አስተንትኖ ቃል አምላኽ መጋቢት – 8.2018

ሉቃ.11:14-23

ኢየሱስ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ፣ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፥ እቲ ዓባስ ዝነበረ ሰብ ተዛረበ፥ እቶም ሕዝቢ ኸኣ ተገረሙ። ገለ ኻብ ኣቶም ግና “ነጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ፥ ብሓለቓ አጋንንቲ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ” በሉ።

ካልኦት ከአ ኺፍትንዎ; ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። ንሱ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዚ በሎም፦ “አብ ንሓድሕዳ ዝተፈላለየት መንግሥቲ ትባድም፥ አብ ንሓድሕዳ ዝተፈላለየት ቤት ድማ ትወድቕ። ንአይ ‘ነጋንንቲ ብብኤል ዜቡል እዩ ዜውፅኦም ዘሎ’ ትብሉንስ መንግሥቲ ሰይጣን ንሓድሕዳ እንተ ተፈላለየት ደአ፥ እታ መንግሥቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ አነ ነጋንንቲ ብብኤል ዚቡል ዘውጽኦም ካብ ኮንኩስ፥ ደቕኹም ደአ ብመን የውፅእዎም አለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪኾኑ እዮም። አነ ነጋንንቲ በጻብዕ አምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኾንኩ ግና መንግሥቲ አምላኽ አባኻትኩም በጺሓ ኢያ። እቲ ኃያል ሰብ፥ ብዚግባእ አጽዋሩ ዓጢቑ አደራሹ እንተ ሓለወ፥ ብዘሎ ጥሪቱ ብሰላም ይነብር። ካብኡ ዚኃይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና ነቲ ዜመኖ ዝነበረ አፅዋር ይገፎ፥ ነቲ ዝማርኾውን ይማቐሎ። እቲ ምሳይ ዘይኮነ፥ ንሱ መቐናቕንተይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእከብ ድማ ይብትን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *