5.ክፋል – ዘፍጥረት

 

ኣምልኽ ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠር: ዘፍ 1:1

ብዛዕባ ፍጥረት ክንዛረብ ከለና ኩሉ ግዜ ነቲ ሰብኣውን ክርስትያናውን ሕይወትና ዝትንክፍ ኢዩ። ሓደ መሰረታዊ ሕቶውን የኸትል ።

–  ካበይ ኢና መጺና

– ናበይ ኢናኸ እንኸይድ

– መወዳእታና ናበይ ኢዩ። ከመይ ኢዩ ክኸውን።

ሰብኣዊ ኣእምሮ ነዚ ሕቶዚ እዚ መልሲ ንምሃብ ካብቲ ናይ ፈጣሪ ህላዌ . . . ካብቲ ስራሓቱ ተበጊስካ ብርግጽነት ብብርሃን ሰብኣዊ ኣእምሮ ክፍልጥ ዝከኣል ኢዩ። ግና ኩሉ ግዜ ብእምነት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ኢዩ ኸኣ እምነት መጺኡ ንእእምሮና ዘብርሆን: ኣብቲ ቅኑዕ ርዲኢትን ሓቅነትን ዘጽንዖ፤ ከምቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ዕብራውያን ክጽሕፍ ከሎ ዝብሎ ድማ: “ኩሉ ዓለም ብቃል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፤ እቲ ዝረኣ ድማ ካብ ዘይረኣ ከም ዝተፈጥረ ብእምነት ኢና እነስተውዕለሉዕብ.11:3 ብዘይ እምነት እቲ ሓቀኛ ርድኢት ናይ ፍጥረት ክህልወና ኣይክእልን። ስለዚ ክንአምን ይግበአና።ነዚ ኹሉ ግና ባዕሉ እግዚኣብሔር ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ንወድሰብ ክገልጸሉ ይርከብ። ሰብ ክህልዎ ዝኽእል ባሕርያዊ ፍልጠት ኪንየው ዝኸይድ ናይ ፍጥረት ምሥጢር፤ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እሥራኤል በብደረጃኡ ኪገልጸሉ ተረኽበ። እቲ ንኣበው ዝሓረየ፤ ንሕዝቢ እስራኤል ብሕሬቱ ዝወለዶን ዘዕበዮን፤ እዚ ኹሉ ዝገበረ ኣምላኽ ድማ ኩሎም ሕዝብታት ዓለምን ዓለም ብመሉኣን ናቱ ከምዝኾኑ ዝገልጸ፤ ንሱ ብቐንዱ እዩ። ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ። ኢሳ 43:1 – መዝ.115:15 – 124:8፤ 134:3

“ሕጂ ግና ኣታ እስራኤል፥ እቲ ዝፈጠረካን ዝደኮነካን እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ” ኢሳ.43:1 በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ቡሩኻት ኩኑ። መዝ.115:15

ስለዚ ካብ ቃል ኣምላኽ ዘፍ.1:1 ተበጊስና እግዚኣብሔር ፈጣሪ ምኻኑ ንኣምንን ንቕበልን።  ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ: ፍጥረት ስራሕ ቅድስቲ ሥላሴ ምኻኑ እዩ።እግዚኣብሔር “ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” ዘፍ 1:1 ብመጀመርያ ቃል ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ አምላኽ ነበረ፡ ኩሉ ነገር ብአኡ ተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበል ድማ ብዘይካ በአኡ ሓንቲኻ ዝተፈጥረ የልቦን። ዮሓ.1፡1-3 እግዚኣብሔር ንኩሉ ፍጥረት ብነጻን ብፍቕርን ዝመልኦ ብድልየቱ ፈጢርዎ ። ማለት  “እግዚኣብሔር ንኩሉ ካብ መለኮታዊ ባህሩ ወጻኢ ዝኾኑ …  ብቃሉ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኹሉ ፍጥረት ፈጢርዎ ብማለት ስራሕ እግዚኣብሔር ክንደይ ጽቡቕን ዘደንቕን ምኻኑ ክነስተንትን ንኽእል።

እቲ ዘለዓለማዊ እግዚአብሔር – አብ በቲ ጥበብን ሕያውነትን ዝመልኦ ነጻን ምሥጥራዊን መደቡ ንምሉእ ዓለም ፈጠረ። ንደቂ ሰብ እውን አብ መለኮታዊ ሕይወቱ ንኸካፍሉ ኽብ አበሎም፡ እናበለ ትምህረና ቤተክርስቲያን አብ ብርሃን አሕዛብ ቁጽሪ ክልተ። መንፈስካ ኦጐይታ ንዓለም መልኣ; ኣምላኽ ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ምድሪ ድማ በረኻን ጥራይ ነበረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ መንፈስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዘንብ ነበረ። ዘፍ 1: 2  መንፈስ ኣምላኽ ድሮ ካብ ጥንቲ ኣብ ምፍጣር ዓለም’ውን ህልው ምኳኑ ግልጺ ኢዩ።

ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽሩይ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ ብቅዱስ መንፈስ ከኣ ኣይተግድፈኒ” መዝ.51፡10-11 መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝንቀሳቐስ ህልውና ናይ እግዚኣብሔር በይኑ ነቲ ዘሎ ዘይተስተኻከለ ኩነታት ፍጥረት ዘመዓራረየ፡ ቅርጺ ዘይብሉ ዝነበረ – ቅርጺ ዝሃቦ እዩ ዘስምዕ። መምህራን ሕጊ ኣይሁዳውያን እቲ መንፈስ ርዋሕ – መንፈስ ናይ ንጉሳዊ መሲሕ ኢሎም ይጽውዕዎ። ንገሊኦም፤ ከምኡ ኣብ መዝ.33፡6 ሰማያት ብቃል እግዚኣብሔር ብዘሎ ሰራዊቶም’ውን ብእስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ ይብል። መንፈስ እግዚኣብሔር ብቀጻሊ ዚፈጥር ምኳኑ ኸኣ ይንገረሉ። ንስኻ ገጽካ ትኽውል ይስንብዱ መንፈሶም ተውጽእ ይሞቱ…መንፈስ ትልእኽ’ሞ ይፍጠሩ ንገጽምድሪ ከኣ ትሕድሳ መዝ.104፡29-30 እግዚኣብሔር ብመንፈስ ዓዳልን ኣሓዳስን ሕይወት ምኳኑ ከኣ ይንገረሉ።

እግዚኣብሔር እምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ’ሞ ሰብ ህያው ኮነ ዘፍ.2፡7። እቶም ኩሎም መንፈስ ኣምላኽ ብምርካብ ሕይወት ዝረኸቡ ከኣ ንእግዚኣብሔር አምላኾም ከምልኹን ክሰዱን ክውድሱን ትሑዛት ይኾኑ። መንፈስ አምላኽ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን ጽኑዕ ዝኾነ ሕብረት ይፈጥር: ምኽንያቱ ካብ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ወጺኡ ናብቲ ፍጡር ዝኾነ ሰብ ስለ ዝወርድ ምስኡ’ውን ስለ ዚነብር። በዚ ኢዩ ጳውሎስ “ንስኻትኩም ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ምኻንኩምዶ አይትፈልጡን ኢኹም” እናበለ ዝጽሕፍ።

ኣብ ጥበበ ሰለሙን 12፡1 “እቲ ዘይበርስ ዘይበላሾ መንፈስካ ኣብ ኩሉ ፍጡር ኣሎ” እናበለ ይዛረብ ኣብ ሕዝቂኤል ነቢይ እንተ ተመልከትና’ውን መንፈስ ቅዱስ ንዝደርቀ ዓጽሚ ከይተረፈ ሕይወት ዚህብ ምኳኑ የዘንቱ። ኣብ ናይ ቢዘንታይን ስርዓተ ኣምልኾ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እንክዛረቡ “ምምራሕን ምግዛእን፣ ምቅዳስን ምንቅስቃስ ተፈጥሮ – ሠራሕ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ምኽንያቱ ንሱ ብባህሪኡ ምስ ኣቦን ውሉድን ሓደ ኢዩ: ኣብ ርእሲ ሕይወት ስልጣን ዘለዎ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ብምኳኑ ኣብ ኣቦ ብወዲ ዓለም ፍጥረት ናይ ምሕላው ሓለፍነት ኣለዎ ይብለና።

እግዚኣብሔር ብመንፈስ ቅዱስ ሕይወት ይህብ ይዕድል፤ ንሱ እቲ መጨረሻ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ዝልግሰሎም ህያብ ኢዩ፤ ንዓታቶም ካብ ዘይምንባር የድሕኖም፡ ይዓቍሮም። ስለዚ ኣብ መንፈስምኳን ወይ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ምጽናዕ ማለት ህያው ምኳን ብሕይውት ምንባር ማለት ኢዩ።

ኣብ ምስጢር ቅድስቲ ስላሴ መንፈስ ቅዱስ ኣቦን ውድን ዘራክብ ዘተሓባብር ፍቕሪ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ፍጥረት እንክንዛረብ መንፈስ ቅዱስ ነፍስ ወከፍ ፍጡር ዋና ዓላማ ሕይወት ንኸስተማቕር ወይ ንኽነብር ኣብ ውሽጢ ሕይወቱ ኮይኑ ዝሰርሕ ኢዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ኣብ መንጐ ሰብን ካልኦት ፍጥረትን ሕብረት ዚፈጥር ኢዩ። ንስነምግባር ዚርኢ’ውን መንፈስ ኣምላኽ ንሕይወትና ኣድላዪ ምኻኑ የረድኦ።  “ኦ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፡ ጽሩይ መንፈስኽ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሓድስ: ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ ቅዱስ መንፈስ ከኣ ኣይተግድፈኒ” መዝ.51፡10-11      ቅዱስ መንፈስ ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ሓደ ሰብ ምንባር ማለት ኣብ ቅድሚ ህላዌ እግዚኣብሔር ምንባር ማለት ኢዩ ታሕጓስ ናይ ድሕነት ምርካብ ማለት ከኣ ኢዩ። እቶም ኩሎም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ንሳቶም ደቂ እግዚኣብሔር ኢዮም።

እግዚኣብሔር ነዚ ዓለምና ክጥምቶ እንከሎ- ከም ተገልጸ ናይ ኣምላኽ ዘለዎ ጌይሩ’ዩ ዝጥምቶ – ምኽንያቱ ዓለም ምልክት ናይ ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ዘሎ ኢዩ። ኵሉ ሥራሕ ፍጥረት እግዚኣብሔር ኣብ ብርሃን እቲ ብወዱ ዝፈጸሞም ነገራት ክንምልከት ኣሎና ብክርስቶስ ነፍስ ወከፍ ሰብ ናብ ሓድሽን ዘለዓለማውን ዝኮነ ኪዳን እተጸውዐ’ዩ። ኩልና ብክርስቶስ ኣብ ዘልዓለማዊ ሕይወት ዝተጸዋዕና ኢና። ክርስቶስ ብምስጢር ፋሲካኡ ካብ ኩሉ ሓጢኣት ነጻ ገይሩና ኢዩ – በዚ ከኣ ሓደሽቲ ፍጡራት ገሩና ኢልና ንኣምን። ብመጀመሪኣ ቃል ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ:: ኩሉ ነገር ብኣኡ ተፈጥረ፤ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብኣኡ ሓንቲ እኮ ዝተፈጥረ የልቦን። ዮው. 1.1-3

እዚ ናይ የውሃንስ ቃል …  ቃል ብቃሉ ካብቲ ናይ ፍጥረት መልእኽቲ ዝተወስደ ይኸውን. ኣምላኽ ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ስለዚ ካብ መጀመሪያ ቃል ነበረ ብምባል ህላዌ ናይ ወልድ ካብ ዘለዓለም ምካኑ ወልድ ኣብ ምፍጣር ዓለም ከምዝተዋስአ ይምህር። እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ ነበረ፡ ኣብዚ ትምህርቲ ናይ የውሃንስ ንጹር እዩ። ንሱ እቲ ቃል እግዚኣብሔር እዩ። ማዕረ ኣቦ. ፈጣሪ…. ባዕሉውን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣነ ኣቦን ሓደ ኢና” ይብል። ስለዚ ኣብዚ ብሓጺሩ ፍጥረት ስራሕ ቅድስቲ ስላሥሴ ምካኑ ይምህረና። ከመይ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ኹሉ፤ ዚረኣን ዘይረኣን፥ መናብርት ይኹኑ ጎይትነት፥ ሊቃናት ይኹኑ ሥልጣናት ኩሎም ብኣኡ ዝተፈጥሩ እዮም። ኩሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ። ቆላ 1:16-17 ፍጥረት ነቲ ፍቕርን ክብረትን ልዕልናን ኣምላኽ ዝገልጽ ኢዩ። ንሕና ነቲ ክብሪ ኣምላኽ እንገልጽ ፍጡራት ኢና። ምክንያቱ እቲ ፍቕሩ ንሓልዮቱን ጽባቔኡን ኣብቶም ፍጡራቱ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ስለ ዘንጸባርቕ። በዚ ምኽንያት ስለዚ ኩሉ ፍጡር ንኽብሪ ኣምላኽ ዝገልጽ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ፍጥረት. ቅዱስ ቬናቨንቱራ ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል፥

“እግዚኣብሄር ንኹሉ ነገራት ዝፈጠረ ኣብ ክብሩ ክብሪ ንምውሳኽ ዘይኮነስ ንአኡ ኪገልጽን ንካልኦት ከሳትፎን ኢሉ ኢዩ ይብል። “እግዚብሔር ብለዋህነቱን ብጥበቡን ንርእሱ ገሊጹ ምስጢር ፍቓዱውን ንኽገልጽ ፈቐደ። ፍቃዱ ከአ ብኽርስቶስ በቲ ሥጋ ዝኾነ ቃልን፡ ብመንፈስ ቅዱስን፡ ደቂ አዳም ምስ አብ ርክብ ምእንቲ ክህልዎም፡ ካብቲ አምላኻዊ ባህሪ እውን ተኻፈልቲ ምእንቲ ክኾኑ ኢዩ”። ፪ ጉባኤ ቫቲካን አብ ቃል እግዚአብሔር ምዕራፍ ሓደ ቁጽሪ 2

ስለዚ ብፍላይ ንሕና ነፍሲ ወከፍና እቲ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ሕያውነትን አብ ሕይወትና ከንጸባርቕ  ሓላፍነትን ጸዋዕታን ኣለና። ዓለም ንኽብሪ ኣምላኽ ተፈጥረ ዝብል መልእኽትን ትምህርትን እምበኣር ሓደ ሓቂ ናይ እምነትና እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ እቲ መለኮታዊ ጽባቐ ናይ ኣምላኽ የንጸባርቕ። እዚ ኣብ መዝ.19:1 ክነንብብ ንኽእል፣“ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትው፥ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳው ይነግር”። እዚ ኣበሃህላ እዚ ዓለምን ኩሉ ኣብኣ ዝነብር ፍጡርን ንኽብሪ ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ ኢዩ። ኦ እግዚኣብሔር ሰማያት አቲ ዝገበርካዮ ተኣምራታት ኬመስግንዎ ኢዮም። መዝ 88:5 ፀሓይን ወርኅን ኣመስግናኦ: ብርሃት ከዋኽብቲ ኣመስግንኦ: ሰማየ ሰማያን ኣብኣ ልዕሊ ሰማያት ዘለኹም ማያትን ኣመስግንዎ.

ኣዚ ሓደ 148.3 ዓለም ንኽብሪ ኣምላኽ ተፈጥረ ክንብል ከለና ፍጡራት ብህላዊኦምን ተግባሮምን ክብሪ ኣምላኽ ይገልጹ። ንሕና ኸኣ ብወገና ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘድንቕ ፍጥረት ብምርኣይን ምስትንታንን ነቲ ፈጣሪኦምን ሰራሒኦምን ንኣምላኽ ነምስግን። እግዚአብሔር ነዚ ንኽገብር ካሊእ ዕላማ አይነበሮን፤ እንታይ ደአ ገደዶ ፍቕሪን ሕይውነትን።  እግዚኣብሔር ንዓለም ብመደቡን ጥበቡን ከምዝፈጠሮ ንኣምን። ብነጻ ድላይ ከምጽተፈጠረ ንኣምን። ነዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንፍጥራቱ ኣብ ህላዊኡን ጥበቡን ኣብ ሕያውነቱን ከሳትፎም ስለ ዝደለየ እዩ። መዝ.104:24, 145:9

ኦ እግዚኣብሔር፥ ግብርታትካ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።

ንኹሉ ብጥበብ ገበርካዮ፥

ንምድሪ ኸኣ ብፍጡራትካ መላእካያ

ስለዚ እግዚአብሔር ክብሩ ንኺገልጽን፥ ንደቂ ሰባት አብቲ ኽብሪ ኢቲ ንኸሳትፍን ኢሉ ንዓለም ፈጠራ። ንፍጡራቱ ኸአ አብቲ ሓቂ፡ አብቲ ሰናይ አብቲ ጽባቄ ኡን ንኸሳትፎም ፈጠሮም። ካብዚ ተበጊሱ ከኣ እግዚኣብሔር ንዓለም ብመደብ ጥበቡ ከምዝፈጠሮ ንርኢ። ጥበ 9:9 ፍጥረት እምበኣር ብናይ እግዚኣብሔር ነጻ ድላይ ከምዝተፈጥረ ነኣምን። እግዚኣብሔር ንፍጥራቱ ኣብ ህላዌኡ፤ ጥበቡ: ኣብ ሕያውነቱ ከሳትፎም ደለየ፤ ከመይሲ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፤ ፍቓድካ ስለዝኾነ ድማ ህላዌ ረኺቡን ተፈጢሩን ኣሎ። ራእ.4:11 እቲ መዘሙር ቀጺሉ “ኦ ጎይታ: ግብርታትካ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ፤ ንኹሉ ብጥበብ ገበርካዮ” እግዚኣብሔር ንኹሉ ሠናይ እዩ፤ ንኹሉ ፍጥረቱ ከኣ ይርኅራኅሉ። መዝ 104:24 እናበለ ይድነቕ ብተግባር እግዚኣብሔር ክድነቕ ንዕዘብ።

እግዚኣብሔር ንኽፈጥር ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይድልዮ: ከኣሌ ኩሉ ከምዝኾነ ኣብ ዝሓለፈ ርኢና ነርና። በዚ ከኣ ንኣምን። ክእለት እግዚኣብሔር ንኹሉ ዘጠቓልል ምኻኑ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተደጋጊሙ ይግለጽ። ናይ ያዕቆብ ኃያል፤ “ጎይታ ሠራዊት” “ኃያልን በዓል ክእለትን” ብዚብል ይጽዋዕ። ኢዮብ ነዚ ከኣሌ-ኩሉነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ እንክገልጽ፥ ኩሉ ከም እትኽእልን፤ ነቲ ዝመደብካዮ ኻብ ምግባር ዚኽልክለካ ኸም ዘአልቦን ሕጂ ፈለጥኩ ይብል። ኢዮ.42:2 ንኹሉ ነገር እምበኣር እግዚኣብሔር ካብ ዘየሎ ከምዝፈጥር: ትንፋስ ከምዝህብ ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስና ይምህረና።

ኣብ ካሊእ መጽሓፍ መቃብያን ምዕ.7.22 -23 ከምዚ ነንብብ፦ ኣነ ኣብ ማሕጸን ከመይ ኢልኩም ሕይወት ከም ዝዘራእኩም ኣይፈልጥን ኢየ። ኣነ ሕይወትን ትንፋስን ኣይሰኻዕኩልኩምን፥ ነዚ ኣባኻትኩም ዘሎ ኣካላት ሰብነትውን ኣይሰራ ዕኩልኩምን። ስለዚ እቲ ንዓለም ዝፈጠረ፥ እቲ ንሰብ መጀመርታ ቕርጺ ሂቡ ዝፈጥረን፥ ንኹሉ ፍጥረት ዝመሃዘን፥ ሕጂ ንስካትኩም ምእንቲ ሕጉ ሕይወትኩም እንተመነንኩም፥ ንሱ፥ ብምሕረቱ መሊሱ ሕይወትን ትንፋስን ክህበኩም እዩ ይብል። 2መቃ 7:22-23 እዚ ከኣሌ ኩሉ ምካኑ እናኣምኖ ኣምላኽ እምበኣር ኣብ ደቂ ሰባት ብመንፈሱ ንጹሕ ልቢ ኪፈጥር ዝኽእል፥ ንኅጥኣተይናታት ሕይወት ክህብን ክዘርእን ዝኽእል ኣምላኽ ኢዩ። ኣምላኽ ንዝሞቱ ህይወት ዝህብ ንዘየለዉውን ናብ ህላዌ ዚጽውዕ ኣዩ። ስለዚ ዝኸበርኩም ኣሕዋት ብፍላይ ንሕና ደቂ ሰባት ነዚ ካኣሌ ኩሉ ፈጣሪ ኣምላኽ ክብሪ ክንህብ ይግበኣና።ብተግባርና ነቲ ናቱ ጽባቄ ክንገልጽ ይገባኣና። “ከምኡ ኸአ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ር እዮም፥ አብ ሰማያት ንዘሎ አቦኹም ምእንቲ  ኼመስግንዎ፥ ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ”። ማቴ.5:16  ኣምላኽና ቅዱስ ኢዩ እሞ ንሕናውን ቅድስና ኣምላኽ ክነንጸባርቕ ኣለና።

ዳዊት ክዝምር ከሎ:

እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፥

እቲ እትሓልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ:

ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ።

ኣብ ልዕሊ ኹሉ ፍጡርካ ሰምካዮ፥

ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ሥልጣኑ ገበርካዮ። 7:5-6

ካብቲ ኩቡር ኣምላኽ እዚ ኩሉ ክብሪ ዝተዋህበና ፍጡራት ኢና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ፈጣሪና ኣይንእዘዝን ምስበልና እንተኾነውን ሓደ ወዱ ብምልኣኽ እንደገና ብመንፈስ ከም እንፍጥጠር ገበረና።

“ኣብ መጨርሽታ ብግዜና ብወዱ ገይሩ ተዛረበና” ዕብ. 1:1-2 ነቲ ንደቂ ሰብ ዘብርህ ቃል ዘለዓለም ዝኾነ ወዱ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ኣዳም እናነበረ ም ሥጢራት እግዚኣብሔር ምእንቲ ክግልጽ ለኣኾ”። ዮሓ.1:1-18፡ በዚ ተግባራትን ሓልዮትና አምላኽ እምበአር እግዚአብሔር አምላኽና ናብቲ ኽብርና መንነትናን መለሰና። በቲ ወዱ ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገብረልና። ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ኹሉ ከኣ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ።

ኣሕዋት እምበኣር ነዚ ናይ ሎሚ  ትምህርተ እምነትና ክነስተንትን ከለና: ንሕና እግዚብሔር ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቅረና: ክንዝክርን ክነስተንትንን – ትርጉም ሕይውትናን ጸዋዕታናን  ክንፈልጥን ይግበአና። ዓለም ንክብሪ አምላኽ ተፈጢራ ኢልና ካብ አመናን ተቐበልናን፡ ንሕና ብሕይወትናን ተግባራትናን ነዚ ኽብሪ እዚ ክንምስክር ይግበአና። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ዘለዓለማዊ ዕላማ ሕይወትና ከይንርስዕ። እግዚአብሔር ብአምሳሉን ብአርአያኡን ገይሩ ምስ ፈጠረና፡ ብወዱ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ሕይወት ወረስቲ ኽንከዊን “ብልዕን ምምራትን አብ ዘየባላሽውዎ፥ ሰረቕቲ ኹዒቶም አብ ዘይሰርቅዎ አብ ሰማይ ሃብቲ አክቡ” እናበለ ጸዊዑና ኢዩ። በዚ ኸአ ንሃብቲ እዛ ዓለም ዘይኮነ ንሃብቲ ሰማይ ሃረር ክንብልን ክንሰርሕን ይጽወዓና። ዕላማ መፍጠሪና ከአ እዚ ኢዩ፡ ነቲ ናይ አምላኽ ነገር ሃረር ክልንብል። በቲ ናይ እግዚአብሔር ሕግን ስርዓትን ትምህርትን ሕይወትና ክንመሕ።

አብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ነቶም አብ መጀመርታ ዘልዓልናዮም ሕቶታት፡ ማለት ካበይ ከምዝመጻና ፡ ናበይ ገጽና ንጎዓዝ ከምዘለና – መወዳእታና ኸአ እንታይ ኢዩ ክንፈልጥ ይግበአና። አብዚ ዓለም እዚ ንሕና መንገደኛታት ወይ ስደተኛታት ምኽና አሚና ወትሩ አብ ቅድሚ ፈጣሪና እሙንታ ኮይና ክንመላለስ ይግበአና። ዘለዓለማዊት ሓገር እግዚአብሔር አምላኽ ዘዳለወልና አላትና፡በዚ ምድራዊ ሓጎስ ጣዕሚ ከይተታለልና ነቲ ሰማያዊ ሓጎስ ክነስተንትን መዓልታዊ ክንሰርሕ ይግበአና። ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *