ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ሚያዝያ – 27.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣብ ወንጌል ዮሓንስ እንተርኤና እግዝኣብሔር ክርስቶስ ከም መንገዲ ኮይኑ ይቀርብ። ክርስቶስ እቲ ሓደ  ናብ እግዝኣብሔር ዝወስድ መንገዲ ኢዩ። ንሱ ምስ ኣብኡ ብርቱዕ ርክብ ስለ ዝነበሮ ካልእ ሓሳብ ኣይነቦሮን፤ መግቡ ድላይ ኣብኡ ምፍጻም  ኢዩ ዝነበረ። በዚ ዝተሓጐሰ ኣብኡ ብኣኻ ዝተሓጎስኩ  ፍቁር ወደይ ንስኻ ኢኻ ብምባል ንዑኡ ክንሰምዖ ከም ዘሎና ይነግረና። ንክርስቶስ ምስማዕ ማለት ከኣ እቲ ንሱ ዝተመላለሶ መንገዲ ምኽታል ማለት ኢዩ። መንገዲ ክርስቶስ ከአ መስቀል ኢዩ፡ መስቀሉ ፀይሩ ደድኅረይ ዘይስዕብ ዘበለ፥ ወዲ መዝሙረይ ኪኸውን አይክእልን እዩ። ንሕና እምበአር አሰር ክርስቶስ መገዲ ክርስቶስ ወይ መገዲ እምስቀል ብምስዓብ ናብ ትንሳኤ ብምስጋር ናብ ኣቦ ንበጻሕ ።

“እቶም ዝስዕብዎ እምበኣር ናይ ሞቶምን ትንሳኤኦም ትርጉም ንሱ ምኳኑ ኣሚኖም ናብ ኣቦ ክጉዓዙ ይግበኦም። ክርስቶስ እቲ ሓዲሽ ሙሴ ክሳብ ኣብ እግዝኣብሔር እነዕርፍ ይመርሓና – የሰንየናን ናብኡ ይስሕበናን (ዕብ 2፡10-11)። ንሱ ካብ ኣብ መጺኡ ተመልስውን ናብ ኣብ ክኸይድ ኢዩ(ዮሓ 16፡28) ስለዚ እቲ ንዓኡ ዝስዕብ ኮቶ ኣይክጠፍእን ኢዩ። መንገዲ ክርስቶስ መንገዲ ቀራኒዮ መገዲ መስቀል ኢዩ።  እቶም ንዕዑ እንስዕብ መዓልቲ መዓልቲ መስቀልና ክንሽከም የድሊ። ክርስቶስ ኣብዚ ዓለምና ብምምጻእ ድላይ ኣብኡ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን እግዝኣብሔር መን ምኳኑ ኣነጺሩ ክንብል ንክእል። እቲ ንሱ ዝኣተዎ ኪዳን፤ ዝተዛረቦ ቃል፤ ኣብ ወዱ ፈጺምዎ፡ ንዳሕሮት ወለዶ ንኽመሓላለፍ’ውን ተልእኮ ወዱ ኣብ ቤ/ያን ኣመሓላለፈ።

ብኽርስቶስ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ሥራሓት ንመደብ ድሕነት ንምምስካር ኢዩ። “ኣነ ነሓቂ ክምስክር ኢየ ዚተወለድኩ፡ ምእንቲ’ዚ እውን’የ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ (ዮሓ 18፡37)። ንሓቂ ፍለጥዋ ንሳ ከኣ ነጻ ከተውጽኣኩም ኢያ (ዮሓ 8፡32) ይብለና። ንሓቂ ምፍላጥ ከኣ ኣብ ክርስቶስ ዝተፈጸመ ፍቅሪ ዝመልኦ ሓልዮትን ድሕነትን ኣምላኽ ምፍላጥ ማለት’ዩ። እቲ ውጽኢት ሓቂ ዝኾነ ነጻነት ከኣ ካብ ሓጢኣት ነጻ ምኳን የስምዕ (8፡34)

መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ ኣየ”

ካብ ሓጢኣት ነጻ ምኳን ብክርስቶስ ዝመጸና ሕሉፍ ጉንዖ’ዩ። “ወልድ ሓራ እንተኣውጺኢኩም ብሓቂ ውጽኣት ሓራ ክትኮኑ ኢኹም (8፡36) ሓቂ እምበኣር እቲ (ብምሉኡ(ኩሉ) ወልድ ካብ ኣቦ ሰሚዑ ዝገለጾ ነገራት ኢዩ ዘስምዕ።

“እቲ ካብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ ኢዩ ዝደሊ፡ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ኬኽብር ዚደሊ ግን ንሱ ሓቀኛ ኢዩ (7፡18)። ምኽንያቱ “ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣብን ኢና እምበር በይነይ ኣይኮንኩን እሞ ኣነ እንተፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ ኢዩ (8፡16) ይብለና። ሓቂ ምስ ባሕሪኡን ምስ መደብ ኣምላኽን ዝሰማማዕ ኢዩ። ምክንያቱ እቲ ቃል ንርእሱ ብጸጋን ብሓቅን ተመሊኡ ኢዩ ኣብ ማእከልና ድንኳኑ ዝተኸለ (1፡14)። ሕጊ ብሙሴ ጸጋን ሓቅን ግን ብክርስቶስ ተዋህበ (1፡18) እቶም ነሓቂ ዝተቁበሉ ከኣ ናብ ብርሃን ይመጹ፡ ግብሮም’ን ነቲ ሃቀኛ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ይምስክሩ። ሓቂ ምግባር ማለት ከኣ ብኽርስቶስ ዝተረኽበን ዝተገልጸን ቅኑዕ መንገዲ ምምልላስ ማለት ኢዩ። ንሓቂ ዝኽተል ኩሉ ጊዜ ድምጺ ጐትያኡ ይስምዕ (10፡3, 16፡27)። ብካልእ ወገን እቲ ንሓቂ ዝቅበል ዳግማይ ካብ ላዕሊ ከም ሓዲሽ ሰብ ብሓይሊ መንፈስ ዝተወልደ የስምዕ። ብመንፈ ቅዱስ ዝተሓደሰ ሰብ (ማኅደር) ናይቲ ሓቂ ብርእስ ዝኾነ ክርስቶስ ማኅበር ይኸውን። “እቶም ነታ ሓቂ ዚፈልጥዋ ዘበሉ ኵላቶም ድማ ዜፍቅርዎም። ምኽንያት ምፍቃርና ከኣ ስለታ ኣባና ዘላ ንዘለዓለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና ኢና (2ዮሓ 1-2)።

ክርስቶስ ንሓቂ ክምስክር ከም ዝመጾ ከምኡ መንፈስ ሓቂውን ንክርስቶስ ይምስክር። ሓዋርያት ነዚ ሥራሕ ምስክርነት ንኽበቅዑን ንኽቅጽሉን ከኣ ክርስቶስ “ብሓቂ ቀደሶም”። “ከምቲ ኣነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶም’ውን ናይ ዓለም ኣይኮኑን በቲ ሓቂ ቀድሶም፡ ቃልካ ሓቂ ኢዩ።….ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱስ ኣነ ንርእሰይ ምእንትኦም እቅድስ ኣሎኹ (17፡16-17፡19)። እናበለ ይናገር። ሓቂ ክርስቶስ ብርእሱ ክይኑ፡ እቶም ኣመንቲ ክርስቶስ ዝኾና ተኸተልቱ ከአ በዛ ሓቂ ተቀዲሶም ንሓቂ ኪነብሩን ክምስክሩን ይግባእ። ብኽርስቶስ ዝተረኽበ ተገልጾ ኣብ ልቦም ብዝተዓደልዎ ብርሃን ብሓቀኛ ኣነባብራ ሕይወት ንኣምላኽ ይሰግዱሉ።  “ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመተናዩ፡ በእዳውና ዘረስረስናዮ ቃል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና። ሕይወት ተገሊጻ ኢያ፡ ንሕና ከኣ ርኢናያ ኢና፡ ንምስክር’ውን ኣሎና። እታ ንኣና ዝተገልጸት፡ ምስ ኣቦ ዝነበረት፡ ዘለዓላማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣሎና (1ዮሓ 1፡1-2)። ብማለት ክርስቶስ ብሓቂ ሕይወት ምኳኑ ዝኣመነሉን ዘስተማቅሮን ዮሓንስ ይዛረብ።

ኣይሁዳውያን ብፍላይ ምሁራት ኣካል ኣብ መጽናዕት ቅ.መጽሓፍ ብሓቂ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዚወስድ መንገዲ ክርከብ ከም ዚከኣል ኣሚኖም ንቅ.መጽሓፍ ኣድቂቆም ይፍትሽዎ ነበሩ። እዚ ኣብ ግዜ ክርስቶስ ዝኾውን ዚነበረ ኢዩ። ክርስቶስ ነዞም ከምዚ ዘኣመሰለ እምነት ዝነበሮም’ሞ ዘየለለይዎ ከምዚ እናበለ ይዛረቦም።“እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ። ንስኻትኩም ድምፁ ከቶ እይሰማዕኩምን፡ መልክዑውን ከቶ ኣይረኣኹምን። በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘያኣመንኩም፡ ከኣ ቃሉ ኣባኹም ኣይኃደረን። ናይ ዘልዓለም ሕይወት ኣብኣተን ክትረኽቡ እትረኽቡ መሲልኩም ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትምርምርዎን ኣሎኹም፡ ግዳሰ ንሳተንውን ነኣይ ኢየን ዚምስክራለይ።

ሕይወት ምእንቲ ክትረኽቡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም (ዮሓ 5፡37-40) መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ አቦ ዚመጽእ የልቦን (14፡6)። ናይ ክርስቶስ ኣብ ዓለምና ምምጻእ፡ ዋና ትርጉሙ፤ ዋና ዕላማኡ ንሕና ነፍሲ ወከፍና  ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ ኢዩ። ምልኣት ዘለዎ ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ (ዮሓ 10፡10) ኢዩ። ምልኣት ሕይወት ክህብ ክእለት ዘለዎ ኸኣ – ንሱ ዘለዓለማዊ ቃል ካብ መጀመሪያ ምስ እግዝኣብሔር ስለ ዝንበረን ንርእሱ ቃል እግዝኣብሔር ስለ ዝነበረን ኢዩ። ንሱ ከም ኣምላኽ መጠን ንሕይወቱ ከም ድላዩ ክገብራ ይኽእል፡ “ከምቲ ኣብ ናይ ባዕሉ ሕይወት ዘለዎ ወልድ’ውን ናይ ባዕሉ ሕይወት ኪህልዎ ሥልጣን ሀቦ (ዮሓ 5፡26)።  ማርታ ንኣልኣዛር ከተንስኦ ክእለት ከም ዘለዎ ከእምና፤ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ ኢየ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን እንተሞተኳ ብሕይወት ክነብር ኢዩ። እቲ ብኣይ ዘኣምን ሕያው ዘበለ ኵሉ ንዘልዓለም ኣይኪመውትን ኢዩ፡ እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። ንሳ ድም “እወ ጐይታይ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ክመጽእ ዘለዎ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝኽዕንካ እኣምን ኢየ በለቶ (ዮሓ 11፡25-26) ብሓቂ ክርስቶስ ምንጪ ሕይወት ብምኳኑ ንሞት ሲዒሩ ናብ ናይ ቅድሙ ክብሪ ተሳጊሩ ኢዩ።

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *