አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 11.2018

ብሰብ ምእንቲ ክትረኣዩ ኢልኩም ጽድቅኹም ከይትገብሩ ተጠንቐቑ። እንተዘይኮነ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። እምበኣርከ ንስኻ ክትምጽውት ከሎኻ እቶም ግቡዛት፥ ብሰብ ምእንቲ ኺና አዱ ኣብ ናይ ኣይሁድ ጸሎትን ዓበይቲ መገድታትን ከም ዚገብርዎ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻ ግና ምጽዋትካ ብኅቡእ ምእንቲ ኪኸውን ክትምጽውት ከሎኻ የማይነትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለኦ፥ እቲ ብስውር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ፡፣
እቶም ግቡዛት ብሰብ መንቲ ኺረኣዩ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ኣባይቲ ጸሎትን፥ ኣብ ቀራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፥ ክትጽልዩ ኸለኩምከም ከምኣቶም ኣይትኹኑ፥ ዓስቦም ከም ዝተቐበሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ንስኻ ግና ክትጽሊ ከሎኻ፥ ናብ ቤትካ እቶ፥ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥውር ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ። እቲ ብሥውር ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ ኢዩ። ኣሕዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዝመስሎም እሞ፥ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምቶም ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምበርከ ኣቦኹም ከይለመንክምዎ፥ ዜድሊየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ኣይትምሰልዎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *