ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መጋቢት 9-2018

ማር.12:28-34
ካብቶም መምህራን ሕጊ ኽርክሮም ሰሚዑ፥ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከአ ር እዩ፥ ቐረበ። “ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ አየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ድማ ሓተቶ። ኢየሱስ ከአ “ እታ ቐዳመይቲ እዚአ እያ፥ ‘ኦ እስራኤል ስማዕ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ንሱ በይኑ እግዚአብሔር እዩ። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን አፍቅሮ። እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እዚ አ እያ። እታ ንአአ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ አፍቅሮ’ እትብል ኢያ። ካብዚ አተን እትዓቢ ትእዛዝ የልቦን”” ኢሉ መለሰሉ። እቲ መምህር ሕጊ ኸአ “ መምህር፥ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፤ አምላኽ ሓደ እዩ፥ ብዘይካኡ ድማ ኻልእ የልቦን። ‘ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ አ እምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን ከተፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ’ እዚ ካብ ኩሉ ዚሓርር መሥዋዕትን ካብ መሥዋዕቲ ሕሩድን ዚ ዓቢ እዩ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግሥቲ አምላኽ ር ሑቕ አይኮንካን” በሎ። ደጊሙ ኺሓቶ ኸአ ሓደ እካ አይደፈረን።