አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሚያዚያ 16. 2018

ዮሓ.6:22-29

ንጽባሒቱ እቶም አብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሕዝቢ ብዘይካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ አብኡ ከም ዝኸዱ እምበር፥ ኢየሱስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረአዩ። እንተኾነ፥ ኻልኦት ጀላቡ ካብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጎይታ ዝባረኾ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጸ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቂ መዛሙርቱ አብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ፈለጡ ናብተን ጀላቡ ደይቦም ንኢየሱስ ኬናድይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። አብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸአ “ መምህር! መአዝ ደአ ናብዚ መጺእካ፧” በልዎ። ኢየሱስ ድማ “ እተናድዩኒ ዘለኹም እንጌራ በሌእኹም ስለ ዝጸገብኩም ኢኹም እምበር፥ በቲ ዝረ አኹምዎ ትእምርቲ ኸም ዘይኮነ ብሓቂ ብሓቂ፥ እብለኩም አሎኹ። እምበአር ምእንቲ እቲ ኃላፊ ምግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዚህበኩም ንዘለዓለማዊ  ሕይወት ዚኸውን ምግቢ ጸዓሩ። ምኽኒያቱ  እዚ ሓቂ ኸም ዝኾነ እግዚአብሔር አቦ ብማኅተሙ መስኪሩሉ ኢዩ” ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ንሳቶም “ፍቃድ አምላኽ ክንመል እሲ እንታይ ንግበር፧” በልዎ። ኢየሱስ ከአ “ፍቓድ አምላኽ በቲ ንሱ ዝለአኾ ኽትአምኑ እዩ”  በሎም፡፤

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *