ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧”

 

ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧”

“ ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኢዮም። ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧” ድማ በሉዎ። ኢየሱስ ከአ፦ “ አዕሩኽ መርዓዊ ደአ እቲ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎ ኺጾሙዶ ይከአሎም እዩ፧ መርዓዊ ምስአቶም ከሎስ ኪጾሙ አይከአሎምን ኢዩ። እንተኾነ ግዳ መርዓዊ ካብአቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ኪጾሙ እዮም። ማር. 2:18-20

እቲ ዝጸውም ንገለ ስተወሰነ ግዜ ካብ ገለ መግቢ ይኽልከል። መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ እዚ አብ ዝተፈላለይ ምዕራፋት ይዛረብ። ጾም አብ ብሉይ ኪዳን ዝተፈላለይ ናይ ጾም አብነታት ወይ ሓቅታት የቕርበልና። ንአብነት ሙሴ፦ ክልተ ግዜ አርባዓ መዓልትን አርባዓ ለይትን ከምዝጾመ የዘንትወልና። አዚ መጀመርያ ነተን ሕግታት ዝሓዛ ጽላተ እምኒ ንኽቕበል አብቲ ጎቦ ምስ እግዚአብሔር አብ ዝተረኸበሉ ግዜ ኢዩ። ከምዚ አንዳበለ ከኣ የዘንቱ “ ነተን ጽላት እምኒ፥ ናይቲ እግዚአብሔር ምሳኻትኩም ዝአተዎ ኺዳን ክቕበል ናብቲ እምባ ደየብኩ። አብኡ ብዘይ እንጌራን ማይን አርባዓ መዓልትን አርበዓ ለይትን ተቐመጥኩ”። ዘዳ.9: 9:9

ካልአይ ግዜ ነተን ናይ ሕግታት ጽላት ሒዙ ካብቲ ጎቦ ምስ ወረደ፥ እስራኤላውያን አንጻር እግዚአብሔር ከም ዝተንስኡ፤ ንምራኽ ወይ ጣዖት ከምልኹ ከምዝጀመሩ ምስ ፈለጠ፡ ሙሴ ነቲ ናይ ጣዖት እግዚአብሔር ክሰብሮ ተረኽበ። እግዚአብሔር በዚ ተቖጢዑ ንሕዝቡ ከየጥፍኦም ከአ አምሪሩ ይልምን። እቲ ሕርቃኑን ጋህኡን ከአ ናብ ጾም የብጽሖ። ነተን ኽልተ ጽላት ከአ ኻብቲ እግዚአብሔር ዝአዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ከም ዝበደልኩም ድማ ረአኹ፥ ዝፈሰሰ ምራኽ ጌርኩም ጣዖት ሠራሕኩም፥ ስለዚ ኻብቲ እግዚአብሔር ዝአዘዘኩም መገዲ ቀልጢፍኩም አልገስኩም። ነተን ክልተ ጽላት ከአ ኻብ ክልቲአን ኢደይ ደርብየ አብ ቅድሜኹም ሰበርኩወን። ከም ብሓድሽ ድማ አርባዓ መዓልትን አርበዓ ለይትን አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተደፋእኹ። በቲ ኹሉ ዝገበርኩምዎ ኃጢአት፥ አብ ቅድሚ አምላኽ ኽፉእ ብምግባር ዘቖጣዕክምዎ አርበዓ መዓልትን ለይትን እንጌራ አይበላዕኩን፥ ማይውን አይሰቴኹን። በቲ እግዚአብሔር ብአኻትኩም ነዲሩዎ ዝነበረ ኹራ ኸየጥፍአኩም ፈራህኩ። ግናኸ በታ ጊዜ እቲአ እውን እግዚአብሔር ሰምዓኒ። ዘዳ.9:17-19

ዝኸበርኩም ምእመናን አብ ብሉይ ኪዳን ከምዚ ኣብ ዝሓለፈ ንባባትና ዝረኣናዮ፡ ጾም መግለጺ እምነት፤ መግለጺ ንስሓ ከምዝነበረ ቃል አምላኽ ብንጹር ይገልጸልና። ስለዚ ንሕና አብዚ ግዜ እዚ ክንጸውም ከለና በዚ መንፈስ ክንገብሮ ንዕደም። ጾምና ናብ ንስሓ፤ ናብ ዕርቂ ዘምርዝሕ ወይ ዘብጽሕ ክኸውን አለዎ። ጾም ማለት ብኃጢኣትካ ተኣሚንካ ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሔር ምሕረት ምልማን ኢዩ። በቲ ዝገበርካዮ ጉድልነት ኣበስኩ ኢልካ ምኽኣል ማለት ኢዩ።

ልአይ አብነት ናይ እዝራ ክንርኢ ንኸል፦ እዝራ ብእግዚአብሔር ዝተሓርየ፥ ንሕዝበ እስራኤል ካብ ባቢሎን ናብ ዓዶም ኢየሩሳሌም ንኽምለሱ ንኽመርሖም ዝተመርጸ ሰብ ኢዩ ነሩ። ብዓቢ ሓጎስ ካብ ጸቕጢ ናይ ንጉስ ነጻ ኮይኖም ጉዑዞኦም ጀመሩ፡ ቀጺሎም ግና እቲ ብዓመጽትን ሰረቕትን ዝተዓብለለ ምድረበዳ ክሰግሩ ነይሩዎም። አብ ግዕዞኦም ወላሓንቲ ንመከላኸሊ ዝኸውን መጋበሪ አይነበሮምን። እዚ አብ ጸሎትን ጾምን ክጽመዱ ገይሩዎም። እዝራ. 8:21-23.

አነ ድማ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኽና ርእስና ክነትሕት፥ ንአናን ንህጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን አብ ጉዑዞናን ምእንቲ ኺሕልወና ክንልምን ኢለ፥ አብ ርባ አሃዋ ጾም አወጅኩ። “እግዚአብሔር አምላኽና ንዚአምንዎ ይባርኾም ኢዩ፥ ነቶም ዚኽሕድዎ ግና ኩራኡ የውርደሎም እዩ” ኢለ ንንጉሥ ነጊረዮ ነበርኩ። ስለዚ አብ መገዲ ኻብ ጸላእትና ዜድኅኑና ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓፈርኩ። አምላኽና ምእንቲ ኺሕልወና ኸአ ጾምናን ጸሌናን። ንሱ ድማ ሰምዓና። እዝራ፡ 8:21-23. ስለዚ ነቲ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብልብን ብእምነትን ዝጾምን ዝጽልን እግዚአብሔር ይሰምዖ። በቲ ዘይሕሱ ቃላቱ “ ለምኑ ኺወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾውን ካሕካሕ አብሉ ኪኽፈተልኩም ኢዩ” ሉቃ.11፡9 ለምኑ ክትረኽቡ፥ ካሕክሑ ክኽፈተልኩም እዩ፤ ኢሉና ኢዩ። እዚ ነቲ አቀዲምና አብ እዝራ. 8:21-23 ዘንበብናዮ ሓቂ እዚ ይገልጽ።

ልሳይ ነህምያ እዚ ሰብ እዚ በቲ አብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ዝወረደ ዕንወት ጉህዩ አብ ቅድሚ አምላኽ ብዓቢ ሓዘንን ጋህን ይቐርብ።: ሓናኒ ሓደ ኻብ አሕዋተይን ገለ ሰብን ካብ ይሁዳ መጹ። አነ ድማ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዝመለቑን ካብ ምርኮ ዝተመልሱ አይሁድን ብዛዕባ ኢየሩሳሌምን ሓተትክዎም። ንሳቶም ድማ “ እቶም ካብ ምርኮ ዝደኃኑን እቶም ካብ ምርኮ ስተመልሱን፥ አብ ሃገሮም ብብዙኅ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። መካበብያ ኢየሩሳሌም ከአ ፈሪሱ እዩ፥ አፍ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ እዩ” ኢሎም ነገሩኒ። እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፥ ሓያሎ መዓልቲ ኃዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ። አብ ቅድሚ አምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ።

ከምዚ ኸአ በልኩ፡- ኦ እግዚአብሔር አምላኽ ሰማይ፥ ዓቢይን እትፍራህን አምላኽ፥ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ንዚሕልዉን ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ንሕና ደቂ እስራኤል ከም ዝበደልናካ እእመን አሎኹ። አነን አቦታተይን በዲልና ኢና እሞ፥ እዚ አነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤል ለይትን መዓልትን አብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎት ጽን ኢልካ ስምዓኒ፥ ቁሊሕ እውን በለኒ። ንሕና አዚና በዲልናካ ኢና። ነቲ ብሙሴ ብርያኻ ጌርካ ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕግታትን ሥርዓታትን ድማ አይሓሎናዮን። ንህምያ. 1:2-4

ነህምያ አብ ክንዲ ሕዝቡ ይጸውምን ይጽልን። ነቲ እግዚአብሔር ብሙሴ ዘረከቦምን ዝሃቦምን ትእዛዛት ከምዘፍረሱ ከአ ይእመን። ብኃጣአቱን ብኃጥያት ሕዝቡን ይጠዓስን ምሕረት ይልምንን። እዚ ዓይነት ንስሓ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተሰማዕነት ይረክብ። እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ አብ ጉዑዞና፡ አብ ጾምና ክንገብሮ ዘለና ከአ በቲ ጉድልነትና ተአሚና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምቕራብ ኢዩ።

ብዓይ መጽሓፍ አስቴር እንተረአና ሃማን ንአይሁዳውያን ኬጥፍእ ምስ ሓሰበን ምስ አወጀን፥ አስቴር ናይ ህዝባን ናይ ገዛእ ርእሳን ሕይወት አብ ሓደጋ ስለዝወደቐ ጾም ከምዚ እንዳበለት ትእውጅ። “ ኪድ እሞ፥ አብ ሱሳን ንዘለዉ ኹሎም አይሁድ አኪብካ ኽሳዕ ሠለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን ከይበላዕኩምን ከይሰተኹምን ምእንታይ ጹሙ፥ አነ ድማ ምስ አግራደይ ኮይነ ኸምኡ ገይረ ኽጸውም እየ። ሽዑ ሕጊ እካ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ ናብ ንጉሥ ክአቱ እየ፥ እንተ ሞትኩ እሙት።” ከአ በለቶ። አስቴር. 4:16

ዝኸበርኩም ምእመናና ጾም ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና፡ ሕብረት ንኽህልወና ዝገብር ቁዱስ ነገር ኢዩ። ዝለዚ ብሓጺሩ ጾም ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ዝቐራርበና ኢዩ፡ ከምቲ ዳኒኤል ዝገበሮ። “ማቅ ተኸዲነን አብ ሓሞኽሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኸይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ። ናብ እግዚአብሔር አምላኸይ እናለመንኩ ኃጢአት ሕዝበይ ከምዚ ኢለ ጽለኹ፡ “ኦ እግዚአብሔር! ንስኻ ንዚፈትውኻን ትእዛዝካ ንዚሕልውን ኪዳንካ እትጽንዕ፥ ምሕረትካ እውን እትገልጽ ዓቢይን ክቡርን አምላኽ ኢኻ። ንሕና ኃጢአት ገበርና፥ አበስና፥ ሓጥአንን ዓለውትን ኮይና፥ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ቅኑዕ መገድኻን አልገስና። ዳን. 9:3

አብ ብሉይ ኪዳን ኣሕዛብ አብ ግዜ ጽገሞም ሕማሞም ጉድልነቶም   እንክርከቡ ክጾሙ ንርእዮም። ናታን ናብ ቤቱ ተመልሰ፥ ነቲ ሰበይቲ ኦርዩ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቖልዓ እግዚአብሔር ከቢድ ሕማም አውረደሉ። ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቑልዓ ናብ አምላኽ ጸለየ፥ ጾም ጾመ፥ አትዩ ድማ አብ ምድሪ በጥ ኢሉ ኃደረ። 2ሳሙኤል12:15-16. አብ ሓዘን አብ ውግእ ስለዝሞቱ፥ ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንሕዝቢ እግዚአብሔርን ንቤት እስራኤልን ኃዘኑሎምን በኸዩሎምን፥ ክሳብ ምሸት ጾሙ። 2ሳሙ.1:12

በቲ ናይ መንፈስ ሕጊ ሙሴ ጾም እንተረአናዮ ሓደ ወዲ ሰብ ትሕትናኡ ዝገልጸሉ መጋበሪ ኢዩ ነይሩ። ኩሉ ግዜ ብጾሎት ተሰንዩ ይኸይድ ነበረ። እዚ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለዓለም ዚጸንሕ ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓሥረይቲ መዓልቲ ናይታ ሳብዓይቲ ወርኂ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ አብ ማእከልኩም ዚቕመጥ ስደተኛ፥ ኩሉኹም ጹሙ፥ ገለ እካ ዕዮ አይትዕየዩ። ዘሌ.፩፮.፳። ድሒሩ ግና ጾም እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ ይሃስስ። ጻዕሪ ናይ ነቢያት ከአ ኮንቱ ኮይኑ ይተርፍ። እንተጾሙ ጥርዓኖም አይክሰምዕን፥ ዚሓርር መሥዋዕቲ ብብልዕን እካ እንተ አቕረቡለይ አይክፈትወሎምን እየ። እካ ደአ ብውግእን ንጥሜትን ብፌራን ከጥፈኦም ኢየ በለኒ።” ኤር.14:12 አናበለ ኤርምያስ ይዛረብ። ምክንያቱ እቲ ሓቀኛ ጾም ትርጉሙ ምስ ዝለወጥ፡ ካብ አግዚኣብሔር ተቀባልነት ኣይረክብን።

ጾም አብ ግዜ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ

እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ ‘ ኦ አምላኽ! ከምቶም ካልኦት ሰባት፥ ከተርቲ፥ ዓመጽቲ፥ ዘመውቲ፥ ወይ ከምዚ ተቐባል ቀረጽ እዚ ስለ ዘይኮንኩ አመስግነካ አለኹ። አብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፥ ካብ ኩሉ ገንዘበይ ከአ ዕሽር አውጽእ እናበለ ጸለየ። እቲ ተቀባል ቀረጽ ግና አብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቓሕ ኬብል እካኸይደፈረ፥‘ኦ አምላኸይ! ንአይ ንኅጥእ ምሓረኒ’ እናበለ አፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። 18:11, 12

ሓዋሪያት ብዙሕ ግዜ ክጸሙ አይርከቡን ስለዚ ኢዮም ፈሪሳውያን ንመድኃኒን ኢየሲስ ክርስቶስ ከምዚ እንዳበሉ ክሓትዎ ዝተረኽቡ። ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። ገለ ሰባት መጺኦም ከአ ንኢየሱስ ሓተትዎ፥ “ ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኢዮም። ስለምንታይ ደአ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ፧” ድማ በሉዎ። ኢየሱስ ከአ፦ “ አዕሩኽ መርዓዊ ደአ እቲ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎ ኺጾሙዶ ይከአሎም እዩ፧ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎስ ኪጾሙ አይከአሎምን ኢዩ። እንተኾነ ግዳ መርዓዊ ካባቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፤ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ኪጾሙ እዮም። ማር፡2:18-20

ኣብ ማቴዎስ አንተረኣና፡ ሽዑ ደቂ መዛሙርቱ ዮውሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ ንሕና ፈሪሳውያን ብዙኅ ንጸውም፥ ደቀ መዛሙርትካ ደአ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧” በልዎ” ኢየሱስ ከምዚ በሎም፦ “ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎዶ አዕሩኽ መርዓዊ ኪኃዝኑ ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብ አቶም ዚውሰደላ መ ዓልቲ ኽትመጽእ እያ‹ ሽዑ ኸአ ኪጾሙ እዮም። ማቴ.9:14,15

እዚ መጀመሪያ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መልሲ ወይ ምሳሌ ብዛዕባ ሓጎስ ወይ መርዓ ይዛረብ። ሓዘንን ጾምን አብዚ ግዜ እዚ ቦታ አይነበሮን። ስለዚ ሓዋሪያት አብዚ ግዜ እዚ ክሕጎሱን ክፍስሁን ነይሩዎም። ምኽንያቱ ኢቲ መራዓዊ ክርስቶስ ምስአቶም ስለዝነበረ። እንተኾነ ግዳ ይብል ቀጺሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “መርዓዊ ካብአቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ክትመጽእ እያ፤ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ኪጾሙ እዮም። ማር፡ 2:19,20 እንዳበለ ብዛዕባ ምትሓዙን ስቕለቱን ትንሳኤኡን ይዛረብ። አብዚ ግዜ እዚ ሓዋሪያት ብርግጽ ኪሓዝኑ ኢዮም። እንተኾነ ድሕሪ እቲ ስቓይን ሓዘንን ሓዋሪያት ዘለዓለማዊ ሓጎስ ከምዝጽበዮም ከአ የብረሃሎም። ሰበይቲ ክትወልድ ከላ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበጽሓ ትጭነቕ፥ ቁልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ አብ ዓለም ስለ ዝተወልደ፥ ተሓጊሳ ነቲ ጻዕራ አይትዝክሮን ኢያ። እምበአርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጋሂ አሎኩም፥ ግናኸ ከም ብሓድሽ ስለ ዝርእየኩም ልብኹም ኪሕጎስ ኢዩ፥ ንሓጎስኩም ድማ ኻባኻትኩም ዚወስዶ ሓደ እካ የልቦን። ዮሓ. 16:21,22

ድሕሪ ብዙሕ ስቕያትን ሓዘንን ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳእ ንሕይወቶም ሓጎስ መልኦ። ንሓድሕዶም ከአ “እቲ አብ መገዲ ኺዛረበናን ነተን ጽሑፋት ኪትርጉመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና አይነበረን፧” ሉቃ.24:32 እናበሉ ከአ በቲ ዘደንቕ ተመክሮኦም ይምስክሩ።

ካልአይ ምሳሌ

“ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ አብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ከቶ የልቦን። እንተዘይኮነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፥ ምቅዳዱ ኸአ ዝገደደ ይከውን። ማር. 2:21. እቲ ብላይ ክዳን ነቲ ደጋዊ ዝኾነ ምህላው ሕግታት የመልክት። እዚ ድሮ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ ጾም፥ ሓቀኛ ምሕላው ሕጊ እግዚአብሔር ደጋዊ ዘይኮነ ውሻጣዊ ለውጢ ዝሓትት ምኻኑ ኢዩ። ተልእኾ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ እዚ ኢዩ ነሩ። ነቲ ብሉይ ከሐድስ፡ አብ ሓቅን ፍቕርን ዝተመርኮሰ ጉዑዞ ንኽተክል ኢዩ ዝመጸ። ሕይወት ወዲ ሰብ ብወንጌል ክሕደስ ነሩዎ። ብትምህርትን ምስክርነትን ክርስቶስ ክሕደስ ኔሩዎ። ስለዚ ጾምና ነዚ ዘንጸባርቕ ክኸውን የዲሊ። ጾምና ኣብቲ ሓቀኛ ቃል ኣምላኽ መሰረት ዝገበረ ጾም ክንጸውም። ከምቲ ተቀባል ቀረጽ አብ ርሑቕ ደው ኢሉ፥ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቓሕ ኬብል እካ ኸይደፈረ፥ ‘ኦ አምላኸይ! ንአይ ንኅጥእ ምሓረኒ’ እናበለ አፍልቡ ዝወቅዕ ዝነበረ፡ ንሕናውን ብኃጢኣትና ብውሽጢና ተጣዒስና ‘ኦ አምላኸይ! ንአይ ንኅጥእ ምሓረኒ” ኢልና ክንክእል ኣለና።

ሳልሳይ ምሳሌ

“ንሓድሽ ወይኒ አብ ሓደስቲ አሕርብቲ ደአ የዕርቖዎ እምበር፥ ንሓድሽ ወይንስ አብ አረገውቲ አሕርብቲ ዜዕርቖ የልቦን”፡ እንተዘይኮይኑስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ አሕብርቲ ይቐዶ፥ እቲ ወይኒ ኸአ ይፈሥስ፥ እቲ አሕርብቲውን ይባላሾ” በሎም”።” ማር. 2:22 ክርስቶስ እምበአር ሓድሽ ወይኒ ኮይኑ ይቐርብ፡ ክርስቶስን እቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉን ምስቲ አረጊት አተሓሳስባ አነባብራ ደቂ ሰባት ክነወዳድሮ አይንኽእልን። ምጽአት ናይቲ መርዓዊ ዝኾነ ክርስቶስ፡ ወዲ ሰብ ንምሕዳስ ኢዩ ነሩ። ስለዚ ኩሎም እምነታት፦ ዕብራውያን፥ መዛሙርቲ ደቂ ዮሓንስን ነዚ ሓድሽ ሓቂ ንኽቅበልዎ አይክአሉን። ነቲ ሓድሽ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ንምጉዓዝ ይጽግሞም። ስለዚ አብዚ ግዜ ጾም እዚ ብዝተሓደሰ መንፈስ ናብቲ አምላኽና ጎይታናን ዝኾነ ክርስቶስ ተመሊስና፤ ሓደሽ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ እንጅምረሉ ግዜን ወቕትን ኢዩሞ፤ ድንግል ማሪያም ወላዲተ አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ትሓግዘና! አሜን።

ኣባ ሓጎስ ተፍስጋቢር

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *