢር እዚ ነቶም ፉሉይ ፍቕርን ፉሉይ ኽብርን ረኺብና ዘለና ኣመንቲ ክርስቶስ እዩ ዝምልከት። ነዚ ተረዲእና ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ኣብዚ ምሥጢር እዚ ክንመላለስ ይግበኣና።

ኣብ ንስሓ ንኽንቀርብ ወይ ኽንመላለስ ዝሕጉዙና መንገድታት

ብዓቢኡ እምነት ኣብ ምስጢረ ንስሓ: ኣብ ምሕረት ኣምላኽ: ኣብ በደልካ: ኣብ ድኻምነትካ የድሊ። ካብ ኣንነትካን ግላዊ ኣተሓሳስባኻን ኣካይዳኻን ወጺኻ ብመንፈስ ክርስቶስ ተጓዒዝካ ምኽኣል የድሊ። ነዚ ኹሉ መንፈስ ክርስቶስ ኣባና ንኽሓድር ግና ቁ. ኣልፈንሶስ ዚህበና ምኽሪ ኣለና። እታ ኽትጥቀመላ ዘለካ ብረት ሓንቲ ትኹን ይብል። ንሳ ኸኣ ሎት ማለት ንቕሓት ሕልና ማለት ነቲ ዘዘናግዓካን ካብ እግዚአብሔር ዘርሕቐካን ነገራት ኣቐዲምካ ምፍላጡ። ምስ’ዘን ክልተ ነገራት ለጊባ እትኽይድ ከኣ ጽንዓት እያ። ኣብ እምነትና ንጽናዕ፡ ኣብ ጸሎት ንጸመድ፡ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕን ንምንባብን ንትጋህ፡ ኣብ ምስጢራት ንመላለስ፡ ልዕሊ ኩሉ ምስ እግዝአብሔር ርክብና ነዘውትር / ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞና ምስኡ ነዋግዕን ንራኽብን፡ ነዚ ንምግባር እግዚኣብሔር ብመንፈሱን ርሕራሔኡን ይደግፈና።

ስም እግዚኣብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን! ኣሜን።

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

 

አብ ህይወትና ንእግዚአብሔር ክንረኽቦ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ንጸሊ

“ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ”። ማቴ. 6፡6

ከበርኩም ምእመናን መድኃኔ ዓለም ብመጀመርታ እንቃዕ ናብዚ ሓድሽ ዓመተ 2017 አብጸሓና እንዳበልኩም: ነፍሲ ወከፍ ምእመን ነዚ ሓድሽ ዓመትዚ እቲ ኹሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገሩለይ እዩሞ፥ ስሙ ቕዱስ ኢዩ” እንዳበልና ምስ ማሪያም ጉዑዞና ክንጅምር፡ ብፍሉይ መገዲ ነዚ ዓመት’ዚ ድማ አብ ጸሎትን አስተንትኖ: ቃል አምላኽን ክንድህብ እዕድም።

ይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ካሕኩሑ ኪረሓወልኩም ኢዩ። ከመይ ዝለመነ ኹሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፥ ማዕጾ ዝካሕኮሐ ድማ ይረኃወሉ እዩ ከምዝበለ ጸሎት ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምስ እግዚአብሔር ዓሚቕ ርክብ: ዝምድና ንክህልወና ዝገቢር መሳሪሒ ኢዩ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ሓደሽቲ ናይ ጸሎት አገባባት ክንምህዝ ከአ ወትሩ ክንጽዕር ይግበአና። ብርግጽ ብዙሓት ጸሎታት አብ ስርዓት አምልኾና፡ አብ በዓላትና፡ ብዙሕ ግዜ ከም ልምዲ እንጥቀመሎም ዓይነት ጽሎታት አለዉና። ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ከም ሓደ ምስ ሓደ ዓርክና እንገብሮ ርክብ ልዝብ፡ ምስ አቦ: አደ እንገብሮ ወግዒ ወይ ርክብ ክኸውን አለዎ። በዚ መንፈስ ምስ እንጽሊ እቲ ንደልዮ ካብ እግዚአብሔር አምላኽና ንረኽቦ፡ ይወሃበና፡ ንቕበል። ጸሎትና ከኣ ናይ ልምዲ ጸሎት ኮይኑ ኣይተርፍን።

ከመይ ጌርና ንጸሊ

ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝተዋህበና ጸሎታት ክንደግሞ ከም ልምዲ እንወስዶ ውሑዳት አይኮናን። ንአብነት አቦና አብ ሰማይ ትነብር፥ ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም …. እቶም ቀንዲ ጽሎታት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽቡና እካ አንተኾኑ፡ አብዚ ነዞም ጸሎታት ክንጽሊ ከለና ከም ልምዲ ከይንደግሞም ክንጥንቀቅ ይግበአና። ማለት አፋትና ነዞም ጸሎታት ክደግም እንከሎ አእምሮና ግና ካሊእ ሓሳባት ከይሓስብ። ንኣምላኽና ብመልሓስና ጥራይ ከይነኽብሮ አንታይ ደኣ ብኹልንተናና። ስለዚ ከመይ ጌርና ንጸሊ … ንዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእስና ክንቕርብ እምበአር አድላዪ ይኸውን። ጸሎትና ካብ ውሽጢ ዘይኮነስ ብአፍና ጥራይ ምስ እንደግሞስ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና እንታይ ረብሓ አለዎ፧ ዕላማ ጸሎት ምስ እግዚአብሔር አቦና ምርኻብ ካብ ኮነ፡ ስለዚ ጸሎትና ብሓቂ ፍረ ንኽህልዎ ገዛእ ርእስና ንጸሎት ክንቅርብ አድላዩ ኮይኑ ይርከብ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ወንጌል ማቴዎስ 6፡6 ከምዚ ኢሉ ክምህር ንረኽቦ፤ “ ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ አቦኻ ጸሊ” እናበለ ብኸመይን ከመይን ጌርና ክንጽሊ ከምዘለና ይምህር። እዚ ማለት አብ ጸሎት ብሓቂ ካብ ኩሉ ሓሳባትና ነጻ ኮይና ናብ እግዚአብሔር አምላኽና ብምሉእ ሓሳብናን ቀልብናን ናብኡ ክንቀርብን ክነድህብን  ከምዘለና ኢዩ።

አበይ ንጸሊ፡ እንታይ ቃላት ንጥቀም፧

ደ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ ናይ ጸሎት ክህሉ አይክእልን ኢዩ። ማለት አብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ናይ መዓልታዊ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ንኽእል ኢና። አብዚ ክርደአና ዘለዎ ምጽላይ ማለት ከምቲ አቀድሚና ዝበልናዮ ምስ እግዚአብሔር ምዝራብ ፡ ምውጋዕ ኢዩ።

“ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺረአዩ፥ አብ ናይ አይሁድ አባይቲ ጸሎትን፥ አብ ቀራናታት መገድን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸለኹም ከምአቶም አይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ንስኻ ግን ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ አቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥውር ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ። ማቴ.65-7

ግዚአብሔር አብ ዝኮነ ቦታ ጸሎትና ይሰምዕ ኢዩ። ግና ጸሎትና አብ መገዲ ይኹን፤ አብ ካሊእ ዝኾነ ቦታ ብሰብ ምእንቲ ክንረአ ከይከውን ክንጥንቀቕ የዲሊ። ብርግጽ ጽምው ዝበለ ቦታ ምስ እግዚአብሔር፡ ከምቲ ዝድለ ክንራኸብ፡ ክንዛረብ ሓግዚ ኢዩ። እዚ ባዕሉ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሕይወቱ ዝመስከሮ ኢዩ።  ንእግዚአብሔር አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ዝኾነ ቦታን ሰዓትን ክንረኽቦን ክንዛረቦን ከምንኽእል ግና ክንአምንን ከይንዝንግዕን  ይግበአና። ካብ ገዛና ወጺና ናብ ስራሕ ክንገዓዝ ከለና፡ ክንዛወር ከለና፡ አብ ዕረፍትና፡ ዕዳጋ ክንገቢር ከለና፡ ቅድሚ ምድቃስና ወዘተ ንአምላኽና ክንረኽቦ ከምንእኸል ምግንዛብ የድሊ። ብዙሕ ዘረባ አይድልን፡

ኣሕዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፣ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምኣቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ” ማቴ.6:7 ሓጸርትን ቁሩባትን ጸሎትና ፍረ ክህልዎ ይገብሩ። ከምቲ ምስ ሓደ ዓርክና እንዛረቦ ከምኡ ምስ ፈጣሪና ክንዛረብ ይግበአና።

እግዚአብሔር ሓሳብና ሓጎስና ክነካፍሎ ይግበአና። ብዙሓት ካባና ንጸሎት ከም ሓደ ልመና፡ ሕቶ ጥራይ ጌርና ንሓስቦ ሰባት አለና። ጸሎትና ወግዕና ካብ ሕማምና ከሕውየና፥ አብ ሓዘና ከጸናንዓና፥ ካብ ገለ ፈተናታት ከድሕነና፥ ውላድ ንኽህበና ወዘተ። ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ክነዋግዕ ግና አብ ግዜ አድላይነትና ጥራይ አይኮነን። ርክብና ከምቲ ምስ አዕርኹትና፡ አቦታትና፡ አዴታትና፡ አሕዋትና እንገብሮ ርክብ ክኸውን አለዎ ካብ በልና፤ ሓዘናን ድልየትናን ጥራይ ዘይኮነ ሓጎስናን ዓወትናን  ክነዘንትወሉውን ይግበአና።

ዚ ምኽንያት መጀመሪያ ጸሎትና ንእግዚአብሔር ብዛዕባ መዓልታዊ ሕይወትና ክነዘንትወሉ ይግበአና። ብዛዕባ ሓጎስናን ድኻምነትናን ዓወትናን ወዘተ። ካብዚ ተበጊስና በቲ ዘሕዝን ዘጋነፈና ነገራት ንእግዚአብሔር ሓገዝ ክንልምኖ። በቲ ዝረኸብናዮ ሓጎስ፡ ዓወት ከአ “ አግዚኣብሔር ብምሉእ ልበይ ኣመስግነካ፡ ኩሉ ዝገበርካዮ ተኣምራታትውን ክነግር አየአንዳበልና ክነመስግኖ መዝ።9:1

ብቲ ኣብ ሕይወትና እንወስዶ ስጉምትታት ከአ ምኽሩ ክልግሰልና ብትሕትና ክንሓቶ፥ ‘’ አግዚኣብሔር ንቓላተይ ጽን በሎአንዳበልና ኽንጺሊ። በቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ከአ ምሕረቱ ክልግሰልና ኣምላኽ፣ ምእንቲ ዘለ ዓለማዊ ምሕረትካ ኢልካ ይቕረ በለለይ፡ ምእንቲ ዓቢይ ርሕራሔኻ ኢልካ ኸኣ ኣበሳይ ደምስስ እንዳበልና ክንሓቶ ይግበአና።

ከበርኩም ምእመናን ደብረ መድኃኔ ዓለም እዚ ግዜ እዚ፦

ንእግዚአብሔር አምላኽና እነመስግነሉ፤

ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት እምነታዊ ጉዑዞና እንምርምረሉ፤

ምስ ገዛእ ርእስናን – አምላኽናን – ሓውናን – ሓፍትናን ብዛዕባ ዘለና ርክብ ጸብጻብ እንገብረሉ፤

ነቲ ክርስቶስ ዘዳለዎ አፍደገ/መንገዲ ድሕነት ሲሒትና እንቶሎና፤

ናብቲ ቅኑዕ አፍደገ እንምለሰሉ፤

ነዚ እንጅምሮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ከአ ብዝተሓደሰ መንፈስ፡

ብቁርጺ ፍቓድ ተዓጢቅና ንኽንጅምር እንብገሰሉ ግዜ እዩሞ ሃየ ንተዓጠቅ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና!

ንሃገርናን ዓለምናን ብአማላድነት ኪዳነ ምኅረት፡

ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ይግበረልና።

ካብ ኩሉ ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ተባህለን ተገብረን ካብ ምባል ሪሕቅና፤

አብቲ ናይ እግዚአብሔር ቅኑዕ መገዲ፤

ግላዊን ቁምስናዊን፡ መንፈሳዊ ዕብየትናን ክንሰርሕ ጸጋታቱ የብዘሓልና።

እግዚአብሔር አብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ቁምስናዊ ጉዑዞና፤

ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ቁምስና መድኃኔ ዓለም፡ ቁምስናና ንክዓቢን፤ ከምቲ ዝድለ አገልግሎቱ ንክህብን፤

ዘርአኽምዎ ተወፋይነትን፤ መስዋዕትን ከአ እግዚአብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም።

መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ቁምስናናን ማሕበርናን ይባርከልና። ኣሜን!

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

ማሪያም አደ አምላኽን አደ ነፍሲ ወከፍ አማናይን

ማሪያም አደ አምላኽን አደ ነፍሲ ወከፍ አማናይን

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክዛረብ፥ ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ እግዚኣብሔር ንወዱ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ብሓጢኣት ካብኡ ተፈልዩ ዝነበረ ሰብ ካብ ዝነበሮ ዓዘቕቲ ነጻ ከውጽኦ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ባዕሉ ኣተወ።

ብዙሕ መንገድን ብዙሕ ሻዕን ከኣ ብነቢያት ተዛረበ መደብ ኣምላኽ ኣብ ምልኣት ምስ በጽሔ ክርስቶስ ናይቶም ብዙሓት ነቢያት መፈጸምን ምልኣትን ስለዝኾነ ካብ ድንግል ተወልደ። ካብኣ ተወሊዱ ከኣ ንኹልና ደቂ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ዕድል  ሃበና። በዚ ምኽንያት ከአ ማሪያም አደ ኹሉና ኮይና ትርከብ።

ብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን እቲ ዝዓበ መልእኽቲ ወይ Document ናይ ማሪያም ከም መንፈሳዊት አደ ዝገልጻ ብርሃን አሕዛብ ኢዩ። ንሱ አብ ቁጽሪ 65 ከምዚ ይብል፦ ድንግል ማሪያም ምስቲ ካብ ዘለዓለም ዝተወሰነ ተሰግዎቱ መለኮታዊ ቃል፡ ብመልኮታዊ ፍቓድ አምላክ አብዚ ምድሪዚ አደቲ መሎኮታዊ መድኃኒ ኮይና፡ ልዕሊ ኩሎም ሰባት ለጋስ ተኃባባሪት ትሕቲ አገልጋሊትን ጎይታ ዝኾነት እኖ አምላኽ ኢያ

ሳ ንኽርስቶስ ጸነሰቶ፥ ወለደቶን ሓነጸቶን፥ ናብ እግዚአብሔር አቦ አብ ቤተ መቕደስ አቕረበቶ፥ ምስቲ መስቀል ተሸንኪሩ ዝሞተ ወዳ ተሳቐየት። ብፍሉይ አገባብ ከአ ብተአዝዞአን፡ ብእምነታንብተስፋአንበቲ ወዕውዕ ፍቕራን አብ ምሕዳስ መልዕልተ ብህርያዊ ሕይወት ነፍሳት አብ ዕዮ መድኃኒ ተሓባበረት። ምእንቲዚ ብጸጋ ንአና አደና ኢያ” ።

ዚ ከአ ቤተክርስቲያን ንፍቓድ እግዚአብሔር  አብ ብእምነት እናፈጸመት፡ ንቓል እግዚአብሔር ብእምነት ተቀቢላ፡ ብጊደአ አደ ኩሎም አመንቲ ትኸውን። ንኩሎም ትሓቁፍን መገዲ ድኅነት ትመርሕን። ነቲ “ እምበአር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም አሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቕኩምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበሩዎም ዝብል ትእዛዝ ክትፍጽም ወትሩ ትጽዕር።

ግዚኣብሔር ንእግዝእትነ ማርያም ኣደ ኣምላኽ፡ ብገብርኤል መልአኽ ከምዚ እንዳበለ አበሰራ‹ ሰላም ንዓኺ ኦ ምልእተ ጸጋ፥ እግዚአብሔር ምሳኺ እዮ፥ ንስኺ ካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ አይትፍርሂ። እንሆ ክትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ፥ ስሙ ኸአ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ምስበላ፡ ወላካ አብ መጀመሪያ ንኽትቅበሎ ሃንደበት እንተኾና፡ “ እኔኹ አነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፥ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይሉቃስ፡ 1፡28-39፥ ብምባል ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዝመጻ ዕድመ ጸዋዕታ ተቐበለቶ። በዚ ከአ አደ ጎይታናን አደ ኩሎም አመንቲ  ኮነት፡፡ እዚ ሰላምታ ገብርኤል መልኣኽ፥ ንእግዝትነ ማርያም ብዙሕ ኣኽብሮት ከምዝሃባ ከአ የረድእ።

ኤልሳቤጥውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡ ክልተ ጊዜ፡ ንስኺ” ብጽዕቲ” ኢኺ እናበለት ትጽውዓ። ከምኡውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ይብለና ቃል አምላኽ፥ ኣደ ጐይታይ ክትበጽሓንስ፡ እዚ ኹሉ ካበይ ኮነለይ፧” እናበለት፡ ንእግዝትነ ማርያም ዕብየታን እንታይነታን ትገልጽ። ባዕላውን እግዝእትነ ማርያም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ፡ ካብ ሕጂ ንድኃር ኵላቶም ወለዶብጽዕቲክብሉኒ እዮም እናበለት ከአ ትንበ።ሉቃስ፡ 1. 48

እግዚአብሔር ኣደ ቤተክርስቲያን፡ ክትከዊን አቐዲሙ  ካብ ኵሉ ርኽሰት ኃጢኣት ነጻ ገሩ ኢዩ ፈጠሩዋ። ስለዚ ኸኣ ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም ተጸንሰት። ነዚ ዕላማ’ዚ ብቅዕቲ ኮይና ምእንቲ ክትርከብ ከአ ማርያም መንቅብን ጕድለትን ዘይብላ ብጸጋ ሃብታም ኮይና ተፈጥረት። በዚ ምኽንያት  ኸኣ እግዚኣብሔር ንኢየሱስ ክትወልድ እንከላ ድንግልናኣ ብተኣምር ኪሕሎ ዝመረጸ። ከምኡውን ድኅሪ ሞታ ሥጋኣ ከይበስበሰ ንሰማይ ኪፈልስ ዓቀቦ። በዚ መንገዲ እግዝእትነ ማርያም ኣብ መደብ ደኅነት ፍሉይ ግደ ከምዝተዋህባ እዩ ዜርኢ።

ግዝእትነ ማርያም፡ ንኢየሱስ ብሥጋ ከምዝወለደቶን፡ ኢየሱስ ከኣ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ከምዝኾነን፡ ስለዚውን ንሳ ኣደ ኣምላኽ ከምዝኾነትን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ት አምን። ቀዳሞት ኣበው ቤተክርስቲያን  እግዝእትነ ማርያም ሓዳስ ሔዋን ከምዝኾነት የስተምህሩ። እዞም ኣበው፡ ሔዋን ብሕጊ ተፈጥሮ ናይ ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣደ ከም ዝኾነት፥ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ብሕጊ ጸጋ ናይ ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣደ ምዃና ይርእዩ።

ለ ካብ  መንፈሳዊ ጸሎት ቁዱሳትና፤ ናይ ቅዱስ በርናርዶስ ጸሎት እስከ እንተረአና፥ “ኦ ፍጽምቲ ኅያወይቲ ድንግል ማርያ፡ ናብ ሓለዋኺ እንካብ ዝተማህለሉ ረድኤትኪውን እንካብ ዝለመኑ፥ ልመናኺውን እንካብ ዝደለዩ፥ ካብ እዚኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ ከም ዘይተሰምዐ ሕሰቢ፥ ኦ ድንግል ተደናግል ኣደና! ንሕና’ውን በዚ እምነት እዚ ጸኒዕና እናተጨነቕናውን ኣብ ቅድሜኺ ደው ንብል ኣሎና፥ ኦ ኣደ ቓል ንጸሎትና ብሕያውነትኪ ስምዕዮ፥ ኣሥምርዮ እምበር ኣይትንዓቕዮ።” እናበለ ዝደረሶ ጸሎት መቕድም ኮይኑ፥ ቀዳሞት ክርስቲያን ነቲ ናይ እኖና እግዝእትነ ማርያም መንፈሳዊ እናትነት ይአምኑን የኽብሩ ከምዝነበሩ የመልክት።

የሱስ ንምሉእ ዓሌት ሰብ ስለ ዘድኃነ፥ እግዝእትነ ማርያም ከኣ ኣዲኡ ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ናይቶም ዘድኃኖምን ኣኅዋቱን ኣኃቱን ዝገበሮምን፡ ናይ ኵሉ ዓሌት ሰብ ኣደ ምዃና ንኣምን። ብፍሉይ መገዲ ኸኣ ኣደ ቤተክርስቲያን እያ። እዚ ከአ ባዕሉ አብ መስቀል ንወዲ መዛሙርቱ ዮውሃንስ ዝበሎ ክንዝክር ንኽእል። ነቲ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙሩ እነሄት አደካ ክብሎ እንከሎ ነታ ዘፍቅራ አዲኡ ከአ “አቲ ሰበይቲ እንሆ ወዲኺ” እናበለ ናይ ነፍሲ ወከፍና አደ ንኽትከዊን ሃበና።

ዝለዚ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ማሪያም አደ ኢየሱስ፤ አደ ነፍሲ ወክፍና ምኻና ክንአምንን ክንቅበልን ይግበአና፡፡ ማርያም ኣደ ኢየሱስ እያ፥ ኢየሱስ ከኣ ኣምላኽ እዩ፥ ምእንትዚ እግዝእትነ ማርያም ኣደ ኣምላኽ እያ።

ሓደ ክርስቲያን፡ እግዝእትነ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምዃና እንተ ደኣ ዘይተቐቢሉ፥ ን ንምስጢረ ሥጋዌ ( ናይ ኢየሱስ ሰብ ምዃን) ይኽሕድ።  ማርያም ከመይ ኢላ እያ ፍጥርቲ እንከላ ኣደ ፈጣሪ እትኸውን ኢሎም ንዝሓቱ፧ እቲ ዘለዓለማዊ ወልደ እግዚኣብሔር ሰብ ምስ ኮነ፡ ባህሪሰብ እዩ ለቢሱ። ምእትዚ ሰብ ብምዃኑ፡ ካብ ሰበይቲ ብምላድ ከአ ልክዕ ሓደ ከማና ኾይኑ፡ ምልኣት ጊዜ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ ሓደ ወዱ ለኣኾ። ገላትያ፡ 4፡4

ኸበርኩም ምእመናን እምበአር ወቕቱ ንማሪያም ዝተወፈየ ወቕቲ ኢዩሞ፤ ሃየ ምስ ማሪያም ፍሉይ ዕርክነት ንፍጠር። አብአ ብተስፋ ንማህለልን አማልድነታ ንሕተትን። ንሳ ከአ እቲ ዘድሊየና ጸጋ ክተማልደልና ኢያ። ንሳ እታ ዝበለጸት ናይ ቤተክርስቲያን መራሒት ኢያ።  ከመይ ብእምነታ ብጽዕቲ ምኻና ዝተመስከረላ እያ። ብተአዝዞአ “ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ”፡ ብምባል ንፍቓድ እግዚአብሔር አብአ ክፍጸም ዝለዝተቐበለትን ዘፍቀደትን ንሳ መምህር ናይ እምነት ኢያሞ ንስዓባ አሰራ ንከተል።

እግዚአብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን!

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

 

ሓቀኛ ሓዋሪያ ክርስቶስ

ሓቀኛ ሓዋሪያ ክርስቶስ

(2ቆሮ።11:1-15)

መን ኢዩ ሓቀኛ ሓዋሪያ ዝበሃል? ኩሉ እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን: “ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እንዳ ኣጠመቁም ደቂ መዛሙርተይ ግበሩዎ።  ሓዋሪያ  ኣበሳሪ ቃል ኣምላኽ: ቃል ሕይወት  ኢዩ። ብትሕትናን ፍቕርን ከኣ ናይ ጸዋዕታኡን ተልእኾኡን ተበግሶ ዚወስድን እግዚኣብሔር ባዕሉ ምዃኑ ይፈልጥ፡ ብወገኑ ከኣ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዚመደበሉ ብቕሩብነት ከም ዚተቐበሎ በተግባር የፍልጥ ።

“ገለ ቑሩብ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፥ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ። ብኣምላኻዊ ቕንኢ እቐንኣልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ  ንጽሕቲ  ድንግል  ምእንቲ ከቕርበኩም ንሓደ ሰብኣይ እሕጽየኩም ኣሎኹ፥ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ። ግናኸ ኸምቲ ተመን ብጉርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ምሉእን ንጹሕን ፍቕሪ ከይትርሕቁ እፈርህ ኣለኹ። ምኽንያቱ ሓደ እካ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ኻሊእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ ካሊእ መንፈስ እንተተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተቀበልኩምዎ ኻሊእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም።

ኣነ ካብዞም “ ኣዚና ብሉጻት ኢና ዚብሉ ሓዋሪያት ብሓንቲ እካ ዝንእስ ኣይመስለንን። ክእለት ኣዘራርባ እካ እንተዘይብለይ ፍልጠትሲ ኣይጎድለንን። እዚ ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ገሊጽናልኩም ኢና። ንስካትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ኃጢኣት ግይረ እየ። ንኣኻትኩም ምእንቲ ከገልግል ኢለ ኻብተን ካልኦት ኣብያተ ክስትያን ሓገዝ ብምቕባለይ በዝቢዘየን ኢየ። ምሳኻትኩም ኣብ ዝነበርኩሉ፥ እሞ ኸኣ ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደ እካ ኣየሰከፍኩን፥ ከመይ እቶም ካብ መቆደንያ ዝመጹ ኣሕዋት ዜድልየኒ ኹሉ ገይረሙለይ እዮም። ስለዚ ንሓደ እካ ኣየሰከፍኩን ድሕሪ ሕጅውን ከየሰክፍ ክጥንቀቕ ኢየ።

ኣብ ሃገረ ኣካይያ ነዛ ትምክሕቲ እዚኣ ሓደ እካ ኼሕድገኒ ዚኽእል ከም ዘየልቦ በቲ ኣባይ ኃዲሩ አሎ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ዘየፍቀረኩም ስለዝኾንኩ ድየ ነዚ ዝብል ዘለኹ! ከም ዘፍቅረኩምሲ ኣምላኽ ይፈልጥ ኢዩ። ኣብዚ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ . . . ሓደ ንጹር ዝኮነ ተልአኾ ሓደ ሓዋሪያ ይምህረና። ካብ ሓሰውቲ ናይ ግዜና ሓዋሪያት ኢና በሃልቲ ከይንታለል ከኣ እቲ ሓቀና መገዲ ይምህረና።  ጳውሎስ ነቶም ሓዋሪያት ኢና ዚብሉ “ ከምቲ ማሕበር ኣመንቲ ቆሮንጦስ ኣብኡ ክኣስሮም ኣይደሊን ነሩ። በዚ ምኽንያት ኢዩ ኣብ ቁጽሪ 2. ብኣምላኻዊ  ቅንኢ እቐንኣልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ  ንጽሕቲ  ድንግል  ምእንቲ ከቕርበኩም ንሓደ ሰብኣይ እሕጽየኩም ኣሎኹ፥ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ።

እዚ ድካ ሰብኣይ እንታይ ነይሩዎ ዝሓዞ ኣብ ቅድሚ ሰብ ቆሮንጦስ ከምዚ ኢሉ ብትብዓት ዝዛረብ! እቲ  ብስብከተ ወንጌል  ስተመስረተ ማሕበር ኣመንቲ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ወላሓደ ዝሓዞ ኣይነበሮን ።  ኣብዚ  መሬት እዚ ኣለዎ  እንብሎ፥ እምነትን: ፍቕርን  ኣብቲ ከም መድሕኑ ዝተቐበሎ ዝምከሓሉን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኔሩ። ንሱ ኣብ ኣገልግሎት ከም ሽምዓ ክመክኽ ነይሩዎ። ኣብነት ናይቲ ዝተጸዋዓሉ  ፍቕሪ: እምነት: ጻዕሪ: ድካም ብምልባስ  ምስክርነት ናይ ሓዋርያነት ንማሕበር ኣመንቲ  ክህብ ነይሩዎ። ጳውሎስ ኣብዛ ካልኤይቲ መልእኽቱ ንደቂ ሰብ ቆሮንጦስ እንክጽሕፍ: ኣብ ቅድሚ እቶም ሓሰውቲ  ሓዋሪያት: መዳናገርቲ: መገልገልቲ ሰይጣን : ናይ ክርስቶስ ኢና ብዝብል  ዘደናግሩ ኢሉ ዝጽውዖም ሰባት ብርቱዕ ቃላት ይጥቀም።

እዚ ክብል ከሎ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም  ንገዛእ ርእሶም ኣገልገልቲ ወይ ብሉጻት ሓዋሪያት ክርስቶስ ኮይኖም ዝቐርቡ ኢዩ  ዝዛረብ ። ግና ከምዚ ኣይነበሩን፣ እዚኣቶም ካብቲ ሰብ ቆሮንጦስ ዝተቀበልዎ መንፈስ ስተፈልየ ፈንፈስ ዝነበሮም ኢዮም ዝነበሩ። ካብቲ ሰብ ቆሮንጦስ ዝተቐበሉዎ ወንጌል ዝተፈልየ ወንጌል ዝሓዙን ዝሰብኩን ሰባት ኢዮም ነሮም። ግና ኩሎም ኣመንቲ ቆሮንጦስ  ክቕበሉዎ ተረኽቡ: ወላሓንቲ ክብሉ ኣይተረክቡን። ከም ፈላጣትን ንፉዓትን ሓዋርያት ይቕበሉዎም ነበሩ። ብሰብ ቆሮንጦስ ተቐባልነት ረኸቡ። እዞም ሓሰውቲ ሓዋርያት ኢሉ ዝጽውዖም ጳውሎስ ኢዚኦም  ካብ ጳውሎስ ስተፈለዩ ነበሩ። ንሱ ንወንጌል ብነጻን ፍቕርን ተወፋይነትን እምነትን ይሰብኮ ነበረ።

ኣብ ቅድሚ እዞም ሓሰውቲ ሓዋሪያት ኢሉ ዝጽውዕም ሱቕ ክብል ይኽእል ኣይነበረን: ንደቂ ሰብ ቆሮንጦስ መንነት ናይዞም ሰባት ክሕብሮም ነይሩዎ።  ነሕዋቱ ነዚ ጌጋ ዝኾነ ትምህርቲ ብምቅባል ዝከዱዎ ዝነብሩ መንገዲ ጥፋኣት ከኣ ይሕብሮም። ግናኸ ኸምቲ ተመን ብጉርሑ ንሔዋን ዘስሓታ ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ምሉእን ንጹሕን ፍቕሪ ከይትርሕቁ እፈርህ ኣለኹ። እንዳበለ ጥርጠራኡ ይገልጽ። ጳውሎስ እምበኣር ካብዚ ተበጊሱ ብትብዓት እዞም ከም ፈላጣት: ሓቀኛታት ሓዋሪያት ክርስቶስ ኮይኖም .. ካብ ሰብ ቆሮንጦስ  ኣድናቖትን ተቕባልነትን  ረኺቦም ዝነበሩ ሰባት:   መን ምኻኖም እቲ ሓቀኛ መንነቶም የጋልጾም። ሓሰውቲ ሓዋሪያት  ምካኖም ካብ ክርስቶስ ወላሓንቲ ጸዋዕታ ይኹን ተልእኮ ከምዘይብሎም ንሰብ ቖረንጦስ ይሕብር። ነዚኦም ኣገልገልቲ ሰይጣን ንእዳበለ ኸኣ ይገልጾም።

ኣብ ወንጌል ከምዚ ነንብብ፦ ኢየሱስ ከኣ ኸምዚ በሎም፦ “ ሓደ እኮ ኸየስሕተኩም ተጠንቐቁ። ኣነ ክርስቶስ እየ፥ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፥ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም ማቴ: 24:9-13  ጳውሎስ ኣብዚ ካልኣይ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣንጻር እቶም ሓሰውቲ ሓዋርያት ኢሉ ዝሰምዮም ክቃልስ ንረኽቦ። እዚኣቶም ኣብ ገዛእ ርእሶምን ሓይሎምን ብምትእምማን: ሓደ ፍሉይ ሕያብ መንፈስ ቅዱስን ጸዋዕታን ከምዘለዎም ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰባት ዝቐርቡ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ናቶም ስእሊ ወይ መንነት  ፍሉያት ሰብ ጸጋ: ሰብ ህያብ … ሃብታማት: በጸጋ እግዚኣብሔር ዝሃብተሙ: ኮይኖም ይቐርቡ ነበሩ። ኣብዚ ኣብቲ ሰብ ቆሮንጦስ  ዝተቐበሉዎ ሓቀኛ መልእኽቲ ወንጌል ዕንቅፋትን ምትላልን ይፈጥሩ ነበሩ። ስለዚ ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ እቶም  ኣመንቲ ይኹኑ: ዘይኣመንቲ መንፈሳዊያን ኮይኖም ይቐርቡ ነበሩ። ቤተክርስቲያን ቆሮንጦስ ከኣ ኣብቲ መጀመሪያ ጉዕዞኣ .. ካብዚ ትምህርቲን ምትላልን  ተላዒላ ናይ ሓያላትን ሃብታማትን ቤተክርስቲያን ክትከውን ማለት ኢዩ። ጳውሎስ ግና ነዚ ኣይፈቅድን: ሱቕ ኢሉውን ኣይርእን።

ቤተክርስቲያን ቆሮንጦስ  ሓቀኛ  መንነታን እንታይነታን ክተጥፍእ ትርከብ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ኢዩ እምበኣር ጳውሎስ ነዛ ቤተክርስቲያን ካብ ሓሰውቲ ሓዋሪያት ንምድሓን እዛ መልእክቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዝተረኽበ። ጳውሎስ ካብቲ ትምህርትን ስብከትን ናይቶም ሓሰውቲ ሓዋሪያት ኢሉ ዝሰምዮም ዝፈልዮ እንታይ ኢዩ ነሩ እንተበልና፦ እቶም ሓሰውቲ ሓዋሪያት ስብከቶም ኣብ ሓይሎምን ሃብቶምን: ክእለቶምን ፍልጦቶምን  ዝተመርኮሰ ኢዩ ነሩ። ጳውሎስ ግና ኣምላኻዊ ቅንኢእንተዘይኮይኑ .. ናይ ገዛእ ርእሱ ዝሕበነሉ ፍልጠት ወይ ሓይሊ ኣይነበሮ። እካ ደኣ ከም ሓደ ድኹም ሰብ: ድኹም ፍጥረት: ንሰባት ብኽእለቱን ፍልጠቱን ሰባት ክስሕብ ክእለት ዘይብሉ ኮይኑ ይቐርብ።  ኣነ ካብዞም “ ኣዚና ብሉጻት ኢና” ዚብሉ ሓዋሪያት ብሓንቲ እካዝንእስ ኣይመስለንን።  ክእለት ኣዘራርባ እካ እንተዘይብለይ ፍልጠትሲ ኣይጎድለንን። እዚ ኸኣ ብብዙሕ መገዲ ገሊጽናልኩም ኢና። ኣቀዲሙ ኣብ 10:17-18

እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ደኣ ይምካሕ ” ከም ዚብሎ፥ እቲ እግዚኣብሔር ዚንእዶ እምበር እቲ ንገዛእ ርእሱ ዚንእድ ሰብ ኣይኮነን ተምስኪሩሉ ዚወጽእ። 2ቆሮ4:5 ንሱ ሓይሉን ክእለቱን ኣብ ወንጌል ዝተመርኮሰ ኢዩ  ኔሩ። ንገዛእ ርእሱ ኣይሰብኽን: እንታይ ደኣ ነቲ ምእንቲ ድሕነት ኩሎም  ደቂ ሰባት ደሙ ኣብ መስቀል ዘፍሰሰን ሕይወቱ ዝሃበን ክርስቶስ ይሰብኽ ነበረ።  ንሱ ከኣ  ኣብነትን ትምህርትን  ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኽታል ብትሑት መንፈስ: ትሑት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኮይኑ ይቀርብ።  ነዚውን ባዕሉ ኣብ ቆሮ 3:5 ገሊጹዎ ይርከብ። ዝኾነ ነገር ንምግባር ብቕዓት ዝሃበና ኣምላኽ እዩ እምበር፥ ካብ ገዛእ ርእስና ዘምጻእናዮ ብቕዓት የብልናን” እናበለ ኣብ ክእለቱን ሓይሉን ዘይኮነስ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽን ጸጋ ኣምላኽን ይእመን። ከመይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸኣ ብምኽንያት ክርስቶስ ገላዉኹም ከም ዝኾና እምበር፥ ባዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣይኮናን እንሰብኽ »።

ቀንዲ ወይ ማእከል ናይዚ መልእኽቲ እዚ .. ንሕና እቶም ብኽርስቶስ እንኣምን: ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደን ልዕሊ ኩሉ ክምለኽን ክስገደሉን ዘሎዎ ኣምላኽ: መድሓኒን ኢየሱስ ክርስቶስ .. ሓደ ሰብ ወይ ስልጣን ናይ ደቂ ሰባት ወይ ማሕበር ድርጅት ክህልወና ከምዘይኽእል ኢዩ። ንሕና ብስሙ ሕያዎት ኮይና ናይ ውልድነት መሰል ተቐቢልና ደቂ ኣምላኽ ክንበሃል በቒዕና። “ ዉሉድ ኣምላኽ  ተባሂልና ምእንቲ ክንጽዋዕ እግዚኣብሄር ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝለገሰልና እሞ ርኣዩ! ውሉድ ኣምላኽውን ኢና። ዓለም ንእኡ ስለ ዘይፈለጠቶ ንኣና ዘይፈለጠትና። ኣቱም ፍቑራተይ! ሕጂ ዉሉድ ኣምላኽ ኢና። 1 Gv 3, 1-2) ስለዚ ከም ደቂ ኣምላኽ .. ከም ሓዋሪያቱ ንዕኡ ክንሰብኽን ክንምስክርን ዝተጸዋዕና ኢና። ኩሉ ግና ብክእለትና ብሓይልናን  ዘይኮነስ ብሓይሊ ኣምላኽን በጸጋ ኣምላኽን እዩ። ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኻ የልቦን፥ ከመይ ነቲ ሓደ ኺጸልእ፥ ነቲ ሓደ ኼፍቅር እዩ፥ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ኼኽብር፥ ነቲ ሓደ ኬሕስር ኢዩ እምበኣር ንኣምላኽን ንገንዘብ ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኩም”። ማቴ6:24

ኣብዚ  ካልኣይ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ስተጻሕፈ: ጳውሎስ  ብብዝሒ ብዛዕባ ድካምነቱ ይዛረብ። ብዛዕባ ሓደ ዓቢ ህያብ ናይ ወንጌል፥ ብዛዕባ ቀጻሊ ስቕያቱ፥ ጸገማቱ: ጸገማትን ኣብ ስብከተ ወንጌል: ተልእኹኡ ኣብ ግራት እግዚኣብሔር ብብዙሕ መንገዲ ዕንቅፋታት ከምዝረኸበ: የዘንቱ።  እዚ ነቲ ቃልን ትምህርትን  መድሓኒና  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮው. 15:20 ዝበሎ ንኽንዝክር ይሕግዘና።

ጊልያ ካብ ጎይትኡ ኣይዓብን እዩ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ኣሳዲዶሙኒ እንተ ኾይኖም ንኣኻትኩምውን ኬሳድድኹም እዮም”። ስብከተ ወንጌል እምበኣር  ዕንቅፋት: ድኻም: ትሕትና ዝሓትት …. ካብኡ ሓሊፉውን ዉርደትን ምስዳድን መስዋዕትን ከምዘኸትል ምፍላጥ የድሊ። እዚ ጳውሎስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኔሩ። ንሕናውን ሎሚ ነዚ “ ጊልያ ካብ ጎይትኡ ኣይዓብን እዩ ዝብል ቃል ጎይታና ተ ተዓጢቅና ካብ ስብከት ወንጌልን ኣግልግሎትን   ንድሕሪት ኣይንበል፡ ኣዚ ግና ብሓይልና ዘይኮነ ብሓይሊ ኣቲ ካብ ሙታን ዝተንስኣ ኣምላኽናን ጎይታናን። ሎሚ ነቶም ብሓቂ ንኣምላክናን ጎይታናን ክነገልግል ዝተዓተቅና እዚ ስደት እዚ ከምዝወርደና ክንፈልጥን ክንቅበልን ይግበኣና። ብስመይ ከሳድድኹም  ናብ መጋባባኣያታቶምው ከወስድኹም ኢዮም” ይብል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ . . . ስለዚ ነዚ ከም ዝተጸዋዓናውን ክንፈልጥ ይግበኣና። ማለት ኣብ ሓዋሪያዊ ጉዕዞና ብሓሶት ክኸሱና ከሳዱዱና ምኻኖም – ከምቲ ባዕሉ ጎይታ ዝብሎ ግና “ እቲ ስጋብ መወዳኣታ ዝዕገስ ክድሕን ኢዩ”።

እቲ ሓቀኛ ምስክርነት ተልእኾ ናይ ሓደ ሓቀኛ ሓዋሪያ እምበኣር ዓወት ምጉንጻፍ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ዝኾነ ኩነትን እዋንን ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ብምእማን .. ኣብ ጸዋዕታ ኣምላኽን ኣገልግሎቱ እሙን ኮይንካ ምርካብኢዩ።  በዚ ሓቂ እዚን: በዚ እምነት እዚን  ዝጋዓዝ ኢዩ እምበኣር  እቲ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ ሓዋሪያ ዝበሃል። ስለዚ እቲ ሓቀኛ ሓዋሪያ ዝበሃል ነቲ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ ሕይወት ክለብስ ኣብ መዓልታዊ ሕይወቱ ዝጽዕር ኢዩ። ንሱ ይቀበሉዎ ኣይቀበሉዎ ብድካምነቱ ከም ሓደ ድኹም: ኣብ መስቀል ውዒሉ።

ከም ሰብ ብትሕትና ብድኻም ስጋ ተሰቒሉ: ብኃይሊ ኣምላኽ ግና ሕያው ኮይኑ ተረኺቡ። ጉዕዞና ጉዕዞ እምነትና እምበኣር ኣሕዋት: ዕንቅፋታት ዝምልኦ … ድኻም ዝብዝሖ: መስዋዕቲ ከምዝሓትት ምፍላጥ የድሊ። ኣብዚ ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ምስ ሓሰውቲ ሓዋርያት ከዋዳድር ከሎ ነቲ ናቱ ዕብየት ክገልጽ ዘይኮነስ: እቲ ሓቀኛ ስእሊ ናይ ሓደ ሓቀና ሓዋሪያ ክርስቶስ ንምሃብ ኢዩ።

ክርስቲያናዊ ምስክርነት… ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ከምዝሞተ ምስባኽ ጥራይ ኣይኮነን። ካብ ጳውሎስ ክንመሃር ንኽል፡ ጳውሎስ ንኽርስቶስ ከም ጎይታ ይሰብኮ: እቲ ሰማያዊ ዓወቱ ይሰብኽ: ምስሊ ናይቲ ዘይረኣ ኣምላኽ ምኻኑ ይገልጽ። ክርስቶስ ነቢ ምካኑ ጥራይ ምስባኽ እኹል ኣይኮነን: ሙሉእ ምስክርነትውን ኣይኮነን። ናይ ነፍሲ ወከፍና  ጸዋዕታ ኣብ ሕይወትና ስእሊ ኢየሱስ ክርስቶስ  ኮይና ክንርከብ: ማለት ክርስቶስ ኣብ ሕይወትና ከነጸባርቕ ይግብኦ ። እዚ ኩውን ዝኸውን ግና  ክርስቶስ ብትሕትናን ተኣዝዞን ከምዝተዓወተ ኣሚና: ንሕናውን ኩሉ ተልእኮና ሓዋሪያዊ ተግባርና ኣብ ትሕትናን ተኣዝዞን ምስዝምርኮስ ጥራይ ኢዩ።

በዚ መንገዲ ጥራይ  ኢና ኣብ ከውሒ ዝተሰረተ እምነት ….. ከነጥሪ ንኽእል። በዚ ጥራይ ኢና  ሓቀኛታት ሓዋሪያት ናይ ክርስቶስ ክንስመ .. ማህበራትናን ቁምስናታትናን ክንሃንጽ እንኽእል። ኣብ ቃል ኣምላኽን ትሕትናን ተ ኣዝዞን ተመርኪስና። ኣብ ሓወይ ሓውኻ ወገነይ ወገንካ ዝህነጽ ቤተክርስቲያን ማሕበር ኣመንቲ የለን። ኣብ ከምዚ ዝምስረት ማሕበር፡  ቤተክርስቲያን – ኣብቲ ከውሒ ስለዘይተሰረተ  ይፈርስ።

እግዚአብሔር ስለ ኩሉ ነገር ዝተመስገነ ይኹን!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

Aba Hagos Tesfagabir

 

1 2