አብ ሕይወት ቃል ኪዳን ተራ ተጻመድቲ እንታይ ይመስል፧

 

ሰበይቲ ንምፍታሕ ብሙሴ ዝተዋህበ ፍቓድ ብሰንኪ ትሪ ሊቢ ደቂ ሰባት ዝተገብረ ሕድገት ደኣምበር: ብሕጊ እግዚኣብሔር ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓድነት ፍጺሙ ዘይፍታሕ ምኻኑ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣትሪሩ ከምዝአወጀን ከምዝመሃረን አብዝሓለፈ አስተንቲና ነርና።

እዚ መድብ ሓድነት እዚ መደብ እግዚኣብሔር ምኻኑ፡  ማንም ኪፈትሖ ከምዘይክእል፣ “ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍተሓዮ” እንዳበለ ከኣ ትምህርቱ የመሓላልፍ። እዚ ሓዋሪያት ብርቱዕን ዘይከኣልን ትእዛዝ ገሮም እካ እንተሓሰብዎ፡  ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ግና .. ደገፍን ጽላልን ናይ ክርስቶስ ኣይፍለዮን ኢዩ። ሰብ ኪዳን እምበኣር መስቀሎም ክጸሩ .. ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ክደጋገፉ ይግበኦም። ዝለዚ አብዚ አቲናዮ ዘለና ኪዳን ከም ተጻመድቲ፤ ከም ሰብአይን ሰበይትን፡ ከም ሰብ ቃል ኪዳን። ነዚ ኪዳን ብሓድነትን ውሉድ ንምውላድ፡ ብሓላፍነት ውሉድ ንምዕባይን ናይ ነፍሲ ወከፍና ተራን –  ጻዕርን – ሓላፍነትን ይሓትት ነፍሲ ወከፍ እዚ ሓድነት እዚን እዚ ዕላማ እዝን ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ነፍሲ ወከፍ ተጻማዲ ኣብ ጸዋዕታኡ እሙን ኮይኑ ክርከብ የዲሊ። ዘይምስምማዕ ፡ምጥልላም ከይመጽእ ክንሰርሕን ክንተግህን ይግበኣና።

ቅዱስ ጳውሎስ .. ተራ ሰብኡት አብ ቃል ኪዳን እንክገልጽ፦ ኣቱም ሰብኡት ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያኑ ምእንቲ ኪቕድሳ ዘፍቀራን: ህይወቱውን ምእንተኣ ዘወፈየ፤ ነንስትኹም ኣፍቅሩወን፣ ክርስቶስ ንናይ ተፈጥሮ ስርዓት ከሕድስ ስለ ዝመጸ ብእኡውን ናይ ተገልጾ ምልኣት ስለ ዝተኸስተ፡ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ምዃኑ ገለጸ (ዮሓ 1፡18) ንዓና ተኸተልቱ ንዝኾና ከኣ ሓንቲ ትእዛዝ ሓደገልና ነንሓድሓድና ክንፋቀር፤ ልቢ ወዲ ሰብ እምበር ንኸፍቅርን ንኽፍቀርን ዝተፈጥረ ኢዩ። እዚ መለኮታዊ ፍቅሪ ኣባና ጸኒዑ ንክነብር ከኣ እግዚኣብሔር መንፈስ ፍቕሪ ኣብ ልብና ለኣኸ ይብሉና ቅ.ዮሓንስን ቅ.ጳውሎስን (ዮሓ 14፡26፣ ሮሜ 8፡14)

ንኪዳን  ብዘርኢ ፍቅሪ ሓደ ምስ ሓንቲ ኮይኑ ዘይልወጥን ዘይፍታሕን ሓድነት ከም ዝፈጥር አብ ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ተመርኪስና እንርድኦ ሓቂ ኢዩ።ክርስቶስ እምበር ነቶም ብጊዜኡ ዝነበሩ ብሰብኣዊ ሕጊ ተመሪሖም ንመለኮታዊ ትሕዝቶ ኪዳን ኣናኢሶምዎ ዝነበሩ ሰባት ክሓትዎ ክምልሰሎም ከሎ ።  እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠር ሰብኣይን ሰበይትን ጌይሩ’ዩ ዝፈጠሮም ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኾኑ ዚብልዩ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ኣካል ኢዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን፣ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ፡ ይብሎም። እዚ ኢዩ እምበአር ናይ ነፍሲ ወከፍና ጻዕርን ተራን – ሓደ ምኻና አሚና ነዚ ሓድነት ሓላፍነትና ወሲድና ክንሰርሕ። ዝለዚ እምበአር እዞም ክልተ ተጻመድቲ ወይ ሰብአይን ሰበይትን – ሰብ ኪዳን – ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ንርእሳቶም ኪሒዶም መስቀሎም ብምሽካም ትርጉም ኪዳን ሓዳር ተረዲኦም ብዝግባእ ክነብሩሉ፣ ናይ ነፍሲ ወከፎም ተራ ሓላፍነት ይሓትት። ክርስትያናዊ ሓዳር (መርዓ) ጸጋ ኮይኑ ብናይ መስቀል ክርስቶስ ዝተረኽበ ፍረ እውን ኢዩ። (ሓዲሽ ካቶል.ትም.ክር 1615)።

ክርስቶስ ንኪዳን ይባርኮን ምስ ሰብ ኪዳን ክሕጐስን ክተሓባበርን ኣብ ቃል ዘገሊላ ንረኽቦ (ዮሓ.2፡1-11)። ክርስቶስ ንሕጻናት ክባርኾምን ከምኦም ዝኣመሰለ ጥራይ ንመንግስቲ እግዚኣብሔር ክኣትዎ ከምዝኽእልን ይዛረብ፡ ነቶም ካብኡ ከርሕቅዎም ንዝደልዩ ሰባት ከኣ ይቍጥዓሎም። ሕጻን ዓቢይ ናይ ምቅባል ክእለት ስለ ዘለዎም- ንትምህርቱ ከመሓላልፈሎምን ኣብ ሓንጎሎምን ልቦምን ክቀርጸሎም ይዕድሞም። እዚ ከኣ እቲ ሓደ ተራ ወይ ሓላፍንት ናይ ወለዲ ምኻኑ  ኢዩ። ነቲ ዝተዋህበና ጸጋ – ተቐቢልና ከምቲ ዝግባእ እናነበርና – አሰር ክርስቶስ ብምኽታል ፍቕሪ ሕድሕድ እናተወሃሃብና – ነዚ ቅዱስ ናብ ደቃትና ክነመሓላልፎ።  እንታይነት መንግስቲ እግዝኣብሔር ኣብ ልቦምን ኣእምርኦምን ክነሰርጸሎም ሓላፍነት ከም ዘለና የፍልጠና።

ቅ.ጳውሎስ ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክዛረብ እንከሎ ነቶም ቀዳሞት ወለዲ ጥራይ ዘይኮነስ መልእክተ ባህርያዊ ወይ መለኮታዊ ኣብነትውን ይወስድ። ክርስትያናዊ ናብራ፡ ሓዳር ኣብ ክርስቶስን ቤተክርስትያንን ዘለዎ ሓድነት ክኽተል ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብኡ ዝተመሥረተ ምኳኑ ይገልጽ። (ኤፈ 5፡21-33 ይንበብ) እዛ ቤተ ክርስቲያን ዘቤት ወይ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን በዞም ክልተ ፍቑራት ዝቖመት  ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ተመስሪታ ሓድነታ፣ ማዕርነታ፣ ምስጢራውነታ፣ ልዕልነታ ተረዲኣ ኣብ ቤ/ያንን ምስ ቤ/ያን ኮይና ኣብ ቅድስናን ንቅድስና ርእሳን ውሉዳን ሕብረተስባን እትሰርሕ ኢያ። ንምስጢር ተኽሊል ብእምነት ተቀቢሎም ብተስፋ ይጐዓዙ ብፍቅሮም ከኣ ይገልጽዎ። ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝግበር ክርስትያናዊ ኪዳን – ሓደስቲ ፍጥረት ይገብረና፡  ናብ ሓድነት ከነተክሩውን ይሕግዘና፡ ምክንያቱ እቲ ጸዋዕታ ተክሊል ብመሰረቱ ናብ ሓድነት ዘተኮረ ኢዩ። ሓድነት ምስ ዝፈጥሩ ጥራይ ኢዩ ከኣ ዕብየትን ብስለትን ዝረኽቡ።

ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲኣይኑ ዘፍቀራን ንሕናውን ከም ሰብኣይን ሰበይትን ክንፋቐር እዚ ኣምሳል ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ክንክተል ከምዘለና ንዕደም ።  ኪዳን  ብእግዚኣብሄር ከምዝተሰርዓን፡ ምንጩ ባዕሉ እግዚኣብሔር ምኻኑ ኣስተንቲና።  ስለዚ ከም ሰብአይን ሰበይትን ንሕና ንቅድስና ዝተጸዋዕና ኢና። አብዚ ዕውታት ኮይና ንኽንርከብ ግና ነፍሲ ወከፍና ክንሰርሕ ይግበአና። ካብ ኣገላልጻ ፍጥረት ከምእንርድኦ ድላይ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ከም ሓደ ኣካል ኮይኖም ሕይወቶም ብቕድስና ንኽመርሑ ኢዩ። ስብኣይ ንኹሉ ገዲፉ ምስ ሰበይቱ ብምውህሃድ ሓደ ኣካል የቑሙ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ስተቐስናዮ ውሉድ ብምላድ ኣብቲ ናይ ምፍጣር ስራሕ ኣምላኽ ንሳተፍ ። “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪውን ምልእዋ” ዝብል ቃል አምላኽ ከአ አብ ግብሪ ነውዕል።

አብ ሕይወት ኪዳና እዚ ዓቢ ተራ ብምጽዋት ከአ “ቤተ ክርስቲያን ዘቤት ወይ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ንሃንጽ። ሰብ እምበኣር ኣብ ንእሽተይ ቤተ ክርስቲያን ወይ ስድራ ቤት ንበላ ብቀዳምነት ፍቕርን ተኣማንነትን ኣምላኽ ተገንዚቡ፡ ንሱውን ንፍቕርን ብተኣማንነትን ኪነብር ከምዘለዎ ዝመሃር። ዘጽ፡12.25-27 ሓድሽ ሕይወት ንጅምር። “ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ኩሉኻትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ከመይ ብክርስቶስ ዝተጠመቁም ዘበልኩም ንኽርስቶስ ለቢስክምዎ ኢኹም (ጋላ 3፡26-27) ይብለና ቅ.ጳውሎስ። ኣብ ክርስቶስ እምበኣር ሓዲሽ ኣነባብራ ሕይወት ይርከብ። ኣተሓሳስባናን ስራሕናን ከም ናይ ክርስቶስ ክኸውን ይጅምር። ኣብ ክርስቶስ ዝተጠመቁን ብምስጢረ ተክሊልውን ጸጋ ክርስቶስን ዝተዓደልና ሰብ ኪዳን  ነቲ ክርስቶስ በኣና ክፍጸሞ ዝደልዩ መደባት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ግዱዳት ኢና። ቅድሚ ኩሉ ገዛእ ርእሳቶም ብምቅያር ብናይ ክርስቶስ መንፈስ ዝመላለሱ ሰባት ክኮኑ ኣለዎም። ገዝኦም ንኩሎም ክፉት ኮይኑ፡ ናይ ድሕነት … ናይ ጸጋን ኣገልግሎትን ቦታ ከም ዝኾውን ክገብሩ ይግብኦም።

ኪዳን ሂያብ መንፈስ ቅዱስ ብዝኮነት ፍቅሪ ዝተመስረተትን እትበራታዕን ኣብ ናይ ቤ/ያን ምስጢራትውን ዝተመሥረተት ስለ ዝለዝኾንት ድሕነት ክርስቶስ እተንጸባርቅ ክትከውን ክትሰርሕ ኣለዋ። ንኪዳን ብሰብኣዊ ማለት ምስ ኩሉ ድኻምነት ሰብውን ክንርእዮ ኣሎና። ፍቅሪ ወድ ሰብ ኩሉ ጊዚ ኣብ ድንገት ክርከብ ስለ ዝኽእል- እቲ ኣብ ክልተ ሰብ ሓዲሩ ዘሎ ፍቅሪ ኣበየናይ ደረጃን ናበየናይ ኣቅጣጫ ይንቀሳቀስ  ከምዘሎን ንምፍላጥ ጻዕሪ ክካየደሉ ይግባእ፡

ፍቅሪ ካብ ሰብ ነቂሉ ኣብ ሰብ ዝውዳእ እሞኸኣ – አብ ሰብ ጥራይ ዝርክብ እንተኾይኑ፡ ኣብ ዓላማኡ ከምዘይረገጸ ኢዩ ዝፍለጥ፤ ሓደ መዓልቲ እቲ ናይ ሰብ እንብሎ ነገራት ምስ ኣብቅዔ –  ሰብ ሓዳር ኣብ ክቢድ ሳዕቤን ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።

እዚ እንከይጋጠሞ ጻዋዕታ ኪዳን መለኮታዊ ውሳኔ ምኳኑ ተኣሚኑ ካብቲ ናይ ሰብኣዊ ነገር ዘሎና አተሓሳስባ ንላዕሊ ክንርእዮ ከም ዘለና ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ። ዘጋንፈና ጸገማት ብጸጋ ኣምላኽ ኣሸኒፍና ንሓድነትና ሓላፍነት ብንጹርን ዓሙቅን ርድኢት ክንጽዕር ከም ዘለና ብተወሳኺ አሰር ክርስቶስ እንተ ተኸቲሊኩም ንሓድነትኩም ምልኣት ክህቦ ምኳኑ ክትፈልጡን ከትኣምኑ ይግበአኩም። ስለዚ ከኣ ኣብ ታሕጋስኩም ኮነ ጸገማትኩም ኣብ ገዛእ ርእስኹም ዘይኮነ ኣብ ክርስቶስ ክትጽግዑ፡ ንዓኡ ከኣ ዝበለጸ ሥፍራ ኣብ ሕይወትኩም ክትህብሆ ኣድላዪ ኮይኑ ይርከብ። ምኽንያቱ እቲ ዝጽውዕን ዝሕግዝን = ኣብ ጸልማት ናይ መስቀል ጊዜ ከኣ ናይ ትንሳኤ ታሕጓስ ከም ዘሎ ዘበሥር ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ። ነንሓድሓድኩም ናይ ምፍቓር ዘለኩም ክእለት ወይ መምዘኒ ንእግዚኣብሔር ንምፍቃር ብዘለኩም ክእለት ኢዮ ዝምዘን፡ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፍቅሪ ጽኑዕ እንተ ደኣ ኮይኑ ብመጠኑ ነንሓድሕድኩም ዘሎ ፍቅሪ’ውን ክጸንዕ ኢዩ። ካብዚ ምስ ዝነቅል ጥራይ ኢዩ ንጽሑን ዓሙቅን ፍቅሪ ኣብ  ኪዳንኩም ዝርኤን ዝነግስን። ነፍሲ ወከፍ ከአ እቲ ዝግበአኒ ተራ ተጻዊተ ኢየ ክብል ዝኽእል።

ቃልኪዳን ሞትን-ትንሳኤን ጻዕርን- ስቃይን ክብርን ምሕዳግን- ምርካብን፡ እናተወራረሰ ዝነብረሉ ቦታ ኢዩ። ኣብ ክርስቶስ ዝተመስረተ ጽኑዕ…ክርስትያናዊ ኪዳን ብተፈጥሮኣ ናይ እምነት፣ ተስፋ፣ ፍቅሪ፡ ጸሎት፣ ጸጋ፣ ቅድስና ድሕነትን ዝነግሰላ ዝበቕለላን ቦታ ክትከውን ኣለዋ። ክርስቶስ ነታ ዝፈትዋ ኣካሉ ዝኾነት ቤተክርትያን መንቅብ ወይ ኣበር ዘይብላ ኮይና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንኽትቀውም ርእሱ ክሳብ ምሀብ’ዩ ኣፍቂርዋ። ነቶም ኩሎም ተጠሚቆም ኣባላታ ዝኮኑ ከኣ ንከተንጽሖምን፡ ኣብ ቅድስና ንኸተብጽሖምን  ጸጋን ሓላፍነትን ሂቡዋ ኢዩ።

ቤተክርስትያን እምበኣር ብወገና ንገዛእ ርአስና ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ሓላፍነት  እዚ ተጠቂማ ኣባላታ ንዝኮኑ ሰብ ቃል ኪዳን  ንደቃቶም ብሰብኣዊ ኮነ መለኮታዊ ኣተዓባብያ ክከናኸነዎም መምርሒ ትህብ ኢያ። ምስጢረ ተኽሊል እምበአር ናይ ጸጋ ምንጪ ኢዩ። ናይዚ ጸጋ አዚ ምንጪ ከአ ክርስቶስ ባዕሉ ኢዩ። ከምቲ አቀዲሙ አግዚአብሔር ንሕዝቡ ብናይ ፍቅርን ተአማንነትን ኪዳን ከምዝተራኸቦም፡ እቲ ንቤተክርስቲያን መርዓዊአ ዝኾነ መድሓኒና ድማ ሕጂ ንዓኹም ነዞም ሰብ ኪዳን በዚ ምስጢር እዚ አብ መንጎኹም ይርከብ። ዝለዚ መስቀልኩም ጸርኩም ምእንቲ ክትክተሉዎ፡ ምስ ወደቁም ከምብሓድሽ ንኽትንስኡ፡ ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትመሓሓሩ፡ ናይ ሕድሕድ ሸኸም ምእንቲ ክትጸዋወሩ፡ ከምቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን አብ 5:21 ክጽሕፍ ዝብሎ “ብፍርሓት ክርስቶስ ከአ ንሓድሕድኩም እዙዛት ኩኑ” ቀጺሉ አትን አንስቲ፣ ከም ንጎይታኽን ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። ከመይ ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብአይ ከአ ርእሲ ሰበይቱ ኢዩ። ክርስቶስ ድማ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን መድኅን እዩ። ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እት እዘዞ ኸምኡ ድማ አንስቲ ንሰብኡተን ብኹሉ ይተአዘዛኦ።  አቱም ሰብኡት፥ ከምቲ ክርስቶስ ንቤት ክርስቲያን፥ ብቓልን ብምሕጻብ ማይን አጽርዩ ምእንቲ ኺቕድሳ፥ ርስሓት ወይ ዕጣር ወይ ድማ ንእኡ ዚመስል ካሊእ ክፍአት ዘይብላ፥ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ናብኡ በጃ ክሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ፥ ነንስትኹም አፍቅሩወን። ከምኡ ኸአ አቱም ሰብኡት፥ ነተን አንስትኹም ከም ገዛ እ ሰብነትኩም ጌርኩም አፍቅሩወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንገዛእ ርእሱ ኢዩ ዘፍቅር።

መብዛሕቲኡ ጊዜ ወለዲ፡ ንደቆም ዝበልዕዎን ዝክደንዎን፡ ከምኡ ገዛ ክሃንጹ ክንደይ ይኣኽለኒ – ክንደይከ ክውስኽ ክብሉ – ብኻልእ ከኣ መግቢ ዕለት ንምምእራር ለይቲ መዓልቲን ክስርሑ ደኣ’ዩሞ ዝረኣዮ እምበኣር ክንድቲ ተገዳስነት መንፈሳውነት አይነርእን። ብዓይኒ ኣምነትን ቤ/ያንን ክጥመት ከሎ እዚ ዓይነት ጐዕዞ እኩል ኣይኮውንን ጎዶሎ ኮይኑ ይርከብ። ኪዳን ብእግዝኣብሔር ምስጢረ እምነትና ኢያ ትገልጸልና፡ ናይ እምነትና መሠረት ከኣ ቃል ኣምላክ ምስማዕ ኢዩ። ስለዚ ሕይወት ኪዳና ቃል ኣምላኽ ምዝውታር መምርሒ ክህበና ይኽእል ኢዩ።

“ቃል ነእጋረይ ብርሃን ንመንገደይ ከኣ መብራህቲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ብርሃንካ ብርሃን ንምርኣይ የብቅዓኒ፡ ዝብሎ ዘማራይ ሓቅነቱ የረጋግጽ። ሰብ ከዳን ኮይኖም ቃል ኣምላኽ ዘዘውትሩ እንተኮዮኖም ብኣተሓሳስበኦምን ብኣነባብርኦምን ከወሃሃዱ ይኽእሉ፤ ቀስ እናበሉውን ንጸገማቶም ከሸንፉ ይኽእሉ። እምነት እምበኣር ሰብ ኪዳን ሓድነት ከም ዝነግስ እትገብር ህያብ ኣምላክ ኢያ። ጸሎት ጐይታ ጸሎት ስድራ ከኣ መንግስትኻ ትምጻእ – ኣብ ገዛእ ርእሶም፤ ኣብ ስድራ ቤቶም እንተጸልዮም ፍቅሪ እግዚኣብሔር ኣብ ቤቶም ይነግስን ይሰርሕን። ሕይወትን ሕብረትን ቅድስቲ ስላሴ አብአቶም የንጸባርቅ።

ኣብ መወዳኣታ  እምበኣር ሓዳርኩም ኪዳንኩም ከምቲ ዝድለ፡ ከምቲ  እትምነይዎ ብፍቕርን ሓድነትን  ንኽጋዓዝ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ጻዕርን ተወፋይነትን ተራን ይሓትት። ኣብዚ ምስ እግዚኣብሔር ዘለኩም ርክብ ፡ ኣብ ምስጢራት ጸሎት ዘለኩም ተሳትፎ ወሳኒ ይከውን፡፡ ጸሎት ትንፋስ ሕይወት ናይ ኪዳን  ኢዩ። ብተስፋ ክንጋዓዝ እንመሃረሉ ኢዩ። ኃድነት ናይ ቅድስቲ ስላሴ ዝግለጸሉ ቦታ ኢዩ። ፍቅሪ ክርስቶስ እንመሃረሉ ኢዩ፡ እቲ ሓቀኛ ወይ መሰረት ናይ ኪዳን ዝግለጸሉ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ኪዳን እቲ ሓቀኛ መርዓዊ ዝኾነ ክርስቶስ ክንፈልጦ ንጅምር። ልባትና ብፍቕሪ ክርስቶስ ተመሊኡ ናብ ተስፋ ይጋዓዝ።

ፍቕሪ እምበኣር ከምቲ ዝድለ ክነብሮን ክንሕልዎን እንኽእል ብፍቕሪ ጥራይ ኢዩ።  እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ እንመሃሮ ከኣ ኣብ ጸሎት ኢዩ። ጸሎት ንሰብ ኪዳን ናብ ኣምላኽ ከምዝቐርቡ ይገብሮም። ኣብ ጸዋዕታኦም እሙናት ኮይኖም ከም ዝጋዓዙ ይገብሮም። ነዚ ኩሉ ዝተባህለ ከምቲ ዝድለ ኣብ ዕላማኡ ንኽበጽሕ ናይ ርክብና ግደ ወሳኒ ይከውን። ኣብ መንጎና ሓደ ጽቡቕን ሓቀኛን ርክብ ንኽንምስርት፡ እምነት፡ ሕድሕዳዊ ምክብባር ምምስራት የድሊ።

  • ሓጎስ ፡ ጣዕሚ ኣብ ሕይወትና ከንጸባርቕ ወይ በቲ ኪዳንዊ ሕይወትና ሕጉሳት ክንከዊን፥ እዞም 6 –  መሰረታውያን ነገራት ኣብ ሕይወትና ክንመሃር ይግበኣና።

1ይ. ንፍቕርና ግዜ ሂብና ክንክአል። ልክዕ ከምቲ አብ መዓልታዊ ሕይወታን እንበል ዓሉ እንሰርሓሉ እነዕርፈሉ ውሱን ዝኮነ፣ ከምኡውን ነቲ ፍቕርና ግዜን ሰዓትን ክንፈሊየሉ የዲሊ።

2ይ አብቲ ዝአተናዮ መብጽዓ ወይ ጸዋዕታ ሓቀኛታት ወይ አሙናት ኮይና ክንረክብ የዲሊ። ፍቕሪ ክእወጅ ጥራይ የብሉን እንታይ ደኣ ክንበር። አንብሎን እንገብሮን ተሰማሚዑ ክከይድ ኣለዎ።

3ይ. ምስ በዓልቲ ኪዳና ብኽፉት ልብን ሓቅነትን ክንመላለስ ይግበአና። ናይ ምስማዕ ክእለት ክህልወና- ተቐቢልና ክንኽእል። ሓዳር ወይ ኪዳን ተመክሮ ኢዩ። ንፈልጦ ይመስለና ግና  ኣይንፈልጦን ኢና። ምስ ግዜ ግን እናፈለጥናዮን እናዓበናን ንኸይድ። ክንደይ ጽንኩርን ከቢድን ምካኑ ንርዳእ።  ባእሲ ዘይብሉ ሓዳር ጥዑይ ሓዳር ኣይኮነን ይብሉ። ከምቲ ዘይሓምም ሰብ ዘየለ፣  ከምኡውን ምሉእ ሰብ ዘይበኣስ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን

4ይ. ጌጋኻ ተቐቢልካ ወይ ፈሊጥካ ምኽኣል። አብ ኩሉ ክርስቲያናዊ ጉ ዑዞና እካ አድላዪ እንተኾነ ብፍላይ ግና አብ ኪዳናዊ ጉዑዞ ኣቢሰ ምባል። ይቕረታ ምሕታት የድሊ

5ይ. ይቕረ ምባል ክንመሃር

ሓደ ካብቲ ፍረ ናይ ፍቕሪ ናይ ምሕረት ምሃብ ክእለት ምህላው እዩ። ክምሕር ዘይክእል ሰብ  የፍቅር ኢየ ክብል ኣይክእልን። እቲ ኣብ ኪዳናዊ ህይወት ዝኾነ ካህን . ኣቦ ኣደ ናብ ምሕረት ንኽነምርሕ ዝሕግዝ ደኣምበር ኣብ ክንዳና ኮይኑ ዝምሕረልና የብልናን። ስለዚ ኩሎም ሓገዛት ከወፉይልና ይኽእሉ፣  መሓርቲ ግና ባዕሊና ኢና። እታ ሓንቲ ናብ ዕርቅን ሰላምን እትመርሓና ከኣ ምሕረት ኢያ። እዚ ማለተ ኣብ ኩሉ ሽግርኩም ጸገምኩም መፍትሕ ሽግርኩም  ኣብ ኢድኩም ኢዩ። ብፍላይ ንኪዳናዊ ሕይወትኩም ዝርኢ።

6ይ.  ጎደሎታት ምኻና ክንትፈልጥን ክንቕበልን የድሊ።

እዚ ኣተሓሳስባ ወይ እምነት ኣብ ልብና ሕይወትና ምስዝነግስ ጥራይ ኢና ምስ ኪዳና ብሰላምን ፍቕርን ክነብር እንኽእል። ነቲ ናይ ሰብኣየይ ወይ ሰበይተይ ጉድልነት ክቕበል። ሓደራ ቃል ኪዳን ኣሲርካ ከም ስድራቤት ክትነብር፡ ጾታዊ ፍልልይ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ስለዚ ማዕርነት ዝብል ቍዋም ኣብ ቦቱኡ ከሎ –  እቲ ጾታዊ ፍልልይና ግና ክንቅበል የድሊ። ብዙሕ ነገራት ኣሎ ብባሕሪያዊ  ነደ ጥራይ ዝርኢ ፡  ከምኡውን ነቦ ጥራይ ዝርኢ። ስለዚ ነዚውን ኣብ ግምት ኣኢቲና ብምክብባር ክንጋዓዝ።

 

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *