ኣስተንትኖ ቃል አምላኽ ግንቦት – 29.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማር.10:28-31

ጴጥሮስ ከአ “እንሆ እምበአር ንሕና ኹሉ ኃዲግና ሰዓብናካ” ኪብሎ ጀመረ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዚ በሎ፦ “ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ ቤት ወይ አኅዋት ወይ አኃት፥ ወይ አደ፥ ወይ አቦ፥ ወይ ሰበይቲ፥ ወይ ውሉድ፥ ወይ ግራሁ ዝኃደገ፥ ሕጂ አብዚ ዓለም እዚ ምስ ስደት፥ ቤት፥ አኃዋት፥ አኃት፥ አደ፥ ውሉድ፥ ግራሁ  ሚእቲ ካዕበት ዘይክፈል፥ አብ ዚመጽእ ዓለም ከአ ሕይወት ዘለዓለም ዘይቅበል ሓደ እካ የልቦን። ብዙኃት ቀዳሞት ዳኅሮት ኪኾኑ እዮም፥ ዳኅሮት ድማ ቐዳሞት ኪኾኑ እዮም።”

  • አስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብዛዕባ ጸዋዕታ ይምህረና፡ ጴጥሮስ ንመድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ “እንሆ እምበአር ንሕና ኹሉ ኃዲግና ሰዓብናካ” እናበለ ክዘረቦ ንርእዮ። “ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፥ አብ ዚመጽእ ዓለም ከአ ሕይወት ዘለዓለም ዘይቅበል ሓደ እካ የልቦን።

ዝከበርኩም አኅዋትን አኃትን እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ብፍላይ ነቶም ብፍሉይ መንገዲ ንተል እኾ ወንጌል ዝጽውዑ ማለት ዝርኢ እካ እንተኾነ፤ ንኹሉና ክርስቲያንውን ዝር ኢ ኢዩ፡ ምክኒያቱ ነፍሲ ወከፍና አብ ተልእኾ ወንጌል ጽውዓት ስለዝኾና።

ጸዋዕታ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝተመስረተ   ኵለንተናኻ ንአምላኽ  እትውፈዮ  ኮይኑ “ጥልቅን ውሽጣውን ዝኾነ ተወፋይነት ዝግለጸሉ ሓደ ዓይነት ሕይወት እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ዝተንቀሳቐሱ ምእመናን ክርስቶስ፣ ልዕሊ ኩሉ ንዚፍቀር ኣምላኽ ርእሶም ምእንቲ ከወፍዩ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ እግዚኣብሔር ፍጽምና ፍቕሪ ተኸቲሎም ከኣ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ናይቲ ዚመጽእ ሕይወት ማለት መንግሥተ አምላኽ ክብሪ ምልከቱን መበሠረቱን ብምዃን ንክርስቶስ ብዝቀረበ ኣገባብ ክኸተልዎ ዝመደቡ እዮም። እናበለ ይምህር  መዝገበ ሃይማኖት (916)

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ ተመልከትና ከኣ እቲ ቀዳማይ ተበግሶ ናይ ጸዋዕታ ዝወስድ እግዚኣብሔር አምላኽ ባዕሉ እዩ። እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ብዘለዓለማዊ ፍቕሪ ምስ አፍቀሮ ድሕነት ክምስርት ምስ መደበ ንሕዝቢ እስራኤል ክጽውዖ ይርኤ። ነቶም ዝተጸውዑ ኸአ ነቲ ዝተጸውዑሉ ዕላማ ብቑዓት ኮይኖም ከምዝርከቡ ሓይሉን መንፈሱን ይህቦም።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ እንክጽሕፍ “ናብ’ቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ ምስቶም ኣብ ኩላ ሥፍራ ስም እቲ ጐይትኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ጎይታ ዚጽውዑ ኹሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተጸውዑ እዮም። (1ቆሮ. 1᎓2) ስለዚ ነቲ ዝተጸዋዕኩምሉ ጽዉዓ ብቁዓት ኬንኩም ክትነብሩ እልምነኩም ኣሎኹ። (ኤፌ.4᎓1) እቲ ናብ መዓሙቕ ዝወረደ ከኣ ንኩሉ ብህላዌ ምእንቲ ክመልእ ልዕሊ ኩሉ ሰማያት ዝዓረገ ንሱ እዩ። ንሱ ከኣ ንገሊኦም ሓዋርያት፡ ንገሊኦም ነቢያት፡ ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል፡ ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት ንገሊኦም መምህራን ገበሮም። (ኤፌ.4᎓10-11) እዚ ኸኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ምእንቲ ክትነጽሕ እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍጹማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ። (ኤፌ.4᎓12)

አምላኽ ነዓ ሰዓበኒ እናበለ ብነጻ ዝኾነ ብመለኮታዊ ድላዩ ንደቂ ሰባት ይመርጽን ይጽው ዕን።   “እዚ እቲ ዝፈትዎ ወደይ በኣኡ ደስ ዝብለኒ እዩ ስምዕዎ እናበለ ከአ ንዑዑ ብምስማ ዕ ንኽርስቶስ ጎይታና ብቐረባ ክንስዕቦ ይዕድመና።  ደቂ ሰባት ነዚ ፍሉይ ጸዋዕታ ብውሽጣዊ ተመስጦ ተሓጊዞም ነዚ ጸዋዕታ ናቶም ይገብሮዎ፤ ሙሉእ ብምሉኡ ኣብ ኣገልግሎቱ ንዝጽውዖ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ይምዕቆቡን ንኣምላኽን ኣብ መደብ ድሕነቱን ከኣ ይወፈዩ 1ቆሮ. 7᎓32-34

እግዚአብሔር እምበአር ሓዋሪያት ይመርጽ   ምእንቲ ወንጌል፥ ኢሎም ቤት  አኅዋት አኃት፥  አደ፥  አቦ፥ ሰበይቲ፥  ውሉድ፥  መሬት፤ ክገድፉ አብ ዚመጽእ ዓለም ከአ  ዘለዓለምዊ ህይወት የተስፍዎም። ስለዚ ጳውሎስ “ምእንቲ እቲ መዘና ዘይብሉ ፍልጠት ናይቲ ጐይታና ዝኾነ ክ.ኢ ንኩሉ ነገር ከም ክሳራ እቆጽሮ ኣሎኹ (ፊሊጵስዩስ 3᎓8)

ንኹሉ ሓዲካ ንጸዋታ እግዚአብሔር ተቐቢልካ ምእንቲ ንመንግስተ ሰማይ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ፡ ኣሰር ክርስቶስ ምስዓብ፡ ንክርስቶስ ምኽታል ወዲ መዝሙር ምዃን የስምዕ። ንዓይ, ካብ ኩሎም ቅዱሳን ዝነአስኩ እካ እንተ ኾንኩ፥ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ንሕዛብ ክሰብኽ፥እዚ ሰጋ እዚ ተዋህበኒ። ኤፌ.3᎓8 ስለዚ ጸዋዕታ ጸጋ ኢዩ፡ ነዚ ጸጋ እዚ ከአ ከምቲ ዝድለ ንክነብሮ ናይ አምላኽ ደገፍ የድሊየና። ኩሉ ክንገዲፍ የዲሊ፡

ክኽተለኒ ዝደሊ መዓልቲ መዓልቲ መስቀሉ ተሸኪሙ ይስዓበኒ (ሉቃ.) ስለዚ ምኽታል ወይ ምስዓብ መግለጺ ናብ ክርስቶስ ምምላስ ሕይወቱ ሕይወትካ ክትገብሮ ምጽዓር የስምዕ። እቲ ኣምላኽን ሰብን ዝኾነ ክርስቶስ ንሱ እቲ እንኮ ንፍቃድ እግዚኣብሔር ብኩሉ ወገናቱ ዝነበረ እዩ። ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ስለ ዝኾነ ከኣ ነቶም ብስሙ ዝተኣከቡ ሰባት ጸጋኡ የፍስሰሎምን ነዓኡ ከም ዝስዕቡ ይገብሮም።

ኩሉ ገዲፍካ ንክርስቶስ ኣሰሩ ምስዓብ፣ ንተልእኾ ክርስቶስ ምቅጻል ማለት ኢዩ፡ ኣሰሩ ምስዓብ ማእሰር ሓድነት እዩ ኣብ ክርስቶስ ምስኡን ነዓኡን ኣብ ድላይ እግዚኣብሔር ጸኒዕካ በቲ ንሱ ዝሓለፎ መንገዲ ምጉዓዝ ማለት እዩ። ንዑ ሰዓቡኒ በሎም። ብኡብኡ ድማ መርበቦም ኃዲጎም ሰዓብዎ፣

ክርስቶስ እምበአር ነቶም ብፍሉይ መንገዲ ተካእቲ ሓዋሪያት ኮይኖም ክስዕብዎ ዝደሊዮ ሰባት፡ ነቲ ኩሉ ናይዚ ዓለም ነገራት ገዲፍካ፡ ናይ ስድራቤት ርክብን፤ ናይ ሥራሕ ርክብን ኣቋሪጽካ ወይ በቲካ ብወንጌል ተመሪሕካ ንአገልግሎትን ድኅነት አሕዛብን ምስራሕ  የስ ምምዕ።  ኣብቲ ናይ ክርስቶስ  ዕጫ ኣብ ስቓዩን  ሕይወቱን ክካፈል ድልው ክኸውን ኣለዎ “እቲ ድሕረይ ኪስዕብ ዝደሊ ገዛእ ርእሱ ይመንን፣ መስቀሉ ኣልዒሉ ከኣ ይስዓበኒ፣ (ማር.8᎓34)

መስቀል ማለት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ሰብን ዘሎካ ተኣማንነት ምምናንን ንኽትምንን ቅሩብ ምዃንን ማለት እዩ። እምነት ምሕላው “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝእመነኒ ኹሉ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክእመኖ እዩ (ሉቃ.12᎓8) ኣሰሩ ምኽታል ማለት ንሱ ዝገበሮ ምግባር ማለት እዩ። ኣብነቱ ምኽታል “ካብ መምህሩ ዝዓቢ ተማሃራይ ካብ ጐይታኡ ዚበልጽ ኣገልጋሊ የልቦን….. ንበዓል ቤት ብዔል ዘቡል ካብ በልዎ ንቤተሰቡ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ። ኣሰሩ ምኽታል ማለት ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ምብሣርን እቲ ንሱ ዝፈጸሞም ተኣምራትን ትእምርትን ምፍጻም ማለት እዩ። ነዚ ኢዩ ከአ አክርስቶስ ንሓዋሪቱ ዝመርጾም፡፤

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *