ሌላ ምስ መዝገበ ሃይማኖት – ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን

 

ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብ1992 ዓ.ም.ፈ. ብቅዱስ አቦና ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ዳግማዊ  ንመላእ ቤተክርስቲያን ተዋህበ።

ዕላማ ናይዚ መጽሓፍ እንታይ ኢዩ? “ ነቲ ናይ እምነትን ሥነምግባርን ቀንዲ መሠረታዊን ካቶሊካውን ትምህርተ-እምነት ብስሩዕን ሓጺርን አገባብ፤ ብናይ ጉባኤ ቫቲካን ፪ይ ትምህርቲ፤ ናይ ቤተክርስቲያን መላእ ትውፊትን” ምቕራብን እዩ። ንመንገዲና ትውፊት ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢዩ፧ ካብ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብነብያት፤ ሃዋሪያት …. ድሕሪኦም ተኸቲሎም ዝመጹውን ዝመሓላለፍ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ልማድ እዩ።  ዕላማ ጉባኤ ቫቲካን ፪ይ ትምህርቲ፤እንታይ ኢዩ ነሩ እንተበልና፧

“ ናይ ቤተክርስቲያን ሓዋሪያውን ናይ ምእመናን ጉስነታውን ተልእኾአ ንምንጻርን ከምኡውን ሓቅነት ወንጌል አጸቢቑ ከም ዘንጸባርቕ ብምግባር ንኹሎም ሕዝብታት ኤፌ. 3:19 ነቲ ሓለፋ-ኹሉ ፍልጠት ዝኾነ ፍቕሪ-ክርስቶስ ሃሰሥ ንኪብሉን ንኽቅበሉን ንምምራሕ ኢዩ” ይብል።

ኣብ መቕድም

–     ሕይወት ሰብ ንእግዚብሔር ምፍላጥን ምፍቃርን

–     እምነት ምምሕልላፍ፦ መድብ ትምህርቲክርስቶስ

–     ናይዚ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስትያን ዕላማን ኣንበብቱን

–     ኣሰራር ዓዚ ትምህርቲ ክርስትያን

  1. ሕይወት ሰብ ንእግዚብሔር ምፍላጥን ምፍቃርን

አብዚ እግዚብሔር አቦ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ቅድስናኡ ብሕያውነቱ ተደሪኹ አብቲ ቅድስንኡ ንኸሳትፎ/ና  ብነጻ ድላዩ ወዲ ሰብ ከምዝፈጠረ ንመሃር። ብኹሉ  ሓይሉን አእምር ኡን ክነፍቅሮ ከአ ይጽዋአና። ነቲ ብሓጢአት ዝተበታተነ ወዲ ሰብ አብ ሓንቲ ስድራ ቤት ንኽጥርንፎ ከአ ነቲ ሓደ ወዱ ብምልአኽ ምእንቲ ድሕነት ወዲ ሰብ ከምዝስዋእ ይገቢር።

እዚ ጸዋዕታ አብ ኩሉ ምድሪ ንኽበጽሕ ንኽዝርጋሕ እግዚአብሔር አምላኽና እንታይ እዩ ዝገበረ አምላኽ፧ ዓሰርተው ክልተ ሓዋሪያት ሓረየ። እንታይ ክገብሩ፧ ወንጌል ቃል ድኅነት ንዓለም ክሰብኩን ክምህሩን።  “ድኩም ንኹሎም ሕዝብታት መሃሩዎም፤ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቁም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም፡ ኩሉ ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ክፍጹሙ ከአ መሃርዎም”። እንሆ አነ ስጋብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም አለኩ” ። ማር.28:18-20

ንሕናውን አሕዋት እዚ ጸዋዕታ እዚ አለና። ነቲ ቃል አምላኽ ተቐቢላናን አሚናን ብወገና ነዚ ቃል ሕይወት – ቃል ድኅነት  ነሕዋትና ክንሰብኮን ክንምህሮን። አቶም ሽዑ ነቲ ቃሉ ዝተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲአ ድማ ሠለስተ ሽሕ ዚአኽሉ አመንቲ ተወሰኽዎም። ንሳቶም ከአ ብትምህርቲ ሓዋሪያት ኃቢሮም ብምንባርን: ብምቅራስን እንጌራን: ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።ግ.ሓ.212 ስለዚ ሓቢሮም ነቲ እምነት ድሕሪ ተቐቢሎም ብሓባር  – ብእምነት  – አብ ሓድነት አኅዋት እናነብሩ አብ ስርዓት አምላኾን ጸሎትን ይነብሩ ነበሩ። በዚ ከአ ነፍሲ ወከፍ አማናይ ነዚ ዝተቀበሎ እምነት ናብ ካል ኦት ከመሓላልፎ ይግደድ።

ይዚ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስትያን ዕላማ

እምነትን ሞራልን ዝኾነ ቀንዲ ናይ ካቶሊካዊት ትምህርቲ-እምነት ብናይ ጉባኤ ቫቲካን ፪ይ ትምህርትን፤ “ ናይ ቤተክርስቲያን ሓዋሪያውን ናይ ምእመናን ጉስነታውን ተልእኾአ ንምንጻርን ከምኡውን ሓቅነት ወንጌል አጸቢቑ ከም ዘንጸባርቕ ብምግባር ንኹሎም ሕዝብታት ኤፌ. 3:19 ነቲ ሓለፋ-ኹሉ ፍልጠት ዝኾነ ፍቕሪ-ክርስቶስ ሃሰሥ ንኪብሉን ንኽቅበሉን ንምምራሕ ኢዩ” ይብል።”

ቀንዲ ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ምንጭታት አይየኖት ኢዮም፧

  • ቅዱሳት መጽሕፍቲ
  • ትምህርተ አበው
  • ሥርዓት አምላኾ
  • ናይ ቤተክርስቲያን ሥልጣን-ትምህርቲ ኢዩ።

እዚ ትምህርተ ክርስቲያን እዚ ናይታ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሓበራዊ መወከሲ ኮይኑ ይርከብ። ነቶም አብ ትምህርተ ክርስቶስ አቡናት-ካህናት-ድያቆናት፤ መማህራን ት.ክርስቶስ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተደርሰ ምኻኑ ባዕሉ እቲ መጽሓፍ አብቲ መጀመሪያ ገሊጹዎ ይርከብ።

  • ኣሰራርዓ’ዚ ትምህርቲ ክርስትያን

አብ አርባዕተ አዕኑድ/ ክፍሊ ተኸፊሉ ይርከብ፦

፩ይ. እምነት ምግላጽ

፪ይ. ምሥጢራት እምነት

፫ይ. ብእምነት ዝንበር ሕይወት

፬ይ. ብእምነት አብ ዚንበር ጸሎት

ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ እምነትካ ምግላጽ ይዛረብ

ብእምነትን ብጥምቀትን ናይ ክርስቶስ ዝኾና ኩሉና አመንቲ፡ ነቲ ብጥምቀት ዝተቀበልናዮ ወይ ዝለበስናዮ እምነት አብ ቅድሚ ሰባት ክንምስክሮን ክንገልጾን ንጽዋዕ። አብ ቅድሚ ሰብ ንዝተአመነኒ ኹሉ አነ ኸአ አብ ቅድሚ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦይ ክእመኖ እየ”። ማቴ.10.32 ትምህርቲ ክርስቲያን መጀመርታ ብዛዕባ ግልጸት ይዛረብ፡ በዚ ግልጸት እዚ ወይ መገዲ እዚ  እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ይዛረቦ – ርእሱ የወፍየሉ፡ ወዲ ሰብ ብወገኑ ነቲ ግልጸትን ጸዋዕታን አምላኽ ብእምነት አሜን ኢሉ ይምልሽ፡ ወይ ንኽምልስ ትጽቢት ይግበረሉ።

“ስለዚ ብአፍካ “ኢየሱስ ጎይታ ኢዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፡ ብልብኻውን አምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንሥኦ እንተ አመንካ፡ ክትድኅን ኢኻ። ሮሜ.10:9 እዚ እቲ (ቀዳማይ ወገን)

አብቲ ካልአይ ወገን፦  ናይ ቀዳማይ ክፋል ድማ

እቲ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ አምላኽ ንወዲ ሰብ ዝገበረሉ ጸጋታትን ሕያባትን አብ ጸሎት ሃይማኖት ተጠቓሊሉ ንረኽቦ። ነዚ ኹሉ ብጥምቀትና ብዛዕባ ዝለበስናዮ እምነት አብ ሰለስተ ምዕራፋት አጸቢቑ ተገሊጹ ንረኽቦ።

፩. ብዛዕባ ቀዳማይ መለኮታዊ ኣካልን፡ በዚ ዘደንቕ ናይ ፍጥረት ስርሓቱን ይዛረብ።

፪. ቀጺሉ ብዛዕባ እቲ 2ይ መለኮታዊ ኣካልን፡ በቲ ንደቂሰብ ዝፈጸሞ ምስጢረ ድኅነቱን፡ ፫ይ. ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ናይ ቅድስናና መሠረትን ምንጭን ብዝኾነ 3ይ መለኮታዊ ኣካል ይዛረብ።

2ይ ክፋል ምሥራት እምነት

ኣብዚ 2ይ ክፋል እቲ ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስን ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝተፈጸመ ምሥጢረ ድኅነትና – አብ ናይ ቤተክርስቲያን ግብረ-ተልእኾ ( ወይ ሉጡርጊያ) ብፍላይ አብቶም ሸውዓተ ምሥጢራት ከምዝግለጽን ህልው ከምዝኸውንን ይምህር።

3 ክፋል ብእምነት ዚንበር ሕይወት

ንሕና ነፍሲ ወከፍና ከምቲ  አብ ብሉይ ኪዳን ዘፍጥረት እንረኽቦ በርአያ – አምላኽ ዝተፈጠርና ፍሉያት ፍጥረት ኢና፡ ነዚ ዓቢ ተግባራት ክፍጽም እንከሎ ዕላማ አለዎ። እዚ መፈጸምታ ዕላማ ወዲስ ሰብ እንታይ ምኻኑ እብዚ ፫ይ ክፍሊ ተገሊጹ ይርከብ።  እዚ ከአ እቲ ሕይወት ቅድስና ኢዩ።

4ይ ክፋል- ብእምነት አብ ዚንበር ሕይወት፡ ጸሎት

አብ ሕይወትና ናይ ጸሎት ምሥጢርን ቁምነገርን እንታይ ከምዝኾነ ይትንትን። ብፍላይ ነቶም አብ “አቦና አብ ሰማያት ትነብር” ዝርከቡ ሽውዓተ ልመናታት ዘርዚሩ ገሊጹዎም ይርከብ።

ኣብ መእተዊና  –  ኣሰራርዓ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ክርስትያንአብ ኣብ አርባዕተ አዕኑድ ተኸፊሉ ይርከብ ኢልና ነርና፦

፩ይ.  እምነት ምግላጽ

፪ይ.  ምሥጢራት እምነት

፫ይ.  ብእምነት ዝንበር ሕይወት

፬ይ.   ብእምነት አብ ዚንበር ጸሎት

ካብዚ ተበጊስና ንሎሚ ናይቲ ቀዳማይ ክፋል ቀዳማይ  ወገን  – እምነት ምግላጽ ዝብል ክንርኢ። ቀዳማይ ወገን

አብ ሕይወትና እምነትና ንምግላጽ  “ አ አምን አለኹ” “ ንአምን አሎና” ብምባል ንጅምር። ዝለዚ መጀመሪያ ምእማን ማለት እንታይ ማለት ምኻኑ ኩሉና መልሲ ክንህበሉ ዘለና ሕቶ ኢዩ።ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ እቲ ፈጣሪ ኩሉ ዝኾነ አምላክ ብገዛእ ፍቃዱ ንወዲስ ሰብ ድሕሪ ተገሊጹ – ብወገን ወዲ ሰብ ዝወሃብ መልሲ እምነት ይበሃል። ነቲ ግልጸት አምላኽ፡ ጸዋዒት አምላኽ ተቐቢልና ወዲ ሰብ ምላሽ ብምሃብ እምነትና ንገልጽ።

አብዚ አሕጽር አቢልና ብዛዕባ፦

  1. ንእግዚኣብሔር ምድላይን ሃሰስ ምባልን
  2. ኣምላኽ ንሰብ ዚገልጸሉ መለኮታዊ ግልጸት
  3. ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ብእምነት ዝወሃብ ምላሽ ክነስተንትን ኢና።

አብዚ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ “ ሰብ ንእግዚአብሔር ዚፈልጠሉ ዓቕሚ አለዎዶ ኢዩ፧አብ ልቢ ወዲ ሰብ ተጻሒፉ ዘሎ ሓደ ነገር አሎ ንሱ ኸአ፤ ንእግዚአብሔር ምድላይ ኢዩ።

ቅዱስ ኣጎስጢኖስ “ ኦ ጎይታና! ንስኻ ዓብይ ኢኻ፡ ምስጋናውን ይግበኣካ … ንኣኻ ስለዝፈጠርካና፡ ንሕና ኣባኻ ክሳብ ነዕርፍ፡ ልብና ዕረፍቲ የብሉን”። ምኽንያቱ ሰብ ብእግዚብሔርን ምእንቲ እግዚብሔርን ዝተፈጥረ ስለዝኾነ። እዚ ሃረርታ እዚ ወትሩ አብ ውሽጡ አሎ። እታ ሓቂን ታሕጋስን አብኡ ስለትርከብ ከአ ወትሩ ሃሰስ ክብላ ይነብር።

እግዚኣብሔር እንካብ  ሓደ ሰብ ኩሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፥ አብ ርእሲ ኹላ ምድሪ ከም ዝነብሩ ድማ ገበረ፥ ዚነብርሉ ውሱን ዘመናት ድውብ ደረታትን ሓገገሎም። እዚ ኸአ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቀ ኸሎስ ንአምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎን፥ ምናልባትውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኪረኽብዎ ኢሉ ገበሮ። ምኽንያቱ ገሊኦም ካብቶም ተቐነይትኩም “ ንሕና ደቂ አምላክ ኢና’ ከምዝብልዎ፥ ‘ ብእኡ ኢና እንነብር እንወሳወስን፥ ብእኡ ኸአ ኢና ዘሎና።ግ.ሓ.17:26-28 ወዲ ሰብ ግና በዚ ናይ ዓለም ክፋእ ነገራት ዕንቅፋታት ተጻይ ሃይማኖት ዝኾነ ኣተሃሳስባ፣ ተታሊሉ ግና ካብቲ ቅኑዕ ጸዋዕታኡ ክሃድም ግድን ይኾውን።  “እቲ አብ እሾኽ ዝተዘር አ ኸአ ነዚ ቓል ዚሰምዕ እዩ፥ ሓልዮት እዛ ዓለም አዚአን ም ዕሻውን ሃብትን ድማ ነቲ ቓል ይሓንቆ፥ ከይፈረየውን ይተርፍ።” ማቴ.13:22

ኣብ መዝሙር 15:3 “ እቶም ንኣምላኽ ዚደሊዩዎ፡ ልቦም ይተሓጎስ” እግዚብሔር ግና ወላካ ሰብ ንእግዚብሔር እንተዘይተቐበሎ ርሕሩሕ ኣምላኽ ግና ወትሩ ጸዋዕታኡ የቕርብ። ኣብቲ ዘዳለወሉ ምልኣት ዘለዎ ሕይወት ንኸሳትፎ ኢሉ። ሰብ ነዚ ንምጭባጥ ዘየቃርጽ ጻዕሪ  ድካም ድሌት ተበግሶ ቅንዕና የድሊዮ። ንሕና እምበአር ንእግዚአብሔር እንፈልጠሉ ዓቕሚ አብ ልብና ተጻሒፉ ዘሎ ሓቒ አሎ፡ንሱ ኸአ፤ ንእግዚአብሔር ምድላይ ኢዩ። ብናይ እግዚብሔር ኣርኣያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ሰብ፣ ብብዙሕ መንገድታት  ንእግዚብሔር ኪፈልጦን ከፍቅሮን ጸዋዕትኡ ኢዩ። ንእግዚአብሔር ምድላይ ዝብል ድልየትን ሃረርታን ኣብ ውሽጥና ካብ ሃለወ- እዚ ድልየት እዚ ንኣምላኽ ንኽንፈልጥ መገድታት ይፈጥረልና። ካብ ግዙፍ ዓለም ጽባቐን ምድርን ባሕሪን ሰማይ ኩሉ ብም ዕዛብ ናብ እግዚአብሐር ክንበጽሕ ንኽእል። ቁዱስ አጎስጢኖስ ነዚ ኩሉ ብምስትንታን “ ጽባቔኦም ንርእሱ ምእማን ኢዩ” ይብል። ቀጺሉ “ እዚ ጽባቐ ተለዋዋጢ እንኪኸውን፤ እቲ ዘይለዋወጥ ጽባቐ ብቐንዳን ዝኾነ አምላኽ እንተዘይኮይኑ ካልእስ መን ኪገብሮ ይኽእል! እናበለ ይዛረብ።

“ኣምላኽ ስለ ዝገለጸሎም እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፈልጥዎ ዚግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ እዩ።  ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑ፥ እቲ  ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህሪይ እግዚአብሔር፥ ማለት ዘለዓለማዊ ኃይሉን መለኮቱን፥ ብፍጥረቱ አጸቢቑ ተጋህደ። ሮሜ.1:19-20

እንካብ ፍጡራት ተበጊስካ – ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እቲ ናይ ኩሉ መጀመርታን መወዳእታን ዝኮነ ኣምላኽ፡ ብናይ ሰብ ባሕሪያዊ ብርሃን ወይ ኣእምሮ ኣረጋጊጻካ ኪፍለጥ ከምዝከኣል፡ ኣደና ቅ.ቤተክርስቲያን ተስተምህረና። ቃል እግዚኣብሔር. 6

“ ኣምላኽ ከኣ “ ብመልክዕና “ ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንበዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኩሉ ለመምታን ይገዝኡ” በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላክ ፈጠሮ። ዘፍ. 1:27 ካብ ፍጡራት ተበጊስና በቲ ድሩት ዓቅምና – ንሕና ኣብዚ ፍጽምና ፍጡራት ተሞርኪስና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ክንዛረብ ንኽእል።

“ ንሕና ፍጥረት ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕን ጽቡቕን ምኻኑ እንርዳእ እንተ ደኣ ኾንና፣ ብተመሳሳሊ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ክንመሃር ኣሎ”። ጥበ. 13:5 እዚ እንታይ ማለት ኢዩ በቲ ናይ ፍጡራት ዕቤትን ጽባቐን ኣቢልካ ናብቲ ሰራሒኦምን ገባሪኦምን ጥበጽሕ። ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ሰብ ኣብ ፍጥረት ተመርኪሱ፣ በቲ ባህሪያዊ ኣእምርኡ፡ ንኣምላኽ ብርግጽነት ክፈልጦ ይኽእል ኢዩ ኢልና – ብዘይካዚ ካሊእ ዝሥርዓቱን ፍልጠትውን አሎ ን አምላኽና ክንፈልጠሉ እንኽእል ትብለና ቅድስቲ ቤተክርቲያና፦ ነዚ ፍልጠት እዚ ሰብ ብ ዓቕሚ – አእምርኡ ኪበጽሖ ዘይክእል ኢዩ። እዚ ግልጸት እዚ መለኮታዊ ግልጸት ተባሂሉ ይጽዋዕ፡፡ ንጻ ብዝኾነ መደብን ውሳኔን ኣምላኽ ንሰብ ይግለጸሉ። እዚ ከኣ በቲ ሓደ  ፍቑር ወዱ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ –  ንመንፈስ ቅዱስን ብምልኣኽ ነዚ ንመደቡ ብምልኣት ክገልጾ ተረኺቡ። ኣብ ቅዱስ መጸሓፍ ከምዝምህረና እግዚኣብሄር ደረጃ ብደረጃ ንወዲ ሰብ ተገልጸ።

  • ምስ ኖህ ዝኣተዎ ኪዳን ክንርኢ ንኽእል፡ ዘፍ. 10:5
  • ጸዋዕታን ሕርየትን ኣብራሃም ክንርኢ ንኽእል። ዘፍ.12:1

“እግዚአብሔር ድማ ንአብራም “ካብ ዓድኻን ካብ አዝማድካን ካብ ዓዲ አቦኻን ውፃእ፥ ናብቲ አነ ዘርእየካ ምድሪ ኸአ ኺድ” ። ዘፍ.12:1እግዚኣብሔር ነብርሃም ሓሪዩን ምስኡን ምስ ወለዱኡን ኪዳን ኣትዩ፡ ሕዝቡ ንኺኸውን በዚ ኪዳንዚ ሰሪዑዎ‹ ብሙሴ ከኣ ሕጉ ገለጸ። ንኹሉ ሰብ ንዚኸውን ድኅነት ምእንቲ ኪቕበል ብነቢያት ኣሰናደወ። ኣብ መጨርሽታ እግዚኣብሔር ብምልኣት እቲ ሓደ ዘፍቅሮ ወዱ ብምልኣኽ ከምዝተገልጸ ንርኢ።

እምነት

እምነት ሓደ ርክብ ምስ እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ንኹሎም እቶም ዝፈጠሮም   ብፍቕሩ ይስሕቦም። እግዚኣብሔር  ቅዱስ በቲ ዓቢ ዝኮነ ሕያውነቱ: ንወዲ ሰብ  ኣብቲ ናቱ ቅዱስ ህይወት ንምስታፍ  ነቲ ሓደ ዘፍቅሮ ውዱ ለኣኸ።  ቤተክርስቲያን እቲ ብእግዚኣብሔር ብክርስቶስ ጎይታ ንዓለም ተገልጸ ዝብል ትምህርቲ – ካብቲ ስብከቱ ጀምሪካ ብዙሕ ትምህርቲ ናይ እምነት  .. ትምህርቲ መለኮት ተቐብላ እያ።  እቲ ቀዳማይ ትምህርቲ ወይ ሓቂ ክርስቶስ ጎይታ ምኻኑ እዩ።  ኣዚ ኣብቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፎውን ክነንብብ ንኽእል። ብአፍካ ኢየሱስ ጎይታ እዩ ኢልካ እንተ መስከርካ: ብልብኻን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንሰአ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ፣ 10:9 ስልዚ ወዲ ሰብ ብአፉ ክርስቶስ ጎይታ ምካኑ እንተመስከረ .. ካብ ምውታት ከምዝተንሰአ እንተአመነ ኣብ ምሥጢረ ድሕነት ይሳተፍ ማለት እዩ። ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ክርስቶስ ኣምላኽነት ብዙሓት ኣይሁዳውያን እካ እንተተዓንቀፉ —- መግለጺእውን እንተሰኣኑ — ብ ቀጻሊ ግና ርድኢት ትምህርቲ መለኮት ክርስቲያናውያን ካብ ግዜ ናብ ጊዜ እንዳዓበየ መጸ። እቲ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እዩ ዝብል ሓቂ ከኣ ዝያዳ መግለጺ ክወሃቦ ተርኽበ።

አእምን ዝብል ቃል … እንታይ የስምዕ .. እንተበልና- ቃል ብቃሉ ብሳይነስ ካሊእን መሳርሕን ዘይተረጋገጸ ብእምነት ግና ነቲ ዘይድህሰን

ዘየርአን ቃል ሕይወት ምእማን ማለት እዩ።

  • ነቲ እግዚኣብሔር ብወዱ ዝተገልጸልና መልሲ ወይ ምላሽ ምሃብ ማለት ኢዩ
  • ብተኣዝዞ ነቲ ብጎታን ኢ. ክርስቶስ ዝተገልጸ ሓቂ ምቕባል ማለት እዩ
  • ብሓጺሩ ህያብ ኣምላክ ተቀቢልካ ምኽአል ማለት እዩ።

ስለዚ ሓዋርያት ነቲ መድሓኒን ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልደ -ብዛዕባ እግዚኣብሔር እንክገልጸሎም – ነቲ ቃላቱ  ኣመንዎን ተቀበሉዎን። ነቲ  ብክርስቶስ ጎይታ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝተዘርበን – ዝተግብረን  ብምእማን- ነቲ ኩሉ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ናባና ከምሓላለፍዎ ኪኢሎም። ንሓና ከኣ ከምዘለዎ ኣሚናን መስኪርናን – ኣብ ምሥጢረ ድሕነቱ ምእንቲ ክንሳተፍ።

ትኣምን ዶ እወ ይአምን

እአምን – ነአበልናዮ ቲ ኩሉ ዝተቐበልናዮ ሓቂ ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ክንእውጆ፤ ክንገልጾ ይድለ።   ስለዚ ኢያ ኸኣ   ቤተክርስቲያን ካብ መጀመርታ – ናይ እምነታ – መግለጺ ዝኾነ ጽማቕ ትምህርተ እምነት እተቕርበልና። እቲ ቀዳማይ ምልክት ናይ እምነት — ጥንታዊ ምልክት ናይ ምነት ኣየናይ እዩ እንተበልና .. ምልክት ናይ ጥምቀት እዩ።  ምኽንያቱ እዚ ብስም ኣብን: ወልድን: መንፈስ ቅዱስን: ስለዝወሃብ። ማቴ. 28.19 ብፍልይ ዝበለ መገዲ ኣብ ሕይወት ቤተክርስቲያና ቀንዲ 2 ምልክታት: ዓንቀጽ  እምነት ፉሉይ ቦታ ሒዘን ይርከባ፤

ጸሎተ ሃይማኖት ዘሓዋርያት – ናይ እምነት -ሓዋርያት:

ጸሎት ሃይማኖት ዘሃዋሪያት  – እዚ ጸሎት እዚ ብሓዋርያት  ዝተደርሰ ኮይኑ ነቲ ኩሉ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝአምኑዎን ክንአምኖ ዘለናንን  ዝገልጽ ሓቂ ዝሓዘ እዩ። እዚ ከኣ  ኣብ ሓንቲ ተኣምኖተ-ሃይማኖት ወይ ስድራ .. መኣዲ ዝጠምርን: ናይ ሓባር ልሳን -እምነት ንኽህልወና ዝተገብረን ዝሕግዝን  እዩ።

ናይ ኒቅያ ጸሎት ሃይማኖት – ወይ ከኣ ናይ ኒቅያ-ቁስጥንጥንያ ጸሎት -ሃይማኖት – ዚበሃል ድማ ኣለና እዚ ኸኣ ስልጣኑ ዕብየቱን ዚዓዘዘ ካብተን ቀዳሞት ክልተ ዓበይቲ ኤኩመኒካዊ ጉባኤታት ዝፈልፈለ ( ብ325 ዓ.ም. ፈ፤ 381 ዓ.ም.ፈ  ) ስለዝኾነ እዩ። ናይተን ኩለን ኣብ ምሥራቕን ምዕራብን ዘለዋ ዓበይቲ ኣብያተክርስቲያናት ናይ ሓባር ምልክት ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ይሰርሕ ኣሎ። እአምን ዝብል ቃል እምበኣር ሓደ ሕጽር ዝበለ መግለጺ ናይ እምነትና እዩ። ነቲ ኩሉ እንአምኖ ሓቅታት ኸኣ ኣብ ቁሩባት ሓሳባት ተጠርኒፉ ይርከብ።

ትሕዝቶ ጸሎተ ሃይማኖት – ኣብ ሰለስተ ወገን ይኽፈል። እቲ ቀዳማይ ወገን:

  1. ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ መለኮታዊ ኣካል፤ በዚ ዘደንቕ ናይ ፍጥረት ስረሓቱን ይዛረብ፤
  2. ቀጺሉ ከኣ በቲ ካልኣይ መለኮታዊ ኣካልን: በቲ ንደቂሰብ ዝፈጸሞ ምስጢር ድሕነቱን፤
  3. ኣብ መወዳእታ ድማ: ሳልሳይ መሎከታዊ ኣካል ይዛረብ። እዚኣተን እተን ናይ ማሕተም-ጥምቀትና ሰለስተ ምዕራፋት እየን።

እታ ብዘመነ ሓዋርያት ዝነበረት ቤተክርስቲያን: ንኹሉ መምርሒ ዝኸውን ሓጺር መግለጺ እምነታ ከተመሓላልፍን ተርኽበት። ካብ ቅድም ጀሚራ: ቤተክርስቲያን ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣናቕጽ እምነታ: ኣብ ሓደ ጠርኒፋ፤ ብዝተወሃሃደ መልክዕ -ኣጻፊፋ፤ ነቶም ንጥምቀት ዝሰናደዉ ንኡሰ – ክርስቲያን ከተቕርበሎም ተረኽበት።  በዚ ምኽንያት እዚ ኢቲ ፈለማ “ ምግላጽ እምነት ” ኣብ እዋን ጥምቀት ይፍጸም። ስለዚ እቲ “ ምልክት-እምነት “ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ናይ ትምቀት ተአምኖት እዩ። ትምቀት “ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ” ዚወሃብ ስለዝኾነ፦ እቲ ኣብ ጥምቀት ዚግለጽ ሓቅታት-እምነት ምስ ቅድስቲ ሥላሴ ሠለስተ ኣካላት ብዝለዎ ርክብ እዩ ትወሃሂዱ ዝቐርብ።

ኣብ ግብረ ሓዋሪያት 8:34 …እንተበብና

እቲ ስሉብ ከኣ ንፊሊጶስ “ እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፦ ብዛዕባ ርእሱ ዲዩ ወይስ ብዛዕባ ኻሊእ እዩ ዚብል ዘሎ ” እስከ ንገረኒ ኢሉ ሓተቶ። ፍሊጶስ ከኣ ካብዚ ጽሑፍዚ ጀሚሩ ብዛዕባ ኢየሱስ ብሥራት ሰበኸሉ። ኪኸዱ ከለኡ ድማ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በጽሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “ እንሆ ኣብዚ ማይ ኣሎ፦ ክጥመቕሲ እንታይ ይኽልክለኒ በሎ… ፊሊጶስ ከኣ ብኹሉ ልብኻ እንተኣሚንካስ ይኾነልካ እዩ በሎ፤ ንሱ ኸኣ “ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምኻኑ እአምን እየ ኢሉ መለሰሉ”። ስለዚ እዚ ጸሎት ሃይማኖት እዚ እምበኣር ነቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጠቃልል ኣቢሉ ዝምህርውን እዩ።

እዚ ጽማቕ ትምህርተ ኣምነት፦ ምስ ናይ ሰባት ርእይቶ ንኽሰማማዕ ኣይኮነነ ዝተገብረ፦ እካ ደኣ እቲ ቀንዲን ኣገዳስን ዝኾነ ኹሉ ካብ ቅዱስ መጽሓፍቲ ተዋጺኡ: ናይታ እምነት ብምልእታ ዝተወሃሃደ ሓደ ትምህርቲ እዩ ክቐርብ ተደልዩ። እዚ ዝዓይነቱ ጽማቕ ናይ እምነት መግለጺ “ ጸሎተ ሃይማኖት” ይበሃል፤ ምኽንያቱ ከኣ ክርስትያ ዚገልጽዎ ወይ ዝእምንዎ ሃይምኖቶም ኣሕጺሩ ስለዘቕርብ እዩ። ብዝበዝሕ በቲ “ ኣኣምን ዚብል ቃል ስለዝጅምር ተኣምኖት እውን ይበሃል እዩ። ምልክታታ ሃይማኖት ከኣ ይበሃል።

ነዚ ናይ ተአምኖት ጸሎት ብ እነት ብምድጋም ምስ እግዛኢብሔር አቦ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከም ኡውን ምስታ አብ ማ እከላ ኮይና እምነትና እንገልጽን፤ እምነት ናባና እተመሓላልፈልናን ቤተክርስቲያን አብ ሱታፌን ኅብረትን ንነብር ማለት ኢዩ።

አብቲ ካልአይ ወገን ናይ እምነትካ ምግላጽ ዝብል ትምህርቲ ምሕላፍና ማለት  “ ብእግዚአብሔር አቦ ኣምን አለኹ “ ዝብል እምነትን ትምህርትን። አብዚ ቀዳማይ ወገን ዝሓለፍናዪ አሎ አብ ዝመጽእ ሓቢርና ክነስተንትኖ ኢና። ንሱ ከአ ርእሱ ዝኸአለ አስተንትኖን ትምህርትን ዝለዝሓትት ኢዩ። ብዛዕባ፦

  • ምትሕልላፍ መለኮታዊ ግልጸት
  • ትውፊት
  • ቅዱስ መጸሓፍ
  • ርክብ ቅዱስ ትውፊትን ቅ. መጽሓፍን
  • ቅኖና ቅ.መጽሓፍ
  • ቅ. መጽሓፍ አብ ሕይወት ቤተክርስቲያን ዝብሉ ኢዮም፡:

ይቕጽል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *