ተልአኾና ኣብ ቤተክርስቲያን እንታይ ይመስል፧

መልእኽቲ ቆሞስ ሓምለን – ነሓሰን 2016

ቀንዲ ተልአኮ ቤተክርስትያን ድሕነት ኣሕዛብ ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ ክርስቶስ ብምእማን ብሓይሊ ጸጋኡ ይርከብ። ስለዚ ተልእኮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተክርስቲያን፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ መልእኽቲ ወንጌል ብምእማን ብቓልን ብግብርን ንዓለም ምግላጽ ኢዩ።  በቲ ሓደ ወገን ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ማለት እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ኸኣ እቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ዜውጽኦ መደብ ድሕነት ተቐቢልካን ኣሚንካን ነሕዋት ምክፋል እዩ። ኣምላኽ ንወድሰብ ስለ ዜፍቅሮን ኣብ መደብ ድሕነቱ ስለ ዘእተዎን ኣብ ዓወት ኪበጽሖ ስለ ዚደልዮን ኩሉ ግዜ ብልብን ብሕጉስ መንፈስን ፍቓድካ ኣብ ሰማይ …. እናበለ ንኺጽሊ ይዕድም። እዚ ማለት ከኣ ፍቕርን ሓልዮትን ኣምላኽ ኣብ ዓለምና ኪስፍን ብዘይምቁራጽ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣማናይ ጸሎትን ተወፋይነትን ይሓትት ማለት ኢዩ።

ኣብ ክርስቲያናዊ ጉዑዞና ተልእኮና እንታይ ምኻኑ ንክንፈልጥን፡ ክንርዳእን፡ ንኽንፍጽምን፡ ንክርስቶስ ምፋልጥ ኣዝዩ ኣድላዪ ኮይኑ ይርከብ። ጴጥሮስ ግርማኡን እንታይነቱን ምስርኤን ምስጠዓመን  ኣብዚ “ምሳኻ ምዃን ጽቡቕ እዩ (ማቴ.17᎓4) ይብሎ። ኩሉ ጸጋ ክርስቶስ ዝተቐበለ ሰብ ክብሎ ዘለዎ ቃል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እምበኣር መድኃኒና ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ወንጌል ነዚ ጥዑም ዜና ንዓለም ከበሱሩ ክእዝዞም ንረኽቦ.. ምኽንያቱ ዓለም ክትፈልጦ ነሩዋ። ፈሊጣ ብእኡ ክትኣምን … ኣሚና ብእኡ ክትድሕን። ፍልጠት ክርስቶስ ካብ ምስማዕ ይብገስ፡  ብሓቂ ምስ ክርስቶስ ምትራፍ፣ ንእኡ ምምሳል፤ ሕይወት ንእኡ ጥራይ ምውፋይ ክንደይ ሠናይ እዩ። እታ ናብ ክርስቶስ ዝተወፈየት ነፍሲ “ንስኻ ካብ ኵሎም ደቂ ሰባት ትጽብቕ” ንዓኻ እንተ ዘይኮይኑስ ካልእ ዝደልዮ ነገር የብለይን ትብል’ሞ – ቃል ሰሚዓ ትምለስ፣ ትልኣኽ – ኣብ ዝተላእከቶ ከኣ ትኸይድ። እቲ እትሰምዖ ቃል እተብጽሖ መልእኽቲ ናይ’ቲ እትፈትዎ ጐይታ እምበር ናታ ኮይኑ ከኣ ኣይርከብን ።

ኣብ ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ኣቲና ክንዛረብ እንከሎና ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ እንክጽሕፍ “ናብ’ቶም ብክ.ኢ. ዝተቐደሱ ምስቶም ኣብ ኩላ ሥፍራ ስም እቲ ጐይትኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢ.ክ. ዚጽውዑ ኵሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተጸውዑ እዮም። (1ቆሮ. 1᎓2) ስለዚ ነቲ ዝተጸዋዕኩምሉ ጽዉዓ ብቁዓት ኬንኩም ክትነብሩ እልምነኩም ኣሎኹ። (ኤፌ.4᎓1) እቲ ናብ መዓሙቕ ዝወረደ ከኣ ንኩሉ ብህላዌ ምእንቲ ክመልእ ልዕሊ ኩሉ ንሰማያት ዝዓረገ ንሱ እዩ። ንሱ ከኣ ንገሊኦም ሓዋርያት ንገሊኦም ነቢያት ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት ንገሊኦም መምህራን ገበሮም። (ኤፌ.4᎓10-11) እዚ ኸኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ምእንቲ ክትነጽሕ እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍጹማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ። (ኤፌ.4᎓12)

 “ድላይ ኣምላኽ አንታይ ምኻኑ ” ከመይ ጌርና ንፈልጥ?“ ጽን ምባል የዲሊ” ኣብ ውሽጥኻ ምእታው የድሊ፡ ድምጺ እግዚኣብሔር ንምስማዕ፡ ድላይ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኾነ ግዜ ሰዓትን፡ ቦታን፡ ኩነታትን፡ ንነፍስ ወከፍና ዝግለጽ እዩ።  ብዓቢ’ዩ ድላይ እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ተገሊጹ እዩ። (ኤፍ.1 : 3) ከም ኣሕዋት መጠን ኣብ ቅድሚ ብዘይመንቅብ ክንቀውም ትእዛዛት ሂቡና’ዩ፣ እቲ ዝዓበየ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ከምቲ “ኣነ ዘፍቀርኩኹም ነንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሓዲሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ (ዮሓ. 13:34)። “ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ ኣነ’ውን ኣፍቅረኩም እየ፣ ኣብ ፍቕረይ ንበሩ ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩ’ውን ጸኒዐ ዝነብር ዘሎኹ፣ ከምኡ ከኣ ንስኻትኩም ትዛዛተይ እንተ ሓሎኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኩም ክትነብሩ ኢኹም። (ዮሓ.15:9-10) ብፍቕርኹም ደቂ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኪፈልጡ እዮም፣ እናበለ ድላይ እግዚኣብሔር ሰብ ብጸጋ ኣምላኽ ተሓጊዙ ንድኻምነቱ ምስ ኩሉ ክፉእ ትምኒቱ እናኣወገደ ብሓቂ ውሉድ ኮይኑ ኣሰር ክርስቶስ ኪስዕብ ከም ዘለዎ የረድእ።

ክርስቶስ ድላይ ኣብኡ ክፍጽም ኣብ ዓለምና ኪኣቱ እንከ“መስዋዕትን መባእን ኣይደለኻን እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻልይ። ብዝሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበሉኻን። ሽዑ ከኣ ኣነ ኦኣምላኸይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፣ እነሆ ፍቓድካ ኽፍጽም ወጺአ’ሎኹ በልኩ (ዕብራውያን 10:5-7) ብመንገዲ ክርስቶስ ምስዓብ ማለት መስቀልካ ምስካም ማለት ኢዩ። አብ መንገዱ ብጻይ ንኽትኮኖ፡ ንከተካይዶ። እዚ መንገዲ እዚ ግና ጡዑም መገዲ አይኮነን፤ ክብሪ ናይዚ ዓለም እዚ አይኮነን። እንታይ ደአ ናይዚ ዓለም እዚ ክብሪ ከምትንዕቅ ጥራይ ዘይኮነ ሕይወትካ እትክሕደሉ፤ ሕይወትካ ምእንቲ ክርስቶስን፡ መንግስተ አምላኽን፡ ወንጌልን እተወፍየሉን  ማለት ኢዩ።

እምበኣር ነቲ አገልጋሊ ነፍሲ ወከፍና ዝኾነ ክርስቶስ ክንክተል ሓደ ንጹር ዝኾነ ዕርክነት ምስኡ ክንፈጥር አለና። ስለዚ እታ መንገዲ ክርስቶስ መንገዲ ተስፋ ኢያ፤ እቲ ናትና ዓወት ዝርአ አብቲ ድኻምነትና ኢዩ፡ ማለት ምእንቲ መንግስተ አምላክ ኢልና ትሕት ክንብል ከለና፤ አገልግልቲ ክንኸውን ከለና።

አብ ካልአይ ምዕርፍ ያዕቆብ ከምዚ እንዳበለ ይጽሕፍ – ሓደ ግና “ንስኻ እምነት አለትካ፡ አነ ኸአ ግብሪ አሎኒ” ይብል ይኸውን። እምበአር እምነትካ ብዘይ ግብሪ አር እየኒ፡ አለውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ያዕ.2:18 እዚ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና  ክትንክፈና ዘለዎ ምልአኽቲ ክኸውን ይግብኦ። ንዓና ክርስቲያን እዚ መልእኽቲ እዚ ሓቀኛታት መገልገልቲ ክርስቶስ ንኽንከውን የተባብዓና። “ከምቲ አነ ንዓካታትኩም ዝገበርክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ አርአያ ሂበኩም አለኹ”። ዮው.13:15-17 እዚ መልክዕ ወይ መለለዪ ናይ ሓደ ሓቀኛ ክርስቲያን ወይ ሓቀኛ ሓዋሪያ ክርስቶስ ኢዩ።

ስለዚ እንታይ ኢዩ ተልእኾና አብ ቤተክርስቲያን እንተበልና? ተልእኾናን  ጸዋዕታናን አሰር ክርስቶስ ብምኽታል፡ ብትሕትናን፡ ሕያውነትን፡ ሓሊዮትን ዝመልኦ አገባባ ነሕዋትና ምግልጋል ኢዩ።  አገልግሎት ባህሪ፡ ጠባይ ወይ መለለዪ ናይ ሓደ ክርስቲያን፤ መሰረት ዓንዲ ናይ እምነትናን ተልእኾናን፤ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታናንኢዩ። ነፍሲ ወከፍ አማናይ በቲ ዝተዋህቦ ጸዋዕታ መጀመሪያ ንአገልግሎት እግዚአብሔርን አሕዋትን  ኢዩ ተጸዊዑ። እዚ መንፈስ እዚ ኢዩ አብ መንጎና ክነግስን ከንጸባርቕን  ዘለዎ።

Aba Hagos Tesfagabir

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *