ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መጋቢት – 16.2018

ዮሓ.7:1-2:10,25-30

ድኅሪዚ ኢየሱስ፥ አብ ምድሪ ይሁዳ ዚነብሩ አይሁድ ኪቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፥ አብ ምድሪ ይሁዳ ኪዘውር አይፈትወን፤ እንተኮነ አብ ገሊላ ይዘውር ነበረ። እቲ ናይ አይሁድ በዓል ዳስ ከአ ቐሪቡ ነበረ። እቶ አኅዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ፥ ንሱ ኸአ ብግሁድ ዘይኮነ ብኅቡእ ደየበ።  ገለ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ “ እቲ ኺቐትልዎ ዚደልዩስ እዚዶ አይኮነን፧ እንሆ ንሱ ብግህዶ ይዛረብ አሎ፥ ንሳቶምውን ገለ አይበልዎን፥ እዞም መካንንቲ ዶኾን ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ኮይኖም፧ ግናኸ እዚ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና። ክርስቶስ ኪመጽእ ከሎ ግና ካበይ ከም ዝኾነ ዚፈልጦ ሓደ እካ የልቦን” በሉ። ኢየሱስ ከአ አብ ቤት መቕደስ ኪምህር ከሎ ዓው ኢሉ “ ንዓይ ትፈልጡኒ፥ ካበይ ምኻነይውን ትፈልጡ ኢኹም። አነ ብርእሰይ አይመጻእኩን፥ እቲ ዝለአኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፥ ንእኡ ንስኻትኩም አይትፈልጥዎን ኢኹም። አነ ግና ኻብኡ እየ፥ ንሱ ስለ ዝለአኸኒ ኸአ እፈልጦ እየ” በለ። ስለዚ ኺኅዝዎ ደለዩ፥ ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሐ ግና ኢዱ ዘል ዓለሉ ሓድ እካ አይነበረን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *