አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዚያ – 25.2018

ከምዚውን በሎም፦ “ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ፥እቲ ዝአመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፤ እቲ ዘይአመነ ግና ኪኹነን እዩ። ነቶም ዚአምኑ እዚ  ምልክት  አዚ ኪስዕቦም እዩ፦ ብስመይ አጋንንቲ ኼውፅኡ፥ ብሓድሽ ቃንቃ ከአ ኺዛረቡ፥ አትማን ኪኅዙ፥ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸአ ከቶ አይኪጎድኦምን እዩ፤ አእዳዎም አብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሓውዩ እዮም።”

መድኃኒና ኢየሱስ ነዚ ምስ ተዛረቦም ናብ ሰማይ ዓረገ፥ አብ የማን አምላኽውን ተቐመጠ። ንሳቶም ድማ ወጺኦም አብ ኩሉ ሰበኹ፤ ጎይታ ኸአ ምስአቶም ይዓዩ፥ ነቲ ቓልውን በቲ ዜሰንዮ ተአምራት የጽንዖ ነበረ። አሜን!

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዚያ – 25.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ከምዚውን በሎም፦ “ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ፥እቲ ዝአመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፤ እቲ ዘይአመነ ግና ኪኹነን እዩ። ነቶም ዚአምኑ እዚ  ምልክት  አዚ ኪስዕቦም እዩ፦ ብስመይ አጋንንቲ ኼውፅኡ፥ ብሓድሽ ቃንቃ ከአ ኺዛረቡ፥ አትማን ኪኅዙ፥ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸአ ከቶ አይኪጎድኦምን እዩ፤ አእዳዎም አብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሓውዩ እዮም።”

መድኃኒና ኢየሱስ ነዚ ምስ ተዛረቦም ናብ ሰማይ ዓረገ፥ አብ የማን አምላኽውን ተቐመጠ። ንሳቶም ድማ ወጺኦም አብ ኩሉ ሰበኹ፤ ጎይታ ኸአ ምስአቶም ይዓዩ፥ ነቲ ቓልውን በቲ ዜሰንዮ ተአምራት የጽንዖ ነበረ። አሜን! እዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ክነስተንትኖ ዘለና እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይ ወንጌል ማርቆስ ኢዩ። እዚ ከአ ክርስቶስ ጎይታና ንሃዋሪያት ከምዝተራ እዮም፥ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋሪያት ተልእኾ ከምዝሃቦም፡እዚ ተል እኾ እዚ ከአ ብመንገዶም ናብ ናብ ቤተ ክርስቲያኑ ከምዝተመሃላለፈ።

መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ “ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ” እናበለ ይእዝዞም። ስለዚ ቤተክርስቲያን ሓደ ተልእኮ ወይ ትአዝዞ አለዋ አብዚ ዓለም እዚ ክትፍጽሞ ዘለዋ፡ ንሱ ከአ ንዓለም ቃል አምላኽ ክትሰብኽ ማለት ጸዋዕትአ ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሥአ ክርስቶስ ንዓለም ምፍላጥ ኢዩ። እቶም ናይዚ ቃል ህይወት ተቀበልቲ ክኮኑ ዘለዎም ኩሎም አሕዛብ እዛ ዓለም። “ንብዘሎ ፍጥረት” ስለዚ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ቃል ሕይወት እዚ ክንሰምዕ ንዕደም። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ስብከት ውንጌል፡ ነቲ ሰናይ ዜና ናይ ድኅነት ብኽርስቶስ ዝተሰብከ፡ እንታይነት ክርስቶስ፤ ተገባራቱን። እዚ ስብከት እዚ ብተባዕነትን እምነት አብ እግዚአብሔር መድኅን ክፍጸም አለዎ።

ቤተክርስትያን ቤት እግዚኣብሔር ኮይና ኣብ ናይ ሓዋርያትን ነቢያትን መሠረት ዚተሃንጸት ክርስቶስ  እምንነ መኣዝና ዝኾነ እያ። (ኤፍ 2፡19)። ሓዋርያት ቀጸልቲ ተልእኮ ክርስቶስ ኮይኖም ንሙሉእ ዓለም ወንጌል ከበስሩ ዝተላእኩ እዮም። ዝተፈላለየ ውህበት ሃልይዎም ከከም ውህበቶም ንምህናጽን ንምምዕራጋን ክሠርሑ ዝተጸውዑ እዮም።

ካብ መንጐኦም ጴጥሮስ ብኣምላኽ ጸጋ ተዋሂብዎ እንታይነት ክርስቶስ ምስ ገለጸ፡ “ኢየሱስ ድማ… ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንቤተክርስትያነይ ክሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይኪኅይልዋን እዮም። መርኆታት መንግሥተ ሰማያት እህበካ ኣሎኹ…እናበለ- ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ 12 ስልጣን ከም ዝነብሮን ናይ ሓድነቶም ውሕስነት ክሕሉ ሓላፍነት ይቕበል። ጴጥሮስ ምስ ካልኦት ሓዋርያት ኮይኑ ኣሰር ክርስቶስ ብምክታል ወንጌል ከበሥሩ ተላእኩ። “ኪዱ ወንጌል ስበኹ” ዝብል ትእዛዝ ከኣ ካብቲ ካብ ሙታን ዚተንስኤ ክርስቶስ ትእዛዝ ይቕበሉ። ነዚ ስብከትን ቃል ወንጌልን ዝአመነ አሚኑ ዝተጠምቀን ከአ ከምቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና መንግስተ አምላኽ ይወርስ፡  ድኅነት ይጭብጥ።

ዝአመነን ዝተጠምቀን ኪድኅን እዩ፤ እቲ ዘይአመነ ግና ኪኹነን እዩ።

እምነት – ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዜረጋግጽ፣ ነቲ ዘይርኤ ነገር ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ነቶም ናይ ቀደም ሰብውን ብእምነቶም እዩ ዝተመስከረሎም ። ኩሉ ዓለማት ብቃል አምላኽ ከም ዝተፈጥረ፥ እቲ ዚርአ ድማ ካብ ዘይርአ ኸም ዝፈጠረ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ።  (ዕብ.11᎓1 -3) እምነት  ሓደ ህያብ አምላኽ ኢዩ። እዚ ህያብ እዚ ኸአ ብሉጻትን፡ ፍሉያትን ፍጥረት ይገብረና። እዚ ጸጋ እዚ እግዚአብሔር አብ ሕይወትና ከምዘሎ ዘብርህን ጸረጋግጽን ኢዩ። ብምሉእ ልብኻ ብእግዚአብሔር ተአመን፥ አብ ልቦናኻ አይትጸጋዕ። አብ ኩሉ ተግባርካ ንእግዚአብሔር ሕሰብ፥ ንሱ ኸአ ነታ ቕንዕቲ መገዲ ኼርእየካ” ኢዩ። ምሳ. 3. 5-6 ቅዱስ መጽሓፍ ብኑጽር ብእምነት ከም ንድኅን የረጋግጸልና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዝያ – 24.2018

ዮሓ. 10:22-30

ሽዑ አብ ኢየሩሳሌም እቲ ዝተሓደሰ ቤት መቕደስ ዝተመረቐሉ በዓል በጽሐ፥ ጊዜኡ ኸአ ኽረምቲ ነበረ። ኢየሱስ ድማ አብ ቤት መቕደስ አብ ገሊላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ አይሁድ አኽበብዎ እሞ “ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ሰንፈላል እትገብረና፧ ንስካ ኽርስቶስ እንተ ደአ ኾንካ አግሂድካ ንገረና” በልዎ። ኢየሱስ ከአ “ ነጊረኩም አይአመንኩምንን። ንአይ ዚምስክረለይ እዚ ብስም አቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት እዩ። {ንስኻትኩም ግና ከምቲ ዝበልኩኹም} ካብተን አባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም አይትአምኑን ኢኹም። እተን አባጊ ዐይ ግና ድምፅይ ይሰምዓ እየን፥ አነ ኸአ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እህበን፥ ንዘለዓለም ድማ አይጠፍአን እየን፥ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዐን ሓደ እካ የልቦን። እቲ ንአአተን ዝሃበኒ አቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዩ፥ ካብ ኢድ አቦይ ክምንዝዐን ዚኽእል ከአ ሓደ እካ የልቦን። አነን አቦይን ሓደ ኢና”

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዝያ – 24.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

ዮሓ. 10:22-30

ሽዑ አብ ኢየሩሳሌም እቲ ዝተሓደሰ ቤት መቕደስ ዝተመረቐሉ በዓል በጽሐ፥ ጊዜኡ ኸአ ኽረምቲ ነበረ። ኢየሱስ ድማ አብ ቤት መቕደስ አብ ገሊላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። ሽዑ አይሁድ አኽበብዎ እሞ “ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ሰንፈላል እትገብረና፧ ንስካ ኽርስቶስ እንተ ደአ ኾንካ አግሂድካ ንገረና” በልዎ። ኢየሱስ ከአ “ ነጊረኩም አይአመንኩምንን። ንአይ ዚምስክረለይ እዚ ብስም አቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት እዩ። {ንስኻትኩም ግና ከምቲ ዝበልኩኹም} ካብተን አባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም አይትአምኑን ኢኹም። እተን አባጊ ዐይ ግና ድምፅይ ይሰምዓ እየን፥ አነ ኸአ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እህበን፥ ንዘለዓለም ድማ አይጠፍአን እየን፥ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዐን ሓደ እካ የልቦን። እቲ ንአአተን ዝሃበኒ አቦይ ካብ ኩሉ ይዓቢ እዩ፥ ካብ ኢድ አቦይ ክምንዝዐን ዚኽእል ከአ ሓደ እካ የልቦን። አነን አቦይን ሓደ ኢና” እናበለ መለሰሎም።

ኣይሁዳዊያን ነቲ እንታይነት ናይ ክርስቶስ ክፈልጡ ድልየት ከምዘለዎም ንኽፈልጡ።  ክሳብ መዓስ ኢኻ ሰንፈላል ክትገብረና ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ኮንካስ ኣግሂድካ ንገረና እንዳበሉ ይሓትዎ። መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነጊረኩም ኣይ ኣመንኩምንን። ንኣይ ዚምስክረለይ እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ።  ንስኻትኩም ግና ከምቲ ዝበልኩኹም ካብተ ኣባጊዐይ ስለዘይኮንኩም ኣይትኣምንኑን ኢኹም ይብሎም። እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ እየን፡ ኣነ ከኣ ኣለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ከኣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እህበን።

ስለዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጺሩ እቲ ምስክሩ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ከምዝኾነ ይዛረብ። ነዚ ምስክርነት እዚ ግና ኣይሁድ ኣይቅበሉዎን። ምኽንያቱ ከምቲ ባዕሉ ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ  ካብ ኣባጊዑ ስለዘይነበሩ ኣይሰምዑዎን። ኣባጊዕ ክርስቶስ ግና ድምጺ ጎይታኣን ይሰምዓ። እቲ ንሱ ዝመህረንን ዝሕብረንን  መገዲ ይስዕባ። ኣብ ውሑስ ቦታ ከኣ ይመላለሳ። ምኽንያቱ ሓለዋ እግዚኣብሔር ኣብን ወልድን  ስለዘለዎን። ምኽንያቱ እዞም ክልተ ኣካል ናይ ስላሴ ብኅብረት ስለዝነብሩ፡ ሓደ ስለዝኾኑ። ባዕሉ ኣብ ፍቕዲ 30 ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና እናበለ ይዛረብ። ኣብኦም ከኣ ሕይወት ይረኽባ። በዚ ቃል ክርስቶስ   እንታይነቱ ይገልጽ። እዚ ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና ዝብል ቃል ክርስቶስ ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ዕንቅፋት ኮነ። ሰብ ኮሎኻ ገዛእ ርእስኻ ኣምላኽ ብምግባርካ እንዳበሉ ክኸሱዎ ተረኽቡ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል እምበኣር ክርስቶስ ብየውሃንስ ወንጌላዊ ገሩ ዘመሓላልፈልና ትምህርቲ፡ እንታይነት ሕዝበ እግዚአብሔር ምስ ክርስቶስ ክህልወን ዘለዎ ርክብ ኢዩ። ንሕና ኣባጊዕ መጋሰ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና። ጋሳና ከኣ ባዕሉ ክርስቶስ ኢዩ። ምስ ጋሳና እንታይ ዓይነት ርክብ ኢዩ ዘለና፡ ወይ ከኣ  እንታይ ዓይነት ርክብ ኢዩ ክህልወና  ዘለዎ። ኣባጊዕ ወይ መጋሰ ክርስቶስ ምኻና ብኸመይ ኢዮም ሰባት ዘለሉዩና።

ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁዳዊያን እንታይ ኢዩ ዝበሎም፥ ኣባጊዐይ ድምጸይ ይሰምዓ እየን፡ ኣነ ኸኣ ኣለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ንዘለዓለምውን ኣይክጠፍኣን ኢየን። ስለዚ መለለይና ከም ኣመንቲ ወይ ኣባጊዕ ክርስቶስ ንቃል ኣምላኽ ሰሚዕኻ ምኽኣል ኢዩ። ድምጺ ክርስቶስ ምስማዕ ኢዩ። አበይ ኢና ድምጺ ክርስቶ እንሰምዕ፡ል ዕሊ ኹሉ አብቲ ስቕታን ተመጽጦን ዝመልኦ  ጸሎት – አብ አስተንትኖ ቃል አምላኽ – አብ ተሳትፎ ስርዓት አምልኾ። ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና ድንግል ማሪያም። ነቲ ንሱ ዝብለና ኩሉ ምግባር ኢዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ካብ ምስማዕ ኢዩ ዝመጽእ። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ እቲ  ንቓለይ ዚሰምዕ፥ በቲ ዝለኣኸኒውን ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፥ ይብለና የውሃንስ ኣብ ሞራፍ 5፡24 ስለዚ እቲ ቃል ኣምላኽ ስዝሰምዕ እዩ እቲ ሓቀኛ ናይ ክርስቶስ አብ መጋሰ ክርስቶስ ክነብር ዝኽእል።

ኣሕዋት ንኽርስቶስ ምስማዕ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ፡ ንዕኡ ምስዓብ ማለት ኢዩ። ብትብዓት ከም ጴጥሮስ ጎይታይ ንስኻ ናይ  “ ዘለዓለም ህይወት ቃል ኣሎካ ናብ መን እሞ  ኽንከይድ፡ ንሕናስ ንስኻ እቲ ቕዱስ ናይ ኣምላኽ ምኻንካ ኣሚናን ፈሊጥናን ኣሎና” ኢልካ ምኻኣል ኢዩ። ንሱ እምበኣር ህያዋይ ጋሳ ኢዩ። ምእንቲ ኣባጊዑን ሰማዕቱን ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብ ፈቃርን ርሕሩሕን ኣምላኽ ኢዩ። ንሓዋሪያቱ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም ምስበሎም ኣብ የውሃንስ 14:6 ቶማስ ከኣ “ጎይታይ ናበይ ከምእትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ” ምስበሎ    ኢየሱስ “ መንገዲን ሃቅን ሕይወትን ኣነ ኢየ” እንዳበለ ይምልሰሉ። እቲ ድምጺ ስጋስዮ ዝሰምዕን፡ ዝስዕብን  ናይ ዘለዓለም ሕይወት ይህልዎ።

ብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዚያ 23.2018

ዮሓ. 10:1-10

ኣስዒቡ ኸኣ ኢየሱስ ከምዚ በለ፦ “ እቲ ናብ ደምበ ኣባጋዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ ብኻሊእ ወገን ዚሓኩር፥ ንሱ ሰራቒን ጉሒላን ከም ዝኾነ በሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ  ብአፍ ደገ ዚአቱ ግና ንሱ ጋሳ አባጋዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው አፍ ደገ ይኸፍተሉ፥ እተን አባጋዕውን ድምጹ ይሰምዓ፥ ነተን አባጊዑ ኸአ ብብስመን ጸዊ ዑ የውፍረን። ንኹለን እተን አባጊዕ ምስ አውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን አባጊዕውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕብኦ። ንጋና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ፥ ኻብኡ ይገልባ እምበር አይስዕባኦን እየን።” ኢየሱስ ነዚ ምሰላ እዚ መሰለሎም፥ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም አየስተውዓልዎን።

ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ እቲ አፍ ደገ አባ ዕ አነ እየ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ኹላቶም ሰረቅቲን ጎሓሉትን እዮም፥ እተን አባጋዕ ግና አይሰምዓኦምን እየን፡፤ እቲ አፍ ደገ አነ እየ፤ ብአይ ዚአቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪአቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጋሰይውን ኪረክብ እዩ። ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍ እንተዘይኮይኑ  አይመጽእን እዩ፤ አነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረክባ፥ ብምልአትውን ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻኹ።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዚያ 23.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

ዮሓ. 10:1-10

ኣስዒቡ ኸኣ ኢየሱስ ከምዚ በለ፦ “ እቲ ናብ ደምበ ኣባጋዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ ብኻሊእ ወገን ዚሓኩር፥ ንሱ ሰራቒን ጉሒላን ከም ዝኾነ በሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ  ብአፍ ደገ ዚአቱ ግና ንሱ ጋሳ አባጋዕ እዩ። ንእኡ እቲ ሓላው አፍ ደገ ይኸፍተሉ፥ እተን አባጋዕውን ድምጹ ይሰምዓ፥ ነተን አባጊዑ ኸአ ብብስመን ጸዊ ዑ የውፍረን። ንኹለን እተን አባጊዕ ምስ አውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን አባጊዕውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕብኦ። ንጋና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ፥ ኻብኡ ይገልባ እምበር አይስዕባኦን እየን።” ኢየሱስ ነዚ ምሰላ እዚ መሰለሎም፥ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም አየስተውዓልዎን።

ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ እቲ አፍ ደገ አባ ዕ አነ እየ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ኹላቶም ሰረቅቲን ጎሓሉትን እዮም፥ እተን አባጋዕ ግና አይሰምዓኦምን እየን፡፤ እቲ አፍ ደገ አነ እየ፤ ብአይ ዚአቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪአቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጋሰይውን ኪረክብ እዩ። ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍ እንተዘይኮይኑ  አይመጽእን እዩ፤ አነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረክባ፥ ብምልአትውን ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻኹ።

  • ኣስተንትኖ

መድሓኒና ክርስቶስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌሉ ንሱ ንሱ እቲ ሕያዋይ ጋሳ ምካኑ ይገልጽ ።  እግዚኣብሔር አምላኽ ንደቂ እስራኤል ካብ መግዛእቲ ግብጺ ነጻ ንምውጻእ ዝመርሑ ሰባት ብምጽዋዕ፦ ወትሩ ክጋሲዮምን ክሓልየሎምን ክመርሖም ተረኽበ። እቲ ናብ ደምበ ኣባጋዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ ብኻሊእ ወገን ዚሓኩር፥ ንሱ ሰራቒን ጉሒላን ከም ዝኾነ በሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ  ብአፍ ደገ ዚአቱ ግና ንሱ ጋሳ አባጋዕ እዩ። “መን ኢቲ ሓቀኛ  ሕያዋይ ጋሳ ዝበሃል እቲ  ብአፍ ደገ ዚአቱ፣  እቲ ኣብ ትምህርተ ቤተክርስቲያኑ እሙን ኮይኑ ዝርከብ፣ ክርስቶስ እዚ ዓይነት ምሳሌ ማለት ጋሳን መጋሰን ብምጥቃም  ነቲ መለኮታዊ ሰማያዊ ሓቂ ንኽምህሮም ይጽዕር። ሎሚውን ንዓና በዚ ቃል እዚ ጌሩ ንነፍሲ ወከፍና ይምህረና ኣሎ። ሎሚ  ኣብ ዙሪያና ዘሎ  ዘይንቡር ወይ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ድምጽታት ጎሲና ነቲ ብመንገዲ ቤተክርስቲያኑ ዝመጸና ድምጺ ክርስቶስ ጎይታና ክንሰምዕን ክነለልን ክንስዕቦን ንጽዋዕ ኣለና። መግቢ ሕይወትና ክንረክብ እንተደሊና። ክርስቶስ ብቤተክርስቲያኑ ርግጽነት ሂቡና ኒዩ፡  ምንጪ ጸጋታኡ ኣብ ብምስጢራቱ ይዕድለና ኣሎ ወይ ሰሪ ዑልና ። ንኹሉ ሰሪዑዎ ሓሊፉ ኢዩ ስለዚ ወትሩ ከም ጋሶት ኮይኖም ናብቲ ቅኑዑ መገዲ ዝመርሑና ዝጋሱዩና ኣለዉና።

ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብምሳሌ አብጊዕ ኢሉ ዝጽውዖም ዘሎ  ንሕዝበ እግዚአብሔር የመልክት ንነፍሲ ወከፍና የመልክት።  “ እግዚአብሔር አምላኽ ምኻኑ ፍለጡ፥ ንሱ ፈጠረና፥ ንሕና ናቱ ኢና፥ ንሕናስ ሕዝቡ፥ አባጌዕ መጋሴኡ ኢና። ይብል መዝ.100,3-4.  ከም ሕዝቡ መጋስኡ ሕዝቢ ኸአ  ድምጺ አምላኽና  ሰሚዒና ክጋዓዝ ንጽዋዕ። እተን አባጋዕውን ድምጹ ይሰምዓ፥ እዚ ምስማዕ እዚ እቲ ምስ አምላኽና ዘለና ግላዊ ርክብ የስምዕ። ንጋና ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ፥ ኻብኡ ይገልባ እምበር አይስዕባኦን እየን።” ሕዝቢ እግዚአብሔር ነቶም ካብ እግዚአብሔር ዘይተልእኩ  አይሰምዖምን። ነቶም ሓቀኛ ተልእኾ ዘይብሎም አይቅበሎምን፡    ክርስቶስ እምበአር እቲ ሓቀና ጋሳ መገዲ ድኅነት ዝሕብርን ዝመርሕን ኢዩ። እት ሓቀና መገዲን ሓቅን ህይወትን እዩ።

ኢየሱስ ነዚ ምሰላ እዚ መሰለሎም፥ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም አየስተውዓልዎን። ትምህርቲ ክርስቶስ ክርድ እዎ አይከአሉን። ስለዚውን ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ከምዚ በሎም፦ “ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ እቲ አፍ ደገ አባዕ አነ እየ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ኹላቶም ሰረቅቲን ጎሓሉትን እዮም፥ እተን አባጋዕ ግና አይሰምዓኦምን እየን። ክርስቶስ እምበአር አብዚ ንሱ እቲ ናብ ድኅነት ናብቲ ሓቀኛ  ሕይወት ድኅነት ዝወስድ ዝመርሕ መገዲ ምኻኑ ደጊሙ የረጋግጸሎም። ክርስቶስ  እቲ አፍ ደገ መንግስተ አምላኽ ኢዩ፡፤ እቲ አፍደገ ናብ ድኅነት ዝወስድ ኢዩ። አብቲ እግዚአብሔር አምላክና ዘዳለወልና መንግስተ አማልኽ ንምውራስ ብእኡ ክንሓልፍ አለና።

እቲ አፍደገ አነ እየ፤ ብአይ ዚአቱ ኪድኅን እዩ፤ ኪአቱን ኪወፍርን እዩ፤ መጋሰይውን ኪረክብ እዩ። ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍ እንተዘይኮይኑ  አይመጽእን እዩ፤ አነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረክባ፥ ብምልአትውን ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻኹ። ዝኸበርኩም አኃዋት ሃንቲ መንገዲ ኢያ ዘላትን ናብቲ መጋሰ ክርስቶስ ፤ እቲ ብኽርስቶስ ዝሃልፍ ምስኡ ብህብረት ይነብር፡ ኪአቱን ኪወፍርን እዩ፤ እዚ ኢቲ ምልአት ናይ ሕይወት የስምዕ። ምሉእ ሕብረት ምስቲ ሓቀና ጋሳ ምህላው ። ክርስቶስ ሕይወቱ ምእንቲ ድኅነት ይህብ፡፤  ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍ እንተዘይኮይኑ  አይመጽእን እዩ፤ አነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኺረክባ፥ ብምልአትውን ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻኹ።

ኢየሱስ ናብዚ ዓለም እዚ ዝመጸ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ሰብ ናብ መንግስተእ ሰማይ ንምምላስን ነቲ ብኃጢአት ተባላሹ ዝነበረ መለኮታዊ መልክዑን ናብ ናይ ፈለማ መልክዑ ንምምላስ ኢዩ ነሩ፡፤ ስለዚ መድሃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ ጋሳና ኢዩ – ንሕና ከኣ መጋሰ ኢና። ንሱ እቲ ሓቀና መገዲ ወይ ኣፍደገ ክንኣተወሉ ዘለና ማዕጾ ኢዩ። እቲ ሰላም ዚህብ አምላኽ፥ ብደም እቲ ናይ ዘለ ዓለም ኪዳን ገይሩ ንጎይታና ኢየሱስ ካብ ሞት ብምትንሳእ ዓቢይ ጋሳ አባጊዕ ዝገበሮ፥ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኩሉ የዕጥቕኩም። ዕብ.13.203

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

ሌላ ምስ መዝገበ ሃይማኖት – ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን

 

ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብ1992 ዓ.ም.ፈ. ብቅዱስ አቦና ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ዳግማዊ  ንመላእ ቤተክርስቲያን ተዋህበ።

ዕላማ ናይዚ መጽሓፍ እንታይ ኢዩ? “ ነቲ ናይ እምነትን ሥነምግባርን ቀንዲ መሠረታዊን ካቶሊካውን ትምህርተ-እምነት ብስሩዕን ሓጺርን አገባብ፤ ብናይ ጉባኤ ቫቲካን ፪ይ ትምህርቲ፤ ናይ ቤተክርስቲያን መላእ ትውፊትን” ምቕራብን እዩ። ንመንገዲና ትውፊት ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢዩ፧ ካብ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብነብያት፤ ሃዋሪያት …. ድሕሪኦም ተኸቲሎም ዝመጹውን ዝመሓላለፍ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ልማድ እዩ።  ዕላማ ጉባኤ ቫቲካን ፪ይ ትምህርቲ፤እንታይ ኢዩ ነሩ እንተበልና፧

“ ናይ ቤተክርስቲያን ሓዋሪያውን ናይ ምእመናን ጉስነታውን ተልእኾአ ንምንጻርን ከምኡውን ሓቅነት ወንጌል አጸቢቑ ከም ዘንጸባርቕ ብምግባር ንኹሎም ሕዝብታት ኤፌ. 3:19 ነቲ ሓለፋ-ኹሉ ፍልጠት ዝኾነ ፍቕሪ-ክርስቶስ ሃሰሥ ንኪብሉን ንኽቅበሉን ንምምራሕ ኢዩ” ይብል።

ኣብ መቕድም

–     ሕይወት ሰብ ንእግዚብሔር ምፍላጥን ምፍቃርን

–     እምነት ምምሕልላፍ፦ መድብ ትምህርቲክርስቶስ

–     ናይዚ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስትያን ዕላማን ኣንበብቱን

–     ኣሰራር ዓዚ ትምህርቲ ክርስትያን

  1. ሕይወት ሰብ ንእግዚብሔር ምፍላጥን ምፍቃርን

አብዚ እግዚብሔር አቦ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ቅድስናኡ ብሕያውነቱ ተደሪኹ አብቲ ቅድስንኡ ንኸሳትፎ/ና  ብነጻ ድላዩ ወዲ ሰብ ከምዝፈጠረ ንመሃር። ብኹሉ  ሓይሉን አእምር ኡን ክነፍቅሮ ከአ ይጽዋአና። ነቲ ብሓጢአት ዝተበታተነ ወዲ ሰብ አብ ሓንቲ ስድራ ቤት ንኽጥርንፎ ከአ ነቲ ሓደ ወዱ ብምልአኽ ምእንቲ ድሕነት ወዲ ሰብ ከምዝስዋእ ይገቢር።

እዚ ጸዋዕታ አብ ኩሉ ምድሪ ንኽበጽሕ ንኽዝርጋሕ እግዚአብሔር አምላኽና እንታይ እዩ ዝገበረ አምላኽ፧ ዓሰርተው ክልተ ሓዋሪያት ሓረየ። እንታይ ክገብሩ፧ ወንጌል ቃል ድኅነት ንዓለም ክሰብኩን ክምህሩን።  “ድኩም ንኹሎም ሕዝብታት መሃሩዎም፤ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቁም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም፡ ኩሉ ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ክፍጹሙ ከአ መሃርዎም”። እንሆ አነ ስጋብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም አለኩ” ። ማር.28:18-20

ንሕናውን አሕዋት እዚ ጸዋዕታ እዚ አለና። ነቲ ቃል አምላኽ ተቐቢላናን አሚናን ብወገና ነዚ ቃል ሕይወት – ቃል ድኅነት  ነሕዋትና ክንሰብኮን ክንምህሮን። አቶም ሽዑ ነቲ ቃሉ ዝተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲአ ድማ ሠለስተ ሽሕ ዚአኽሉ አመንቲ ተወሰኽዎም። ንሳቶም ከአ ብትምህርቲ ሓዋሪያት ኃቢሮም ብምንባርን: ብምቅራስን እንጌራን: ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።ግ.ሓ.212 ስለዚ ሓቢሮም ነቲ እምነት ድሕሪ ተቐቢሎም ብሓባር  – ብእምነት  – አብ ሓድነት አኅዋት እናነብሩ አብ ስርዓት አምላኾን ጸሎትን ይነብሩ ነበሩ። በዚ ከአ ነፍሲ ወከፍ አማናይ ነዚ ዝተቀበሎ እምነት ናብ ካል ኦት ከመሓላልፎ ይግደድ።

ይዚ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስትያን ዕላማ

እምነትን ሞራልን ዝኾነ ቀንዲ ናይ ካቶሊካዊት ትምህርቲ-እምነት ብናይ ጉባኤ ቫቲካን ፪ይ ትምህርትን፤ “ ናይ ቤተክርስቲያን ሓዋሪያውን ናይ ምእመናን ጉስነታውን ተልእኾአ ንምንጻርን ከምኡውን ሓቅነት ወንጌል አጸቢቑ ከም ዘንጸባርቕ ብምግባር ንኹሎም ሕዝብታት ኤፌ. 3:19 ነቲ ሓለፋ-ኹሉ ፍልጠት ዝኾነ ፍቕሪ-ክርስቶስ ሃሰሥ ንኪብሉን ንኽቅበሉን ንምምራሕ ኢዩ” ይብል።”

ቀንዲ ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምንጭታት አይየኖት ኢዮም፧

  • ቅዱሳት መጽሕፍቲ
  • ትምህርተ አበው
  • ሥርዓት አምላኾ
  • ናይ ቤተክርስቲያን ሥልጣን-ትምህርቲ ኢዩ።

እዚ ትምህርተ ክርስቲያን እዚ ናይታ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሓበራዊ መወከሲ ኮይኑ ይርከብ። ነቶም አብ ትምህርተ ክርስቶስ አቡናት-ካህናት-ድያቆናት፤ መማህራን ት.ክርስቶስ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተደርሰ ምኻኑ ባዕሉ እቲ መጽሓፍ አብቲ መጀመሪያ ገሊጹዎ ይርከብ።

  • ኣሰራርዓ’ዚ ትምህርቲ ክርስትያን

አብ አርባዕተ አዕኑድ/ ክፍሊ ተኸፊሉ ይርከብ፦

፩ይ. እምነት ምግላጽ

፪ይ. ምሥጢራት እምነት

፫ይ. ብእምነት ዝንበር ሕይወት

፬ይ. ብእምነት አብ ዚንበር ጸሎት

ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ እምነትካ ምግላጽ ይዛረብ

ብእምነትን ብጥምቀትን ናይ ክርስቶስ ዝኾና ኩሉና አመንቲ፡ ነቲ ብጥምቀት ዝተቀበልናዮ ወይ ዝለበስናዮ እምነት አብ ቅድሚ ሰባት ክንምስክሮን ክንገልጾን ንጽዋዕ። አብ ቅድሚ ሰብ ንዝተአመነኒ ኹሉ አነ ኸአ አብ ቅድሚ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ክእመኖ እየ”። ማቴ.10.32 ትምህርቲ ክርስቲያን መጀመርታ ብዛዕባ ግልጸት ይዛረብ፡ በዚ ግልጸት እዚ ወይ መገዲ እዚ  እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ይዛረቦ – ርእሱ የወፍየሉ፡ ወዲ ሰብ ብወገኑ ነቲ ግልጸትን ጸዋዕታን አምላኽ ብእምነት አሜን ኢሉ ይምልሽ፡ ወይ ንኽምልስ ትጽቢት ይግበረሉ።

“ስለዚ ብአፍካ “ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፡ ብልብኻውን አምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንሥኦ እንተ አመንካ፡ ክትድኅን ኢኻ። ሮሜ.10:9 እዚ እቲ (ቀዳማይ ወገን)

አብቲ ካልአይ ወገን፦  ናይ ቀዳማይ ክፋል ድማ

እቲ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ አምላኽ ንወዲ ሰብ ዝገበረሉ ጸጋታትን ሕያባትን አብ ጸሎት ሃይማኖት ተጠቓሊሉ ንረኽቦ። ነዚ ኹሉ ብጥምቀትና ብዛዕባ ዝለበስናዮ እምነት አብ ሰለስተ ምዕራፋት አጸቢቑ ተገሊጹ ንረኽቦ።

፩. ብዛዕባ ቀዳማይ መለኮታዊ ኣካልን፡ በዚ ዘደንቕ ናይ ፍጥረት ስርሓቱን ይዛረብ።

፪. ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ 2ይ መለኮታዊ ኣካልን፡ በቲ ንደቂሰብ ዝፈጸሞ ምስጢረ ድኅነቱን፡ ፫ይ. ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናይ ቅድስናና መሠረትን ምንጭን ብዝኾነ 3ይ መለኮታዊ ኣካል ይዛረብ።

2ይ ክፋል ምሥራት እምነት

ኣብዚ 2ይ ክፋል እቲ ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስን ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተፈጸመ ምሥጢረ ድኅነትና – አብ ናይ ቤተክርስቲያን ግብረ-ተልእኾ ( ወይ ሉጡርጊያ) ብፍላይ አብቶም ሸውዓተ ምሥጢራት ከምዝግለጽን ህልው ከምዝኸውንን ይምህር።

3 ክፋል ብእምነት ዚንበር ሕይወት

ንሕና ነፍሲ ወከፍና ከምቲ  አብ ብሉይ ኪዳን ዘፍጥረት እንረኽቦ በርአያ – አምላኽ ዝተፈጠርና ፍሉያት ፍጥረት ኢና፡ ነዚ ዓቢ ተግባራት ክፍጽም እንከሎ ዕላማ አለዎ። እዚ መፈጸምታ ዕላማ ወዲስ ሰብ እንታይ ምኻኑ እብዚ ፫ይ ክፍሊ ተገሊጹ ይርከብ።  እዚ ከአ እቲ ሕይወት ቅድስና ኢዩ።

4ይ ክፋል- ብእምነት አብ ዚንበር ሕይወት፡ ጸሎት

አብ ሕይወትና ናይ ጸሎት ምሥጢርን ቁምነገርን እንታይ ከምዝኾነ ይትንትን። ብፍላይ ነቶም አብ “አቦና አብ ሰማያት ትነብር” ዝርከቡ ሽውዓተ ልመናታት ዘርዚሩ ገሊጹዎም ይርከብ።

ኣብ መእተዊና  –  ኣሰራርዓ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ክርስትያንአብ ኣብ አርባዕተ አዕኑድ ተኸፊሉ ይርከብ ኢልና ነርና፦

፩ይ.  እምነት ምግላጽ

፪ይ.  ምሥጢራት እምነት

፫ይ.  ብእምነት ዝንበር ሕይወት

፬ይ.   ብእምነት አብ ዚንበር ጸሎት

ካብዚ ተበጊስና ንሎሚ ናይቲ ቀዳማይ ክፋል ቀዳማይ  ወገን  – እምነት ምግላጽ ዝብል ክንርኢ። ቀዳማይ ወገን

አብ ሕይወትና እምነትና ንምግላጽ  “ አ አምን አለኹ” “ ንአምን አሎና” ብምባል ንጅምር። ዝለዚ መጀመሪያ ምእማን ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ኩሉና መልሲ ክንህበሉ ዘለና ሕቶ ኢዩ።ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ እቲ ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ አምላክ ብገዛእ ፍቃዱ ንወዲስ ሰብ ድሕሪ ተገሊጹ – ብወገን ወዲ ሰብ ዝወሃብ መልሲ እምነት ይበሃል። ነቲ ግልጸት አምላኽ፡ ጸዋዒት አምላኽ ተቐቢልና ወዲ ሰብ ምላሽ ብምሃብ እምነትና ንገልጽ።

አብዚ አሕጽር አቢልና ብዛዕባ፦

  1. ንእግዚኣብሔር ምድላይን ሃሰስ ምባልን
  2. ኣምላኽ ንሰብ ዚገልጸሉ መለኮታዊ ግልጸት
  3. ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ብእምነት ዝወሃብ ምላሽ ክነስተንትን ኢና።

አብዚ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ “ ሰብ ንእግዚአብሔር ዚፈልጠሉ ዓቕሚ አለዎዶ ኢዩ፧አብ ልቢ ወዲ ሰብ ተጻሒፉ ዘሎ ሓደ ነገር አሎ ንሱ ኸአ፤ ንእግዚአብሔር ምድላይ ኢዩ።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ ኦ ጎይታና! ንስኻ ዓብይ ኢኻ፡ ምስጋናውን ይግበኣካ … ንኣኻ ስለዝፈጠርካና፡ ንሕና ኣባኻ ክሳብ ነዕርፍ፡ ልብና ዕረፍቲ የብሉን”። ምኽንያቱ ሰብ ብእግዚብሔርን ምእንቲ እግዚብሔርን ዝተፈጥረ ስለዝኾነ። እዚ ሃረርታ እዚ ወትሩ አብ ውሽጡ አሎ። እታ ሓቂን ታሕጋስን አብኡ ስለትርከብ ከአ ወትሩ ሃሰስ ክብላ ይነብር።

እግዚኣብሔር እንካብ  ሓደ ሰብ ኩሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፥ አብ ርእሲ ኹላ ምድሪ ከም ዝነብሩ ድማ ገበረ፥ ዚነብርሉ ውሱን ዘመናት ድውብ ደረታትን ሓገገሎም። እዚ ኸአ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቀ ኸሎስ ንአምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎን፥ ምናልባትውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኪረኽብዎ ኢሉ ገበሮ። ምኽንያቱ ገሊኦም ካብቶም ተቐነይትኩም “ ንሕና ደቂ አምላክ ኢና’ ከምዝብልዎ፥ ‘ ብእኡ ኢና እንነብር እንወሳወስን፥ ብእኡ ኸአ ኢና ዘሎና።ግ.ሓ.17:26-28 ወዲ ሰብ ግና በዚ ናይ ዓለም ክፋእ ነገራት ዕንቅፋታት ተጻይ ሃይማኖት ዝኾነ ኣተሃሳስባ፣ ተታሊሉ ግና ካብቲ ቅኑዕ ጸዋዕታኡ ክሃድም ግድን ይኾውን።  “እቲ አብ እሾኽ ዝተዘር አ ኸአ ነዚ ቓል ዚሰምዕ እዩ፥ ሓልዮት እዛ ዓለም አዚአን ም ዕሻውን ሃብትን ድማ ነቲ ቓል ይሓንቆ፥ ከይፈረየውን ይተርፍ።” ማቴ.13:22

ኣብ መዝሙር 15:3 “ እቶም ንኣምላኽ ዚደሊዩዎ፡ ልቦም ይተሓጎስ” እግዚብሔር ግና ወላካ ሰብ ንእግዚብሔር እንተዘይተቐበሎ ርሕሩሕ ኣምላኽ ግና ወትሩ ጸዋዕታኡ የቕርብ። ኣብቲ ዘዳለወሉ ምልኣት ዘለዎ ሕይወት ንኸሳትፎ ኢሉ። ሰብ ነዚ ንምጭባጥ ዘየቃርጽ ጻዕሪ  ድካም ድሌት ተበግሶ ቅንዕና የድሊዮ። ንሕና እምበአር ንእግዚአብሔር እንፈልጠሉ ዓቕሚ አብ ልብና ተጻሒፉ ዘሎ ሓቒ አሎ፡ንሱ ኸአ፤ ንእግዚአብሔር ምድላይ ኢዩ። ብናይ እግዚብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ሰብ፣ ብብዙሕ መንገድታት  ንእግዚብሔር ኪፈልጦን ከፍቅሮን ጸዋዕትኡ ኢዩ። ንእግዚአብሔር ምድላይ ዝብል ድልየትን ሃረርታን ኣብ ውሽጥና ካብ ሃለወ- እዚ ድልየት እዚ ንኣምላኽ ንኽንፈልጥ መገድታት ይፈጥረልና። ካብ ግዙፍ ዓለም ጽባቐን ምድርን ባሕሪን ሰማይ ኩሉ ብም ዕዛብ ናብ እግዚአብሐር ክንበጽሕ ንኽእል። ቁዱስ አጎስጢኖስ ነዚ ኩሉ ብምስትንታን “ ጽባቔኦም ንርእሱ ምእማን ኢዩ” ይብል። ቀጺሉ “ እዚ ጽባቐ ተለዋዋጢ እንኪኸውን፤ እቲ ዘይለዋወጥ ጽባቐ ብቐንዳን ዝኾነ አምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእስ መን ኪገብሮ ይኽእል! እናበለ ይዛረብ።

“ኣምላኽ ስለ ዝገለጸሎም እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዚግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ እዩ።  ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑ፥ እቲ  ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህሪይ እግዚአብሔር፥ ማለት ዘለዓለማዊ ኃይሉን መለኮቱን፥ ብፍጥረቱ አጸቢቑ ተጋህደ። ሮሜ.1:19-20

እንካብ ፍጡራት ተበጊስካ – ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እቲ ናይ ኩሉ መጀመርታን መወዳእታን ዝኮነ ኣምላኽ፡ ብናይ ሰብ ባሕሪያዊ ብርሃን ወይ ኣእምሮ ኣረጋጊጻካ ኪፍለጥ ከምዝከኣል፡ ኣደና ቅ.ቤተክርስቲያን ተስተምህረና። ቃል እግዚኣብሔር. 6

“ ኣምላኽ ከኣ “ ብመልክዕና “ ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንበዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኩሉ ለመምታን ይገዝኡ” በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላክ ፈጠሮ። ዘፍ. 1:27 ካብ ፍጡራት ተበጊስና በቲ ድሩት ዓቅምና – ንሕና ኣብዚ ፍጽምና ፍጡራት ተሞርኪስና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ክንዛረብ ንኽእል።

“ ንሕና ፍጥረት ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕን ጽቡቕን ምኻኑ እንርዳእ እንተ ደኣ ኾንና፣ ብተመሳሳሊ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ክንመሃር ኣሎ”። ጥበ. 13:5 እዚ እንታይ ማለት ኢዩ በቲ ናይ ፍጡራት ዕቤትን ጽባቐን ኣቢልካ ናብቲ ሰራሒኦምን ገባሪኦምን ጥበጽሕ። ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ሰብ ኣብ ፍጥረት ተመርኪሱ፣ በቲ ባህሪያዊ ኣእምርኡ፡ ንኣምላኽ ብርግጽነት ክፈልጦ ይኽእል ኢዩ ኢልና – ብዘይካዚ ካሊእ ዝሥርዓቱን ፍልጠትውን አሎ ን አምላኽና ክንፈልጠሉ እንኽእል ትብለና ቅድስቲ ቤተክርቲያና፦ ነዚ ፍልጠት እዚ ሰብ ብ ዓቕሚ – አእምርኡ ኪበጽሖ ዘይክእል ኢዩ። እዚ ግልጸት እዚ መለኮታዊ ግልጸት ተባሂሉ ይጽዋዕ፡፡ ንጻ ብዝኾነ መደብን ውሳኔን ኣምላኽ ንሰብ ይግለጸሉ። እዚ ከኣ በቲ ሓደ  ፍቑር ወዱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ –  ንመንፈስ ቅዱስን ብምልኣኽ ነዚ ንመደቡ ብምልኣት ክገልጾ ተረኺቡ። ኣብ ቅዱስ መጸሓፍ ከምዝምህረና እግዚኣብሄር ደረጃ ብደረጃ ንወዲ ሰብ ተገልጸ።

  • ምስ ኖህ ዝኣተዎ ኪዳን ክንርኢ ንኽእል፡ ዘፍ. 10:5
  • ጸዋዕታን ሕርየትን ኣብራሃም ክንርኢ ንኽእል። ዘፍ.12:1

“እግዚአብሔር ድማ ንአብራም “ካብ ዓድኻን ካብ አዝማድካን ካብ ዓዲ አቦኻን ውፃእ፥ ናብቲ አነ ዘርእየካ ምድሪ ኸአ ኺድ” ። ዘፍ.12:1እግዚኣብሔር ነብርሃም ሓሪዩን ምስኡን ምስ ወለዱኡን ኪዳን ኣትዩ፡ ሕዝቡ ንኺኸውን በዚ ኪዳንዚ ሰሪዑዎ‹ ብሙሴ ከኣ ሕጉ ገለጸ። ንኹሉ ሰብ ንዚኸውን ድኅነት ምእንቲ ኪቕበል ብነቢያት ኣሰናደወ። ኣብ መጨርሽታ እግዚኣብሔር ብምልኣት እቲ ሓደ ዘፍቅሮ ወዱ ብምልኣኽ ከምዝተገልጸ ንርኢ።

እምነት

እምነት ሓደ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ንኹሎም እቶም ዝፈጠሮም   ብፍቕሩ ይስሕቦም። እግዚኣብሔር  ቅዱስ በቲ ዓቢ ዝኮነ ሕያውነቱ: ንወዲ ሰብ  ኣብቲ ናቱ ቅዱስ ህይወት ንምስታፍ  ነቲ ሓደ ዘፍቅሮ ውዱ ለኣኸ።  ቤተክርስቲያን እቲ ብእግዚኣብሔር ብክርስቶስ ጎይታ ንዓለም ተገልጸ ዝብል ትምህርቲ – ካብቲ ስብከቱ ጀምሪካ ብዙሕ ትምህርቲ ናይ እምነት  .. ትምህርቲ መለኮት ተቐብላ እያ።  እቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ወይ ሓቂ ክርስቶስ ጎይታ ምኻኑ እዩ።  ኣዚ ኣብቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎውን ክነንብብ ንኽእል። ብአፍካ ኢየሱስ ጎይታ እዩ ኢልካ እንተ መስከርካ: ብልብኻን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንሰአ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ፣ 10:9 ስልዚ ወዲ ሰብ ብአፉ ክርስቶስ ጎይታ ምካኑ እንተመስከረ .. ካብ ምውታት ከምዝተንሰአ እንተአመነ ኣብ ምሥጢረ ድሕነት ይሳተፍ ማለት እዩ። ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ክርስቶስ ኣምላኽነት ብዙሓት ኣይሁዳውያን እካ እንተተዓንቀፉ —- መግለጺእውን እንተሰኣኑ — ብ ቀጻሊ ግና ርድኢት ትምህርቲ መለኮት ክርስቲያናውያን ካብ ግዜ ናብ ጊዜ እንዳዓበየ መጸ። እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እዩ ዝብል ሓቂ ከኣ ዝያዳ መግለጺ ክወሃቦ ተርኽበ።

አእምን ዝብል ቃል … እንታይ የስምዕ .. እንተበልና- ቃል ብቃሉ ብሳይነስ ካሊእን መሳርሕን ዘይተረጋገጸ ብእምነት ግና ነቲ ዘይድህሰን

ዘየርአን ቃል ሕይወት ምእማን ማለት እዩ።

  • ነቲ እግዚኣብሔር ብወዱ ዝተገልጸልና መልሲ ወይ ምላሽ ምሃብ ማለት ኢዩ
  • ብተኣዝዞ ነቲ ብጎታን ኢ. ክርስቶስ ዝተገልጸ ሓቂ ምቕባል ማለት እዩ
  • ብሓጺሩ ህያብ ኣምላክ ተቀቢልካ ምኽአል ማለት እዩ።

ስለዚ ሓዋርያት ነቲ መድሓኒን ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልደ -ብዛዕባ እግዚኣብሔር እንክገልጸሎም – ነቲ ቃላቱ  ኣመንዎን ተቀበሉዎን። ነቲ  ብክርስቶስ ጎይታ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝተዘርበን – ዝተግብረን  ብምእማን- ነቲ ኩሉ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ናባና ከምሓላለፍዎ ኪኢሎም። ንሓና ከኣ ከምዘለዎ ኣሚናን መስኪርናን – ኣብ ምሥጢረ ድሕነቱ ምእንቲ ክንሳተፍ።

ትኣምን ዶ እወ ይአምን

እአምን – ነአበልናዮ ቲ ኩሉ ዝተቐበልናዮ ሓቂ ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ክንእውጆ፤ ክንገልጾ ይድለ።   ስለዚ ኢያ ኸኣ   ቤተክርስቲያን ካብ መጀመርታ – ናይ እምነታ – መግለጺ ዝኾነ ጽማቕ ትምህርተ እምነት እተቕርበልና። እቲ ቀዳማይ ምልክት ናይ እምነት — ጥንታዊ ምልክት ናይ ምነት ኣየናይ እዩ እንተበልና .. ምልክት ናይ ጥምቀት እዩ።  ምኽንያቱ እዚ ብስም ኣብን: ወልድን: መንፈስ ቅዱስን: ስለዝወሃብ። ማቴ. 28.19 ብፍልይ ዝበለ መገዲ ኣብ ሕይወት ቤተክርስቲያና ቀንዲ 2 ምልክታት: ዓንቀጽ  እምነት ፉሉይ ቦታ ሒዘን ይርከባ፤

ጸሎተ ሃይማኖት ዘሓዋርያት – ናይ እምነት -ሓዋርያት:

ጸሎት ሃይማኖት ዘሃዋሪያት  – እዚ ጸሎት እዚ ብሓዋርያት  ዝተደርሰ ኮይኑ ነቲ ኩሉ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝአምኑዎን ክንአምኖ ዘለናንን  ዝገልጽ ሓቂ ዝሓዘ እዩ። እዚ ከኣ  ኣብ ሓንቲ ተኣምኖተ-ሃይማኖት ወይ ስድራ .. መኣዲ ዝጠምርን: ናይ ሓባር ልሳን -እምነት ንኽህልወና ዝተገብረን ዝሕግዝን  እዩ።

ናይ ኒቅያ ጸሎት ሃይማኖት – ወይ ከኣ ናይ ኒቅያ-ቁስጥንጥንያ ጸሎት -ሃይማኖት – ዚበሃል ድማ ኣለና እዚ ኸኣ ስልጣኑ ዕብየቱን ዚዓዘዘ ካብተን ቀዳሞት ክልተ ዓበይቲ ኤኩመኒካዊ ጉባኤታት ዝፈልፈለ ( ብ325 ዓ.ም. ፈ፤ 381 ዓ.ም.ፈ  ) ስለዝኾነ እዩ። ናይተን ኩለን ኣብ ምሥራቕን ምዕራብን ዘለዋ ዓበይቲ ኣብያተክርስቲያናት ናይ ሓባር ምልክት ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ይሰርሕ ኣሎ። እአምን ዝብል ቃል እምበኣር ሓደ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ናይ እምነትና እዩ። ነቲ ኩሉ እንአምኖ ሓቅታት ኸኣ ኣብ ቁሩባት ሓሳባት ተጠርኒፉ ይርከብ።

ትሕዝቶ ጸሎተ ሃይማኖት – ኣብ ሰለስተ ወገን ይኽፈል። እቲ ቀዳማይ ወገን:

  1. ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ መለኮታዊ ኣካል፤ በዚ ዘደንቕ ናይ ፍጥረት ስረሓቱን ይዛረብ፤
  2. ቀጺሉ ከኣ በቲ ካልኣይ መለኮታዊ ኣካልን: በቲ ንደቂሰብ ዝፈጸሞ ምስጢር ድሕነቱን፤
  3. ኣብ መወዳእታ ድማ: ሳልሳይ መሎከታዊ ኣካል ይዛረብ። እዚኣተን እተን ናይ ማሕተም-ጥምቀትና ሰለስተ ምዕራፋት እየን።

እታ ብዘመነ ሓዋርያት ዝነበረት ቤተክርስቲያን: ንኹሉ መምርሒ ዝኸውን ሓጺር መግለጺ እምነታ ከተመሓላልፍን ተርኽበት። ካብ ቅድም ጀሚራ: ቤተክርስቲያን ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣናቕጽ እምነታ: ኣብ ሓደ ጠርኒፋ፤ ብዝተወሃሃደ መልክዕ -ኣጻፊፋ፤ ነቶም ንጥምቀት ዝሰናደዉ ንኡሰ – ክርስቲያን ከተቕርበሎም ተረኽበት።  በዚ ምኽንያት እዚ ኢቲ ፈለማ “ ምግላጽ እምነት ” ኣብ እዋን ጥምቀት ይፍጸም። ስለዚ እቲ “ ምልክት-እምነት “ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ናይ ትምቀት ተአምኖት እዩ። ትምቀት “ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ” ዚወሃብ ስለዝኾነ፦ እቲ ኣብ ጥምቀት ዚግለጽ ሓቅታት-እምነት ምስ ቅድስቲ ሥላሴ ሠለስተ ኣካላት ብዝለዎ ርክብ እዩ ትወሃሂዱ ዝቐርብ።

ኣብ ግብረ ሓዋሪያት 8:34 …እንተበብና

እቲ ስሉብ ከኣ ንፊሊጶስ “ እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፦ ብዛዕባ ርእሱ ዲዩ ወይስ ብዛዕባ ኻሊእ እዩ ዚብል ዘሎ ” እስከ ንገረኒ ኢሉ ሓተቶ። ፍሊጶስ ከኣ ካብዚ ጽሑፍዚ ጀሚሩ ብዛዕባ ኢየሱስ ብሥራት ሰበኸሉ። ኪኸዱ ከለኡ ድማ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በጽሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “ እንሆ ኣብዚ ማይ ኣሎ፦ ክጥመቕሲ እንታይ ይኽልክለኒ በሎ… ፊሊጶስ ከኣ ብኹሉ ልብኻ እንተኣሚንካስ ይኾነልካ እዩ በሎ፤ ንሱ ኸኣ “ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምኻኑ እአምን እየ ኢሉ መለሰሉ”። ስለዚ እዚ ጸሎት ሃይማኖት እዚ እምበኣር ነቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጠቃልል ኣቢሉ ዝምህርውን እዩ።

እዚ ጽማቕ ትምህርተ ኣምነት፦ ምስ ናይ ሰባት ርእይቶ ንኽሰማማዕ ኣይኮነነ ዝተገብረ፦ እካ ደኣ እቲ ቀንዲን ኣገዳስን ዝኾነ ኹሉ ካብ ቅዱስ መጽሓፍቲ ተዋጺኡ: ናይታ እምነት ብምልእታ ዝተወሃሃደ ሓደ ትምህርቲ እዩ ክቐርብ ተደልዩ። እዚ ዝዓይነቱ ጽማቕ ናይ እምነት መግለጺ “ ጸሎተ ሃይማኖት” ይበሃል፤ ምኽንያቱ ከኣ ክርስትያ ዚገልጽዎ ወይ ዝእምንዎ ሃይምኖቶም ኣሕጺሩ ስለዘቕርብ እዩ። ብዝበዝሕ በቲ “ ኣኣምን ዚብል ቃል ስለዝጅምር ተኣምኖት እውን ይበሃል እዩ። ምልክታታ ሃይማኖት ከኣ ይበሃል።

ነዚ ናይ ተአምኖት ጸሎት ብ እነት ብምድጋም ምስ እግዛኢብሔር አቦ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከም ኡውን ምስታ አብ ማ እከላ ኮይና እምነትና እንገልጽን፤ እምነት ናባና እተመሓላልፈልናን ቤተክርስቲያን አብ ሱታፌን ኅብረትን ንነብር ማለት ኢዩ።

አብቲ ካልአይ ወገን ናይ እምነትካ ምግላጽ ዝብል ትምህርቲ ምሕላፍና ማለት  “ ብእግዚአብሔር አቦ ኣምን አለኹ “ ዝብል እምነትን ትምህርትን። አብዚ ቀዳማይ ወገን ዝሓለፍናዪ አሎ አብ ዝመጽእ ሓቢርና ክነስተንትኖ ኢና። ንሱ ከአ ርእሱ ዝኸአለ አስተንትኖን ትምህርትን ዝለዝሓትት ኢዩ። ብዛዕባ፦

  • ምትሕልላፍ መለኮታዊ ግልጸት
  • ትውፊት
  • ቅዱስ መጸሓፍ
  • ርክብ ቅዱስ ትውፊትን ቅ. መጽሓፍን
  • ቅኖና ቅ.መጽሓፍ
  • ቅ. መጽሓፍ አብ ሕይወት ቤተክርስቲያን ዝብሉ ኢዮም፡:

ይቕጽል

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዝያ 20.2018

 

 

 

ዮሓ.6:52 -59

ሽዑ ኣይሁድ  “አዝስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ?” አናበሉ ንሓድሕዶም ተኻትዑ። ስለዚ ድማ ኢየሱስ ከምዚ በሎም፥- “ሥስጋ ወዲ ሰብ አንተ ዘይበላዕኩም፥ ደሙውን እንተዘይሰቴኹምሲ ሕይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዝሰቲ  ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፥ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ አየ።  ሥጋይ ብልዒ ሓቂ አዩ እሞ፥ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ።  እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፥ ኣነውን ኣብኡ እነብር።  ከምቲ ሕያው ኣቦ ዝለኣኸኒ፥  ኣነ ኸኣ በቦ ሕያው ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸኣ እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ብኣይ ሕያው ኮይኑ ኪነብር ኢዩ። እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፥ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለዓለም ኪነብር ኢዩ።” ኢየሱስ እዚ ኹሉ ዝተዛረቦ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጽሎት ኣይሁድ ኪምህር ከሎ እዩ።

 

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዝያ 20.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.6:52 -59

ሽዑ ኣይሁድ  “አዝስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ?” አናበሉ ንሓድሕዶም ተኻትዑ። ስለዚ ድማ ኢየሱስ ከምዚ በሎም፥- “ሥስጋ ወዲ ሰብ አንተ ዘይበላዕኩም፥ ደሙውን እንተዘይሰቴኹምሲ ሕይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አለኹ። ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዝሰቲ  ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፥ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ አየ።  ሥጋይ ብልዒ ሓቂ አዩ እሞ፥ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ።  እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፥ ኣነውን ኣብኡ እነብር።  ከምቲ ሕያው ኣቦ ዝለኣኸኒ፥  ኣነ ኸኣ በቦ ሕያው ዝኾንኩ፥ ከምኡ ኸኣ እቲ ሥጋይ ዚበልዕ ብኣይ ሕያው ኮይኑ ኪነብር ኢዩ። እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፥ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለዓለም ኪነብር ኢዩ።” ኢየሱስ እዚ ኹሉ ዝተዛረቦ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጽሎት ኣይሁድ ኪምህር ከሎ እዩ።

  • አስተንትኖ

አቦታትኩም አብ በረኻ መና በልዑ እንተኾነ ሞቱ። እቲ ኻብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸመውት፥ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕያው እንጌራ አነ ኢየ፤ ካብዚ እንጌራ እዚ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸአ ሥጋይ እዩ” ድሕሪ ኢሉ ምሂሩ ሽዑ ኣይሁድ  አዝስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከኣሎ?” አናበሉ ንሓድሕዶም ተኻትዑ።  ክርስቶስ ኣብ ክንድ ኩሉ በጃ ብምሕላፍ ንርእሱ ኣብ መሰቀል ኣሕለፈ። ሥጋ ኢየሱስን ደሙን እምበኣር ምእንቲ ድሕነት ዝተሰውዔን ዝተቆርሰን ኢዩ። ክርስቶስ ንኽትዖም ብምስትዋዓል ”ሥጋ ወድ ሰብ እንተዘይበላዕኩም ደሙውን እንተ ዘይሰተኹም ሕይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ቅዱስ ቁርባን እቲ ምስ ኢየሱስ ጎይታና ዘለና ሕብረት ዚገልጽ መአዲ ኢዩ። ሎሚ ትርጉም ቅዱስ ቁርባን ምስኡን ምስ አኅዋትን አኃትን ኮይንካ አብ መአዲ ምቕራብ ማለት ኢዩ። ሉቃ. 51. .2 ሥጋኡን ደሙን ንምምጋብ እምበኣር ግድን ስርዓተ ሊጡርጊያ  የድሊ፡፤

ጐ.ኢ.ክ ቅ.ቁርባን ክሰርዕ እንከሎ ኣብ መኣዲ ኢዩ ሰሪዕዎ። ማቴዎስ ብዛዕባ’ዚ ክትርኽ እንከሎ፡ “ኪበልዑ ከለዉ እየሱስ እንጌራ ኣልዓለ፥ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዚ ሥጋይ ኢዩ፥ እንጌራ ብልዑ እናበለ ሀቦም። ጽዋዕ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ “እዚ እንቲ ብዙሓት ንኅድገት ኃጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይዩ እሞ ኻብዚ ኰልኹም ስተዩ” እናበለ ሀቦም (ማቴ 26፡26-28)። ስለዚ ቅዳሴ መአዲን መስዋዕትን ኢዩ። ኢየሱስ አብዚ ቅዳሴ እዚ መግብን ዝሓርር መሥዋዕትን ኮይኑ ይርከብ። ንሕና ከአ አብዚ መስዋዕቲ እዚ ብምስታፍን ብምምጋብን ህይወት ንረክብ። ከምታ ቀዳመይቲ ማኅበር አመንቲ ክርስቲያን  ሓደ ልብን፡ ሓደ ነፍስን ዝነበሩ ንሕናውን ከማኣቶም ንኽንከውን፡ ሓደ እንጌራ ክንበልዕን ኻብ ሓደ  ጽዋዕ ክንሰትን ከሎና፡ አብ ዘለዓለማዊ መርዓ ኢና ንሳተፍ ዘለና። ናይ ዘለዓለም ሕይወት ወረስቲ ንኸውን።

ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ፡ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ’ውን ከተንስኦ ኢየ። ሥጋይ ሓቀኛ ብልዒ ደመይውን ሓቐኛ መስተ ኢዩ። እቲ ሥጋይ ዝበልዕ `ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር። ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር  ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ክርስቶስ አብዚ ምሥጢር እዚ ብመልክ ዕን እንጌራን ወይንን፡ ብፍሉይ መገዲ ኢዩ ህልው ኮይኑ ዝርከብ። በዚ ከአ አብ  መንጎና ሕያው ኮይኑ ብቅዱስ ቁርባን ገሩ ቃሉን ስጋ ኡን የሳትፈና አሎ፡፤ ቅዱስ ቁርባን ሥጋን ደምን እቲ ብር እሱ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ጎይታና ክንዲ ንዝኾነ፡ ዋህስ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኢዩ። እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፥ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለዓለም ኪነብር ኢዩ።” ከምቲ ሕያው ኣብ ዝለኣኸኒ ኣነ ከኣ ብኣብ ሕያው ዝኾንኩ ከምኡ ኻኣ እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ብኣይ ሕያው ኮይኑ ክነብር ኢየ፡ ብማለት ሕይወቱ ብሙሉኡ ንድሕነት ሰብ ከም ዝተዓደለ ይናገር። ክርስቶስ ምእንቲ ዓለም ተሰዊዑ እቲ መስዋዕቲ ሱታፌ ዘይብሉ ክተርፍ ባህ ኣይብሎን። ኣመንቲ ክሳተፍዎን ምስኡ ጽኑዕ ሓድነት ክርስቶስ ሱታፌ ንክገብር የዕድም።

ሥጋን ደምን ንኽርስቶስ ኢዩ ዝምልከት ንሱ ኢየ ስለ ዝኽዐ- ሥጋኡን ደሙን ክንበልዕ እንከሎና እምበኣር ምስኡ ኣብ መንጐ ደቂ ሰብ ኅብረትን ሓድነትን ይፍጠር። ንሱ ኣባና ይመጽእ ልብና ኣንጺሕና እንተደኣ ተቀቢልናዮ ንሱ ከምቲ ኣብኡ ዝነበረ (14፡10) ንሱ ከኣ ኣባና ይነብር። ንሕናውን ነንሓድሕድና ክንጠማመት ኣንከሎና ክርስቶስ ኢዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ እዚ ሕጂ ብሥጋ ዝነብሮ ዘሎኩ ድማ በቲ ዘፍቅረኒ፡ ምእንታይ ከኣ ንርእሱ በጃ ዝሃበ ወዲ ኣምላኽ ብምእማን ኢየ ዝነብሮ ዘሎኹ (ጋላት 2፡20)።

“እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋዕ ምስ ደም ክርስቶስ ኅብረት ዘለዋዶ ኣይኮነትን፧ ሓንቲ እንጌራ ካብ እትኸውንስ ንሕና ብዙሓት ከሎና ሓደ ሥጋ ኢና። ከመይ ካብ ሓንቲ እንጌራ ኢና ተሳቲፍና (1ቆሮ. 10፡16-17) ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ምትእስሳር ከም ኣሕዋት ኮይና ን.ነሓድሕድና ክንፋቐር ክንረዳድእ ክንተሓጋገዝ፣ ክንመሓሓር ይሕግዘና።  እዚ ክንገብር ከኣ ክርስቶስ ብደሙን ሥጋኡን ከምኡ ብቃሉ ኣብ ማእከልና ስለ ዝርከብ ኢዩ። ህልውና ኣምላኽ ምሳና ክኸውን ግን ጽምኣት ኣምላኽ ክህልወና የድሊ። “መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን ብምስጋና ንኣምላኽ ብልብኹም እናዘመርኩም፡ ንሓድሓድኩም ክትምህሩን ክትምዕዱን ቃል ክርስቶስ ብኵሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም ፡ (ቈላስይስ 3፡16) ኩሉ እቲ እንነብሮን እንገብሮን ብቃል ኣምላኽ ዝተመርሔ ክኸው ይግባእ። እንምገቦ መንፈሳዊ መግቢ ሃይሊ ክህበና ካልኦት ክርስቶስ ክገብረና ይግባእ፣ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ ኣነ ኣብኡ ይነብር ንሱ/ንሳ ኸኣ ኣባይ ኢዩ ዝብለና። ክርስቶስ ኣባና ብምሕዳሩ ነዓና ኣድሒኑ ንኻልኦትውን ምኽንያት ድሕነት ንኽንከውን ኢዩ ዝዕደመና።

ክርስቶስ እምበአር መዓልታዊ ብልዑኒ ስተዩኒ ሕይወት ክትረኽቡ እናበለ ብቤተክርቲያኑ ቁዱስ ቁርባን መ አዲ ቁ.ቁርባን ክሰርዓልና ይርከብ። ነዚ ዕድመ እዚ  ተቐቢልና ከም ማርያም ሓውቲ ማርታ፡ ነቲ ቃል ጐይታ ንምስማዕ ቀዳምነት ብምሃባ ዚበለጸ ቦታ ዚሓዘት፤ ንሕና’ውን ንዕድመ ጎይታና አምላኽናን ክርስቶስ ቀዳምነት ሂብና አብ ምስማዕን ምስትንታን ቃላቱ ክንተግህ  – አብቲ መአዱውን ተሳተፍቲ ብምኻን ወረስቲ ዘለ ዓለማዊ ህይወት ንኽንከዊን እግዚአብሔር ብጸጋታቱ ይሃግዘና! አሜን።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዝያ 19.2018

ዮሓ.6:44-51

እቲ ዝለአኸኒ አቦይ ዝሰሃቦ እንተ ዘይኮይኑ፥ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል ሓደ እካ የልቦን።  አነ ድማ በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦ እየ። አብ መጻሕፍቲ ነቢያትውን “ኩሎም ካብ አምላኽ ዝተማህሩ ኪኮኑ እዮም” ዚብል ጽሑፍ አሎ፤ እቲ ኻብ አቦ ዝሰምዐን ዝተማህረን ዘበለ ኸአ ናባይ ይመጽእ፡፡ ብዘይካ እቲ  ካብ አምላኽ ዝኾነ ነቦ ዝረአዮ ሓደ እካ የልቦን፥ ንሱ እዩ ነቦ ዝረአዮ። እቲ ብአይ ዚአምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘላቶ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ናይ ሕይወት እንጌራ አነ እየ። አቦታትኩም አብ በረኻ መና በልዑ እንተኾነ ሞቱ። እቲ ኻብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸመውት፥ ካብ ሰማይ ዘወረደ ሕያው እንጌራ አነ ኢየ፤ ካብዚ እንጌራ እዚ ምእንቲ ሕይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸአ ሥጋይ እዩ።”

1 2 3