አስተንትኖ ቃል አምላኽ ጥሪ – 13.2018

 

  • ጸሎት

ኦ ቅድስቲ ድንግል ማሪኣም ኣዴና:
ንስኺ ቃል ኣምላኽ መደብ ኣምላኽ ኣብ ሕይወትኪ ንክፍጸም:
ብትሕትናን ተኣዝዞን ሕራይ እናበልኪ ዝመለስኪ ኢኺ እሞ:
ንሕናውን ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ንቃል ንቃል ኣምላኽ እናሰተንተናን
እሙናት ተኸተልቱን ኣገልገልቱን ኮይና ንኽርከብ :
ካብቲ ፍቑር ወዲኺ ኣማልድልና። ኣሜን!

 

ማር.2:13-17
ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ናብ ገምገም ባሕሪ ኣቢሉ ወጸ፥ ኩሎም እቶም ሕዝቢውን አብ ዙርያኡ ተአከቡ፥ ይምህሮምውን ነበረ። ኪኃልፍ ከሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ አብ መደበር ቀርጽ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ፥ “ ሰዓበኒ” በሎ፥ ንሱ ኸአ ተንሢኡ ሰዓቦ። ብድኅሪዚ ኢየሱስ አብ ቤት ሌዊ አብ መአዲ ተቐሚጡ ነበረ፥ እቶም ዝሰዓብዎ ድማ ብዙኃት ነበሩ እሞ፥ ሓያሎ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ምስ ኢየሱስን ደቂ መዛሙርቱን አብ መአዲ ተቐመጠ። እቶም ወገን ፈራሳውያን ዝኾኑ መምህራን ሕጊ፥ ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ኪበልዕ ስለ ዝረአይዎ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ ስለምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ዚበልዕን ( ዝሰትን)፧ በልዎም። ኢየሱስ ከአ ሰሚዑ፥ “ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት አይደልይዎን እዮም፤ አነ ኸአ ንኃጥአን እምበር ንጻድቃን ኽጽውዕ አይመጻእኩን” በሎም።

 

  • ኣስተንትኖ

ኣብዚ ናይ ሎሚ ቃል ኣምላክ መድሃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሌዊ ከምዝጸውዓ ቃል ኣምላኽ የዘንትወል። ሌዊ በተሓሳስባን ትምህርትን ፈሪሳውያን ሓደ ካብቶም ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጢአተኛ ካብ መንግስተ አምላኽ ርሑቕ ዝነበረ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓበኒ እናበለ ክጽውዖ ንርኢ። አብዚ ጸዋዕታ አምላኽ ህያብ ምኻኑ ንርዳእ። እግዚአብሔር ክጽውዕ ከሎ አብቲ ሰብ ኢቲ ንኽምልስ መንፈሱ ሓይሉ ይህቦ። እግዚአብሔር ናይ ዝኾነ ወዲሰብ ጥፍአት አይብህግን ኢዩ። ንኹሉ ጸዋዕታ ድኅነቱ የውፊ። ንነፍሲ ወከፍ ኃጢአተኛ ናብ መንገዲ ድኅነት ክጽውዕ ይርከብ። ድኻምነትና – ውድቀትና – ኃጢአትና – እንታይነትና ብዘየገድስ ካብ ጸዋዕታ አምላኽ ከምዘይፈሊየና ክንርዳእ የኽእለና፡፡
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ንሌዊ “ ሰዓበኒ” እናበለ ጸዊዑ፡ ምስቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሓያሎ አሕዛብ ከምኡውን ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን – ምስ ደቂ መዛሙርቱን አብ መአዲ ተቐመጠ ይብለና ናይ ሎሚ ቃል ወንጌል። አምላኽ ምሕረት ዝለዝኾነ፡ ምስቶም ተቀበልቲ ቀረጽን ኃጢአተኛታትን መአዲ ይቕረብ።ወዲ ሰብ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክንደይ ኩቡር ምኻኑ፡ እግዚአብሔር ፈቃር – መሓሪ አቦ ምኻኑ የረድአና። ክርስቶስ ንኹሎም ናብ መአዲ ይዕድሞም። ተልእኮ መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ እምበአር እዚ ኢዩ ነሩ፡ ንነፍሲ ወከፍና አብ መአዲ ድኅነት ከሳትፈና። ንነፍሲ ወከፍና አብ ሓደ መአዲ፡ አብ ዙርያኡ ከቕምጠና። መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መንጎ ተቐበልቲ ቀረጸን ኃጢአኛታትን ምርካቡ መግለጺ እቲ ዓቢን መወዳእታን ዘይብሉ ምሕረቱ ኢዩ ነሩ። ምስ ኩሉም መአዲ ተቐሪቡ እንዳበልዓን እናሰተን ከአ ኢቲ ቃል ድኅነቱ ክሰብኽ ንረኽቦ። ምኽንያቱ አብ ቅድሚኡ ጻድቃንን ኃጢአተኛታት ዝበሃል ፍልልይ የለን። ምኽንያቱ ከምቲ ጳውሎስ አብ ሰብ ሮሜ እንክጽሕፍ ዝበሎ፦ “ ከመይ ኩሎም ስለዝሓጥኡን ካብ ክብሪ አምላኽ ስለዝረሓቑን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ድኅነት ብኸምኡ፥ ብጸግኡ ይጸድቁ ይብል።3,23-24. ስለዚ ኩሉና ምሕረት አምላኽ የድሊየና።
ብተወሳኺ ኢቲ መአዲ ኢሉ ሰሚዩዎ ዘሎ ቃል ወንጌል ምስሊ ናይ ቁዱስ ቁርባን “ ስጋኡን ደሙን” እውን የስምዕ። መአዲ ቁዱስ ቁርባን መግቢ ጻድቃን ጥራይ ዘይኮነ መግቢ ኃጢአተኛታት እውን ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ መድኃኒት ወይ ፈውሲ ናይ ድኹማትን ኃጢአተኛትታን ኢዩ። ክርስቶስ እምበአር ናብዚ ዓለም ዝመጸ ኢታ ሓንቲ ናይ ኩሉ ዓለም ፈውሲ ዝኮነት “ምሕረት አምላኽ” ክተክል ኢዩ – አብ መንጎና ክርከብ ዝፈቐደ። ሎሚውን እዚ ተልእኾ እዚ ብቤተክርስቲያኑ ይቕጽሎ አሎ። መዓልታዊ ሰሙናዊ መአዱ ሰሪዑ ንኹሉና ድካምነትና ኃጢአትና ብዘየገድስ – ንዑ ብልዑ – ስተዩ እናበለ ስጋኡን ደሙን ክንምገብ ተመጊብና ኸአ ክንሓዊ ይጽወዓና አሎ።
ፈሪሳውያን በዚ ናይ ክርስቶስ ተግባራት ተዓንቂፎም ንደቂ መዛሙርቱ “ስለምንታይ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ዚበልዕን ( ዝሰትን)፧ኢሎም እንክሓትዎ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ መለሰሎም፦ “ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር ጥዑያት አይደልይዎን እዮም፤ አነ ኸአ ንኃጥአን እምበር ንጻድቃን ኽጽውዕ አይመጻእኩን” በሎም። አብ ማቴ.9፡13 ፍልይ ብዝበለ፡ ከምዚ ይብል። “ምሕረት ደአ እምበር መሥዋዕቲ አይኮንኩን ዝደሊ፡ ዚብል እንታይ ምኻኑ ኪዱ ተመሃሩ። ከመይ አነ ንኃጥአን እምበር ንጻድቃን ናብ ንስሓ ኽጽውዕ አይመጻእኩን፥ በሎም። እዚ ኢዩ ኢቲ ዓቢ መልእኽቲ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብሓቂ ክነስተንትኖን ክነብሮን መልሲ ክንህበሉን ዘለና። እግዚአብሔር ነቲ ሓደ ወዱ ናብዚ ዓለምዚ ዝለአኾ – ንነፍሲ ወከፍና ብንስሓ ናብኡ ክመልሰና – ስጋኡን ደሙን እንተመገብና ኸአ ንሱ አባና ንሕና ድማ አብኡ ንኽነብር ኢዩ።
ስለዚ ከምቲ ናብ ስጋዊ ሓኪመይ ወትሩ ብዛዕባ ጥዕናይ ንኽፈልጥ ዝመላለስ – እሞ ነቲ ዝተዋህበኒ መድኃኒት መዓልትን ሰዓትን እናሓለኹ ንኽፍወስ ዝውስዶ፡ ናብቲ ስጋዊን መንፈሳዊን ሓኪመይከ ብሓቂዶ ንኽፍወስ ይኸዶ፧ ነቲ ዝተዋህበኒ ፈውሲኸ ከምቲ ዝድለዶ ይወስዶ፧

ስብሓት ንኣብን ንወልድን ንመንፈስ አቅዱስን ይኹን …… 
አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *