አስተንትኖ ቃል አምላኽ ግንቦት – 17.2018

ዮሓ.17:20-26

‘ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዚኣምኑ ድማ እምበር ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ። ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣክካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፥ ኩላቶም ሓደ ምእንቲ ኺኮኑ፥ ከምቲ ንስኻ አባይ ዘሎኻ አነውን አባኻ፥ ከምኡ ድማ ንሳቶም አባና ም እንቲ ኺኾኑ፥ እልምን አሎኹ።  ንሕና  ሓደ ኸም ዝኾንና ንሳቶምውን ሓደ ምእንቲ ኺኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም። እዚ ድማ ኸምቲ አነ አብአቶም ንስኻውን አባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍጹማት ምእንቲ ኪኾኑ፥ ከሙኡ ድማ ንአይ ከምዝለአኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን ንአአቶም ከም ዘፍቀርካዮም ዓለም ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ። ኦ ኣቦ፥ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ስለ ዘፍቀርካኒ፥ እዞም ዝሃብካኒ ኸአ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኺርእዩ፥ አብቲ አነ ዘለኽዎ ንሳቶምውን አብኡ ኺህልዉ እደሊ አሎኹ። ኦ ጻድቕ አቦ! ዓለም አይፈለጠትካን፥ አነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚአቶምውን ንስኻ ኸም ዝለአኻኽካኒ ፈሊጦም አለዉ። እታ ንአይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ አብአቶም ምእንቲ ኽትህሉ፥ አነውን አብ አቶም ምእንቲ ኽነብር፥ ስምካ አፍሊጠዮም አሎኹ፥ ከፍልጦምውን ኢየ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *