አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 08.2018

ማር.7:24-30

ኢየሱስ ካብኡ ተላዒሉ ናብ ሃገር ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ አተወ፥ ሓደ እካ ኺፈልጦ አይደለየን፤ እንተኾነ ኪኅባእ አይከአለን።  ሽዑ ጋል ርኹስ መንፈስ ዝኃደራ ሓንቲ ሰበይቲ ብዛ ዕባ ኡ ሰሚ ዓ መጸት፥ አብ እግሩ ተደፊ አውን ሰገደትሉ። እታ ሰበይቲ አብ ሲሮፈንቂያ ዝተወልደት ግሪኻዊት ነበረት። ካብ ጋላ ጋኔን ኬውፅአላ ኸአ ለመነቶ። ኢየሱስ ድማ “ እንጌራ ውሉድ አል ዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ አይኮነን እሞ፥ ኅደጊ፥ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ” በላ። ንሳ ድማ “ እወ” ጎይታይ፥ አኽላባትውን እንተኾኑ፥ ካብቲ አብ ትሕቲ መአዲ ዝወደቐ ርፍራፍ ውሉድ ይበልዑ እዮም” ኢላ መለሰትሉ። ንሱ ድማ “ እዚ ቓል እዚ ብምባልኪ፥ እቲ ጋኔን ካብ ጋልኪ ወፂኡ እዩ እሞ ኺዲ” በላ። ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት ከአ እቲ ጋኔን ወጺኡ፥ እታ ጋል ድማ አብ ዓራት ጎቦ ኾይና ረኸበታ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *