አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት 20.2018

ማቴ. 6.7-15

አሕዛብ ብምብዛኅ ዘረባኦም ዚስምዑ እዩ ዚመስሎም እሞ፥ ኽትጽልዩ ኸሎኹም ከምአቶም ከንቱ ዘረባ አይተብዝኁ። እምበአርከ አቦኹም ከይለመንኩምዎ፥ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፥ አይትምሰልዎም።

ንስኻትኩምሲ ከምዚ ኢልኩም ደአ ጸልዩ፦ “አብ ሰማይ እትነብር አቦና፥ ስምካ ይቀደስ፥ መንግሥትኻ ትምጻእ፥ ፍቓድካ ኸምቲ አብ ሰማይ፥ ከምኡ ድማ አብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና። ካብ ክፉእ አድኅነና እምበር ናብ ፈተና አይተ እትወና፡ ከምይ መንግስትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ፥ አሜን። ንሰብ በደሎም እንተ ዘይኃደግኩምሎም  ንአኻትኩም ድማ ሰማያዊ አቦኹም ኪኃድገልኩም እዩ። ንሰብ እንተዘኃግኩምሎም ግና፥ ንአኻትኩም ድማ አቦኹም አይኪኃድገልኩምን እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *