አስተንትኖ ቃል አምላኽ የካቲት – 27.2018

አቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ……………

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

ማቴ. 23.1-13

ድኅርዚ ኢየሱስ ነቶም ሕዝብን ንደቀ ማዛሙርትና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። ስለዚ ንሳቶም ዚብሉኹም ኩሉ ግበሩን ሓልውን፥ ግናኸ ይብሉ ደአ እምበር አይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ዚገብርዎ አይትግበሩ። ከቢድ ምፅዋሩ ዘይምሹእ ፆር ጠሚሮም ንሰብ አብ መንኩቡ የሰክምዎ፥ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክፍዎ እካ አይፈትውን። ኩሉ ግብሮም ሰብ ምእንቲ ኺርእዩም ይገብሩ፥ ክታባቶም ይዝርግሑ፥ ዘፈር ክዳውንቶምውን የግፍሑ። አብ መአዲ ዝለዓለ ሥፍራ፥ አብ ቤት ጸሎቶም ድማ አብ ክብ ዝበለ መናብር ይቕመጡ። አብ ዕዳጋታት ሰብ ኢድ ኪነስአሎምን “ መምህር” ኢሉ ኺጽውዖምን የፈትዉ።

“ ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ መምህራን አይትበሃሉ፥ ንስኻትኩምሲ ኹሉኹም አኅዋት ኢኹም። አብ ሰማይ ሓደ አቦ ስለ ዘሎኩም፥ አብ ምድሪ ንሓደ እካ አቦ ኢልኩም አይትጸውዑ። መራሒኩም ሓደ ክርስቶስ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ አይትብሃሉ። እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋኹም ይኹን።

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላክ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና አብቲ  እንእውጆ ቃል አምላኽን ሕይወትናን ንጹርነትን ሓቅነትን ክህልወና ይምህረና። ብቃላትና ምስ ክርስቶስ ብሕይወትናን ተግባራትናን ግና ከም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን  ነቲ ንምህሮን ንእውጆን ዘይንገብሮ ከይንኸውን።

ክርስቶስ እምበአር ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና  ከም ሓዋሪያቱን ተኸተልቱን  ነቲ ናቱ አብነት ተኸቲልና ነቲ ወንጌሉ ብሕይወትና  ክነብሮን ይደልየና። ከምቲ ሕይወት ክርስቶስ ንመንግስት አምላኽ ብሕይወቱን ቃላቱን ክሰብኮ ዝተረኽበ ነፍሲ ወከፍ ሓዋሪያ ከአ ልክዕ ከምኡ። ስለዚ ንሕና ነቲ እነአምኖን እንሰብኮን እንምህሮን ቃላት –  ነቱ ሕይወትና ዝገልጽ ክኸውን አለዎ። እዚ ብፍላይ ነቶም ብፍሉይ መገዲ ነዚ ተልእኾ እዚ ተጸዊዕና ዘለና ክምልከት ኮሎ፡ ከም ክርስቲያን ግና ንኹሉና ዝምልከት ኢዩ። ምኽኒያቱ ብጥምቀትና ነፍሲ ወከፍና ንቃል አምላኽ ክነብሮን ብሕይወትና ክንምስክሮን ዝተጸዋዕና ስለዝኾና።  ሓዋሪያ ክርስቶስ ነቲ ዝምህሮ ቃል አምላኽ መጀመርታ ባዕሉ ክፍትኖን ክስከሞን ክነብሮን አለዎ። ቀጺሉ ንኅዋቱን አኃቱን ነቲ ትምህርቲ ሓቅን ቅድስናን ዝኾነ ቃል አምላኽ ክሕብሮም ይኽእል። ክርስቶስ መጀመርታ መስቀሉ ይስከም። ድሒሩ መስቀልና ክንስከም ይዕድመና። ክርስቶስ መማህራን ናይ ካቴድራል ክንከውን አይደሊን እንታይ ደአ መማህራን ሕይወት፡  መማህራን ሓቂ፡ ሓቀኛታት ጋሶት ነብሳት ።

ክርስቶስ መሪሕነት ስልጣን ይቕበል። በዚ ምኽኒያት ኢዩ ከአ “ንሳቶም ዚብሉኹም ኩሉ ግበሩን ሓልውን፥ እናበለ ዝምህር። ቀጺሉ ግና “ግናኸ ይብሉ ደአ እምበር አይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ዚገብርዎ አይትግበሩ። ገለ መማህራን ሕጊን ፈሪሳውያንን አብ ልዕሊ ሕዝቦም ክቢድ ሕጊ ይጽዕንዎም። ንሳቶም ነቲ ሕጊ ጽቡቕ ጌሮም ኢዮም ስፈልጥዎ ግና አብ ግብሪ አየውዕልዎን ነበሩ። ኩሉ ግብሮም ሰብ ምእንቲ ኺርእየሎም ይገብሩ፥ ክታባቶም ይዝርግሑ፥ ዘፈር ክዳውንቶምውን የግፍሑ መማህራን ተባሂሎም ክጽውዑ ኸአ ይደሊዩ። ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ኩሉ ኢቲ እንቕበሎ ሓላፍነት ብፍላይ አብ ቤተክርስቲያን ይኹን አብ ካሊእ ቦታ ናይ ሕይወትና ከም ሓዋሪያት ክርስቶስ ንአገልግሎት አኅዋት ክኸውን ከምዘለዎ ሎሚ  ብቃላቱ ይምህረና አሎ። እቲ ርእሱ ዜልዕል ኪሓስር እዩ፥ ርእሱ ዜትሕት ከአ ልዕል ክብል እዩ እሞ እቲ ኻባኻትኩም ዝዓበየ አገልጋኹም ይኹን። “ንስኻትኩም ግና መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ መምህራን አይትበሃሉ፥ አብ ምድሪ ንሓደ እካ አቦ ኢልኩም አይትጸውዑ።

መራሒ  ነጸብራቅ እቲ ትሑት አገልጋሊ አምላኽ ክኸውን አለዎ፤ እዚ ክንብል ከለና  እቲ አብ ክርስቶስ ዝነበረ ሕይወት ክለብስ አለዎ ማለትና ኢዩ። ንሱ ንጉሰ ነገስታት እካ እንተነበረ ነዚ ኩሉ ልዕልናኡ ገዲፉ ትሕት ክብል መሪጹ፤ አረካ ደአ ከምቲ ቁዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ስጋብ ሞት ትሕት በለ ተአዘዘ። ጳውሎስ ናብ ፈሊጵስዮስ አብ ምዕራፍ 2.5 ክጽሕፍ፦ እቲ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ አተሓሳስባ አባኻትኩም ይሃሉ፦ ንሱ ብባሕርዩ አምላኽ እካ እንተኾነ፥ ነቲ ምስ አምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት” “ አይገድፍን” ኢሉ አይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምኻን ፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብገዛ ፍቃዱ ንርእሱ ድኻ ገበረ። ንርእሱ ትሕት ብምባል ክሳብ ሞት፥ አረ እካ ደአ ክሳብ አብ መስቀል ሙማት፥ ተአዘዘ። ፊሊ. 2:1-8

“እቲ ካባኽትኩም ሓለቃ ኺኸውን ዝደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብን እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” ። ማቴ.20:20-28 እዚ እምበአር መዓልታዊ ጸዋዕታ ናይ ነፍሲ ወከፍና አብ ጉዑዞ ክርስቲያናዊ ሕይወትና። ርእስና ብምትሓት ን እግዚአብሔር አምላኽና ንኅዋትና ክነገልግል። ብቃላትና ጥራይ ዘይኮነ ንቃል አምላኽ ብሕይወትና ክነብሮን ክንምስክሮን።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *