አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት – 29.2018

ሉቃ. 4:16-21

ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣ ብመዓልቲ ሰንበት ኸኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፣ ኬንብብውን ተንሥአ። መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከአ ሃብዎ፤ ነቲ መጽሓፍ እንተ ገንጸሎ ኸአ ኸምዚ ዚስዕብ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ረኸበ፦ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ  ልዕለይ አሎ፤ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕውራት ምርአይ፥ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበስር፥ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለአኸኒ።” ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸአ፥ ነቲ አገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ አዕይንቲ ኹሎም እቶም አብታ ቤት ጸሎት አይሁድ ዝነበሩ ኸአ ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ አብ አእዛንኩም ተፈጸመ” ኪብሎም ጀመረ።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት – 29.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ሉቃ. 4:16-21

ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣ ብመዓልቲ ሰንበት ኸኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፣ ኬንብብውን ተንሥአ። መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከአ ሃብዎ፤ ነቲ መጽሓፍ እንተ ገንጸሎ ኸአ ኸምዚ ዚስዕብ ዝተጻሕፈ ኽፍሊ ረኸበ፦ ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ  ልዕለይ አሎ፤ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕውራት ምርአይ፥ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበስር፥ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለአኸኒ።” ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸአ፥ ነቲ አገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ አዕይንቲ ኹሎም እቶም አብታ ቤት ጸሎት አይሁድ ዝነበሩ ኸአ ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ አብ አእዛንኩም ተፈጸመ” ኪብሎም ጀመረ።

  • አስተንትኖ

ንአይሁዳውያን ከምቲ እግዚአብሔር ዝእዝዞ ሰንበት ናይ ሕረፍቲን ናይ ጸሎትን መዓልቲ ኢያ ነራ። አብ ኢሳይያስ 61:1-2 ከምዚ ዝብል ንረክብ፦ “ እግዚአብሔር አምላኽ መንፈሱ መልአኒ፥ ንድኻታት ብሥራት ከበሰር ቀብአኒ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከአ ምፍታሕ ክእውጅ ለአኸኒ፡፤ እግዚአብሔር ንሕዝቡ ዚድኅነላ ዓመት ጸጋ፥ ንጸላእቱ ኸአ ዚብቀለላ መዓልቲ ሕነ ኸም ዝመጸት ክእውጅ፥ ንኹሎም ሕዙናት ከጸናንዕ ለአኸኒ። እዚ ትንቢት ኢዚ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ናዝሬት ብመዓልቲ ሰንበት  አብ ቤት መቅደስ አይሁድ ተረኺቡ ነቲ ዝሃቡዎ መጽሓፍ ብምግንጻል ነቲ ኢሰያስ ብትንቢት ዝተነበዮ  ዝአወጆ ምጽአት ክርስቶስ የንብብ። እዚ ትንቢት እዚ ኸአ አብኡ  ከምተፈጸመ ይገልጽ። ክርስቶስ እቲ ቅቡእ ምካኑ ይገልጽ።  ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ  ልዕለይ አሎ፤ ዝብል ቃል እምበአር እቲ ናይ መጀመርታ መሲሓዊ አዋጁ ኢዩ ነሩ። ነዚ ኸአ ብቃሉን ብተገግብሩን አብ መንጎ ሕዝቡ ክፍጽሞ ተረኽበ።  ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብአኒ መንፈስ እግዚአብሔር አብ  ልዕለይ አሎ፤ ንምሩኻት ምምላስ፥ ንዕውራት ምርአይ፥ ንግፉዓት ምውጻእ ሓራ ከበስር፥ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለአኸኒ።

ክርስቶስ ናብዚ ዓለም እዚ ዝመጸ ካብ ጸልማት ኃጢአት ነጻ ንኽገብረና ኢዩ። እዞም ቃላት እዚአቶም ክርስቶስ ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ወሲዱ ዘንበቦም  ነቲ ተልእኾ ክርስቶስ ዝገልጹ ኢዮም ነሮም። ነዚአቶም ንኽፍጽም ኢዩ ኸአ አብዚ ዓለም እዚ መምጽኢ። ካብ ኃጥአት ነጻ ንኽገብረና፥ ካብ ባርነት ሰይጣን ከውጽአና፥ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከድኅነና። አብቲ ምድራዊ ጉዑዙኡ ኸአ በቲ ፍቕሩን ምሕረቱ ብዙሕ ተአምራታት ክገቢር ተረኺቡ።  ቤተክርስቲያን ሎሚ ነዚ ተልእኾ እዚ ተቐቢላ ትርከብ። “እምበአር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም አህዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቕኩምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም። ከምኡውን ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም። እንሆ አነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” እናበለ ተዛረቦም። አብዚ ክርስቶስ አድላይነት ስበከተ ወንጌል፡ ማለት ሓቅነት እምነት፡ አድላይነት ምስጢራት አብ ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ህላዌ ክርስቶስ አብ ቤተክርስቲያን ይገልጽ። ካብዚ ቃል እዚ ተበጊስና እምበአር ንሕና ነዞም መሎካታዊ ሕቶታት፦ ማለት  አብ ክርስቲያናዊ ጉዑዞና  ንእምነትናንን፡ ስነምግባራዊ ሕይወትና ዝኾውን መምርሒ ምቅባል፡ ተሳትፎ አብ ምስጢራት ብምንጻግ አብ ክርስቶስ አምላኽና እሙናት ኮይና ክንጋዓዝ አይንኽእልን ኢና።  ምስዞም ተልእኾታት እዚአቶም ኢዩ ክርስቶስ ቤተክርስቲያኑ ዝመስረታ። ቢተክርስቲያን ከአ አብዞም ናይ ክርስቶስ ስብከትን ትምህርትን እንተጸንዕት ጥራይ ኢዩ ንወዲ ሰብ አብ ድኅነት ክተሳትፎ እትኽእል። ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለአኸኒ። ”ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸአ፥ ነቲ አገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ አዕይንቲ ኹሎም እቶም አብታ ቤት ጸሎት አይሁድ ዝነበሩ ኸአ ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ አብ አእዛንኩም ተፈጸመ” ብምባል ክርስቶስ እቲ ነብያት ዝተነበይዎ፡ ዝተዛረብሉን ዝተጸበዩዎን ንሱ ምካኑ ገለጸ። ብኽርስቶስ ኩሉ ምልአት ፍጻሜ ረኸበ። ስለዚ ጽሑፋት ብሉይ ኪዳን ብብርሃን ሓድሽ ኪዳን ኢና ክንርድኦም እንኽእል። “ ብድኅሪ ትንሣኤኡ ኸአ ከምዚ በልም “ እዚ እቲ ምሳካትኩም ከሎኹ አብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ ዝተጻሕፈ ኹሉ ኪፍጸም ግዲ እዩ ኢለ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቃልይ ኢዩ” በሎም፡፤ ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን አእምሮኦም ከፈተሎም። ሉቃ.24:44-45

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

Abba Hagos Tesfagabir

አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት 28.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማቴ.26.14-25

  • አስተንትኖ

አብቲ ናይ ትማሊ ቃል አምላኽ ብዛዕባ ናይ ይሁዳ ክሕደትን ናይ ጴጥሮስ ምንጻግን አስተንቲና። ሎሚውን እንደገና ቤተክርስቲያና ደጊምና ብዛዕባ ክሕደት ናይ ይሁዳ ክነስተንትን ትዕድመና። ማቴዎስ ወንጌላዊ ብዛ ዕባ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ክገልጽ ከሎ አብቲ ውድቀት ናይ ሓዋሪያት አበርቲዑ ትኹረት ይገቢር። ሓዋሪያት ወላእካ ሰለስተ ዓመት ዝአክል ምስኡ እንተ ተጋዕዙ፡ አብቲ ጽንኩር ግዜ ግና  ወላሓደ እካ ክከላኸለሉ አይከአለን። ይሁዳ አሕሊፉ ይህቦ፡ ጴጥሮስ ይኽሕዶ፡ እቶም ዝተረፉ ክሃድሙ ተረኽቡ። ማቴዎስ እዚ ኩሉ ከዘንትወልና ከሎ ንኽነቅፍ፡ ተስፋ ንኸቅርጽ ዘይኮነስ ፍቕሪ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ውድቀትን ክሕደትን ናይ ደቂ መዛሙርቱ ሓለፋ ከምዘለዎ ንኸስምር ኢዩ።

ሎሚውን ማቴዎስ ንዓና ንሓዋሪያቱ ተኸተልቱ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ካብ ክሉ ክሕደትና ውድቀትና ፍቅሪ አምላኽ ከምዝዓቢ ንኽንርዳእን ክንቅበልን ኢዩ። ነዚ ተረዲእና ከአ ናብኡ ክንምለስ ኢዩ። ንሕና ምስ እግዚአብሔር አምላኽና ዘለና ርክብ ክነቃርጽ ንኽእል ኢና ንሱ ግና ብባህሪኡ ፍቕሪ ስለዝኾነ እቲ ምሳና ዘለዎ ርክብ ከቃርጽ አይክእልን ኢዩ። እዚ መልእኽቲ ኢዚ ኢና አብዚ ቅዱስ ናይ ሕማማት ግዜ ክነስተንትነሉ ዘላና።

ይሁዳ ንመምህሩን መድኅኑን ንኽሸይጥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ከይዱ “ አነ ንኢየሱስ አኅሊፈ ኽህበኩም እንታይ ትሁቡኒ፧” እናበለ ክሓቶም ተረኽበ።  ንሳቶም ከአ ስላሳ ቅርሺ ብሩር ሃብዎ። ካብዚ ሰዓትን ግዜን ጀሚሩ ኸአ አኅሊፉ ክህቦ ምሹእ ግዜ ክደሊ ጀመረ። ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ነቲ ጎይታናን  አምላኽናን ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና ድኅነት መከራ ዝጸገበ፥ ብትሕትና ንርእሱ ዘዋረደ፥ ብዘይ ፍትሒ ዝተፈርደ አምላኽ፥ ነቲ ንሕማምናን ንስቓይናን ዝጾረ፥ ብሰሪ አበሳና ዝተኸትከተ ጎይታ፡ አብ ሕይወትና ብከመይ  ንቕበሎ። ምስኡ ዘለና ርክብ እንታይ ይመስል። ስለዚ ብሓላፊ ናይዛ ዓለም ነገራት ተታሊልና ንኽርስቶስ ጎይታና ከይንክሕዶ ከይንጠልሞ ሎሚ ንዕደም አለና። ክርስቶስ ምስ ሓዋሪያቱ አብ መአዲ ምስተቐመጡ፡ “ ሓደ ካብ ሓዋሪያቱ አኅሊፉ ከምዝህቦ ተዛረበ” ንሳቶም ከአ ስንበዱ ፈርሁ፡ ነፍሲ ወከፎም ከአ አነዶ ይከውን እናበሉ ክሓትዎ ተረኽቡ። ኢየሱስ ከአ “ እቲ ኢዱ ምሳይ አብ ጻሕሊ ዚጠልቕ ንሱ ኢዩ” እናበለ  መለሰሎም። ቀጺሉ “ ወዲ ሰብሲ ከምቲ ብዛዕብኡ ዝተጻሕፈ ኪኸይድ ኢዩ፥ ግናኸ እቲ ሰብ ንወዲ ሰብ አኅሊፉ ዝህቦ ሰብ ወይልኡ! እቲሰብ እቲስ እንተ ዘይውለድ ምኃሾ ነይሩ” በሎም። ሎሚ እዚ መንፈስ ይሁዳ አብ ነፍሲ ወከፍና ህልው ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ብተግባራትን ብሕይወትና ብቃላትና ንኽርስቶስ ጎይታና አምላኽና ክንክሕዶን ክነጽጎን ንርከብ ኢና። ወይልኹም ይብልና አሎ። ስለዚ ነዚ ቃል አምላኽ ናይ መ ዓልቱ ክነስተንትን ከለና፡ ብዛዕባ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ነስተንትን፡ በዚ ቃል ወንጌል እዚ ክርስቶስ ሎሚ ንዓይ እንታይ ይብለኒ፡ ኢልና ንሕተት።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋግቢር

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት 27.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

13.21-33.36-38

  • አስተንትኖ

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ አእጋር ሓዋሪያት ሓጺቡ ከምኡውን ንሓዋሪያቱ ንዓና ንነፍሲ ወከፍና  አብነቱ ተኸቲልና ሕድሕድ ክንተሓጻጸብ ድሕሪ አዚዙ፡ ቀጺሉ ብመንፈሱ ከምዝጎሃየ የዘንትወልና። አብዚ ግዜ እዚ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ናይ ፍቕሪ ስራሕ አብዝፍጽመሉ ዝነበረ ግዜ አገልግሎት ይፍጽም፡ ሓደ ካብ ሓዋሪያቱ ግና በታ ለይቲ እቲአ ከመይ ጌሩ ከም ዘትሕዞ ይምህዝ ነበረ። ይሁዳ  ካብቶም ክርስቶስ ደቂ ምዛሙርቱ ንኽኮኑ  ዝተመርጸ ሓደ ኢዩ ነሩ። ንሰለስተ ዓመት ዝአክል ምስኡ ተጋዒዙ፡ አብ ኩሉ ጉዑዙኡ ስዒብዎ፡ ነቲ ዘደንቕ ተግባራቱ ተአማርታቱ ትምህርቱ ርእዩን ሰሚዑን። ፍቕሩ አስተማቒሩ። ይሁዳ ንኽርስቶስ ክኽሕዶ ጥራይ አይተረኽበን አሕሊፉ ክህቦውን ተረኽበ። ፈተና ሸይጣን ይስዕሮ። እቲ ዝ እትአምኖ ሓውካ ኃፍትኻ ክኽሕደካ ካብዚ ዝከፍእ ተግባር ክህሉ አይክእልን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ክርስቲያናዊ ጸዋዕታና ነፍሲ ወከፍናን ምስ ክርስቶስ ሓቀኛ ፍቕሪ ንኽንምስርት ኢዩ። ይሁዳ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ይነጽጎ። ክርስቶስ በዚ ይጉሂ “ሓደ ካባኻትኩም ከም ዘትኅዘኒ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” እናበለ ከአ ንሓዋሪያት ክዛረቦም ይርከብ። ደቂ መዛሙርቱ በዚ ሰንቢዶምን ፈሪሆምን ንሕድሕዶም ይጠማመቱ። ጴጥሮስ ብዛዖባ መን ይዛረብ አሎ ንምፍላጥ ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘፍቅሮ ወዲ መዝሙሩ ንኽሓቶ ብምልክት ይነግሮ። ንሱ ከአ አብ አፍ ልቢ ኢየሱስ ጽግዕ ኢሉ “ ጎይታይ! መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ ክሓቶ ተረኽበ። ኢየሱስ ከአ “ እቲ ቑራስ እንጌራ ጸቢሐ ዝህቦ ፥ ንሱ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።  ንሕናውን ሎሚ አብ ቅድሚ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ክርስቶስ ቃል ክርስቶስ ክንዕብር ከለና ናይዚ ግዜ እዚ ይሁዳውያን ኮይና ንርከብ። ንኽርስቶስ ክንክሕዶ ንርከብ። ነቲ ምእንታና ስጋብ መስቀል ዘፍቀረና ክርስቶስ አሕሊፍና ንህቦ።

እቲ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንይሁዳ ዘወፈየሉ ኩላሶ እምበአር ምልክት ፍቕሩ ሕውነቱ ነበረ። ማለት ካብቲ  ሰይጣናዊ ውዲቱ ንኽምለስ ዝዕድም ኢዩ ነሩ። ይሁዳ ግና ነዚ ውፈያ ወይ ዕድመ እዚ ክነጽጎ ተረኽበ። ቅዱስ አጎስጢኖስ ብዛዕባ እዚ ከስተንትን ከሎ “ እቲ ዝተቀበሎ ጽቡቕ ነበረ ይብል፡ እንተኾነ ግና ንዘለዓለማዊ ኩኔንኡ ተቐበሎ ይብል። ነቲ ጽቡቕ ብሕማቅ ተቀበሎ። “ ድኅሪ እታ ቁራስ ከአ ሰይጣን ናብ ኡ አተወ” ማለት ምሉእ ብምሉእ አብ ትሕቲ ናይ ሰይጣን ፈተና ተምበርከኸ። ብዘይጣን ተሳዕረ። ቃል አምላኽ “ይሁዳ ነታ  ቑራስ እንጌራ ምስ ተቀበላ ብኡብኡ ወፀ፥ ለይቲውን ነበረ። ይብል አብዚ ጸልማት ናይ ኃጢአት ናይ ጥፍአት ምልክት ኢዩ።

ስለዚ ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ሎሚ ንሕና ነዚ ቃል አምላኽ ክነስተንትን ከለና ብሓቂ አብ ሕይወትና ክንአቱ ሕይወትና ክንምርምር ንዕደም። ከም ይሁዳ ብግዚያዊ ጠቕሚ ተታሊልና ካብቲ መገዲ አምላክ ከንርህቅ፡ ንጎይታና አምላኽናንን ከይንጠልም ከይንክሕድ ንሕተት አለና። ጴጥሮስ “ ጎይታይ! ናበይ ክትከይድ ኢካ፧ “ ክብል ሓተቶ። ኢየሱስ ድማ “ ናብቲ አነ ዝከዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ አይትኽእልን ኢኻ፥ ድኃር ግና ኽትስ ዕበኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። አብ ቅድሚ ስደትን መስቀል ክርስቶስ ብጴጥሮስ ከምዝከሓድ ይፈልጥ ነበረ። ሕይወተይ እንተ ኾነ እካ በጃኻ አኅሊፈ ኽህብ ኢየ እየ” በሎ። ከም ጴጥሮስ ብኩሉ ተግባራትና ንዑኡ ክንስዕብ፡ ሕግታቱ ክነኽብር ክንፈቅሮ ቃል እንአትወሉ ግዜ ኢዩ፡ እሞ ናብኡ ቀሪብና ብንስሓ ተሓጺብና ንኽርስቶስ ጎይታና ብሕይወትና እውን እንተኾነ ክንስ ዕበካ ኢና እናበልና ቁርጺ ፍቓድ ንግበረሉ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት- 25.2018

  • ሰንበት ዘኒቀዲሞስ

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.3:1-12

“መምህር ብጀካ እቲ አምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ እንተ ዘይኮነ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተአምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና” በሎ። በቲ ዝነበሮ ሓላፍነትን ክብርን ምስ ኢየሱስ ብግሁድ ክራኸብ አየፍቅደሉን ነሩ። ካልአይ ካብቲ አብ ውሽጡ ዝስምዖ ዝነበረ ጸልማት ወጺኡ አብ ብርሃን ክአቱ ስለ ዝደለ ብለይቲ አብ ኢየሱስ መጺኡ። ንኢየሱስ ንበይንኻ ክትረኽቦ ክተዕልሎ ምኽአል ጸጋ ብርሃን እዩ ዝዕድል ምኽንያቱ ንሱ ምንጪ ሕይወትናን ተፈጥሮናን ስለ ዝኾነ።  ንሕናውን አብ መዓልታዊ ሕይወትና ናብ ኢየሱስ ብምኻድን ምቅራብን ብርሃን ክርስቶስ ጽጋ ክርስቶስ ክንቅበል ንዕደም።  “ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተአምራት ኪገብሮ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና” ኢልዎ።  ካብ አምላኽ ከም ዝመጸን ናይ አምላኽ ነገራት ከም ዝገብር፥ ነቢይ ከም ዝኾነ ክርኢ ክኢሉ፤ ግን መንነት  ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ንኽርኢን ንኽፈልጥን ብጽሙዋ መጺኡ ክሓቶ ደለየ።

ነቲ ሕትኡ ከአ ከምዚ እንዳበለ ክምልሰሉ ተረክበ “ ሰብ ካልአይ ግዜ እንተዘይተወልደ፥ ንመንግስተ አምላኽ ኪርእያ ከቶ ከምዘይክእል፥ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ቃል ብቃሉ ብምርዳእ “ሰብከ ምስ አረገ ከመይ ኢሉ ክውለድ ይኽእል መሊሱ አብ ከርሲ እንኡ አትዩስ ኪውለዶ ይኽእል እዩ” እናበለ ሓቲቱ። ብሓቂ ብሓቂ እብለካ አለኹ፥ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ፥ ናብ መንግስተ አምላክ ኪአቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ከም ብሓድሽ ክንውለድ ይሓተና  እዚ ኸአ ብንጹር ንክርስትያናዊ ጥምቀትና ዘመልክት እዩ። ካብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ  –  ካብ መንፈስ ዝተወልደ መንፈስ እዩ፥ እዚ እዩ እቲ ካልአይ ልደት ኩልና ክንከዶ ዘሎና። ስለዚ ሕጂውን እንደገና ክንውለድ የዲሊ፤ አብቲ እግዚአብሔር ዘዳለወልና ስፍራ ንክንአቱ። ሎሚውን ጥምቀትና ክነሕድስ የዲሊ፤ ብሓቂ ምስኡ ኡሙናት ኮይና ምእንቲ ክንገዓዝ። ሓንሳብ ብማይን መንፈስ ቅዱስን ተጠሚቕና፤ ናይ ውልድነት መሰል ረኺብና። ሕጂውን እንተኾነ ነቲ ብድኻምነትና ብኃጢአትና ዘጥፋእናዮ ርክብና . . . እንደገና ብንስሓ ክንውለድ ክነጥርዮ የዲሊ። ናይ ንስሓ ጥምቀት የድሊየና።  ኢየሱስ ብዝልዓለ መገዲ አብ መስቀል ምስ ተሰቕለ አብ ግርማ አብኡ ብትንሣኤኡን ዕርገቱን ከም ዝአተወ ንርኢ። ንሱ ምንጪ ሕይወት ናይ ኵሎም እቶም ርእሶም ብምልኡ አብኡ ዘወፍዩ ክኸውን እዩ።

ከም ኒቆዲሞስ ብቐጻሊ አብ ኢየሱስ ክንመላለስ ክሳብ ዝበርሃልና ምስኡ ክነዕልል እሞ፤ ጎይታይ ሓግዘኒ ነዚ ጸልማት ዝመልኦ ሕይወተይ ብርሃንካ ኰልዓለይ ኢልና ክንልምኖ ይግብአና። አምላኽ ንዓለም ስለዘፍቅራ፥ ከም መግለጺ ፍቕሩ ንሓደ ወዱ አብ መስቀል ብጨካን ሞት ክሓልፍ ብምፍቃዱ ክሳብ ክንድዚ አፍቀራ። ስለዚ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ አብ ዓለም ዝተገልጸና ሓቂ ክንአምን፥ ቃሉ ንምስማዕ ኩሉ ጊዜ ስንድዋት ክንከውን፥ ሕይወትና ብምልኡ ብዓሚቕ እምነት አብኡ ክነወፍየዮ ስንድዋት ክንከውን ይግብአና። አምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝልአኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ አይኮነን። አብ ሕይወትና ነዚ ደጋጊምና ክንዝክሮ ይግብአና፥ ናይ አምላኽ እታ እንኮን መጀመርያን ዝንባሌ ባህሪኡ ንአና ምፍቃርን፤ ንሕና ነቲ ፍቕሩ አብ ሕይወትና ምስትምቓሩን እዩ።አሰር ኒቆዲሞስ ስዒብና ካብ ጸልማት ሕይወትና ወጺእና ብኃጢአትና ነጺሕና ንአምላኽ ክንቅበሎ ንቕረቦ። አብ መንበረ ንስሓ አቲና ብኃጢአትና ንተአምን ሽዑ ብርሃን ክርስቶስ አባና ክበርህ እዩ። ነዚ ኸአ የብቅዓና። ኣሜን!

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት – 23.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.10:31-42

  • አስተንትኖ

አይሁድ መድኃኔ ኢየሱስ ክርስቶስ አነን አቦን ሓደ ኢና ስለዝበለ “ ብዳርባ እምኒ ኢቀትልዎ ከም ብሓድሽ እምኒ አልዓሉ።  መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ከምዚ እናበለ ይሓቶም“: “ካብ አቦይ ብዙኅ ሠናይ ግብርታት አርአኹኹም፤ ካብ አተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ዘሎኹም፧”እናበለ ተዛረቦም። አይሁድ ከአ “በቲ ምጽራፍካን ሰብ ከሎኻ ገዛእ ርእስኻ አምላኽ ብምግባርካን እምበር በቲ ጽቡቕ ግብርታትካ አይኮንናን ብዳርባ እምኒ እንቐትለካ” ኢሎም መለስሉ። ስለዚ ክቐትልዎ ይደሊዩ ምኽኒያቱ ስለዝተጻረፈ። ሕጊ ንኽቅተል የፍቅድ።

ክርስቶስ ንኣይሁዳውያን ንምርዳእ ካብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 82:6 አነስ፥ ‘አማልኽቲ ኢኹም፥ ኹልኹካትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” “እዚ ኢሉ ድሕሪ ኢሉ ጠቒሱ” እቲ ጽሑፍ ኪሰዓር አይከአልን ኢዩ፥” እናበለ ይምልሰሎም። ኣይሁዳውያን አብቲ ቃላቱ ይኹን አብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተግባራት ክኣምኑ ኣይከኣሉን፡፡ ንሱ ሰራቒ በደለኛ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮጽ አብ ግ.ሓ. 10:38 ዝመስከሮ “ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ንኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ  ምስኡ ስለዝነበረ፥ ኣብ ኩሉ ጽቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንኹሎም ነቶም ሰይጣን ዝኣሰሮም ከም ዘሕወየውን ባዕልኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። እናበለ ናይ ሁዳውያን ፈሪሳውያን ክወቕሶም ዝተረኽበ፡

“ ብከንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ፀግሪ ርእሰይ ይበዝሑ፥ ጸላእተይ ብሓሶት የካፍኡኒ፥ ኺቐትሉኒ ዚደሊዩ ኃያላት ኢዮም” መዝ.69:4። ክርስቶስ በቲ ሳናይ ተግባሩ እዚ ፍርዲ ካብ ተፈረዶ ንሕና ተኸተልቱውን አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንኽርስቶስ ክንመስል መጠን ዝጸዓርናሉ መጠኑ ሕማቕን ስደትን ከምዘጋንፈና ክንፈልጥ ይግበአና። ዓለም እንተ ጸልአትኩም ቅድሜኹም ንአይ ከም ዝጸልአትኒ ፍለጡውን ኢሉና ኢዩ።። Gv.15:18 መስቀልና ጸርና ክንስዕቦውን  አዚዙና ኢዩ። ክርስቶስ ግብሪ አቦይ እንተ ዘይገበርኩ አይትእመኑኒ። ዝገብሮ እንተ ደአ ኮይነ ግና፥ ንአይ እካ እንተ ዘይአመንኩም፥ አቦ አባይ ምህላዉ አነውን አብ አቦ ምህላወይ ምእንቲ አረጋጊጽከም ክትፈልጡ ነቲ ግብረይ እመንዎ” እናበለ መለሰሎም። ስለዚ ክርስቶስ ደጊሙ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሰናይን ዘደንቅን ተግባራትን ግልጸትን እግዚአብሔር አቦ ምካኖም ይገልጽ። ስራሓ አቦይ ዘይገብር እንተ ኮይነ ግና አይትእመኑኒ።

ሎሚውን ንነፍሲ ወከፍና ዝብሎ ኢዩ። ንሕና ደቂ አምላኽ ኢና ክርስቲያን ኢና ክንብል ንኽእል ኢና። ነዚ ሓቅነቱ ዘረጋግጹ ግና  ተግባራትና ኢያቶም። ከም ሓዋሪያት ክርስቶስ ሰዓብቲ ክርስቶስ ስራሕ ክርስቶስ ክፍጽም ይግበአኒ፡፤   ስራሓ አምላኽወይ ተግባራት አምላኽ ሕውነት፡  ፍቅሪ፡ ትሕትና ኢያቶም እዚአቶም አብ ሕይወትናን ከንጸባርቑ አለዎም። ሎሚ ክርስቶስውን ብዝተፈላለየ መገዲ ዘደንቅ ተግባራቱ አብ መንጎና እናፈጸመ ኢዩ። ንአብነት እቲ ዝዓበ ተአምራት አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብቤተክርስቲያኑ ብአገልገልቱ ብተ አምረታዊ መገዲ መአዱ ሰሪዑ እንኩ ብልዑ ስተይ ሕይወት ክትረኽቡ ይብለና። ነዚ ተግባር እዚ አሚና አብኡ ብንስሓ ተሓጺብና ክንምገብን ክንሓውን ንዕደም።

ካብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና እምበአር ንገዛእ ርእስና እዚ ሕቶ እዚ ክነቅርብ ንዕደም፦

  • ከም አማናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ነቲ ክርስቶስ ብቤተክልርስቲያኑ ዝፍጽሞ ተግባራት ብኸመይ ይቅበሎን፧
  • እዚ ተግባራት እዚ አብ ሕይወተይ ከንሰባርቅከ እንታይ እገቢር፡

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

1 2 3 5