3ይ. ክፋል – ብእግዚኣብሔር እኣምን

 

ብእግዚኣብሔር እኣምን –   ጸሎት – ሃይማኖት ብምልኡ ተመሊስና እንተረኣና ኩሉ ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ዕብየቱን ይዛረብ። ብዛዕባ ሰብን ብዛዕባዚ ዓለምን እንክዛረብውን እንተኾነ፤ ውትሩ ምስ እግዚኣብሔር ብዘለዎ ርክብን ምትእስስሳር እዩ ዝዛረብ። እቲ ኩሉ ናይ ጸሎት ሃይማኖት ካሊእ ዓናቅጽ ድማ ኣብዛ ቀዳመይቲ ዝተመርኮሰ እዩ። ማለት ኩሉ: ንእግዚኣብሔር ንምፍላጥ፤ ከምቲ ንሱ ባዕሉ ብቐጻሊ ንደቂ ሰባት ርእሱ ዝገለኅጸሎም:  ገቢርና ብዝበለጸ ንምፍላጡ ዚሕግዘና እዩ። ስለዚ ንሕና ክሉና ካብዚ ጸሎትን ትምህርትን ተበጊስና ቅድሚ ኩሉ ኣብ እግዚኣብሔር እምነትና ክንገልጽ ይግበኣና። ኣብቲ ሓደ ኣምላኽ ዝኾነ ፈጣሪና ክንአምን።

  • ብሓደ ኣምላኽ እኣምን ኣለኹ

ኣብ ጸሎት ሃይማኖት እግዚኣብሔር ኡንኮ ምኻኑ ይእመንን ይገልጽን ። ሓደ ኣምላኽ ጥራሕ ከኣ ኣሎ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ብህላዌኡን ኩነቱን  ሓድ ምኻኑ ሃይማኖት ክርስቲና እምነቱ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ንሱ ባዕሉ እግዚኣብሔር ነቲ ሕሩይ ዝኾነ ሕዝቢ እስራኤል ርእሱ ኪገልጸሉ እንከሎ እቲ ኡንኮ ንብሕቱ ምኻኑ እዩ ዝገልጸሉ። ኦ እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ፤ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ንፍስኻን ብኹሉ ሓይሊኻን ኣፍቅሮ። ዘዳ. 6: 4-5 ነዚ ቃል እዚ እንደገና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ቀዳማይ ትእዛዛ ገቢሩ የቕርበልና። ኣብ ወንጌል ማርቆስ ካብቶም መማህራን ሕጊ በቲ መልሲ ናይ መድኅኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ተደኒቑ ኣየነይቲ ትእዛዝ ትዓቢ ንዝብል ሕቶ እንክሓትት: መድኅኒና ኢ. ክርስቶስ ከምዚ እንዳበለ ይምልስ፦  “እታ ቀዳመይቲ እዚአ እያ፥ ኦ እስራኤል ስማዕ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንሱ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ብምሉእ ንብኻን ብምሉእ ነፍስኻን፥ ብኹሉ ኣእምሮኻን ብኹሉ ሓልኻን ኣፍቅሮ” ኣንዳበለ ይምልሰ። ማር 12. 28-30 ብነብያት ገቢሩ ኸኣ፤ ንህዝቢ እስራኤልን ንኹሎም ሕዝብታትን ናብኡ ናብቲ ኡንኮን በይኑን እግዚኣብሔር ዝኾነ ኣምላኽ ኪምለሱ፤ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኪጽውዕም ተረኽበ። ኣምላኽ ኣነ እየ ካሊእ ኣምላኽ የልቦን፤ ስለዚ ኣቱም ኣብ ኩሉ ወሰናስን   ምድሪ ዘለኹም ሕዝቢ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ፤ ኩሉ ብርኪ ኪሰግደለይ: ኩሉ ልሳን ከኣ ብአይ ክምሕል እዩ። ብዛዕባይ ከኣ ዓወትን ጽድቅን ሓይልን ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዚርከብ ኪብሉ እዮም. ኢሳ. 45: 22-24

ስለዚ ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብቲ ኩሉ ሓቅን ግልጸት ናይ እግዚኣብሔር ምእማን ማለት እዩ። ነቲ እግዚኣብሔር ብንብያት ከጺሉ ብሓዋርያት ዝተናገሮ ሓቅታት ተቐቢልካ ምኻል ማለት እዩ፧ እግዚኣብሔር ብሕያውነቱን ብድልየቱን ጥበቡን ተገልጸ:  ኣብ መጠረሻ በቲ ሓደ ዘፍቅሮ ወዱ ተገልጸ ነዚ ሓቂ ዘስተምሁሩና ተምህርና ቤተክርስቲያን ምቕባል ማለት እዩ። ንዕኡ ብኹሉ ልብካን ሓይልካን ኣእምሮኻን ምፍቃርን ምምላኽን ማለት እዩ።

ኣምላኽ ስሙ ይገልጽ

ኣምላኽ እምበኣር ካብ ወዲ ሰብ ስውር ኮይኑ ክነብርን ኣይፈቐደን ባዕሉ ንፍጡራቱ ክዛረቦም ፈቐደን ደለየን ። ስሙ በኣታቶም ከምዝፍለጥ ወሰነ። ርእሱን ኩነቱን ዕላሙኡን ከኣ ገለጸሎም። ኣፍደገ ልቡ ከፈተሎም። ስልዚ ኣምልኽ ስሙ ይገልጽ።  ስምካ ምግላጽ ማለት ከኣ እንታይነትካን: መንነትካን ምግላጽ ማለት እዩ። መንነትካን ኩነትካ ንኻልኦት ምፍላጥ ማለት እዩ። በዚ መሰረት (ሕያው ኣምላኽ) ሙሴ ኣባጊዕ ሓሙኡ እናጓሰየ እንከሎ እግዚኣብሔር ይጽውዖ – “ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ: ኣምላኽ ኣብራሃምን፤ ይስሓቕ: ኣምላኽ ያዕቆብ እየ” ። እንዳበለ ኸኣ ይቀርቦ። በዚ እግዚኣብሔር ነቶም ዝቐደሙ ኣበው ዝጸወዐን:  ኣብ ጉዕዞኦም ዝመርሐን ኣምላኽ ምኻኑ: ንሱ እሙንን ርሕርሑን ስለዝኾነ: ንዳሕሮዎት ወሉዶውን ካብ ባርነት ሓራ ከውጽእ ከምዝመጽእ:  ብቦታን ብግዜን ከምዘይሕጸር: ነዚ ኪፍጽም ክገብርን ክእለትን፤ ድልየትን ከም ዘለዎ፤ ነዚ መደብዚ ንምፍጻምም በቲ ከኣልኩሉ ሥልጣኑ ዚጥቀም ኣምላኽ ምኻኑ ይገልጽ። ሙሴ “እንሆ ናብ ደቂ እስራኤል ከይደ፥ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ” ምስበልኩዎም፥ ስሙ መን እዩ፣ እንተ በሉንስ፥ እንታይ ክብሎም እየ! በሎ። ኣምላኽ ድማ ንሙሴ “ኣነ እቲ ዘለኹ እየ። ንደቂ እስራኤል ከኣ “እቲ ዘሎኹ ናባኻትክም ልኢኹኒ በሎም በሎ። “ኣነ እቲ ዘሎ (ኹ) እየ” ብምባል እግዚኣብሔር መን ምኻኑን፤ በየናይ ስም ኪስመ ወይ ኪጽዋዕ ከምዝደልን ምስጢራዊ ስሙ ይገልጸሎም።ዘጸ 3:6

ናይ እግዚኣብሔር መንነት፤ ማለት እቲ እንርድኦን እንብሎንሲ: መወዳእታ ዘይብሉ ልዕሊ ኹሉ ምኻኑ እዩ። ንሱ እቲ (ካባና) ዝተሰወረ ኣምላኽ ፤ ስሙ ብቓላት ኪግለጽ ዘይከኣል ክንሱ: ናብ ደቂ ሰባት ንርእሱ ዘቕረበ ኣምላኽ እዩ። ኢሰ 45:15 ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትኩም እየ፤ ምሳኻ ክኸውን እየ እንዳበለ እምላኽ ዝነበረን ገና ምስ ደቂ ሰባት ክነብር ከምዘለዎን ይገልጽ።) ዘጸ 3:6 እግዚኣብሔር: “ዘለኹ” ብዝብል፤ ስሙ ኪግለጽ ከሎ ምእንቲ ከድሕኖም ወትሩ ኣብኡ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ዚርከብ ህልው ኣምላኽ ምኻኑ ይገልጽ። ኣብ ቅድሚታ እትነድድ ዕጸጳጦስ ዝተረኽበ ሙሴ፤ ኣብ ቅድሚ ህልውና ኣምላኽን ቅድስናኡን ከምዘሎ ስለዝተረደአ ሙሴ: ኣሣእኑ ኣውጺኡ ደርበየ፤ ገጹውን ኣጎልበበ። (ዘጸ 3:6) ኣብ ቅድሚቲ ሥሉስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ደው ኢሉ ዝነበረ ኢሰይያስ ከኣ “ዋይ ኣነ ጠፋእኩ፤ ከናፍረይ ዝረኸሰ ሓጥእ ኢየሞ” ኢሳ 6:5 ክብል በኸየ።

ኣብ ቅድሚቲ ብእየሱስ ዝተፈጸመ መሎከታዊ ትእምርታት ዝተረኸበ ጴጥሮስውን እንተኾነ: “ጎይታይ” ኣነ ሓጥእ ሰብ እየሞ ካበይ ረሓቕ። ብምባል ጨረሐ። ግና እግዚኣብሔር ቅዱስ ብምኻኑ: ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ኮይኑ፤ ሓጥእ ምኻኑ ዝእመን ሰብ ኪምሕሮ ይኽእል እዩ። “ብነድሪ ቁጥዓይ ኣይመጽእን እየ፤ ሕነ ነድረይ ኣባኻትኩም ኣየውጽእን እየ፤ …. ኣነስ ኣምላኽ እየ: ሰብ ኣይኮንኩን: ኣብ ማእከልኩም እውን ቅዱስ እየ”። ሆሴዕ 11:9 ዮውሃንስ ሓዋርያውን ከምኡ … ሕሊናና እንተነቐፈና ድማ ኣምልኽ ካብ ኩሉ ዚዓብን ኩሉ ዚፈልጥን ስለዝኾነ፤ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ከነህድኦ ኢና” ይብል። 1ዮው 3:19-20 መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ እግዚኣብሔር እምበኣር መሓርን ጸጋውን ኮይኑ ንህዝቡ ዝቐርብ። ወላካ ሕዝቢ እስራኤል: ካብ እግዚኣብሔር ርሒቑ፤ ነቲ ኩሉ እግዚኣብሔር ዝገበረሉ ረሲዑ: ወርቃዊ ምራኽ ብምምላኽ ኣብ ሓጢአት እንተ ወደቐ፤ እግዚኣብሔር ንጸሎት ኣማልድነት ሙሴ ሰሚዑ፤ ኣብ መንጎቲ ዘይእመን ጠላም ሕዝቢ ኪጎዓዝ ፈቐደ፤ በዚ ከኣ ፍቕሩ ገለጸ። ዘጽ. 34.7   በዚ እዩ ኸኣ የውሃንስ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ እንዳበለ ዝጽሕፍ።

ኣነ እግዚኣብሔር መሓርን ጸጋውን ኣምልኽ፤ ንኹራ ደንጋዪ፤ በዓል ዓቢይ ፍቕርን ሓቅን፤ ኪብል ኣወጀ። እግዚኣብሔር፤ ዚምሕር ኣምላኽ ምኻን ድማ ሙሴ ኪእመን ይርከብ። (ኤፌ 2:4) እግዚኣብሔር ጸሎት ሕዝቡ ከምዚሰምዕ’ሞ ሓንቲ መዓልቲ ዚደልይዎ ከምዚፍጽመሎም ብነቢይ ሆሴዕ ይናገር “ኣነ ጸሎት ሕዝበይ እስራኤል ሰሚዐ ክምልስ እየ” ኣነ ኢኹም ክብሎም እየ ንሳቶም ከኣ “ንስኻ ኣምላኽና ኢኻ ኢሎም ክምልሱለይ እዮም” ሆሴእ 21:23። እግዚኣሔር ንሕዝቡ ፍቅሩን ርኅራሔኡን ክገልጸሎም እንከሎ ካብ ናይ ኣደ ፍቕሪ’ውን ከም ዝዓዝዝ ይዛረቦም። “ጽዮን እግዚኣብሔር ሓዲኡኒ ጐይታ ረሲዑኒ በለት። ኣደዶ ንዕሸላ ትርስዕ ኢያ፡ ሰበይቲዶ ንፍረ ከርሳ ትጭክነሉን፡ ነቲ ዕሸላ ክሳብ ትርስዕ ትኸውን ኢያ ወላኳ እሳተን እንተረስዓ ኣነ ግን ኣይርስዓክን ኢየ። ኢሳ 49፡14-15 “ንሓጺር ጊዜ ሓደግኩኺ ብዓቢ ምሕረት ግና ክእክበኪ ኢየ። ኣብ ግዜ ቁጥዓ ንቕጽበት ገጸይ ከወልኩልኪ ብዘልዓለማዊ ድሕነት ግን ክርሕርሓልኪ ኢየ ይብል እቲ ዘድሓነኪ ኣምላኽ። ኢሳ 54፡7-9

ሕዝቢ ኢስራኤል እምበኣር እግዚኣብሔር መን ምኳኑ በቲ ዝገብረሎም ኩሉ ፈሊጦምዎ ኢዮም። ንሱ እቲ ሓደ ፈጣሪ:  ንኩሉ ዝፈጠረን ኩሉ ዝኽእል፡ ናይ ኩሉ ፍጥረት ጐይታ፣ ንኩሉ ዝሓሊ፡ ብኅልፊ ንድኻን ንጭኑቕን ዝረድእ፣ ንክፉኣትን ክጥዓሱ ዘይደልዩን ዝድግፍ፣ ቅንዕናን ርትዕን ዝፈቱ፡ ምሕረቱን ኪዳኑን ንዘልዓለም ዘጽንዕ ሰለስተ ጊዜ ቅዱስ ምኳኑ ካብ ኣብ ሕይወቶም ተመኩሮምዎ ኢዮም። ፈጣሪ ኩሉ ስለ ዝኮነ ከኣ ሕዝቢ እስራኤል ናይ ካልኦት ሕዝብታት እምላኽ ምኳኑ’ውን ቀስ ኢሎም ኣሚኖምን ተቐቢሎሞን ኢዮም። እግዚኣብሔር ካብ ዘለዓለም ክሳብ ዘለዓለም “እቲ ዘሎ እዩ” ፤ ከምኡ ኢሉ ከኣ ነቲ ዝአተዎ ቃል እሙን ኮይኑ ንወትሩ ይንበር።

ኣብ ቅድሚ ፍጥራቱ ኸኣ እሙንን ዘይጠልምን ሓደ ኣምላኽ ኮይኑ ይርከብብ። ስለዚ እዩ ከኣ ምሕረትካን ሓቅነትካን ኢለ: ንስምካ ከመስግኖ እየ” መዝ.138: 2 እግዚኣብሔር ብርሃን ብምኻኑ፤ ኣብኡውን ጸልማት ዚብልዎ ስለዘየልቦ፤ ንሱ ሓቂ ብርእሳ እዩ፤ ዮውሃንስ ሓዋርያ ከምዘምህሮ ከኣ ከምቲ ኣቀዲማን ዝበልናዮ ኸኣ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ።

ኣብ ሓደ ኣምላኽ ምእማን ማለት እምበኣር በቲ ንውልቁ ኡንኮ ዝኾነ እግዚኣብሔር ምእማን፤ ነኣኡውን ብኹሉ ኩነትናና ምፍቃር: ኣብ መላእ ሕይወትና ዘከተሎን ዘምጽኦን ነገራትን መዝነትን ኣለዎ።

–     ናይ እግዚኣብሔር ዕቤትን ግርማን ምርዳእን ማለት

-“እንሆ ኣምላኽ ዓቢ እዩ፤ ንዕቤቱ ክንርድኦ ኣይንኽእል ኢና” ምእንቲዚ ከኣ ልዕሊ ኹሉ ንእግዚኣብሔር ክነገልግል ይግበኣና።

–     ኣብ ምስጋና ጢሕልካ ምንባር ማለት እዩ፣

–     ኣብ ክንዲቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኩሉስ፥ ንእግዚኣብሔር እንታይ ውሬታ ክምልሰሉ እየ መዝ.116:12:

–     ናይ ኩሎም ሰባት ሓድነትን: ኡነተይና ክብሪ – ግርማን ምፍላጥ ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ሰብ ብናይ እግዚኣብሔር ኣራአያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ስለዝኾነ።

–     ኣብ ኩሉ ሕይወትካ እምነትካ ኣብ ኣምላኽ ምግባር ማለት እዩ።

–     ልዕሊ ኹሉ ንዑኡ ምፍቃር ማለት እዩ

–     እምነትካ ኣብ ፍቕሪ መሰረት ዝገበረ ብፍርሓትን ራዕድን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድሕነት ስርሑ። ከመይ ነቲ ኣምላኽ ብፍቕሩ ዝመደቦ ምእንቲ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ኣባኻትኩም ዝዓዪ (ፊሊ.2᎓12-13) ኣብ ፍቕሪ ዘይተመስረተ እምነት ጐዳኢ እዩ።

ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣቦ

ኣቦ ዚወለደ፣ ንዝወለዶም ብፍቕርን ተገዳስነትን ዚሓሊ፣ ዚከላኸል፣ ኩሉ ሰናይ ዘበለ ዚምነ ብዝከኣሎ ንኩሉ መንፈሳውን ስጋውን ግድነቶም ዘማልእ ወዘተ ኢልና ንገልጾ። ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ኵነታት ኣቲና ክንዛረብ እንከሎና ከኣ – ልክዕ ብዛዕባ ቅድስቲ ስላሴ ክንዛረብ እንከሎና እግዚኣብሔር ካብ ጥንቲ ከም ዚወለዶን ንዘለዓለም ከም ዚወልዶን ንፈልጥ ነኣምን – ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ዓንዲ እምነትና እንክንደግም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ ነኣምን እናበልና ኢና ንጽሊ –  ስለዚ እግዚኣብሔር ዘፍቅር ኣቦ ስለ ዝኾነ ሕይወት ክህሉ ደስ ስለ ዝብሎ: ብናጻ ፍቓዱ ነዓና ደቂ ሰብን ከገግልግሉናን ጽባቔኡን ዕብየቱን ዚገልጹልና ነገራት ፈጠረ። እዞም ዚበልናዮም ኩሎም ከኣ በኣኡ ይነብሩ: በኣኡ ይወሳወሱ: በኣኡ ከኣ ህልዋን ይኾኑ።ግ.ሓ.17᎓28 ታሪኽ ወድ ሰብ ካብ መጀመርታኡ እምበኣር ህላዌ እግዚኣብሔር ዚመልኦን ዘሰንዮን እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተተመልከትና’ ድሮ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ግን ከም ፈጣሪኦምን: ሓጋዚኦምን: ተኻላኻልን ይርእይዎ ከም ዚነበሩ የመልክት። ጺኒሑ ኣብ 2ይ ክፍለዘመን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ግን ኣቦ ክብሉ ከለዉ፤ እግዚኣብሔር ኣብ ሕዝቡ ዝነበሮ ዘለዓለማዊ ፍቕሪ ኢዩ ዘመልክት። እግዚኣብሔር ንስኻ ኣቦይን ጐይታ ሕይወተይን ኢኻ ክሳብ ምባል እውን በጺሖም ኢዮም ሲራክ 23። ሚስጢር ኣቦ ንምፍላጥ ኣብ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ጥራይ’ዩ ዚግበር። ስለዚ እስራኤላውያን ወላ’ኳ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዚነበሩ ኣሕዛብ ንኣምላኾም ብዙሕ ግዜ ኣቦ ኢሎም እንተ ዘይሰመይዎ ኣብ ገለ ገለ ግን ዕብየቱን ፍቕሩን ሓልዮቱን ምሕረቱን ብምግንዛብ ኣቦ ኢሎም ኪጽውዕዎ ይርኣዩ። “ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርኅራኃሎም ከምኡ እግዚኣብሔር ንዚፈርሕዎ ይርሕርሓሎም እዩ” ። መዝ.103᎓13

ሰብ ንውሉዱ ከም ዚቀጽዕ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ድማ ከምኡ ከም ዚቐጽዓኩም ዘክሩ። ዘዳግ.8᎓5 እናበሉ ቅዱሳን ጸሓፍቲ ብሓቂ እግዚኣብሔር ንናይ ሕዝቢ እስራኤል ዚሓሊ: ንጽቡቕ ዚሓስበሎም: ብዘይካኡን ብዘይ ናቱ ረድኤትን ከኣ: ኩሉ ኵንቱ ምዃኑ ተረዲኦም ነዚ ኣብ ኢሳይያስ ነቢይ ኣስዒብና እነንብቦ ምስ እግዚኣብሔር ከም ውሉድ ኮይኖም ከዕልሉ ይርከቡ። ኦ እግዚኣብሔር! ካብ ሰማይ ርኣ፥ ካብቲ ብቕድስናን ብኽብርን ጸኒዕካ ናባና ጠምት፥ ኃይልኻ ኣበይ ኣሎ፥ እቲ ኣባና ዘለካ ዓብይ ሓልዮት ኣበይ ኣሎ! ርኅራኄኻን ምሕረትካን ኣበይ ኣሎ! ኦ እግዚኣብሔር፥ ኣይትሕደገና። ኣቦና ንስኻ ኢኻ። ኣቦናስ ንስኻ እቲ ኻብ ዘለዓለም ዝተበጆኻና እግዚኣብሔር ኢኻ። (ኢሳ.63᎓15፣ 64᎓8) ልክዕ’ዩ እስራኤልን ንእግዚኣብሔር ኣቦ ኢሉ ይጸውዓዮ እምበር – ንሱ ንሕዝቡ ብነጻ መሪጹ ኪዳን ስለ ዝኣተወሎም: ምስኡ ብዙሕ ምትእስሳር ከምዝገበሩ: ዘረጋግጽ መጸዋዕታ’ዩ። ንሱ ፈጣሪን ጐይታን ስለ ዝኾነ በዚ ስልጣን ተጠቂሙ ከኣ ፍሉይ ሓልዮት ዚመልኦ ዕርክነት ምስ ሕዝቡ ከም ዚመስረተ ብምርኣይ እዮም፣ ካብኡ ሓሊፎም ከም ኣቦ፣ ጓሳ፣ መርዓዊ ሓላዪ ሕዝቡ ገይሮም ዘቕርብዎ። ሓደ ምሩጽ ሕዝቢ ምስ ሓደ ኣምላኾም ስለ ዝኾነ ከኣ ከም ኣሕዋት ኪተሓቛቐፉ ከም ዘለዎም ምልክያስ ነቢይ ከዘኻኽሮም ይርኤ፡ “ኵላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኮነን ዘሎና? ሓደ ኣምላኽዶኸ ኣይኮነን ዝፈጠረና? ስለምንታይ ድኣ ንሓድሕድና እናተጠላለምና ነቲ እግዚኣብሔር ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳነ እነፍርስ? (2᎓10) እናበለ ሕዝቢ እስራኤል ከፋቐርን ኪሰማማዕን: ኪተሓጋገዝን ክነብር ከምዘለዎ፣ ነዚ እንተዘይፈጺሙ ግን እግዚኣብሔር ነቦታቶም ዝኣተወሎም ኪዳን ከምዘፍርስዎ ይገልጸሎም። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ህልውን እትውን እዩ – ንሱ ኣምኑኤል እዩ ኢሳ. 7᎓4 – ንሱ ናይታ ጥሪቱ ዝኾነ ሕዝቢ እስራኤል እምኒ መዓዝን: ንሱ ስራሕ መሬት –  ንሕና ከኣ ስርሓት መሬት ኢና። “እቲ ምስ ሰራሒኡ ዚካታዕ ስርሓት መሬት ወይልኡ፣ ክርስቲያን እምበኣር “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን” ብምጥማቕ በዚ ምሥጢር እዚ ንኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ “እወ: ኣኣምን” እናበሉ ክእመኑን ክቕበሉን ይርከቡ። “እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን መንፈስ ቅዱስን እናተመቁምዎም ደቂ መዛሙርተይ ግበሩዎም። ናይ ኩላትና እምነት እምበኣር ኣብዚ ሥላሴዚ ዝተሃንጸ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ከኣልኩሉ ኣቦ፤ እቲ ሓደ ወዱን መንፈስ ቅዱስን: ሓደ ኣምላኽ ስለ ዘሎ፤ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን እምበኣር ኣብ ስላሴ ዝተሃንጸ እዩ። እግዚኣብሔር መን ምኻኑ ዚገልጸልና ኸኣ እቲ ተግባራቱ ስራሓቱ እዩ።

ኣብ ሓዲሽ ኪዳን እግዚኣብሔር ሓቐኛ ኣቦ ምዃኑ ብወልድ – በቲ ካብ ከርሱ ዚመጸ ክርስቶስ ባዕሉ ይምስክረሉ – መሰረታዊ ትርጉሙ ከኣ ንሱ ከም ኣቦ መጠን ምንጪ ሕይወት’ዩ፤ እቶም ካብዚ ሕይወት ብምርካብ መሰል ውሉድነት ዚተቐበሉ ሰባት ከኣ ከም ውሉድ መጠን ምስኡ ክዋስኡ ዘኽእል ጸጋ ዚህብ እዩ። ክርስቶስ ከም ሓደ ወዱ ነብኡ ከመይ ኢሉ ንውልድነቱ ከም ዚነበሮ ንቅዱስ መጽሓፍ ብምርኣይ ንፍለጦ’ሞ – ንሕና ከኣ ነዓኡ ንስዕብ። ኣብ መንጐኦም ዚነብር ፍቕሪ ክሳብ ሞት እኳ ድኣ ናይ መስቀል ሞት ተኣዛዚ ኮነ። ነዓና’ውን ከም ውሉድ መጠን – ኣቦ ንዓለም ነዚ ዚፈትዎ ሓደ ወዱ – ዚኣምን ዘበለ ኪድሕን እምበር ንኸይጠፍእ ኣሕሊፉ በጃና ሃቦ። ንሕና ውልድነትናን ኣባታውነት እግዚኣብሔር እነረጋግጽ ብነጻ እቲ ኣካል ናይ ቅድስቲ ስለሴ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ኣባና ንከሓድር እግዚኣብሔር ስለ ዝፈቐደ እዩ። ሕይወት ዚህብ መንፈስ ናይ’ቲ ዚተንስኤ ክርስቶስ ከኣ ውሉድ ምዃና ይምስክር። ንነፍስ ወከፍ ክርስትያን ከኣ እግዚኣብሔር ኣቦ ምዃኑ ብጥብቂ ከምዚኣምኑ ሓይሊ ይህቦም።  “ኣቦ ዚብል መጸዋዕታ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንሰብ ድሕሪ ፈጢሩ ዘይመውት ሕይወት ዚህብ መንፈስ: ኣባና ስለ ዘይነበረ: ወይ ካብ ኩሉ ፍጥረት ዚበለጹ ፍጥረት ስለ ዝገበረና ጥራይ ዘይኮነስ ኣባና ብኣባታዊ ሓልዮቱ ናቱ ዝኾነ መለኮታዊ ሕይወት ተሳተፍቲ ስለ ዝገበረና እዩ። ናቱ መለኮታዊ ሕይወት ዝተሳተፍና ከኣ እንተ ተቐቢልናዮ ብሓቂ ደቁ ኢና: ንሱ ብኣና ዘይሕለል ሓቐኛ ኣቦ’ዩ ብዘይውዳእ ፍቕሪ ስለ ዘፍቀረና ከኣ: ኩሉ ግዜ ዚምሕር ኣቦ ኮይኑ ይርከብ። እቦ ዝብል ቃል ናይ ባህሪ ምትእስሳር እውን የስምዕ እዩ። ንሕና ከኣ ንእግዚኣብሔር ኣቦ እንብሎ ኢየሱስ መንፈስ ፍቕርን ሓድነትን ኣብ ልብና ስለ ዘሕደሮ እዩ።

“ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ከኣ ነቲ “ኣቦ “ኣቦ” ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብኹም ለኣኮ። ደጊም ውሉድ እምበር ባርያ ኣይኮንካን። ውሉድ ካብ ኮንካ ኸኣ ኣምላኽ ወረስ ገይሩካ እዩ” ገላ.4᎓6-7 ስለዚ ኣቦ መሠረታዊ ትርጉሙ ምንጪ ናይ ሕይወት የስምዕ። ናይ እግዚኣብሔር ኣባትነት ካብ መለኮታዊ ባህሩ ዝመነጨ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ጥንቲ ዝውለድ ሓደ ወዱ ስለ ዘለዎ –  ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንእመን እንከሎና” ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ ኢና እንብሎ፣ ክርስቶስ ምስ ኣቡኡ ማዕረ ስለ ዝነበረ ከኣ ካብ ዘለዓለም ዚውለድ እዩ: በዚ ኩሉ እግዚኣብሔር ካብ ዘለዓለም ኣቦ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ብጸጋ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኹ ዚተወልደ ዚተሓደሰን ሰብ ቅድሚ ካልእ ቃል ምድማጹ “ኣቦ” ኢሉ ይጽውዕ።  ታሪኽ ድሕነት እንተ ተዓዘብና መበገሲኡ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ። ኣተገባብራኡን ናብ ኣቦ ዘመርሕ እዩ።  ሥራሕ ክርስቶስ ኮነ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ናብ ኣቦ ዘተኰረ እዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ሥራሕ ድሕነት ምንጭን መወዳእታን ስለዝኾነ። ኣባትነት እግዚኣብሔር እቲ ቀዳማይ መልእኽቲ ወይ ብሥራት ናይ’ቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ። መለኮታዊ ኣባትነት ከም ሓደ ምስጢር ንሕና ንዕምቀቱ ክንርዳእ ዘይንኽእል ኮይኑ እዩ ተገሊጹ። ኣባትነት እግዚኣብሔር ስለ ዘጸግመና ከኣ ከም ፊሊጶስ “ጐይታ ነቦኻ ኣርእየና’ሞ የኣኽለና” ክንብል ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ሕይወት ክርስቶስ ብምሉኡ ነቦ ዚገልጽ እዩ ዝነበረ ። ምኽንያቱ ምሉእ ተልእኮ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ህላዌ ኣቦ ስለ ዝተፈጸመ ።

እግዚኣብሔር ኣቦ ኮይኑ ዝርከብ ከም መጠን ፈጣሪ ጥራሕ ኣይኮነን።  ምስቲ እንኮ ወዱ ብዘለዎ ርክብ: ዘለዓለማዊ ኣቦ ኣዩ። ከምኡውን እቲ ወዱ ፤ ምስ ኣቡኡ በለዎ ርክብ እዩ ውሉድ ዚኸውን። በዘይካ ኣቦ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደካ የልቦን፤ ነቦ ድማ በዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተዘይኮይኑ ሓደካ ዚፈልጦ የልቦን። ማቴ 11.27 በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ኢየሱስ ቃል ምካኑ: ሓዋርያት ብግልጺ ኪእመኑ ዝተረኽቡ። ቃል ብቐደሙ ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፤ እቲ ቓልውን እምላኽ ነበረ፤ ናይቲ ዘይረአ ኣምላኽ ኣምሳል … ከም ምኻኑ መጠን “ናይቲ ክብረ-ኣምላኽ ነጸብራቕን፤ ባህሪኡ ምስልን እዩ። “ብቐደሙ ቃል ነበረ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፥ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። ንሱ ብቕድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ኹሉ ተፈጥረ፥ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እካ ዝተፈጥረ የልቦን”። ዮሓ.1:1-3 ቀጺሉ ኣብ ቆላስያስ … ክርስቶስ ናይቲ ዘይረኣ ኣምላኽ ምስልን፥ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ። ከመይ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ኹሉ፥ ዚረኣን ዘይረኣን መናብርት ይኹኑ ጎይትነት፤ ሊቃናት ይኹኑ ሥልጣናት ኩሎም ብኣኡ ዝተፈጥሩ ኢዮም። 1:15-16

ካብዚ ተበጊሳ ኢያ እምበኣር ቤትክርስቲያን ኣብ ጉባኤ ንቅያ ሓድነት ናይ ኣቦን ወልድን ክትቅበል ዝተረኽበት።

ጉባኤ ንቂያን 318

ኣርዮስ – ብዛዕባ ቃል ወይ ወለድ-እግዚኣብሔር ግጉይ ትምህርቲ ይህብ ነበረ። “ቃል ዘይነበረሉ ጊዜ ነይሩ” እዩ.. “ቃል ካብ ኢሚንቲ እዩ መጺኡ” ብሓጺሩ ቃል ፍጡር እዩ ዝብል ትምህርቲ ነበሮ። ስብከቱ እምበኣር — እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ዘለዓለማዊ ዝኾነ” ወልድ ግን ፍጡር ኢዩ። ብድልየት ኣምላኽ መለኮቱ ብጸጋ ተቐቢሉ፡ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን መማለዲ ጥራሕ ኢዩ።

ኣበው እምበአር ንኣርዮስ ብምውጋዝ ብስምረት ንእምነት ወልደ እግዚኣብሔር ዘረጋግጽ ጸሎተ ሃይማኖት ደረሱ። ኣብዚ ጸሎተ ሃይማኖት – ቃል ወይ ወልድ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ: ካብ ዘለዓለም ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ: ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ: ኣምላኽ ካብ ኣምላኽ: ብርሃን ካብ ብርሃን: ከምዝኾነ ይገልጽ። በዚ ኸኣ ቤተክርስቲያን ሓድነት ናይ ኣቦን ወልድን ትቕበል ።

ከምቲ ኣቀዲምና ስጠቐስናዮ – በዘካ ኣቦ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደካ የልቦን፤ ነቦ ድማ በዘይካ ወልድን እቲ ንሱ ኪገልጸሉ ዚፈቱን እንተዘይኮይኑ ሓደካ ዚፈልጦ የልቦን እንዳበለ መድሓኒና ኢይየሱስ ክርስቶስ እንታይነት ናይ ኣቦ ድሕሪ ምሂሩን ገሊጹን። ኣብ መጨረሻ ሕይወቱው ካሊእ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ኣካል ናይ ቅድስቲ ስላሴ ከምዝልእኽ ኣተስፈዎም። “ነቦ ክልምኖ ኣየ፥ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካሊእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፥ ንሱ ኹሉ ክምህረኩም:  ነቲ ኣነ ዝነገርክኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቡኡ ድሕሪ ተቐሚጡ: ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ሥራሕ ዝቅጽሉ ሰባት ሰሪዑ ስለ ዝኸደ- እቲ መንፈስ ኣቦን መንፈሱን ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምስቶም ሰዓብቱ’ውን ጽኑዕ ርክብ ወይ ሕብረት ከም ዝህልዎም ይገብር። መንፈስ ቅዱስ ተላኢኹ ናብ ልቢ ደቂ ሰብ ይመጽእ ‘ውሉድ ስለ ዝኾንኩም ነቲ ‘ኣቦ’ ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ: ናብ ልብኹም ለኣኾ ገላ4፡6፡ ስለዝተላእከ ንሱ: ኣብ ደቂ ሰብ ይወርድ፡’ በተን መወዳእታ መዓልታት ኪኸውን ኢዩ…. ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ካብ መንፈሰይ ኪፈስስ ኢዩ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ ኣጓብዝኩም ከኣ ራእይ ከርእዩ ኣረገውትኹም’ውን ሕልሚ ኪሓልሙ ኢዮም…እወ በተን መዓልታታ እቲኣን፥ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ መንፈሰይ ከፍስስስ ኢየ። ግ.ሓ.2፡17-18 ሕጂውን ካብዚ ተበጊሱ ጉባኤ ቁስጥንጥንያ – ጎይታ ወሃቢ ሕይወትን ብዝኾነ፤ ካብ ኣቦ ብዚሰረጸ መንፈስ ቅዱስ ነኣምን። እንዳበለ ከም ኣቦን ወልድን ክስገደሉን ክነምልኾን ከምዘለና ይምህረና። እግዚኣብሔር ነኣና ከም ኣቦ መጠን ዘይገበረልና ንገር የለን። ካብቶም ሰለስተ ኣካላት – ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣኅሊፉ ክህብ እንከሎ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣባናን ምሳናን ይነብር ኣሎ፣ እቲ መጸናንዒ ምንፈስ ቅዱስ ነኣና እግዚኣብሔር ከም መርዓት ዓይኑ ይሕልወና፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፉ ይሓብኣና። መዝ.17’8 ከም ጓሳ ኮይኑ ይከናኸነና። ናይ ኣቦን ኣደን ርኅራኄ የርእየና ኣሎ። ብወገና ነዚ ኩሉ ዝገበረልና ኣምላኽ ተረዲእና፣ ነዚ ኩሉ ዝገብርን ዝሓልን ኣምላኽ ክነመስግንን ክንውድስን ይግበኣና። ግልጸት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣቦ ንጹር – ወንጌል እንታይነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ንምግላጽ እግዚኣብሔር ኣብ ንዓለም ስጋብ ንወዱ ኣሕሊፉ ንሞት ብምሃብ ከምዘፍቀራ ይዛረብ።  እቲ ሓቀኛ ስእሊ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ንኽህልወና –. መድሓኒን ኢየሱስ ስክርስቶስ ነዚ ናይ ኣቦ ፍቕሪ ንምግላጽ ንሓዋሪያት ከምዚ ንዳበለ ይሓቶ: መን እዩ ካባኹም እቲ ወዱ ባኒ እንተለመኖ ከውሒ ዝህቦ …ዓሳ እንተሓተቶ ተመን ዝህቦ”

አባ ሓጎስ ጠስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *