አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 28.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማቴ 20.17-28

አስተንትኖ

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ክርስቶስ ንሞት ክፍረድን ብሕዛብ  ኪግረፍን ኪስቀልን ከምዘለዎ ብሳልሳይ መዓልቲ ግና ክትንሥእ ምኻኑ  ይነግሮም። እዚ ድሕሪ ኢሉዎም ናብ ኢየሩሳሌም ገጾም ይኸዱ፡፤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ድኅርዚ አደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደትሉ ሓደ ነገር ለመነቶ። ኢየሱስ ከአ “ እንታይ ትደልዩ፧” በላ። ንሳ ድማ “ እዞም ክልተ ደቀይ አብ መንግሥትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብጸጋምካ ኺቕመጡ ሕራይ በለኒ” በለቶ።

ያዕቆብን ዮሓንስን ነቲ ቃል ክርስቶስ ሰሚዖም ኩሉ ሓዲጎም ብትብዓት ክስዕብዎ ኪኢሎም ኢዮም። ነቲ ስብከት  ክርስቶስ ብዛዕባ መንግስተ ሰማይ ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወት – ግና ነቲ ሓቀና ናይ ክርስቶስ ዕላማ  ግና አይርድእዎን። ስለዚ ኢያ አደኦም እምበአር ካብ ክርስቶስ ንደቃ ዝበለጸ ቦታ ክተማልደሎም ትቐርብ።እዞም ክልተ ደቀይ አብ መንግሥትኻ ሓደ ብየማንካ፥ ሓደ ብጸጋምካ ኺቕመጡ ሕራይ በለኒ” በለቶ ብዙሕ ግዜ ንሕና ቃል አምላኽ ንሰምዕ – ከምቶም ቀዳሞት ሓዋሪያት ዝገበርዎ ንክርስቶስ ክንስዕቦውን ንውስን ኢና።  ግና እቲ ሓቀና መል እኽቲእኽቲ ቅዱስ ወንጌል ግና አይርደአናን። ወይ በቲ ግዚያዊ ዝኾነ ናይ ዓለም ነገራት ንሰሓብ። ንኽርስቶስን መንግስቱ ንኽንወርስ መስቀልና ክንስከምን ክንቕበልን ከምዘለና ንዝንግዕ።  ነቲ ሕቶ አደ ደቂ ዘበዴዎስ ክርስቶስ ዝህቦ መልሲ አብቲ መንግስተ አምላክ ንምስታፍን ንምውራስን ነቲ ንሱ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰቲ ከምዘዲሊ ይገልጸላ። ንሕናውን ልክዕ ነቲ ናይ ክርስቶስ ጽዋዕ ንክንሰቲ ድልዋት ክንከዊን ይግበአና ብሓቂ ተኸተልቲ ክርስቶስ ንኽንከውን። ማለት ሕይወትና ምእንቲ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ክንህብ- ብመንፈስ ክርስቶስ አብ አገልግሎት አኅዋትን ክንጽመድ። ኢየሱስ “ እትልምንዎ አይትፈልጡን ኢኹም፥ እቲ አነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “ እወ፥ ንኽእል በልዎ። ኢየሱስ ከአ “ ጽዋዕይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፥ አብ የማነይ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም አቦይ ዘዳለዎሎም እዩ እምበር አነ አይኮንኩን ዝህቦ” በሎም። እቲ ኻባኻትኩም ኪዓቢ ዚደሊ አገልጋሊኹም ይኩን። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ኺኸውን ዚደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን ደአ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” በሎም

ክርስቶስ ተልእኾኡ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ እናበለ ይገልጾ፦ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን ደአ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን”  ክርስቶስ ንምስዓብ ብትሕትና መስቀል ተሰኪምካ ክትጎዓዝ የድሊ። ምኽንያቱ  ብዘይ መስቀል  አብ ክርስቶስ እምነትና ክንገልጽ ከለና ሓቀኛታት ሓዋሪያት ናይ ክርስቶስ አይኮናን ። ስለዚ ንኽርስቶስ ንኽንስዕብ ካባና ሓደ ሓቢ ዝኾነ ትሕትና ይሓትት፡፡ ንሕና ካብ ጥምቀትና ጀሚርና ንኽርስቶስ ሓቀኛታት መሰኻኽሩ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና። እዚ ኸአ ንኻልኦት ብተወፋይነት ነሕዋትና ምስ እነገልግል ኢዩ ዝፍጸም። አገልግሎት እቲ ቀንዲ ሕግን ተልእኮን መለለይን ናይ ሓደ ሓዋሪያ ክርስቶስ ኢዩ።። ዝለዚ ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ሓዋሪያ ክኸውን ዝደሊ አየናይ መገዲ ክኽተል ይግበኦ። እቲ መገዲ ክርስቶስ መምህር፡  ተአዝዞ አብ እግዚአብሔር አብ፡ ስለዚ ኢዩ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንያዕቆብን ዮሓንስን ስጋብ መጨረሻ ነቲ መደብ እግዚአብሔር ክቕበሉ ይኽእሉ እንተኮይኖም፡ እቲ መገዲ ትሕትና ውርደት፡ ስቃይ፡ ሞት ምእንቲ ፍቅሪ እግዚአብሔርን አኅውትን ክቐበሉ ከምዘሎዎም፡ “ እቲ አነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትሰትዩዶ ትኽ እሉ፡ እናበለ ዝሓቶም።

አብቲ መሰረትዊ ጸዋዕታን ተመሊስና ከም እሙናት ተኸተልትን ሓዋሪያትን ክርስቶስ አብቲ ዝተዋህበና ተልእኮ ክንጽመድ ንጽዓር። እቲ ኻባኻትኩም ኪዓቢ ዚደሊ አገልጋሊኹም ይኩን። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ኺኸውን ዚደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን ደአ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” በሎም። ዕብየት በቲ ናይ ክርስቶስ ትእዛዝን ትምህርትን አገልግሎት ኢዩ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ አብነት ተኸቲልካ ካብ ከገልጉሉኻ ክተገልግል ኢዩ፡፤ አገልግሎት እቲ ቀንዲ ሕግን ተልእኮን መለለይን ናይ ሓደ ሓዋሪያ ክርስቶስ ኢዩ።

  • ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ንዓይ እንታይ ይብለኒ፧
  • ንሕይወተይ እንታይ ከመሓይሽ ይሓተኒ፧
  • ንኽርስቶስ ንኽመስል እንታይ ክቕይር አለኒ፧

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋግቢር

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 27.2018

ማቴ. 23.1-13

ድኅርዚ ኢየሱስ ነቶም ሕዝብን ንደቀ ማዛሙርትና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ንሳቶም ዚብሉኹም ኩሉ ግበሩን ሓልውን፥ ግናኸ ይብሉ ደአ እምበር አይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ዚገብርዎ አይትግበሩ። ከቢድ ምፅዋሩ ዘይምሹእ ፆር ጠሚሮም ንሰብ አብ መንኩቡ የሰክምዎ፥ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክፍዎ እካ አይፈትውን። ኩሉ ግብሮም ሰብ ምእንቲ ኺርእዩም ይገብሩ፥ ክታባቶም ይዝርግሑ፥ ዘፈር ክዳውንቶምውን የግፍሑ። አብ መአዲ ዝለዓለ ሥፍራ፥ አብ ቤት ጸሎቶም ድማ አብ ክብ ዝበለ መናብር ይቕመጡ። አብ ዕዳጋታት ሰብ ኢድ ኪነስአሎምን “ መምህር” ኢሉ ኺጽውዖምን የፈትዉ። “ ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ መምህራን አይትበሃሉ፥ ንስኻትኩምሲ ኹሉኹም አኅዋት ኢኹም። አብ ሰማይ ሓደ አቦ ስለ ዘሎኩም፥ አብ ምድሪ ንሓደ እካ አቦ ኢልኩም አይትጸውዑ። መራሒኩም ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ አይትብሃሉ። እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋኹም ይኹን።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 27.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

ማቴ. 23.1-13

ድኅርዚ ኢየሱስ ነቶም ሕዝብን ንደቀ ማዛሙርትና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ንሳቶም ዚብሉኹም ኩሉ ግበሩን ሓልውን፥ ግናኸ ይብሉ ደአ እምበር አይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ዚገብርዎ አይትግበሩ። ከቢድ ምፅዋሩ ዘይምሹእ ፆር ጠሚሮም ንሰብ አብ መንኩቡ የሰክምዎ፥ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክፍዎ እካ አይፈትውን። ኩሉ ግብሮም ሰብ ምእንቲ ኺርእዩም ይገብሩ፥ ክታባቶም ይዝርግሑ፥ ዘፈር ክዳውንቶምውን የግፍሑ። አብ መአዲ ዝለዓለ ሥፍራ፥ አብ ቤት ጸሎቶም ድማ አብ ክብ ዝበለ መናብር ይቕመጡ። አብ ዕዳጋታት ሰብ ኢድ ኪነስአሎምን “ መምህር” ኢሉ ኺጽውዖምን የፈትዉ።

“ ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ መምህራን አይትበሃሉ፥ ንስኻትኩምሲ ኹሉኹም አኅዋት ኢኹም። አብ ሰማይ ሓደ አቦ ስለ ዘሎኩም፥ አብ ምድሪ ንሓደ እካ አቦ ኢልኩም አይትጸውዑ። መራሒኩም ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ አይትብሃሉ። እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋኹም ይኹን።

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላክ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና አብቲ  እንእውጆ ቃል አምላኽን ሕይወትናን ንጹርነትን ሓቅነትን ክህልወና ይምህረና። ብቃላትና ምስ ክርስቶስ ብሕይወትናን ተግባራትናን ግና ከም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን  ነቲ ንምህሮን ንእውጆን ዘይንገብሮ ከይንኸውን።

ክርስቶስ እምበአር ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና  ከም ሓዋሪያቱን ተኸተልቱን  ነቲ ናቱ አብነት ተኸቲልና ነቲ ወንጌሉ ብሕይወትና  ክነብሮን ይደልየና። ከምቲ ሕይወት ክርስቶስ ንመንግስት አምላኽ ብሕይወቱን ቃላቱን ክሰብኮ ዝተረኽበ ነፍሲ ወከፍ ሓዋሪያ ከአ ልክዕ ከምኡ። ስለዚ ንሕና ነቲ እነአምኖን እንሰብኮን እንምህሮን ቃላት –  ነቱ ሕይወትና ዝገልጽ ክኸውን አለዎ። እዚ ብፍላይ ነቶም ብፍሉይ መገዲ ነዚ ተልእኾ እዚ ተጸዊዕና ዘለና ክምልከት ኮሎ፡ ከም ክርስቲያን ግና ንኹሉና ዝምልከት ኢዩ። ምኽኒያቱ ብጥምቀትና ነፍሲ ወከፍና ንቃል አምላኽ ክነብሮን ብሕይወትና ክንምስክሮን ዝተጸዋዕና ስለዝኾና።  ሓዋሪያ ክርስቶስ ነቲ ዝምህሮ ቃል አምላኽ መጀመርታ ባዕሉ ክፍትኖን ክስከሞን ክነብሮን አለዎ። ቀጺሉ ንኅዋቱን አኃቱን ነቲ ትምህርቲ ሓቅን ቅድስናን ዝኾነ ቃል አምላኽ ክሕብሮም ይኽእል። ክርስቶስ መጀመርታ መስቀሉ ይስከም። ድሒሩ መስቀልና ክንስከም ይዕድመና። ክርስቶስ መማህራን ናይ ካቴድራል ክንከውን አይደሊን እንታይ ደአ መማህራን ሕይወት፡  መማህራን ሓቂ፡ ሓቀኛታት ጋሶት ነብሳት ።

ክርስቶስ መሪሕነት ስልጣን ይቕበል። በዚ ምኽኒያት ኢዩ ከአ “ንሳቶም ዚብሉኹም ኩሉ ግበሩን ሓልውን፥ እናበለ ዝምህር። ቀጺሉ ግና “ግናኸ ይብሉ ደአ እምበር አይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ዚገብርዎ አይትግበሩ። ገለ መማህራን ሕጊን ፈሪሳውያንን አብ ልዕሊ ሕዝቦም ክቢድ ሕጊ ይጽዕንዎም። ንሳቶም ነቲ ሕጊ ጽቡቕ ጌሮም ኢዮም ስፈልጥዎ ግና አብ ግብሪ አየውዕልዎን ነበሩ። ኩሉ ግብሮም ሰብ ምእንቲ ኺርእየሎም ይገብሩ፥ ክታባቶም ይዝርግሑ፥ ዘፈር ክዳውንቶምውን የግፍሑ መማህራን ተባሂሎም ክጽውዑ ኸአ ይደሊዩ። ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ኩሉ ኢቲ እንቕበሎ ሓላፍነት ብፍላይ አብ ቤተክርስቲያን ይኹን አብ ካሊእ ቦታ ናይ ሕይወትና ከም ሓዋሪያት ክርስቶስ ንአገልግሎት አኅዋት ክኸውን ከምዘለዎ ሎሚ  ብቃላቱ ይምህረና አሎ። እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋኹም ይኹን። “ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ መምህራን አይትበሃሉ፥ አብ ምድሪ ንሓደ እካ አቦ ኢልኩም አይትጸውዑ።

መራሒ  ነጸብራቅ እቲ ትሑት አገልጋሊ አምላኽ ክኸውን አለዎ፤ እዚ ክንብል ከለና  እቲ አብ ክርስቶስ ዝነበረ ሕይወት ክለብስ አለዎ ማለትና ኢዩ። ንሱ ንጉሰ ነገስታት እካ እንተነበረ ነዚ ኩሉ ልዕልናኡ ገዲፉ ትሕት ክብል መሪጹ፤ አረካ ደአ ከምቲ ቁዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ስጋብ ሞት ትሕት በለ ተአዘዘ። ጳውሎስ ናብ ፈሊጵስዮስ አብ ምዕራፍ 2.5 ክጽሕፍ፦ እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ፦ ንሱ ብባሕርዩ አምላኽ እካ እንተኾነ፥ ነቲ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት” “ አይገድፍን” ኢሉ አይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምኻን ፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብገዛ ፍቃዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፥ አረ እካ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት፥ ተአዘዘ። ፊሊ. 2:1-8

“እቲ ካባኽትኩም ሓለቃ ኺኸውን ዝደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” ። ማቴ.20:20-28 እዚ እምበአር መዓልታዊ ጸዋዕታ ናይ ነፍሲ ወከፍና አብ ጉዑዞ ክርስቲያናዊ ሕይወትና። ርእስና ብምትሓት ን እግዚአብሔር አምላኽና ንኅዋትና ክነገልግል። ብቃላትና ጥራይ ዘይኮነ ንቃል አምላኽ ብሕይወትና ክነብሮን ክንምስክሮን።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 23.2018

ማቴ.5.20-26

ጽድቑም ካብ ጽድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን አዝዩ እንተ ዘይበዝኅ፥ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ አይትአትውን ኢኹም ኢለ እነግረኩም አሎኹ።

“ ነቶም ቀዳሞት  ‘ዝቐተለ ኪፍረዶ እዩ እሞ፥ አይትቕተል”  ከም ዝተባህሎም ሰሚዕኹም አሎኹም። አነ ግና፥ ንኃዉ፥ ጨርቃም ዚብሎ ድማ አብ መጋባ እያ ኺፈርዶ፥  አታ ዓሻ” ዝብሎውን ንገሃነም እሳት ኪፈርዶ እዩ፥ እብለኩም አለኹ። እምበአርከ መባእካ ናብ መሰውዒ እንተ አምጻኻ፥ ኃውካ ኸአ ተቐይሙልካ ምህላዉ እንተ ዘከርካ፥ ነቲ መባእካ አብኡ አብ ቅድሚ መሠውዒ ኅደጎ፥ ኪድ ቅድም ምስቲ ኃውካ ተዓረቕ፥ ደኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ አቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና አብ መገዲ ከሎኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፥ እንተ ዘይኮነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ አኅሊፉ ኺህበካ፥ ፈራዲ ድማ ናብ ጊልያኡ ኸየኅልፈካ፥ ናብ ቤት ማ እሰርቲ ኸአ ከይታቱ። እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትፈዲ፥ ካብአ ኸም ዘይትወጽእ፥ ብሓቂ እብለካ አለኹ።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 23.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማቴ.5.20-26

ጽድቑም ካብ ጽድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን አዝዩ እንተ ዘይበዝኅ፥ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ አይትአትውን ኢኹም ኢለ እነግረኩም አሎኹ።

“ ነቶም ቀዳሞት  ‘ዝቐተለ ኪፍረዶ እዩ እሞ፥ አይትቕተል”  ከም ዝተባህሎም ሰሚዕኹም አሎኹም። አነ ግና፥ ንኃዉ፥ ጨርቃም ዚብሎ ድማ አብ መጋባ እያ ኺፈርዶ፥  አታ ዓሻ” ዝብሎውን ንገሃነም እሳት ኪፈርዶ እዩ፥ እብለኩም አለኹ። እምበአርከ መባእካ ናብ መሰውዒ እንተ አምጻኻ፥ ኃውካ ኸአ ተቐይሙልካ ምህላዉ እንተ ዘከርካ፥ ነቲ መባእካ አብኡ አብ ቅድሚ መሠውዒ ኅደጎ፥ ኪድ ቅድም ምስቲ ኃውካ ተዓረቕ፥ ደኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ አቕርብ። ምስ መባእስትኻ ድማ ገና አብ መገዲ ከሎኻ ቐልጢፍካ ተዓረቕ፥ እንተ ዘይኮነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ አኅሊፉ ኺህበካ፥ ፈራዲ ድማ ናብ ጊልያኡ ኸየኅልፈካ፥ ናብ ቤት ማ እሰርቲ ኸአ ከይታቱ። እታ መወዳእታ ሳንቲም ክሳዕ እትፈዲ፥ ካብአ ኸም ዘይትወጽእ፥ ብሓቂ እብለካ አለኹ።

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕጊ እግዚአብሔር እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ መል እኽቱን ክህቦ ይርከብ። “አቀዲሙ ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነብያት ኽፍጽሞም ደአ እምበር፥ ክስዕሮም ዝመጻእኩ አይምሰልኩም” እናበለ ጎይታና ኢየሱስ  ክርስቶስ ንሕጊ እግዚአብሔር እቲ ሓቀኛ ትርጉሙን ምልአት ክህቦን ከምዝመጸ ንሰማዕቱ ይምህር። ጽድቑም ካብ ጽድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን አዝዩ እንተ ዘይበዝኅ፥ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ አይትአትውን ኢኹም ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ፈሪሳውያን ወዲ ሰብ አብ ጽድቒ ክበጽሕ ዝኽእል ሕጊ ምስ ዝሕሉ ኢዩ ኢሎም ይምህሩ ነበሩ። እዚ አብቶም ህዝቢ ብዙሕ ጸድቂ ይፈጥር ነበረ።  ሠናይ ክገብር አብ ዝደሌኽሉ ኽፋእ እገብር፥ እዚ ሕጊ እዚ ድማ ባህርያዊ ኾይኑ ረኸብክዎ። ብውሽጠይሲ ብሕጊ አምላኽ ባህ ይብለኒ ኢዩ። ግናኸ አብ ሰብነተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፥ ናብቲ አብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ኃጢአት አቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ። ሮሜ.7,21-24

ብትምህርቲ ክርስቶስ ቕድስና በቲ አነ  ንእግዚአብሔር ኢለ አብ መዓልታዊ ሕይወተይ ሕጊ ብምሕላው ዝፍጽሞ ተግባራት አይኮነን ዝመጽእ፣ እንታይ ደአ ካብቲ እግዚአብሔር ንዓይ ዝገብሮ ኢዩ። ከም ሓደ ውላዱ ብምቕባል፡ ሕቲ ሓድሽ ሓሳባት ክርስቶስ ዝምህሮ “ ከምቲ ሰማያዊ አቦኹም ፍጹም ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ”። ዝብል ቃል ብምቕባል። ማለት ንሕና ነፍሲ ወከፍና አብ ቅድሚ አምላኽ ፍጹማን ቕዱሳት እንኸውን ከምቲ እግዚአብሔር ንኹሉ ድኽምነትና ይቅረ ኢሉ ብምሕረት ከም  ደቁ ዝቅበለናን ዝሓቅፈናን ንሕናውን ንኅዋትና ጉድልነቶም ብዘየገድስ ክንቅበሎምን ይቅረ ክንብለሎምን ከለና ኢዩ። በዚ መንገዲ እምበአር ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ክርስቶስ ጎይታና ጽድቅና ካብ ጽድቂ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ብኸመይ ከምዝበዝሕን ዝዓዝዝን ይምህረና አሎ። አብዚ አቀዲምና ዝረአናዮ ክርስቶስ አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ከም ምሳሌ አቅሪብዎ ዘሎ ነቲ አብ ሓምሻይ ትእዛዝ እግዚአብሔር  አይትቕተል”  ዝብል ኢዩ። ነቶም ቀዳሞት ‘ዝቐተለ ኪፍረዶ እዩ እሞ፥ አይትቕተል” ከም ዝተባህሎም ሰሚዕኹም አሎኹም። አነ ግና፥ ንኃዉ፥ ጨርቃም ዚብሎ ድማ አብ መጋባ እያ ኺፈርዶ፥ አታ ዓሻ” ዝብሎውን ንገሃነም እሳት ኪፈርዶ እዩ፥ እብለኩም አለኹ፡፤

እምበአርከ መባእካ ናብ መሰውዒ እንተ አምጻኻ፥ ኃውካ ኸአ ተቐይሙልካ ምህላዉ እንተ ዘከርካ፥ ነቲ መባእካ አብኡ አብ ቅድሚ መሠውዒ ኅደጎ፥ ኪድ ቅድም ምስቲ ኃውካ ተዓረቕ፥ ደኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ አቕርብ። ኣብቲ እነዘውቱሮ ጸሎትውን ንሕና ንዝበደሉና ከምዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና ኢልና ኢና እንጽሊ።  ኢዚ ኢንታይ ማለት ኢዩ ከምቲ መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ዝመሃረና ጸሎት ክንጽሊ፡ መባ እና፡ ጸሎትና፡ ወፈያና፡ አብ ቅድሚ አምላኽ ቅቡል ክኸውን   መጀመሪያ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ምሕረት ክነዘውትር ይግበአና። ስለዚ  ምሕረት ሓደ ዓንዲ ናይ እምነትና ኢዩ። ብምሕረት ኢና ደቂ እቲ ልዑል አምላኽ ክንበሃን ኪኢልና። እብ ምሕረት ብምምልላስ ከኣ ድሕነት ንቕበል። ዝስለዚ ኣብ ምሕረት ኣምላኽ ብምእማን ምስ ኣሕዋተይ ብሰላም ክነብር – ውሽጣዊ ሰላም ክረክብ ኣብ ምሕረት ክመላለስ ኣለኒ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

Aba Hagos Tesfagabir

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 22.2018

ማቴ.16.13-19
ኢየሱስ አብ ሃገር ቂሳርያ ናይ ፈልጶስ ምስ በጽሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧” ኢሉ ንደቂ መዛሙርቱ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ገሊኦም “ ዮሓንስ መጥምቕ”፥ ገሊኦም ‘ ኤርምያስ፥ ወይ ድማ ‘ ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ዚብሉ አለዉ’ በልዎ። ንሱ ኸአ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ” በሎም። ስምዖን ጴጥሮስ ድማ “ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ደአ እምበር ሥጋን ደምን አይገለጸልካን እሞ፥ ብፁዕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። “ አነ ኸአ እብለካ አሎኹ፥ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፥ አብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ኽሓንጻ እየ፥ ደጌታት መርኆታት መንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ አብ ሰማይ እሱር ኺኸውን እዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸአ አብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።”

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 22.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማቴ.16.13-19

ኢየሱስ አብ ሃገር ቂሳርያ ናይ ፈልጶስ ምስ በጽሐ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧” ኢሉ ንደቂ መዛሙርቱ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ገሊኦም “ ዮሓንስ መጥምቕ”፥ ገሊኦም ‘ ኤርምያስ፥ ወይ ድማ ‘ ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ዚብሉ አለዉ’ በልዎ። ንሱ ኸአ “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ” በሎም። ስምዖን ጴጥሮስ ድማ “ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ስምዖን ወዲ ዮና፥ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ደአ እምበር ሥጋን ደምን አይገለጸልካን እሞ፥ ብፁዕ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። “ አነ ኸአ እብለካ አሎኹ፥ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፥ አብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ኽሓንጻ እየ፥ ደጌታት መርኆታት መንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ አብ ሰማይ እሱር ኺኸውን እዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸአ አብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።”

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧”እናበለ ክሓቶም ይርከብ። ንሳቶም ከአ “ገሊኦም “ ዮሓንስ መጥምቕ”፥ ገሊኦም ‘ ኤርምያስ፥ ወይ ድማ ‘ ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ’ ክብሉዎ ከለዉ ጴጥሮስ ግና እቲ ሓቀኛ መንነት ናይ ክርስቶስ ከአ “ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ” እናበለ ክምልሰሉ ተረኽበ። እዚ መልሲ እዚ አብ መጽሓፍ፤ ብፍልጠት፡ ብትምህርቲ ዝርከብ ዘይኮነስ እንታይ ደአ ብሓይሊ እምነት፡ ብሓገዘ መንፈስ ቅዱስ፡ ወይ እቲ ብሓቂ አብ ግዕዞ ሕይወቱ ከም ሓዋሪያት ናይ እምነት ተመክሮ፡ ግዑዞ ዝገበረ ጥራይ ኢዩ ክምልሶ ዝኽእል፡ ክርስቶስ ስለዚ ኢዩ “እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ደአ እምበር ሥጋን ደምን አይገለጸልካን እሞ፥ ብጹዕ ኢኻ” እናበለ ዝምልሰሉ።
እዚ ኢዩ እቲ ማእኸል ናይ እምነትና። ክርስቶስ ከምቲ ቶማስ ዝበሎ “ጎይታናን አምላኽናን “ ምኻኑ ክንቅበል። ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ” ክንብሎ። አብ ሰብነት ክርስቶስ መለኮት ብምልአት ኃዲሩ ከምዘሎ ተቐቢልካ ምኽአል የዲሊ። ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፥ ጴጥሮስ አብቲ ክርስቶስ ወዲ አምላኽ ምኻኑ ዝተአመነሉ ካብ ክርስቶስ ሓደ ዓቢ ተልእኾን ሓላፍነትን ይቕበል። ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፥ አብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያነይ ኽሓንጻ እየ፥ ደጌታት መርኆታት መንግሥተ ሰማያት ድማ ኽህበካ እየ፥ እናበለ ሓላፍነትን ተልእኾን የሰክሞ።
ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ቤተክርስትያን ቤት እግዚኣብሔር ኮይና ኣብ ናይ ሓዋርያትን ነቢያትን መሠረት ዚተሃንጸት እያ። (ኤፍ 2፡19) ። ሓዋርያት ቀጸልቲ ተልእኮ ክርስቶስ ኮይኖም ንሙሉእ ዓለም ወንጌል ከበስሩ ዝተላእኩ እዮም። እግዚአብሔር ነዞም ሰባት እዚአቶም ዝተፈላለየ ውህበት ብምስላም ንምህናጽን ንምምዕራግን ቤተክርስቲያን ክሠርሑ ይጽውዖም።
ካብ መንጐኦም ጴጥሮስ ብኣምላኽ ጸጋ ተዋሂብዎ እንታይነት ክርስቶስ ምስ ገለጸ፡ “ኢየሱስ ድማ… ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተክርስትያነይ ክሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይኪኅይልዋን እዮም። መርኆታት መንግሥተ ሰማያት እህበካ ኣሎኹ… (ማቴ 16፡17-19) ። እናበለ- ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ 12 ስልጣን ከም ዝነብሮን ናይ ሓድነቶም ውሕስነት ክሕሉ ሓላፍነት ይቕበል። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ሓዋርያት ኮይኑ ኣሰር ክርስቶስ ብምክታል ወንጌል ከበሥር ይልአኽ። “ኪዱ ወንጌል ስበኹ” ዝብል ትእዛዝ ከኣ ካብቲ ካብ ሙታን ዚተንስኤ ክርስቶስ ትእዛዝ ይቕበሉ። ንሳቶም ዘመሓላልፍዎ ትምህርቲ ጌጋ ክርከቦ ኣይኽእልን ምኽንያቱ ናቱ ሥልጣን ስለዘለዎም። “ንዓኹም ዚቕበል ነዓይ ይቕበል። እቲ ንዓኹም ዚነጽግ ንዓይ እዩ ዚነጽግ፥ እቲ ንዓይ ዚነጽግ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚነጽግ። (ሉቃስ 10፡16, ዮሓ 15፡20) ይብሎም።
“አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ አብ ሰማይ እሱር ኺኸውን እዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኸአ አብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። ሓዋርያት ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ስልጣን ይቕበሉ (ማቴ 18፡18) ፡ እቲ ንሳቶም ዚህብዎ ውሳኔ ግዳማውን ኣፍኣውን ጥራይ ዘይኮነስ ውሽጣውን መንፈሳውን ሓይሊውን ዝሓዘ እዩ። ንሳቶም ናይ ቀራንዮ ናይ ትንሳኤን ናይ መንፈስ ቅዱስን ፍረ ድሕነት ዝኮነ ሓዲስ ሕይወት ንደቂ ሰብ ክመሓላልፉ ስልጣን ዚተዋህቦም ሰባት እዮም። ቤ/ክ ኣብኦም ስለ ዝተመስረተት ከኣ ስልጣኖምን ተሸኪማ ትርከብ። ስለዚ ጴጥሮስ ከም ከውሕን ተሓዝ መፍትሕን ሓላፍነት ስለ ዝተዋህቦ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ናይ ስልጣንን ናይ ኣገልግሎትን ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብምሙርካስ ኮነ ኣብ ትውፊት ንርዳእ።
ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና እምበአር ንገዛእ ርእስና ክርስቶስ ሎሚ ንዓይ መን ኢዩ እናበልና ንሕተት፧ ቺፕሪያኖ ዝተባህለ ቅዱስ “ ከምዚ እናበለ ይዛረብ “እቲ ቤተክርስቲያን ከም አደ ዘይብሉ ወይ ዘይሓዘ “እግዚአብሔር ከም አቦ ክህልዎ አይክእልን ኢዩ ይብል እሞ። ምስ ቤተክርስቲያነይ – አብ ተል እኾአ ሓላፍነታ ዘለኒ ርክብከ ከመይ ይመስል፧

አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት 21.2018

ሉቃ. 11፡29-32
“እቶም ሕዝቢ አብ ዙርያኡ ኪጸቓቐጡ ኸለዉ ድማ ኸምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም ወለዶ እዩ፤ ትእምርቲ ይደሊ አሎ፥ ብዘይ ትእምርቲ ነቢይ ዮናስ ድማ ትእምርቲ አይኪወሃቦን እዩ። ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝኾኖም፥ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኺኾኖ ኢዩ። ናይ ደቡብ ንግሥቲ ጥበብ ሰሎሙን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺአ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሢአ ክትፈርዶም እያ፤ እንሆ፥ ካብ ሰሎሙን ዚዓቢ ግና አብዚ አሎ። ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሢኦም ኪፈርድዎም እዮም። እንሆ፥ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ግና አብዚ አሎ”።

1 2 3 6