4ይ. ክፋል – እግዜብሔር እቲ ከኣሌ – ኩሉ

አብቲ ዝሓለፈ ትምህርትና እግዚአብሔር አቦ ምኻኑ ርኢና ነርና፡ ሎሚ ከአ ከም መቀጸልታ እግዚአብሔር ኩሉ ዝኽእል ምካኑ ክነስተትን ንዕደም።

እግዚኣብሔር እምበአር ከሃሌ ኩሉ ማለት ኩሉ ዝኽእል ማለት ኢዩ። እንካብ ኩሉ ንመሎኮት ዚወሃብ ቅጽላት ነቲ ልዑል አምላኽ ዝወሃብ መግለጺ ኣብ ጸሎት ሃይማኖት ተጠቒሱ ዘሎ፤ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣሌ ኩሉነት እዩ። “እግዚአብሔር ዓቢይ ምኻኑ፥ አብ ልዕሊ ኹሎም አምላኽቲ ኸአ ጎይታ ምካኑ እፈልጥ እየ። ንሱ አብ ሰማይን ምድርን፥ አብ ባሕርን መዓሙቕን ዝደለዮ ዘበለ ዚገብር እዩ። መዝ.133:5-6

ነዚ ናይ ኣምላኽ ክእለት ምእማን፤ ኣብ ሕወትና ፍሉይ ጽልዋ ዘለዎ እዩ። ክእለቱ ንኹሉ ዘጠቓልል እዩ፤ ምኽንያቱ ከኣ እቲ ንኹሉ ነገር ይኹን እንዳበለ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር፤ ንኹሉ ዝመርሕን ንኹሉ ዝፍጽምን ንሱ ባዕሉ እዩ። አምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። መንፈስ አምላኽ ድማ አብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነበረ። ሽዑ አምላኽ “ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ዘፍ. አብ ዘፍ.ምዕራፍ ሓደ ዘሎ ክነንብብንኽእል። እግዚኣብሔር ኣቦና ብምኻኑ፤ ምሥጢራዊ እውን ስለዝኾነ ብእምነት ጥራሕ እዩ ኪረኣን ኪልለን ዚከኣል። “እምበአር እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ ኢዩ” ሮሜ.10:17 ወዲ ሰብ ናብ እምነት ንኽትመርሖ፡ ነቲ ልዑል አምላኹ ንኽፈልጦ፤ እሞ ኣብቲ ምስጢረ ድኅነት ኣምላኽ ንኽሳተፍ – እቲ መሳርሒ ስብከተ ወንጌል ኢዩ።

እዚ ስበከት እዚ ከአ ቃል ክርስቶስ ኢዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝብለና፡ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ ኢዩ”:: ትርጉም እምነት እምበኣር ኣብ ህልውና እግዚኣብሔር ምንባርን፡ ነቲ ምስጢራውን ኅቡ እን ዝኾነ ህልውናኡ፡ አብ ቤተክርስቲያንን አብ ሕይወት እዚ ዓለምን፡ ከም ዝዝርጋሕን ከምዝሰርጽን ምግባር ኢዩ። ነቲ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ወዱ ገይሩ ዚገለጸልና ሓቂ ፈቲካ ምቅባሉን ብአኡ ሕይወትካ ምምራሕን ማለት ኢዩ።  በዚ ኢዩ ኸኣ ዕብየት እግዚኣብሄር ኣብ ሕይወትና ዝግለጽ። ዝደልዮ ኹሉ ዚገብር ኣምላኽ ክእለት እግዚኣብሔር ንኹሉ ዘጠቓልል ምኻኑ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተደጋጊሙ ይግለጽ። ናይ ያዕቆብ ኃያል፤ “ጎይታ ሠራዊት” “ኃያልን በዓል ክእለትን” ብዚብል ይጽዋዕ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣሌ-ኩሉ ኢዩ። እቲ ናቱ ኣባትነትን ሓይሉን ከኣል-ኩሉ ነንሕድሕዱ ዚበራራህ ኢዩ። ንሱ ኢቲ ናቱ ኣብ ምኽኑ፣ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምኻኑ  በቲ ንሱ ኣብቲ መዓልታዊ ሕይወትና ዘርእዮ ሓሊዮት ኢዩ ዝግለጽ።

ንሱ ኣባና ዘለዎ ሓልዮት መወዳእታ የብሉን። እቲ አባታዊ ክእለቱ ብመንገዲ እቲ አባና ዘዘርእዮ ሓልዮትን ፍቕርን ይግለጽ « አቦ ክኾነኩም እየ። ንስኻትኩምውን አወዳትን አዋልድን ክትኮኑኒ ኢኹም ይብል እቲ ኹሉ ዚኽእል እግዚአብሔር።” 2ቆር.6:18 በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ንወዲ ሰብ ኃጥአት ብምሕዳግ እቲ ዝለዓለ ከኣሌ-ኩሉ ምኻኑ የርኢ። ስለዚ አብዚ ምድራዊ ጉዑዞና ንሕና ኢና ደቂ እቲ ልዑል አምላኽና ክንከዊን ክንውስን ዘለና።  ንሱ ድሮ “አቦ ክኾነኩም እየ” ብምባል ፍቕሩን አባትነቱ ሓይሉን ገሊጹልና ኢዩ። ንሕና ብወገና ከም አቦ ክንቅበሎ፡ ከም ደቂ አምላኽ ክንሰርሕ ክንመላለስን ይግበአና። እዚ ምስ እንገብር እግዚአብሔር ብወገኑ አብ ኩሉ ጉዑዞና አቦ ክኾነና ኢዩ: ጽላሉ አይክፍለየናን ኢዩ: ኩሉ ግዜ አብ ጎድንና እንዳ ተጋዕዘ ካብ ኩሉ ፈተና ሸይጣን ክሕልወና፡ናብቲ ሓቅን ቅኑዑን መገዲ ክመርሓና ኢዩ።  ልዕሊ ኹሉ ግና ከፍቅረና ኢዩ።  አብቲ እንወድቀሉ ግዜውን እንተኾነ መሓሪ አቦ፤ መድኅን ዝለዝኾነ ምሕረቱ ክህበና ኢዩ። ጥራይ ንሕና አብቲ ምሕረቱን ሓይሉን ክእለቱን አሚና  ንቕረቦ እምበር።

“ኦ እግዚአብሔር ኹሉ እትኽእል እግዚአብሔር አምላኽ እስራኤል! አዚና ስለ ዝጎሃና ዝተሓለልናን፥ ናባኻ ንእዊ አሎና። ኦ ጎይታ! ስምዓና፥ በዲልናካ ኢና እሞ ምሓረና”። ባሮክ.3:1-2

ኢዮብ ነዚ ከኣሌ-ኩሉነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ እንክገልጽ፥ “ኩሉ ከም እትኽእልን፤ ነቲ ዝመደብካዮ ኻብ ምግባር ዚኽልክለካ ኸም ዘይልቦን ሕጂ ፈለጥኩ” ይብል። ኢዮ 42:2

እግዚኣብሔር “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከኣል ኩሉ ኮይኑ ዝተረኽበ: ፈጣሪኡ ገባሪኡ ስለ ዝኾነ እዩ። ንኹሉ ስርሓቱ ከም ፍቓዱ ገቢሩ ንዘዋድድ እግዚኣብሔር ዚሰኣኖ ነገር ክህሉ አይክ እልን።  ኣብ መዝ.115:3 ኣንተረኣናውን፥ ኣምላኽናስ ኣብ ሰማያት ኣሎ፥ ንሱ ዝደለዮ ኹሉ ዚገብር ኣምላኽ እዩ። ይብል። ንሱ ጎይታ ዓለም እዩ። ብትእዛዛቱ ንኹሉ ይሠርዕ፤ ኩሉ ነገር ከኣ ኣብ ትሕቲኡ፤ ነኣኡ ተኣዚዙን ይኸይድ። ንልብታት ዝገዝእ፤ ንኹነታት ምስ ፍቓዱ ዘሰማምዕ ኣምላኽ፤ ንሱ ናይ ታርኽ ጎይታ እዩ። ነቲ ዓቢይ ኃይልኻ: ኣብ ዝኾነ ግዜ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኪብል ዚኽእል ድማ ሓደካ የልቦን።

እግዚኣብሔር ከም ሓደ ሓያልን ብርቱዕን ተገሊጹ ዝርከብ። እዚ ዓቢ ንጉስ እዚ መን እዩ፤ ንሱ እቲ ብርቱዕ ኃያልን እግዚኣብሔር፥ እቲ ኣብ ውግእ ዚስዕር እግዚኣብሔር እዩ። እቲ ዓቢይ ንጉሥ ኪኣቱ እዩሞ፥ ኣቱም ደጌታት ጋህ በሉ፥ ኣቱም ናይ ጥንቲ ደጌታት ተኸፈቱ። እዚ ዓቢይ ንጉሥ እዚ መን እዩ፤ እግዚኣብሔር ጎይታ ሠራዊት፥ እቲ ዓቢይ ንጉሥ እዩ። መዝ. 24:8-10

ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ የልቦን። ሉቃ 1:37። ኢቲ ናቱ ሓይሊ ንኹሉ እዩ። ምሥጢራዊ እዩ። ኣብቲ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ንወድሰብ ካብ ዘየሎ ዝፈጠሮን እንታይነቱ ተገሊጹ ይርከብ። ልዕሊ ኩሉ ግና ኣብቲ ስጋ ዝለበሰሉን ኣብ ትንሥሳኤ ወዱን – ኣብቲ ንነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ውልድነት መሰል ብምሃቡን ምሕረት ብምሃቡን እንታይነት ናይ እግዚኣብሔርን ክእለቱን ንርኢ። እቲ ናቱ ኣባትነትን ሓይልን ብኸመይ ተገሊጹ ንረኽቦ እንተበልና — ኣብቲ ሓሊዮቱን ፍቕሩን እዩ። “እንታይ ክንሰቲ ኢና፤ እንታይ ክንክደን ኢና: ኢልኩም ኣይትጨንቑ። ነዚ ኹሉስ ኣሕዛብውን ይደልይው ኢዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ከም ዘድሊየኩም፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ” እዩ እንዳበለውን ባዕሉ ጎይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምስክር። ማቴ 6:32

እግዚኣብሔር ከኣሌ ኩሉ-ኣቦ እዩ። ንኣድላይነትና ብኸመይ ከምዝሓሊየልና ኣብ ዘርእየሉ ኩሉ፤ እግዚኣብሔር ኣባታዊ ከኣሊ-ኩልነቱ ይገልጽ። በቲ ንሱ ዝሃበና ናይ ውልድነት መሰል “ኣነ ኣቦ ክኾኖኩም እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ውሉድን ኣውልድን ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ይብል እቲ ከኣሊ ኩሉ” 2ቆሮ 6:18. ማቴ 6:32 ከምኡውን በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረቱ ክእለቱ ይገልጽ፤ ምኽንያቱ ኸኣ ነዚ ክእለቱ ወይ ከኣሌኩሉነቱ ብዝለዓለ መንገዲ ዚገልጾ፤ ኣብቲ ናይ ኅጢኣት መወዳእታን መወዳድርትን ዘይብሉ ምሕረቱ ብምግባር ንወዲሰብ ብምምሓር ክእለቱን ከኣሌ-ኩልነቱን ይገልጽ።

ንወዲ ሰብ ነቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ምስ ጸጥፍእ እግዚኣብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ እንደገና ጸጋ የልብሶ።  በዚ ኸኣ ከኣሌ ኩሉ ምኻኑ ይገልጽ። ብኻሊእ ኣምላኽ — ብናይ ክርስቶስ ትንሣኤን ክብርን ገቢሩ ኸኣ: እግዚኣብሔር-ኣቦ ነኣና ነቶም እነኣምን፤ ኪስፈር ዘይከኣል ዕቤት ክእለቱ ኣርእዩና። “ኣባና ኣብቶም እነ ኣምነ ከኣ፡ እቲ ኺግመት ዘይከኣል ዕቤት ሃይሉ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ እጽሊ ኣሎኹ። እዚ ኣባና ዚሥርሕ ዘሎ ሓይሉ ኸኣ፡ እቲ ንኽርስቶስ ካብ ምውታት ዘተንሥአሉን አብ ሰማያት አብ የማኑ ዘቐመጠሉን ኃይሉ እዩ” ። ኤፌ.1:19-22

ናይ ኣምላኽ ከሃሌኩሉ ሥልጣኑ: ምሥጢራዊ መንገድታት ክንርድኦ እንኽእል ብእምነት ጥራሕ እዩ። እዚ እምነትእዚ ድማ: ንኃይሊ ክርስቶስ ናብኡ ምእንቲ ክንስዕብ: በቲ ድኻሙ ዚምኻሕ እምነት እዩ። ንሱ ኸኣ ኅይለይ ኣብ ድኻም እዩ ዚግለጽ እሞ፥ ጸጋይ ይኣኽለካ በለኒ። ስለዚ ኃይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጋስ ብድካመይ ክምካሕ እየ። እምበኣርከስ ምስ ዝደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብጸርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብጸበባ እሕጎስ ኣሎኹ።2ቆሮ 12:9 መጠን ንሕና ድኹማት ምኻን ዝኣመና መጠኑ ክብሪ ኣምላኽ፡ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ኣባና ይ ዓዝዝ። ከምቲ ስራክ ኣብ 3:18 ዝጸሓፎ “እግዚኣብሔር ጸጋኡ ምእንቲ ክህበካ፡ ብዝዓበካዮ መጠን፡ ትሑት ኹን” ኣብ ትሕትና ፍሪሃ እግዚኣብሔር ኣሎ። ኣብኡ ፍቕሪ ኣሎ። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ዝተኣዘዝክምዎ ኹሉ ምስ ገበርኩም፡“ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዚግበኣና ኢና ዝገበርና በሉ”። ሉቃ.17:10

እግዚኣብሔር ንነፍስና ንምድሓን ንገዛእ ልዕልናኡ ሸለል ከምዝበለ፡ በዚ ኸኣ ዕብየቱን ሓይሉን  ዝገለጸ፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብትሕትናና ወይ ትሕት  ብምባል  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ልዕል ክንብል ኢና። ድንግል ማርያም ከኣ ከምዚ ናይ ዝበለ እምነት ዝለዓለ ኣብነትን ኣርኣያን እያ፤ ከመይሲ ንሳ፡ “ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ከምዘየለ ዝኣመነት፤ ከምኡውን እቲ ኩሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገቢሩለይ እዩ፤ ስሙ ቕዱስ እዩ” ብምባል ንኣምላኽ ዘዕበየት ብጽዕቲ ኣደ እያ። ሉቃ.1:37፤47

ዝኸበርኩም አኅዋት አኅትን  እዚ ወርሒ ግምቦት ንማሪያም ዝተወፈየ ወርሒ ከምኻኑ –   ናይ ማሪያም አብነት ነዚ ሎሚ እነስተንትኖ ዘለና ትምህርተ ቤተክርስቲያን ንኽንርዳእ ሃጋዚ ኢዩ። “እቲ ኩሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገቢሩለይ እዩ እሞ፤ ስሙ ቕዱስ እዩ” እናበለት አብ ሕይወታ “እግዜብሔር እቲ ከኣሌ – ኩሉ ምኻኑ ብእምነታ  ዝገለጸትን ዝመስከረትን   አደና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም አብነታ ተኸቲልና ብአማልድነታ ሕጂውን ዕብየት እግዚአብሔር አብ ነፍሲ ወከፍና ንኽግለጽ ወትሩ ክንጽሊ ይግበአና። ንሳ ገብርኤል መልአኽ ናብአ መጺኡ ወዲ ከም እትወልድ ምስ አበሰራ ከይተጠራጠረት ንሓይልን ክእለትን እግዚአብሔር አመነት። “ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” ብምባል ንፍቃድ እግዚአብሔር ተቐበለቶ።

ቅዱስ ኢረንዩስ: ተኣዛዚት ብምኻና ንርእሳን ንመላዕ ዓሌት-ሰብን ምኽንያት ድሕነት ኮነት። ቅ. አጎስጢኖስ፡“እግዚአብሔር ብባሕሪኡ ኩሉ ይኽእል፡ ድንግል ማሪያም ከዓ ብጸጋ ኩሉ ትኽእል እያ፥ ጸጋአ ድማ ወዳ እዩ፡ ወዳ ድማ ናታ እዩ፡” ይብል።  ንማሪያም እዚ ኹሉ ቅድስና ክትለብስ ዝኸኣለት ኣብቲ መለኮታዊ ጸዋዕታ ኣምላኽ – ሓይሊ ኣምላኽ ስለዝኣመንት እዩ: እቲ ካልኣይ ድማ ትሕትናኣ ኢዩ፡ ነቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝመጻ ጸዋዕታ ብትሑት መንፈስ ፍቃድካ ይኹን ስለዝበለት ኢዩ::  ስለዚ እምበኣር እግዚኣብሔር ኣቦ — መሓሪ ኣቦ እቲ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ዘደንቕ ነገራት ዝገበረ: ሎሚ ምስ ማሪያም ኮይና ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ የሎን እንዳበና ኣብ ጥበቡን ሓይሉን ፍቕሩን ምህረቱን ክንኣምን ሎሚ ንዕደም።

እግዚኣብሔር ይሓግዘና! ኣሜን

Abba Hagos Tesfagabir

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *