አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 17.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

  • ሉቃ. 9፡22-25

ድኅሪዚ ድማ ኢየሱስ ውጸ፥ ሌዊ ዚበሃል ተቐባል ቀረጽ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ስዓበኒ” በሎ፥ ተንሢኡ ከአ ንኹሉ ኃዲጉ ሰዓቦ። ሌዊ ድማ ንኢየሱስ አብ ቤቱ ዓቢይ ምሳሕ ገበረሉ፤ ብዙኃት ተቐበልቲ ቐረጽ ካል ኦትውን ምስአቶም አብ መአዲ ተቐሚጦም ነበሩ። ፈሪሳውያንን እቶም ወገኖም ዝኾኑ መምህራን ሕግን ድማ ንደቂ መዛሙርቱ “ስለምንታይከ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧” እናበሉ አዕዘምዘሙሎም። ኢየሱስ ከአ “ንሓኪምሲ ሕሙማት ደአ እምበር ጥዑያት አየደልይዎን እዮም። ንኃጥአን ናብ ንስሓ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ አይመጻእኩን” ኢሉ መለሰሎም።

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ሉቃስ ጎይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ተቀባሊ ቀረጽ ለዊ ከምዝጸውዓ የዘንትወልና።  ከምዚ እናበለ ከአ ይጽውዖ። ሰዓበኒ ፡ንሱ ኸአ ነቲ ጸዋዕታ ዕድመ አምላኽ ሰሚዑ ኩሉ ገዲፉ ክስዕቦ ንርኢ። ካብ ሓደ ኃጢአተኛ ናብ ሓዋሪያ ክርስቶስ ይቕየር። ክርስቶስ አብቲ ናቱ ተልእኮ ንኽትሳተፈና  ንኽጽዋዓና አብቲ ዝሓልፈ ሕይወትና፡ እምነትካ፡  አይርእን። እቲ ቅድመ ኩነት ናይ ክርስቶስ ነቲ ሰዓበኒ ዝብል መልሲ ሂብካ ምኽአል ጥራይ ኢዩ። ሌዊ ዚበሃል ተቐባል ቀረጽ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ስዓበኒ” በሎ። ክርስቶስ እምበአር ከምቶም አይሁዳውያን ካብቶም ኃጢአተኛታት አይርሕቕን። እንታይ ደአ ከም ሓደ ሓኪም ስጋን መንፈስን ኮይኑ ንኹሉና ይቕበለና። ከምቲ ኤር. አብ 3፡33  “ አቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፥ እግዚአብሔር ከአ ኼሕውየኩም እዩ” እናበለ ክእውጅ ንረኽቦ፡፤  ሎሚ’ውን ንነፍሲ ወከፍና እዚ ጸዋዕታ እዚ ኢዩ ዘቅርበልና ዘሎ። ምእንቲ ክንሓዊ ክንመሓር ናብ እግዚአብሔር አምላኽና ክንምለስ።

ካብዚ  ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና አብዚ ግዜ ጾም እዚ እምበአር  መድኃኒና ኢየሱሱስ ክርስቶስ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝጽበዮ ንስሓ፡ ለውጢ ሕይወት ኢዩ። አብ ቅድሚኡ ቀሪብና ንገዛእ ርእስና ከም ኃጢአተኛታት ምቕባል ኢዩ። ዝኸበርኩም አኃዋትን አኃትን ሕሙማት ድኹማት ምኻና ምቕባል የድሊ ። ከም አመንቲ ክርስቶስ እቲ አብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ክንጋገዮ እንኽእል ንገዛእ  ርእስና ከም ጥዑያት ገርና ምውሳድ ኢዩ።  ከምዚ ብምግባር ካብቲ አቦ ምሕረት ዝኾነ አምላኽ ንርሕቕ። ነቲ ብኽርስቶስ ዝቐርበልና ፈውሲ ንሕሰም።

ኃጢአተኛታት ምኻና ምስ እንቕበል ግና አብ ሕቕፊ ክርስቶስ ንነብር። ክርስቶስ ድኻታት ድኹማት ምኻና እናፈለጠ ኢዩ ዝጽወዓና። ኃጢአትና ምስ እግዚአብሔር አምላኽና ንኽንራከብ አይክልክለናን ፡ እንተ ብሓቂ ንሕና አብ ቅድሚኡ ቀሪብና ድኹማትን ኃጢአተኛታትን ምኻና ተአሚናን ተነሲሕናን። እንተ ንሕና ብሓቂ ብኽፍአትና ተአሚና አብ ምሕረት አምላኽ አሚና ብትሑት ልቢ አብኡ ቀሪብና። ስለዚ ኢዩ መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፈሪሳውያን “ስለምንታይከ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧” ብምባል ከዕዘምዙሙ ምስ ሰምዖም፡ ኢየሱስ ከአ “ንሓኪምሲ ሕሙማት ደአ እምበር ጥዑያት አየደልይዎን እዮም። ንኃጥአን ናብ ንስሓ እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ አይመጻእኩን” ኢሉ ክምልሰሎም ዝተረኽበ። ዝለዚ ክርስቶስ ንዓይን ንዓአኹም ከምዝመጸ ተአሚና፡ ነቲ ዕድምኡ ሰሚዒና ከም ለዊ ንከተሎ።

ቤተክርስቲያን ናይ ቅዱሳትን ናይ ድኹማትን ማሕበር ኢያ። ብፍሉይ መገዲ በዚ ግዜ እዚ ከአ ካብ ኩሉ ሕማምና ክንሓዊ ክነጽሕ ትጽዋዓና። ነዚ ብቤተክርስቲያኑ ዝቐርበልና ዘሎ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ሰሚዕና፡ ነዚ ተቐሪቡልና ዘሎ መንፈሳዊ ዕድላት ተጠቂምና ካብ አምላክ ሕውየት ክንቕበል እግዚአብሔር ብአማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ይሓግዘና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን ………………..።

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *