አስተንትኖ ቃል አምላክ ግንቦት -16.2018

ዮሓ.17:11-19

ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን ኢየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፥ አነውን ናባኻ እመጽእ አለኹ። ኦ ቕዱስ አቦ! ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ኽኮኑ  ብስምካ ሓልዎም። ኣነ ምስኣታቶም ከለኹ በቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓሎኹዎም፥ ከምኡውን ተኸናኸንክዎም፥ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም ብዘይካ እቲ ወዲ ጥፍአት ካብአቶም ሓደ እካ ዝጠፍአ የልቦን። ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ አሎኹ፥ ሓጎሰይ አብአቶም ምእንቲ ኪፍጸም ድማ እዚ አብ ዓለም እዛረብ አሎኹ።

አነ ቓልካ ሃብክዎም፥ ከምቲ አነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ናይ ዓለም አይኮኑን እሞ፥ ዓለም ጸልአቶም፡፤ ካፍቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም አይኮንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ አነ ናይ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ናይ ዓለም አይኮኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም፥ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለአኽካኒ ከም ኡውን አነ ናብ ዓለም ለአኽክዎም፡፤ ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱ አነ ንርእሰይ ምእንትኦም እቕድስ አሎኹ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *