2ይ. ክፋል – ምትሕልላፍ መለኮታዊ ግልጸት

 

ናይ ሎሚ ትምህርትና ባዛዕባ፦

–     ምትሕልላፍ መለኮታዊ ግልጸት

–     ትውፊት

–     ቅዱስ መጸሓፍ

–     ርክብ ቅዱስ ትውፊትን ቅ. መጽሓፍን

–     ቅ. መጽሓፍ አብ ሕይወት ቤተክርስቲያን ዝብሉ ኢዮም፡

  • ምምሕልላፍ መለኮታዊ ግልጸት

መለኮታዊ እንታይ ማለትና ኢዩ፧ አምላኻዊ ማለትና ኢዩ። ግልጸት ከአ ምቅላዕ የስምዕ። ነቲ ስውርን ሕቡእን ዝነበረ ግሁድ ምግባር ማለት ኢዩ። መለኮታዊ ግልጸት እምበአር አምላኽ ንደቂ ሰባት አምላኾምን ፈጣሪኦምን ምኻኑ ንኽፈልጡን ከገልግሉን ከፍቅሩን ዝተገብረ መስርሕ የስምዕ። ኣምላኽ ኩሎም ሰባት ክድሕኑን ሓቂ ክፈልጡን ይደሊ። ሓቂ ኢየሱስ ክርስቶ ኢዩ። ግልጸት ክሳብ ጫፍ ዓለም ምእንቲ ክበጽሕ፡ ክርስቶስ ንኹሎም ሰባትን ውልቀ ሰባት ክስበኽ ነይሩዎ። “ምግላጽ ቃልካ ብርሃን ይህብ፥ ንዘይፈልጥ ድማ ምስትውዓል ይህቦ። መዝ.119:130 እቲ ቓል”፥ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት፥ “አብ ጥቃኻ፥ማለት አብ አፍካን አብ ልብኻን እዩ” ይብል።

ናይ ልዑል ኣምላኽና ግልጸት ብምልኡ ኣብ ኢየሱስ ተገሊጹ ንረኽቦ። አምላኽ ብወዱ ብዙኅ መገዲ ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም። አብዘን ዳኅረዎት መ ዓልታት ግና ን አና በቲ ወራሲ ኩሉ ዝገበሮ ብ እ ኡ ውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና። ዕብ.1.1-2 ክርስቶስ ጐይታ፡ ንሓዋርያቱ ኣቀዲሙ ብነብያት ዝተተስፈወ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተፈጸምን፡ ብቃሉ ዝተነግረ፡ ወንጌል ክሰብኩ ኣዚዙዎም። “እምበአር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም አ ሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቁምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም” ። ሓዋሪያት ወንጌል ብምስባኽ ንኹሉም ደቂ ሰባት ህያብ ኣምላኽ ከሳትፉ ተላእኹ። “ከምኡውን ዝ አዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም” ወንጌል ናይ ኩሉ ዘድሕን ሓቅን ሞራላውን መምርሕን ምንጪ ኢዩ።

እግዚአብሔር አብ እምበአር ብምልአት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ይርከብ። “እቲ ቓል ሰብ ኮነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊኡዎ ኸአ ምሳና ነበረ”1.14 እቲ ኩሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንፈልጦ ንደሊ ኣብ ኢየሱስ ንረኽቦ። ንእግ-ሔር ኣቦ ንኢየሱስ ብምርካብን ብምፍላጥን ክንርእዮን ክንፈልጦን ንኽእል ማለት ኢዩ። ፊሊጶስ ጎይታይ! ነቦ ደአ አርእየና እምበር ይአኽለና” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ ከምዚ በሎ፦ “ፊሊጶስ፥ እዚ ኽንዲዚ ዚአክል ጊዜ ምሳኻትኩም ክነብር ከሎኹዶ አይፈልጥካንን ኢኻ፧ እቲ ንአይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ፤ ከመይ ኢልካ ደአ ‘ነቦ አርእየና’ ትብል አሎኻ።  ኣብ ኢየሱስ ዝተፈጸመን፡ ብኢየሱስ ዝተነግረን ግልጸት ኣብ ወንጌል ሰፊሩ ይርከብ። ብመንገዲ ሓዋሪያት ብስብከተ ወንጌል፡ ህያባት ኣምላኽ ናብ ኩሎም ደቂ ሰባት ይበጽሕ። ንድሕነትና ዘድልየና ሓቅን፡ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ዝኾነና መምርሕን ብምልኡ ኣብ ወንጌል ንረኽቦ።  በዚ ምኽኒያት ኢዩ ዳዊት ከምዚ እናበለ ክዝምር ዝተረኽበ፦ “ቃልካ ንስጉምተይ መብራህቲ፥ ንመንገደይ ብርሃን እዩ” 119፡105

  • ወንጌል ብክልተ መንገዲ ናባና ተመሓላለፈ ወይ በጽሐ፦

ብቃል– ሓዋርያት ነቲ ካብ ክርስቶስ፡ ካብ ናይ ቃል ትምህርቱ፡ ካብ ኣነባብራ ሕይወቱ፡ ተግባራቱ፡ ወይ ብሕሹኽታ መንፈስ ቅዱስ ዝተቀበልዎ፣ ብናይ ቃል ትምህርቶም፡ ብምስክርነቶምን አብነቶም፡ ብዘቆምዎ ስርዓታትን ኣመሓላሊፎሞ። ብጽሑፍ – ብሓዋርያትን ካልኦት መሳርሕቶምን፡ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ፡ ንመልእክቲ ድሕነት ኣብ ጽሑፍ ኣስፊሮሞ። ንሱ፥ ኩሉ ሰብ ኪድኅንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽአን አዩ ዚፈቱ። ፩ጢሞ. 2:4 ማለት ንኽርስቶስ አምላኽ ጎይታን ክንፈልጥን ክንቕበልን። “ኪድኩም ንኹሎም ሕዝብታት መሃሩዎም፤ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቁም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም፡ ኩሉ ዝአዘዝኩኹም ኩሉ ክፍጹሙ ከአ መሃርዎም”። እንሆ አነ ስጋብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም አለኩ”። ማር.28:18-20 እግዚአብሔር አምላኽና ነቲ አቀዲሙ ብነብያት ዘተስፈዎ – አብ መጨረሻ በቲ ሓደ ወዱ ብምልአት ገለጾ፡ ሓዋሪያት ብምምራጽ ከአ ወንጌል ክሰብኩ አዘዞም። “ ኣብ መጨረሻታ ብግዜና ብወዱ ገይሩ ተዛረበና” ዕብ.1:1-2። ነቲ ንደቂ ሰብ ዘብርህ ቃል ዘለዓለም ዝኾነ ወዱ፥ ኣብ ማእከል ደቂ ኣዳም እናነበረ ምሥጢራት እግዚአብሔር ምእንቲ ክግለጽ ለአኾ”። ዮሓ.1:1-18

  • ትውፊት

ትውፊት ዝብል ቃል “ አወፈየ” አቐበለ” “ሃበ” “አውረሰ” “አመሓላለፈ”  ወዘተ ዝብሉ ትርጉም ይህበና። ትውፊት ባዕሉ ምቅባል፤ ምውርራስ፤ ምርኽኻብ፤ ምቅብባል ማለት ኢዩ። እዚ ከአ፦

–     ሓደ ወለዶ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ዚወርሶ፡

–     ዚረኽቦን ዝቕበሎምን ነገር እዩ። እዚ በዚ ዘብቅዕ ዘይኮነስ ንሱውን ብግዲኡ ነቲ ተካኢኡ ወለዶ የሕልፍ፡ ከምኡ እናበለ ድማ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካሊእ ወለዶ ክመሓላለፍ ይነብር። መንፈሳዊ ትርጉም፡ ካብ እግዚአብሔር ናብ ደቂ ሰባት ብነብያት፤ ሃዋሪያት …. ድሕሪኦም ተኸቲሎም ዝመጹውን ዝመሓላለፍ ዓይነት ትምህርቲ ወይ ልማድ እዩ።  ትውፊት ማለት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ቃል ብቓል እንዳ – ተነግረ ዝመጸ ኮይኑ ሱሩን መሰረቱን አብ ብሉይ ኪዳን ኢዩ። ትውፊት አብ ብሉይ ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ነቂሉ ናብ አዳም፡ አቤል፡ ቃኤል፡ ኖህ፡ አብርሃም፡ ሙሴን ነብያትን። ብአፍ እግዚአብሔር አምላኽ ተነጊሩ ብኢድ ሙሴን ነብያትን ካልኦትን መንፈሳውያን ሰባትን ድማ ተጻሕፈ።

ትውፊት አብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ለቒሉ ሓዋሪያት፤ ካልኦት ደቂ መዛሙርቲ፤ እተን ሕያዎት አዴታት ። ብአፍ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተነግረ ብሓዋሪያት እንደገና ዳግም ዝተነግረ፤ ብኢድ ሓዋሪያት ካልኦት ደቂ መዛሙርትን ተጻሕፈ። በዚ ልዕል ኢልና ክንርእዮ ዝጸናሕና አቢሉ ቃል-አምላኽ ብትውፊት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ዝነብርን ኢዩ። ወዲ ሰብ እምነቱን ስርዓቱን – ባህሉን ታሪኹን ብጹሑፍ ምሓዝ ቅድሚ ምጅማሩ ካብ አዳም ካሳዕ ሙሴ ቃል ብቃል እንዳ – ተነግረ ከምዝጸንሐ እዚ ትውፊት አቐዲሙ ዝነበረ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ትውፊት – ቅዱስ መጻሕፍቲ ቅድሚ ምጽሓፎም ዝነበረ ኢዩ። ቃል አምላኽ ድማ ብትውፊት ይመሓላለፍ ነበረ። ድሒሩውን አብ ሓዲስ ኪዳን ቤተክርስቲያን ምስ አምላኽ ዘሕለፈቶ ሕይወት ብዘይጎደሎ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተሰጋግረሉ መገዲ ኢዩ። ትውፊት አብ ቅዱሳት መሳሕፍቲ ዘይተጻሕፈ ካብ አበው ቃል ብቃል ዝተመሓላለፈ ናይ፡

–     እምነት ስርዓት

–     ትምህርትታት

–     ናይ ታሪኽ ውርሻ አግሊሑ ዘርኢ ኢዩ።

መሰረቶም መጽሓፍቲ ቅዱሳት ኮይኖም ብትርጉም ንዘይተገልጹ ብተግባር ዘርኢ ኢዩ። በዚ ከአ ትውፊት ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስጢሪን ትርጉምን ዝሰማማዕ ደአምበር ዝጻረር ከምዘይኮነ ዘረጋግጸልና ሓቂ ኢዩ። ቃል አምላኽ እምበአር አብ ጹሑፍ ክሰፍር ምስ ጀመረ፤ ነቲ ኣቀዲሙ ብትውፊት ይንገር ካብ ዝነበረ ዘድልዮም ወሲዶም ዝጽሓፍዎ ኢዩ። እምበአር  ቅዱስ መጽሓፍ መሰረቱ ቅዱስ ትውፊት ኢዩ። አብ ቅዱስ ትውፊት መሰረት ብምግባር ኢዩ ተጻሒፉ። ከምኡ ከአ እቲ ዝተጻሕፈ እሞ ሎሚ ቅዱስ መጽሓፍ ንብሎ ዘሎና፤ ኩሉ እቲ ትውፊት ሓደውን ከይተረፈ ተጻሒፉ ማለት አይኮነን። ምኽኒያቱ ነቲ ከም ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ ዝመስል ቅዱስ ትውፊት ንኹሉ አብ ጽሑፍ ሰፊሩ ማለት አይኮነን። አብዚ ሓሳብ ተመርኪስና፤ ቃል- አምላኽ ብምልአት ክንረኽቦ እንተ ደሊና አብ ክሊቲኡ ማለት አብ ቅዱስ ትውፊትን – ቅዱስ መጽሓፍን አሎ ዝብል መደምደምታ ንበጽሕ። ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙኅ ካልእ አሎ። ኩሉ ብብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፥ ነቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኹሉ እዚ ዓለም እካ አይምአኸሎን ይመስለኒ። ዮሓ.21:25

ናይ ቤተክርስቲያን እምነት ትምህርቲ ብጽሑፍ ዝወሃበሉ ዝነበረ ግዜ አይነበረን ብቓል ኢዩ እዩ ነሩ። ዝተጻሕፈውን እቲ ብቃል ዝንገር ዝነበረ ኢዩ። “ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ ምስማዕ ድማ ብቃል እግዚአብሔር ኢዩ” ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ነዚ ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ኮነ፤ ሓዋሪያት ንተኸተልቶም፤ ትምህርቶምን ሕይወቶምን መጀመርታ አብ መጽሓፍቲ ቅድሚ ምስፋሮም አብ ልቢ አመነቲ ኢዮም ዘስፈርዎ። ምሉእን ሕያውን ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዓቂቡ ምእንቲ ክነብር፡ ሓዋርያት ንኣቡናት ተካእቶም ገዲፎም። ናይ ምምሃር ስልጣኖም ሂቦሞም። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብፍሉይ መንገዲ ተገሊጹ ዘሎ ስብከት ሓዋርያት፡ ብቀጻሊ ናይ ተካእትነት ሰንሰለት ክሳብ መወዳእታ ጊዜ ክዕቀብ ኣለዎ።

ስለዚ መላእ ቤተክርስቲያን አመንቲ ንቅዱስ ትውፊት ንቅዱስ መጽሓፍን ብእኡ ክትምራሕን ትሕዝቲ ኢያ። “እቲ ንአኻትኩም ዚሰምዕ ንአይ ኢዩ ዝሰምዕ፤ እቲ ንዓይ ዝንዕቕ ከአ ነቲ ዝለአከኒ ኢዩ ዚንዕቕ” ሉቃ.10:16  “እዚ ኸምቲ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሓዋሪያት ነቢያቱን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተገልጸሎም፥ ነቶም ቀዳሞት ወለዶ ደቂ አዳም አይተገልጸሎምን”ኤፌ.3:5 ስለዚ ሓቅታት እምነት ብቐዳምነት ንመራሕቲ ቤተክርስቲያን ኢዩ ተዋሂቡ” ንሳቶም ምስ ክርስቶስ ኮይኖም ኢዮም መሰረት ቤተክርስቲያን ዘቑሙ” “

እምበአር ንስኻትኩም አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ ምአዝኑ ዝኾነ መሠረት ለቢያትን ሓዋሪያትን ዝተነደቕኩም፣ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንአምላኽን ኢኹም እምበር፥ አጋይሽን ወጻእታኛታትን አይኮንኩምን” ኤፌ.2:20

ቤተ ክርስትያን ኣብ ትምህርቲ እምነታን፡ ሕይወታን፡ ኣብ ስርዓት ኣምልኾኣን፡ ኩሉ መንነታን፡ ኩሉ እትኣምኖን፡ ብትውፊት ናብ ኩሉ ወለዶታት ተመሓላልፍ። ካብ ሓዋርያት ናብ ተካእቶም ዝመሓላለፍ ትምህርቲ፡ ሕያው ትውፊት ይበሃል። ሎሚ እግዚአብሔር አምላኽና ብመንገዲ መርዓት ፍቁር ወዱ ቀጻሊ ንነፍሲ ወእክፍና ይዛረበና። እቲ ሕያው ዝኾነ ጽምጺ ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ አባናን  ኣብ ምሉእ ዓለም ምእንቲ ድሕነት ሰብ ይቃላሕ። መንፈስ ቅዱስ ከአ ነቶም ዝአመኑ  ናብ ምልኣት ሓቂ ቀጹ ይመርሖም። ንቃል ክርስቶስ ከኣ ምስ ኩሉ ጸጋታቱ ኣብኦም ከም ዝሓድር ይገበር።

  • ርክብ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን

ሓደ ሓባራዊ ምንጪ..

ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን አብ ቃል እግዚአብሔር 9 ብዛዕባ ርክብ ቅዱስ ትውፊትን – ቅዱስ መጽሓፍን እንክምህር

  • ንሓድሕዱ ብጽኑዕ ዝተኣሳሰርን ዝራኸብን ኢዩ፡፡ ምኽኒያቱ፦
  • ካብ ሓደ መለኮታዊ ምንጪ ዝፍልፍል ብምኻኑ።
  • ናብ ሓደ ዕላማ ገጾም ከኣ ይጐዓዙ።

ነፍሲ ወከፎም፡ ናይቲ ኩሉ “እንሆ አነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኩሉ መዓልቲ ምስኻትኩም አለኹ” እናበለ ንተኸተልቱ ቃል ዝኣተወ ምስጢር ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝነበርን ዝፈርን ይገብር። ቅ. መጽሓፍ – ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ትውፊት – ንሓዋርያት ዝተዋህበ ቃል ኣምላኽ ብምልኣት የመሓላልፍ። ትውፊት ንቃል ኣምላኽ፡ ናብ ተኸተልቲ ሓዋርያት (ኣቡናት) የመሓላልፎ። ቤተ ክርስትያን ግልጸት ኣምላኽ ናይ ምትሕልላፍን ምትንታንን ሓላፍነት ተቀቢላ። ርግጽነታ ናይ ምሉእ ዝተገልጸ ሓቂ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ኣይኮነን ዝመጽእ። ክልቲኦም ቅዱስ መጽሓፍን ትውፊትን ብማዕረ መንፈሳዊ ስምዒትን ክብርን፡ ተቀባልነትን ክረኽቡ ኣለዎም።

“ንሱ በቲ ንሕና ዝሰበኻናዮ ወንጌል ጸዋዕኩም። እምበር አቱም አሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ፡ነቲ ብቃል ኮነ – ብመልእኽትና ማለት ብጹሑፍ ዝመሃርናኩም ከአ ኃዝዎ” 2ተሰ.2:14-15

“ከምቲ ዝመሃኩኹም ገቢርኩም ነቲ ትውፊት ስለ ዘጽናዕኩምዎ ኣመስግነኩም ኣለኹ” 1ቆሮ. 11:2

“ካብቲ በቲ ካባና ዝተቐበልኩሞው ትውፊት ምኻድ ገዲፉ፡ ብትህኪት ዚነብር ኃው ኩሉ ክትርሕቁ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም አሎና” 2ተሰ.3:6

ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙኅ ካልእ አሎ። ኩሉ ብብሓደ ተጻሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፥ ነቲ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኹሉ እዚ ዓለም እካ አይምአኸሎን ይመስለኒ። ዮሓ.21:25

በዚ ምኽኒያት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብንጹር “ቅዱስ ትውፊትን ቅዱስ መጽሓፍን ንቤተክርስቲያን ሓላፍነት ዝተዋህቡ ናይ ቃል እግዚአብሔር ቅዱሳት መዛግብቲ ኢዮም። እቱ ቅዱስ ሕዝቢ ብምልኡ ከአ ንአኦም አጽኒዑ ብምሓዝ ምስ ጋሶቱ ሓደ ኮይኑ፡ አብቲ ትምህርቲ ሓዋሪያትን፡ አብ ሱታፌ ሓድሓድን፡ አብ ምቕራስ ኅብስትን አብ ጸሎትን፡ ወትሩ ጽኑዕ ኮይኑ ይርከብ። ግ.ሓ. 2:42 ስለዚ ናይቲ ብጽሑፍ ኮነ ወይ ብትውፊት ዝተመሓላለፈ ቃል እግዚኣብሔር እቲ ሓቀኛ ትርጉሙን መልእኽቱን ንምሃብን ንምትሕልላፍን ሓላፍነት ዘለዎም ናይ ቤተክርቲያን መራሕቲን ወይ መማህራን ሃይማኖት ኢያቶም። ቅዱስ መጽሓፍ ጥራይ ኢዩ ሓደ ምንጪን ግልጸት እግዛኢብሔርን ዝብል ሓሳብን ትምህርትን ግጉይ ሓሳብን ትምህርትን ምኻኑ ክንርዳእ ይግበኣና። እዚ ኣበሃህላዚ ንቅዱስ ትውፊትን ንስልጣንን ሓላፍነትን ቤተክርቲያን ንምንጻግ ዝዕላማኡ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድኅሪ መበል 15 ክፍለዘመን፤ ካብ ሓድነት ቤተክርቲያን ዝተፈለዩ ሰባት ዘበገስዎ ትምህርትን ሓሳባትን ኢዩ።

ሓደ ካብቶም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዘስፍሑ ከአ እቲ ካቶሊካዊ ፈላስን ካህንን ዝነበረ ማርቲን ሉተር ኢዩ። ነቲ ብክርስቶስ ንሓዋሪያቱ ቀጺሉ ንቤተክርስቲያኑ ዝተዋህበ ሥልጣንን ሓላፍነትን ዝተዋህበ ሓደራ፡ ንኹሉ ከምዝተዋህበ ፡ ንቃል አምላክ ዝኾነ ሰብ አንቢቡ ከም ዝመሰሎ ክትርጉሞን ክርድኦን ይኽእል ኢዩ ብዝብል፤ አብ ዓለምና ሓደ ደረትን ቕጥዕን ዘይብሉ፤ አብ ርእይቶ ግለ ሰባት ዝምርኮስ ፡ ብዊንታ ግለ ሰባት ዝምራሕ ፡ ቁጽሪ ዘይብሉ እምነታት ወይ ማሕበራት ክርስቲያን ንክምዕብል ወይ ክፍጠር ዓቢ ምኽኒያት ኮነ፡፤ ዓለምና ከአ ብዙኃት ናይ ክርስቶስ ኢና ዝብሉ መዓልታዊ ዝውለዱ ጉጅለታት ትናወጽ አላ። ክርስትና ግና ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህበ መለኮታዊ ግልጸትን፡ ክቡር ናይ ሓደራ ህያብ አምላኽን እምበር፡ ደቂ ሰባት ከከም ድላዮም ነናብ ዝደልዩዎ ዝጥምዝዝዎ ጶለቲካዊ ስነ-ሓሳብ አይኮነን ይብሉ –  አባ ተኽለሚካኤል ተወልደ አብቲ መሰረታዊ ትምህርተ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብል ጽሑፎም።

ኣብዚ  እንዛረበሉ ዘለና ትውፊት ካብ ሓዋርያት ዝመጽእ ትውፊት ኢዩ፡ ሓዋርያት ካብ ትምህርትን ኣብነትን ኢየሱስን፡ ካብ ትምህርቲ መንፈስ ቅዱስን ዝተቀበሎን ናብ ካልኦት ዘመሓላለፍዎን ኢዩ። ቀዳሞት ወለዶ ክርስትያን፡ ዝተጻሕፈ ሓዲስ ኪዳን ኣይነበሮምን። ሓዲስ ኪዳን ንባዕሉ ናይዚ ሕያው ትውፊት መስርሕ የርኢ። ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ክርስትና ቅድሚ ኩሉ ሕይወት ኢዩ። ብሕይወት ከአ ይመሓላለፍ ነበረ። ጽሑፍ ሓዲስ ኪዳን ቅድሚ ምጅማሩ፡ሕይወት ክርስትና ይመሓላለፈን ይስበክን ነይሩ ኢዩ። ስለዚ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ባዕሉ ኣገልጋሊትን መጋቢትን ቃል ኣምላኽ ንክትኸውን አብዚ ምድሪ እዚ ዝመስረታ ኢያ። ነቲ ዝተቀበለቶ ሓቂ ጥራይ ከኣ ትምህር። ብመለኮታዊ ትእዛዝን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስን፡ ንቃል ኣምላኽ ጽን ኢላ ትሰምዕ፡ ብተወፋይነት ትሕሉ፡ ብኣተኣማንነት ከኣ ትትንትኖ። “ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ነኣይ ኢዩ ይሰምዕ” ዝብል ንሓዋርያት ዝተባህለ ቃል ክርስቶስ ብምዝካር፡ ኣመንቲ ነፍሲ ወእክፍና ብዝተፈላለይ መልክዕ ካብታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲስን ንዝህበና  ትምህርትን መምርሒታትን ብምእዙዝነት ተቐቢላን ክንጎ ዓዝ ይግበአና። “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ ፤ አብ ልዕሊዚ ከውሒ እዚ ከአ ንቤተክርስቲያነይ ክሓንጻ ኢየ . . .  መፋትሕ መንግሥተ ሰማያት ድማ ክህበካ እየ። አብ ምድሪ ዝአሰርካዮ፤ አብ ሰማይ እሱር ክኸውን ኢዩ፥ አብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ከአ አብ ሰማይ ፍቱሕ ኺከውን ኢዩ” ማቴ.18፣ 18

  • ቅዱስ መጽሓፍ

ቅድሚ ኩሉ መጽሓፍ ሓልዮት ዚመልኦ ናይ እግዚኣብሔር ታሪኽ ግልጸት ዝሓዘ ጽሑፍ ንቤተክርስትያን ዘቅርብ ኢዩ። ሓደ ቅዱስ ኮይኑ እግዚኣብሔር ምስ ደቂ ሰብ ዝገበሮ ርክብ ይገልጽ። ከም ጽሑፍ መጠን ነቲ ካብ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ንላዕሊ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔር ብኣዘራርባ ደቂ ሰብ ዘቅርብን ናይ ጽሓፊኡን ናይ ኅብረተሰቡን ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቅን ዚምስክርን ኢዩ።

  • ቅ.መጽሓፍ –

ቅዱስ ጽሑፍ ኢዩ። ምኽኒያቱ

– ብአስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፈ

– ደራሲኡ ባዕሉ እግዚአብሔር ብርእሱ

ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ኢዩ፡  ካብኡ ከኣ ቀጻሊ ምግብን ሓይልን ንረክብ። ኣምላኽናውን ንነፍሲ ወከፍና  በዚ ቅዱስ መጽሓፍ ገይሩ ብፍቅሪ ክረኽበናን  ክዛረበናን ይመጽእ። ቤተ-ያን ኣብ እምነት ሓዋርያት ተመርኲሳ፡ ንመጻሕፍቲ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን፡ ብምሉኡን ምስ ኩሉ ክፋላቱን፡ ከም ዝተቀደስን ቀኖናውን ትቅበሎ። ምኽኒያቱ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንፍሶ ስለ ዝተጻሕፈን፡ ደራሲኡ ኣምላኽ ስለዝኾነን። ኣምላኽ ነዚ ቅዱስ መጽሓፍ ንምጽሓፍ  ሰባት ይመርጽ። በዞም ሰባት ከኣ ይሰርሕ። ንሳቶም ከኣ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኩሉ ኣምላኽ ዘተንፈሰሎም ክጽሑፉ ተረኽቡ።

ነዚ ከኣ ንሕና ነቲ እግዚኣብሄር ብደቂ ሰባት ብኣተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝጸሓፎ ብእምነት ክንቅበል ይግበኣና። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምእንቲ ክንርዳእ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኣእምሮና ከብርሃልና ኣለዎ። እዚ ማለት  ቅ. መጽሓፍ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተጻሕፈ፡ ብቅኑዕ ምእንቲ ክትንተን ብደራሲኡ ዝኾነ፡ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክንበብን ክትንተንን ኣለዎ። መደብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኢልካ፡ ንምጽኣት ክርስቶስ ከሰናዱን፡ ብትንቢታዊ መልክዕ ከበስርን ዝዓለመ ኢዩ። መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ናይ ኣምላኽ ዘድሕን ፍቅርን፡ ናይ ምሉእ መለኮታዊ ትምህርቲ ምስክር ኢዮም። ብዛዕባ ኣምላኽ ልዑል ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ሕይወት ሰብ ቅኑዕ ፍልጠትን፡ ዘደንቅ መዝገብ ጸሎታትን ዝሓዙ ኢዮም። ብሕቡእ መንገዲ ምስጢር ድሕነትና ኣብኦም ኣሎ።

ብዙኅ ሕዝቢ ቃል አምላኽ ኪሰምዑ እናተደፋፍኡ ኸለዉ፥ ኢየሱስ አብ ገምገም ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። ሉቃ. 5.1 ነቲ ብዛዕባኡ አብ ኩሎም ጽሑፋት ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ኩሎም ነቢያትን ኂዙ ኸአ ኪትርጉመሎም ጀመረ። ሉቃ. 24.2

  •  ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ቤተክርስቲያን

ቃል ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያን፡ ድልዱል ደገፍን፡ ውሽጣዊ ሓይልን ኢዩ። ንደቂ ቤተ ክርስትያን ንእምነቶም ብርታዐ፡ ንነፍሳቶም መግቢ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወቶም ከኣ ጽሩይን ዘይውዳእን ምንጪ ኢዩ። ስለዚ ቅዱስ መጽሓፍ ምእመናን ናብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝቀርብሉ መንገዲ ኣዚዩ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ነፍሲ (ኣንጉዕ) ናይ ትምህርተ-መለኮት ክኸውን ኣለዎ። ናይ ቃል ኣምላኽ ኣገልግሎት፡ ሓዋርያዊ ስብከት፡ ትምህርቲ ክርስትና፡ ኩሎም ዓይነት ክርስትያናዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ስርዓት ኣምልኾ ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ስብከት፡ ብቃል ቅ. መጽሓፍ ክምገበን፡ ናብ ቅድስና ክመርሕን ኣለዎ።  ቤተ ክርስትያን ብፍሉ ኣገባብ ንኹሎም ምእመናን፡ ቀጻሊ ቅ. መጽሓፍ ብምንባብን፡ ዝያዳ ኩሉ ፍልጠት ክርስቶስ ክመሃሩ፡ ኣጽኒዓ ተማሕጽን። ቅዱስ መጽሓፍ ዘይምፍላጥ፡ ንኽርስቶስ ዘይምፍላጥ ኢዩ።

 

ኣባ ሓጎስ ተስፋግቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *