አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 10.2018

በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙኅ ሕዝቢ  ምስ ተኣከበ፥ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ ኢየሱስ ነቶም ደቂ መዛሙርቱ ጸዊ ዑ ከምዚ በሎም፦ “ እዞም ሕዝቢ እዚ ኣቶም ምሳይ ካብ ዚቕንዩ ሠለስተ መዓልቲ ኾይኑ እዩ፤ ዚብላዕ ከአ የብሎምን  እሞ የደንግጹኒ አለዉ። ገለ ኻብ አቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም እሞ፥ ጸሞም ነናብ ቤቶም እንተ አፋነኽዎም አብ መገዲ ኪሰንፉ እዮም”፡፤ ደቂ መዛሙርቱ ኸአ  “ ነዚ ኹሉ ሕዝቢ ሕዝቢ እዚ አብዚ በረኻ እንጌራ ከኢጽግብ ዚኽ እል መን ኢዩ፧” ኢሎም መለስሉ። ኢየሱስ ድማ “ ክንደይ ዚአክል እንጌራ አሎኩም፧” ኢሉ ሓተቶም፥ ንሳቶም ከአ “ ሸብዓተ “ በልዎ። ነቶም ሕዝቢ  አብ ምድሪ ኺቕመጡ አዘዞም። ነተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ አመስጊኑ ቖሪሰ፥ ንደቂ መዛሙርቱ ኼቕርበሎም ሃቦም፥ ንሳቶም ከአ ነቶም ሕዝቢ አቕረቡሎም:: ቁሩብ ዓሣውን ነበሮም፥ ንእኡ ድማ ባሪኹ፥ ኬቕርbሎም አዘዘ።  በሊዖም ጸገቡ፥ ዝተረፈ ቕርስራስ ከአ ሽናአተ መሶብ መሊኦም አልዓሉ። እቶም ዝበልዑ ኸአ አርባዕተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ። ሽዑ ድማ አፋነዎም። ድኅሪዚ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ደይቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ” ኸደ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *