ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ግንቦት – 25.2018

ማር.10:1-12

ኢየሱስ ካብኡ ተላዒሉ ናብ ሃገረ ይሁዳ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ። ከም ብሓድሽ ከአ ብዙኅ ሕዝቢ ናብ ኡ ተአከበ፥ ከም ልማዱውን መሃሮም። ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኺፍትንዎ መጺኦም “ሰብአይ ንሰበይቱ ኺፍትሓዶ ግቡእ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ኢየሱስ ድማ  “ሙሴ እንታይ አዘዘኩም፧” ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከአ “ሙሴስ መፍትሕአ ጽሑፍ ጽሒፍና ክንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ” በልዎ።

ኢየሱስ ከአ ኸምዚ በሎም፦ “ሙሴስ ብትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም።  ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና አምላኽ ሰብ አይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። ስለዚ ሰብ አይ አብኡን አዲኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ። ክልቲኦም ድማ ሓደ አካል ይኾኑ፤ ስለዚ ድማ ሓደ አካል እዮም እምበር ክልተ አይኮኑን። እምበአርከስ ነቲ አምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ አይፍለዮ።” አብ ቤት ከአ ደቂ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኻል አይ ጊዜ ሓተትዎ። ንሱ ድማ “እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዜእቱ፥ አብ ልዕሊአ ይዝሙ። እታ ሰብ አያ ፈቲሓ ኻሊእ እተእቱ ድማ ትዝሙ” በሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *