በዓለ ጰራቅሊጦስ – ግንቦት 27.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ግ.ሓ.2:1-11

ዮሓ.20:19-25

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ ምድሪ ምስ መሰየ፥ እቶም ደቂ መዛሙርቱ ነቶም አይሁድ ስለ ዝፈርሁ መዓጹ ተሸጉሩ ነበረ። ኢየሱስ ከአ አብታ ተ አኪቦሙላ ዝነበሩ መጸ፥ አብ ማ እከሎም ደው ኢሉ ድማ “ ሰላም ንአካትኩም ይኹን” በሎም። እዚ ምስ በሎም ከአ አ እዳውን ጎድኑን አርአዮም፤ እቶም ደቂ መዛሙርቱውን ንጎይታ ምስ ረአይዎ ተሓጎሱ። ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ “ ሰላም ንአኻትኩም ይኹን፤ ከምቲ አቦ ንአይ ዝለአኸኒ አነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ” በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ”። ኃጢአቶም ንዝሓደግኩምሎም ኪኅደገሎም፥ ንዘይኃደግኩምሎም ግና አይኪኅደገሎምን እዩ” በሎም።

  • አስተንትኖ

ሎሚ በዓለ ጰራቅሊጦን ክነብዕል ኸለና ነቲ ኣብ በዓለ ሓምሳ ኣብ ልዕሊ ሃዋሪያት ዝኾነን ዝተፈጸምን ኢና ንዝክርን ነስተንትንን። እቲ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሓዋሪያት ዝተፈጸመ ሎሚውን ኣባና ከምዝፍጸም ኣብ ልዕሌና መንፈስ ቅዱስ ወርዱ፣ ሕይወትና ከምዝልውጥን ንአምን። ኢየሱስ ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ፣ማለት ካብዚ ምድሪ እዚ ምስንባቱ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝጥመቁን፣ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ከም ዝቅበሉን። ተፍቕርሩኒ እንተኾንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ፥ ኣነ ከኣ ነቦይ ክልምኖ እየ፥ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዝነብር ካሊእ መጸናንዒ ክሰደልኩም እዩ” እናበለ ቃል ኣቲሎም ነሩ ኢዩ።

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ ግብረ ሓዋሪያት ምዕ.2 ከምዘዘንትወልና “ኩላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ”። “ብሃንደበት ከኣ ኸም ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ሓደ ድምጺ መጸ”፣ “ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ መልኣ። ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ክዓልብ ተረኽበ። ልሳናት ሓዊ ዚመስልውን ተራእዮም።  ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ  ሓዊ፣ ኣምሳል ናይ መንፈስ ቅዱስ ኢዮ።ኣብዚ ግዜ እዚ እምበኣር ሓዋሪያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ብቋንቋታት ኬኣ “ቃል ኣምላኽ” ክዛረቡ ጀመሩ።

ጰራቅሊጦስ ድሕሪ 50 መዓልቲ፣ ህዝቢ እስራኤል ኣብ እምባ ሲና “ምስ ኣምላኽ ዝተራኸበሉን”፣ “ሕጊ ዝተቀበለሉን”፣ በዚ ሕጊዚ መሰረት ከኣ “ምስ ኣምላኽ ኪዳን ዝኣተወሉ” ይዝክሩ ነበሩ።   ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ነጻ ምስ ወጹ  ኣብ እምባ ሲና ምስ ኣምላኽ ምስ ብምርኻብ፣ በቲ እግዚኣብሔር ብሙሴ ዝሃቦም ሕጊ ተማእዚዞም  ክነብሩ ምስተቀበሉ፣ ምስ ኣምላኾም ሓደ ኪዳን ተፈጺሙ። ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ኣምላኽ ብመልክዕ ንፋስን ሓውን ምስ ሓዋርያት ይራኸብ፣ በዚ ኸአ ከምቲ አብ ብሉይ ኪዳን ኣብ እምኒ ተወቂሩ ዝተጻሕፈ ሕጊ፣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ሓዋሪያትን ኣመንቲ ይውቀጥ።

ቅ. ጳውሎስ “ሕጂ ነቶም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለዉ፣ ኰነኔ የቢሎምን፣ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ሕይወት ዝህብ ሕጊ መንፈስ፣ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡና ኢዩ” ይብል (ሮማ. 8. 2-2)። እቲ ሕጊ ኃጢአትን ሞትን  ባራዩ ይገብረና። ነጻ ክገብረና አይክእልን። ስለዚ ሕጊ መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ፡ ንሱ ምንጪ ናይ ሕይወትና፡ ጽቡቕና፡ ናጽነትና፤ ድኅነትና ኮይኑ ይርከብ።

“እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቕዱስ፥ ንሱ ኹሉ ኪምህረኩም ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።14.26 መንምፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ኾይኑ፣ነቲ ክንገበሮ ዝግብኣና ይምህረና፣ ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ይመርሓና። ነዚ ቃል ብልቢ ብምስትንታንን ብምቕባልን: እቲ ናቱ ትሕዝቶ መልእኽትን ምስእንርዳእ፣ ምስ እግዚኣብሔር ዘለና ርክብ ክነሕድስን ክንቅይርን ጸገም ኣይክህልወናን። እግዚኣብሔር እቲ ካባና ዝጽበዮ ኣብ ሕይወትና ክንቅበሎን ቦታ ክንህቦን እዩ። ልባትና ማሕደሩ ክኸውን ክነፍቕድ፡ መንፈስ ቅዱስ አባና ክሰርሕ ሕይወትና ክልውጥ ክነፍቅድ ወትሩ ክንደኪም የዲሊ። ኣብዚ ስራሕ/ ተልእኾ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ ኢልና ክንሓትት ንኽእል፦ መምህር ኢዩ፡ዘኻኽር፡ ዘጸናንዕ፡ ዝመርሕ ሓይሊ ኢዩ። ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እምበኣር ሓዲስ ትምህርቲ ምምሃር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ነቲ ኩሉ ብብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰብከ ሓቂን ትምህርትን ደጊሙ ዝምህርን ..ዘዘካኽርን – ዓሚቕ ትርጉሙን መልእኽቱን ግልጺ ዝገብርን ሓይሊ እዩ።

እዚ ሓይሊ እዚ እምበአር አብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ከም አንልወጥን እንሕደስን ይገብረና። አብ አገልግሎት ቤተክርስቲያንን አኅዋትን ከም እንጽመድን እንተግህ ይገብረና። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ባህሪያዊ ናብ መንፈሳዊ፣ ነቲ ብስሚዕት  ዝምራሕ ስጋና ብመንፈስ ከም ዝምራሕ ዝገብር ሓይሊ ኢዩ። ኣምላኽ ጽሩይ ማይ ነጺጉ የጽርየና፣ ካብ ኩሉ ርኽሰትናን ካብ ኩሎም ጣዖታትና የንጽሓና። ሓዲሽ ልቢ ይህበና ሓዲሽ መንፈስን ከኣ ኣብ ውሽጥና የሕድረልና። ነቲ ንኣምላኽ ዘይእዘዝ ናይ ልቢ እምኒ ኣውጺኡ፣ ንኣምላኽ ዝምእዘዝ ናይ ስጋ ልቢ ይህበና። መንፈሱ ኣብ ውሽጥና ኣሕዲሩ ከኣ ትእዛዛቱ ብምሕላው ከም እንሕጐስ፣ ብድሌቱ ከም ንመላለስን ይገብረና፣ በዚ ከኣ ንሕና ሕዝቡ ንኸውን፣ንሱ ከኣ ኣምላኽና ይኸውን:: ሕዝ. 36. 25-28

ጴጥሮስ ነቶም ብስብከቱ ተሳሒቦምን ተማሪኾምን “እንታይ ክንገበር” ኢሎም ዝሓተትዎ “ተነስሑ”፣ ኅድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረኽቡ ኸአ ነፍሲ ወከፍ ብስም ኢየሱስ ይጠመቕ፤ እግዚአብሔር ዚህቦ መንፈስ ቅዱስ ከአ ክትቕበሉ ኢኹም” ይብሎምዑ። ሰላም ንዓካትኩም ይኹን፤ ከምቲ አቦ ንአይ ዝለአኸኒ አነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ” በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ”። ኃጢአቶም ንዝሓደግኩምሎም ኪኅደገሎም፥ ንዘይኃደግኩምሎም ግና አይኪኅደገሎምን እዩ” በሎም፡: ሓዋሪያት መንፈስ ቅዱስ ብምቕባል እምበአር እዚ ተልእኾን ሥልጣንን ይቕበሉ። ብሓይሊን መሪሕነትን መንፈስ ቅዱስ  አብ ምድሪ ኃጢአት ክፈትሑን ክአስሩን። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ ነዚ ተልእኾን ሥልጣንን ከአ ናብ እኖና ቅድስቲ  ቤተክርስቲያን ተመሓላሊፉ ሎሚ ቤተክርስቲያን ብመርሒነት መንፈስ ቅዱስ ነዚ ተልእኾ እዚ ክትፍጽም ትርከብ።

ስለዚ ንሕና ነዚ ተልእኾ እዚ ተቐቢልና፤ብመሪሕነት ቤተክርስቲያና ንመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽና ልብና ንኽፈተሉ: እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ንሕተቶ: ንሱ እቲ ሓቀኛ መገዲ፤ ትምህርቲ ክመርሓና ኢዩ። ንሱ እቲ መገዲ ድሕነት: መገዲ ሰላም: መገዲ ፍቕሪ ክምህረና ኢዩ። ከምቲ አብ መዝ.51, ኦ ኣምላኸይ፥ ምእንቲ ዘለዓለማዊ: ምሕረትካ ኢልካ ይቕረ በለለይ፥ ምእንቲ ዓቢይ ርሕራሔኻ ኢልካ ኸኣ: ኣበሳይ ደምስስ። እንዳበልና ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንዝምር ክንልምን ክንምህለልን ይግበኣና። መንፈስ ቅዱስ እምበኣር ኣሓዋት እቲ ዓሚቅ ተልእኾ ክርስቶስን ትምህርቱን : ዝምህረናን .. ዘረደኣናን መንፈስ ኢዩ። ንዕኡ ልብና ምስእንኸፍት፤ ልብና ምስ ዝቕበል  እታ ሓቂ: ክንፈልጣ ኢና። እግዚአብሔር አምላኽና አውደአምትና ይባርኽን ይቐድስን! አሜን

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *