6ይ – ሰማይን ምድርን

 

እግዚኣብሔር “ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” ዘፍ 1:1

እግዚኣብሔር ንኩሉ ፍጥረት ብነጻን ብፍቕርን ዝመልኦ ብድልየቱ ፈጢርዎ ንብል። እዚ ካብ ኮነ እምነትና  “እግዚኣብሔር ንኩሉ ካብ መለኮታዊ ባህሩ ወጻኢ ዝኾኑ …  ብቃሉ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኹሉ ፍጥረት ፈጢርዎ ብማለት ስራሕ እግዚኣብሔር ክንደይ ጽቡቕን ዘደንቕን ምኻኑ ክነስተንትን ንኽእል። መንፈስካ ኦጐይታ ንዓለም መልኣ ኣምላኽ ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ምድሪ ድማ በረኻን ጥራይ ነበረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ መንፈስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዘንብ ነበረ (ዘፍ 1: 2)

ነዚ ዝረኣ ዓለም ምስቲ ኩሉ ሃብትታቱ፤ ዝተፈላለየ  ዓይነቱን ሥርዓቱን ዝፈጠሮ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ። ይኹን እንዳበለ ዝፈጠረ ንሱ ኢዩ። ክፈጥር ስልጣን ዘለዎን ንሱ ኢዩ። ቅዱስ መጽሓፍውን ነዚ ናይ ፈጣሪ ተግባር: ብሽዱሽተ መዓልታታ ናይ ፍጥረት ስራሕ ከም ዝፈጸመ፤ ብናይታ ሽብዓይቲ ዕለት ከኣ “ብዕረፍቲ” ከም ዝዛዘመ መለኮታዊ “ስራሕ”  ገቢሩ የቕርቦ። እግዚኣብሔር “ፈጣሪ ስማይ ምድርን” ምኻኑ ጸሎት ሃይማኖት ዘሓዋርያት ብግልጺ ይምህረና። እዚ እምነትዚ ነቲ “ ኩሉ ዚረኣን ዘይረኣን” ዚብል ከምዘጠቓልል፤ እቲ ጸሎት ሃይማኖት ናይ ንቅያ ግልጺ ይገብሮ። ሰማይን ምድርን ዚብል ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ብሂል ንኹሉ ህልው ዘበለ፤ ንፍጥረት ብመልኡ ዜስምዕ ኢዩ። ከምኡውን ነቲ ኣብ ፍጥረት ብዓሚቑ ዘሎ: ንሰማይን ምድርን ዜራኽብ ሓድነት፤ በቲ ሓደ ከኣ ዚፈላልዩ መደብ ይገልጽ። “ምድሪ” ክበሃል ከሎ ከቲ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ኣስፊሩዎ ዝርከብ:  ናይ ሰባት ዓለም (ሃለዋት) እንነብረሉ የስምዕ፤ “ሰማይ” ወይ “ሰማያት” ከኣ ነዚ ጠፈር-ሰማይ, ስለዓለ ቦታ (ሃዋህው) ከምኡውን ከም ቦታ እግዚኣብሄር የስምዕ።

ኣብ “ሰማያት እትነብር ኣቦና” ንብል፤ ኣብዚውን “ሰማይ” ናይ ልዕልና … ናይ መወዳእታ ክብሪ ዕብየት እግዚኣብሔር መግለጺ ማለት ኢዩ። ከምኡውን “ሰማይ” ነቶም ቅዱሳንን መልእክትን  ዝበሉ ኣብ ዙርያ ኣምላኽ ዚርከቡ መንፈሳውያን ፍጥረትን ንዘለውዎ ስፍራ ወይ ሃለዋት የመልክት። እግዚኣብረሔር እምበኣር ንኹሉ ..ሰማያት  ይኹኑ ምድሪ .. ደቂ ሰባት ይኹኑ መላእኽቲ ከይተረፉ ብኣኡ ከምተፈጥሩ ባዕሉ መጽሓፍ ቁዱስ ይምህረና። ወዲ ሰብ ናይ ስራሕ ፈጣሪ ኣኽሊል ኢዩ። መላእኽቲ ከኣ ብኹሉ ህላዌኦም ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲን ተለኣኽትን እዮም።

ሰማየ ሰማያት ናይ እግዚኣብሔር ኢዩ፥

ምድሪ ግን ንደቂ ሰብ ሃቦም። መዝ. 115:1

ኩሉሳዕ ገጽ  እቲ ኣብ ሰማይት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ስለዝኾኑ ንሳቶም ንቓሉ ዚሰምዑ: ንትእዛዙ ዚፍጽሙ ኃያላትን ብርቱዓን እዮም።ማቴ.18:10 ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንረኽቦ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን እንተኾነ ኢየሱስ እግዚብሔር ፈጣሪ ምካኑ ኢዩ ዝምስክር። እግዚብሔር ንኩሉ ፍጥረት ሕይወት ከምዝሃቦ ጥራይ ዘይኮነውን ይሕልዎን ይከናኸኖን። ከምቲ አብዝ ሓለፈ ትምህርትና ኢቲ ኣባትነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ወይ ከኣለ ኩሉ ምኻኑ ንምግላጽ፥ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፥ ኣይዘርኣ፥ ኣይዓጽዳ፥ ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን ኢየን። ብዛዕባ ክዳንከ ስለምንታይ ትጭነቑ! ዕምባባታት መሮር ተመልከቱ ኣይፈትሉ፥ ኣይደኽሙ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ተመልከቱ። ማቴ. 6: 26-28 እንዳበለ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝከናኸኖን ዝሕልዎን ይናገር። ንሱ ንኹፍኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፥ ንጻድቃንን ንሕጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም። 5:45

ሓደ ክርስትያን እግዚኣብሔር ከም ፈጣሪ ክኣምንን ክቕበልን  ዝኽእል ግና ኣሕዋት ምስ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግላዊ ርክብ ምስዝገብር ኢዩ። ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ኹሉና ኢዩ። እዚ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣሕዛብ ገይረካ እየ” ዚብል ተጻሒፉ ስለዘሎ እዩ። ኣብረሃም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ ኣቦና ኢዩ። እዚ ኣምላኽ እዚ ንዝሞቱ ሕይወት ዚህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህላዌ ዚጽውዕ እዩ።” ሮሜ.4:17. ናይ እግዚኣብሔር ነገር ክንደይ ዘደንቕ ምክኑ ይገልጽ።

እግዚኣብሔር መድሕን፥ እግዚኣብሔር ፈጣሪ፥ ዓለም ከኣ ከም ተጋባር ወይ ፍጥረት እግዚኣብሔር ኮይኑ፤ እግዚኣብሔርን ወዲ ሰብን ዝራኸብሉ ሓደ ቦታ ወይ ስፍራ ወይ ጉዕዞ  ኣሎ። ንሱ ኸኣ  ጉዕዞ እምነት ይከውን። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከም ፈጣሪናን ፈጣሪ ሰማይን ምድርን እንቕበሎ ወይ እንገልጾ ኣብ እምነተዊ ሕይወትና  ኢዩ። ዓለም ታሪኽ ወዲ ሰብን: ታሪኽ ድሕነት እግዚኣብሔር  እትገልጽ ቦታን ስፍራን ኢያ። ስለዚ እግዚኣብሔር ከም “ፈጣሪ ሰማይን ምድርን” ምእማን ማለት ኩሉ  እቲ ኣብዚ ዓለም እዚ  እንርእዮን እንድህስሶን ፍጥረት:  እቲ ተግባረ ኢድ  ኣምላኽ ምኻኑ ምቕባል ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ቅርጺ ዘይብላ ነበረት። ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዝናወጽ  መዓሙቕ ባሕሪ ሰፊኑ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ሽዑ ኣምላኽ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ፍጥረት  ብሓፈሻ ከምኡውን እዛ እንነብረላ ዓለም: ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣስተንትኖና ዝረኣናዮ ክብሪ ኣምላኽ: ህላዌ ኣምላኽ ዝገልጹ ኢዮም። ኣብ መዝ.19 ከምዚ ነንንብብ፦

መዝ.19

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትው፥

ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግሩ።

መዓልቲ ነታ እትመጽእ መዓልቲ ተዘንትወላ፥

ለይቲ ድማ ነታ እትመጽእ ለይቲ ትነግራ።

ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ!

ንእግዚኣብሔር ካብ ሰማያት ኣመስግንዎ፥

ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። መዝ:148

ኩሉኹም መላእኽቱ ኣመስግንዎ፥

ብዘለኹም ሠራዊቱ፥ ኣመስግንዎ።

ፀሓይን ወርሕን፥ ኣመስግናኦ፥

ብሩሃት አዋኽብቲ፥ ኣመስግንዎ።

ንሱ ስለ ዝኣዘዘ ተፈጢሮም ኢዮም እሞ፥

ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ።

ንዘለዓለም ዓለም ሰሰፈሮም ኣትሓዞም፥

ዘይልወጥ ሕጊ ኸኣ ሃቦም።

እግዚኣብሔር ከም ፍጣሪ ምድርን ሰማይን ምቕባልን ምእማንን እምበኣር: እግዚኣብሔር ጎይታ ሰማይን ምድርን ምካኑ: ኩሉ ብእኡ  ከዝተፈጥረ ምእማን ኢዩ። ህላዌኡ ካብ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ዘይቅበል ወላ ሓደኻ የልቦን። ምኽኒያቱ ንሕና ፍጡራቱ ኢና፡፣ ዓለም ኪህሉ ዝኸኣለ ከኣ: ቃል-ኣምላኽ ካብ ዘይልቦ ምስ ኣምጽኦ ጥራሕ ኢዩ። ኩሉ ህልው ዘበለ፤ ኩሉ ፍጥረት፤ መላእ ታሪኽ-ወድሰብ እውን ከይተረፈ: ኣብቲ ናይ ኩሉ ምንጪ ዝኾነ፤ ኣብቲ ዓለም ዝተገብረሉን፤ ግዜ ዝጀመረሉን ቀዳማይን ጥንታውን ፍጻሜ ዝተመስረተ ኢዩ። ወዲ ሰብ እምበኣር ካብቲ ተመክሮ ድሕነት ዝኾነ ትንሣኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ተበጊሱ፥ ሓዲሽ ፍጥረት ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ፥ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።2ጴጥ. 3,13

ክርስቶስ ናይቲ ዘይረኣ  ኣምላኽ ምስልን፥ ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ። ከመይ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ኹሉ፥ ዚርኣን ዘይረኣን መናብርቲ ይኹኑ ጎይትነት፥ ሊቃናት ይኹኑ ሥልጣናት ኩሎም ብኣኡን ንእኡን ዝተፈጥሩ ኢዮም። ቆላ.1.15-20

ብዛዕባ ፍጥረት ሰማይን ምድርን ኢሳ 65፡17

እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣን ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን እፈጥር ኣለኹ። እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን “ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን” እንታይ የስምዕ ኢስራኤላውያን ካብ እግዝኣብሔር ሪሒቆም ዝማላለሱሉ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ  ነቢያት ብናይ እግዝኣብሔር መንፈስ ሓይሊን ተሰንዮም  ተስፋ ዚህብ ቃልይ ይእውጁ ነበሩ። እግዝኣብሔር “ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን” ኪፈጥር ምኳኑ የተስፍዉ። ሕዝቢ ኢስራኤል ብወገኖም እግዚኣብሔር ቃሉ ዘይጠልም ኣምላኽ  ሓንቲ መዓልቲ ድህህነት ድኅነት ክል እኸሎም ምኽኑ: እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት  ሓቀኛ  ዝኾነ ለውጢ ንምምጻእ ሓይሊን ስልታንን ዘለዎ  ከኣሌ ኩሉ  አምላኽ ምኳኑ ይኣምኑ ነበሩ።

“ሓዲሽ ሰማይን፡ ሓዲሽ ምድርን” ጉዙፋት ምሳሌ ናይቲ ውሽጣዊ ለውጢ’ዩ። እዚ ለውጢ’ዚ ኸአ ኢስራኤላውያን እቲ ቅቡእ ወይ መሲሕ ምስ መጸ ክኸውን ኢዩ ኢሎም ይ አምኑ ነበሩ። መሲሕ ንኩሉ ዘተዓራሪን ዝልውጥን ሓዲሽ ዚገብርን ብምኳኑ ብተስፋን ጸሎትን  ይጽበይዎ። ኢሳያስ ነቢይ ኣብ ምዕ 11፡1-4 ዘሎ እንተ ረኣና- መሲሕ ብመንፈስ ኣምላኽ መሊኡ ንፍሉይ ተልእኮ ንዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ወዲ ዳዊት ኢዩ። እዚ መንፈ’ዚ ህያብ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነ ብርእሱ ምንጪ ህያባት ምኳኑ ይኣምንሉ። በዚ ከኣ ንሱ ምስ መጸ ስላምን ፍትሕን ከምዝነግስ ይዛረብ። ሎምውን ክርስቶስ አብ ሕይወትና ምስ ዝነግስ ምስ ዝመጽእ – አብ ህይወትና ሰላምን ፍትሕን ፍቕሪን ይነጊስ።  አብዚ ዓለም እዚ ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ክነብር – ክርስቶስ አብ ህይወትና ክነግሲ – ማሕደር ኪገቢር መዓልታዎ ክንሰርሕ ይግበና።

እዚ አብ ሕይወትና ንኽፍጸም እቲ ከኣ ፍረ ናይ ቅኑዕ ኂልና ዚኾነ ሰናይ ተግባራት ክፍጽሙ ነይሩዎም ሎሚውን ንሕና ክንፍጽም ይግበአና። እምነትና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብተግባር ክነርእዮ አለና። ብዙኃት ካብዚ ሓቀኛ ትምህርቲ ሃይማኖትና ሪሒቖም ዚርከቡ፡ እቲ ክርስቲያናዊ ሕይወቶም ምስቲ እምነቶም ማዕረ ማዕረ አሳኒዩ ክኸይድ ስለዘይከአለ ኢዩ። ንሱ ማለት ኢቲ መሲሕ ነቲ ብኣዳምን ሔዋንን ዚጠፍኤ ገነት ኪምለስ’ዩ ይብሉ ነበሩ። ስለዚ ፍጥረት መግለጺ  ኣምላኽ – መግለጺ ህላዌ ኣምላኽ ኢዩ – እዚ ኩሉ ኸአ አብ ክርስቶስ ምልኣት ይረክብ።

ኣብ ኢሳ 66፡22 “ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን”  ኩሉ እቲ ብ አምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ፍጡር እግዝኣብሔር ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል አምላኽ ኪነብሩ –  ኣብ መንጐኦም ዝኾነ ኣፈላላይ ንድሕሪት ገዲፎም ብሓባር ንእግዝኣብሔር አምላኾም ከመስግኑ የስምዕ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ንጴጥሮስ ክግለጸሉ ይርኤ: እግዝኣብሔር ዘንጽሖ ሰብ ኣይንጹሑን ኪብሎ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኣብዛ ሓዳሽ ምድሪ መንፈስ ቅዱስ ዚመልኣ ከተማ ኵሎም ብእምነቶም ሓድነት ዘመስከሩ ደቃ ብቅድስና ኪመላለሱ እዮም።

ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን

ጥቅስታት፦ 2ጴጥ 3፡13, ራእይ 20፡11, 21፡1 (ማቴ 19፡28) ጥቅስታት ሓዲሽ ኪዳን ብዛዕባ’ዚ እንክናገሩ ዘመሓላልፍዎ ትምህርቲ እግዝኣብሔር ነቲ ዘኣረገ ኣጥፊኡ ፍትሒ ዚነግሠሉ ሓዲሽ ፍጥርት ኪፈጥር ምኳኑ የስምዕ። ነዚ ዚተረድኤ ቅ.ጳውሎስ “ደጊም ካብ ሕጂ ንድሓር ብሥጋዊ ኣረኣእያ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ሽሕ እኳ ንኽርስቶስ ብሥጋዊ ኣረኣእያ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብኽርስቶስ እንተ ኣልዩ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት ኢዩ። እዚ ኵሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቀና፡ ንኻልኦት’ውን ምስኡ ከነተዓርቕ መዚ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። 2ቆሮ 5፡16-18 ይብለና።

ንሕና አብ ክርስቶስ ክንህሉ ይግበአና። እቲ ቃል አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ፤ ንዓና መለኮታዊ ባሕሪ ኬልብስ ቢሉ፡ ሰብ አዊ ስጋና ለበሰ። ንሕና ካብ ጥፍ አት ኩኔነ ነጻ ንምግባር – አገልጋሊና ኮነ፥ ንሕና ምእንቲ ክንጸድቅ መንግስተሰማይ ምእንቲ ክንወርስ – ናብዚ ምድሪ ብምራድ ኃጢአትና ጾረ። እግዚኣብሔርን ናይ ሰብን ዓለማትን ከምቲ ዚድለ ርክብ ኪነብራን፡ ማለት እግዝኣብሔር ንሰብ ምስ ኩሉ ኣተሓሳስብኡ ከም ብሓዲሽ ለዊጡ ኣብ ዚለዓለ ደረጃ ናይ ሰብ ኵነት ኣብጽሑ – ሓሳቡን ድላዩን ናብ እግዝኣብሔር ከም ዚኸውን ኪገብሮ እንከሎ ኢዩ።

ንክርስትያን እምበኣር ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ብመስቀል ክርስቶስ ዝተበሠረ ብትንሳኤ ከኣ ብወግዒ ዝተገልጸ ሓዲሽ ሕይወት የስምዕ። ትንሳኤ በቲ ሕይወት ዚህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም’ዩ ሕይወት ክርስትያን ዚተሓደሰ ከኣ ብሳላኡ ይኸውን። ‘እቲ ንኽርስቶስ ካብ ምውታን ዘተንስኤ ንሱ ነቲ መዋቲ ሥጋኹም በቲ ኣባኻትኩም ኃዲሩ ዘሎ መንፈስ ገይሩ ሕያው ኪገብሮ ኢዩ” ሮሜ. 8፡11 ይብለና ቅ.ጳውሎስ። ክርስቶስ ብወገኑ ንሞት ኣሸኒፉ ምስ ተንስኤ ንሓዋርያት ዚገብረሎም ህያብ “መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ ኡፍ ኪብለሎም ይርኤ። ክርስትያን ከኣ ብምስጢራት ጥምቀትን ሜሮንን ተሸከምቲ መንፈስ እግዝኣብሔር ይኾኑ፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይኖም ይርከቡ። ኣብዚ ኵነታት’ዚ ሰብን መለኮትን ኣብ ሓደን ብሓደን ተሰማሚዖም ይነብሩ። እዚ ዝኸውን ግና  ወድ ሰብ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ብነፃ ድልየትና –  ነቲ መደብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ተቐቢልናዮ ማለት’ዩ። ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ምንባር ማለት ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ምትእስሳር ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምኳኑ የረድእ። መንፈስ ቅዱስ ህያብ ኣምላኽ ምንጪ ናይ ሕይወትን ቅድስና ናይ አመንቲ ኮይኑ ይርከብ።

ዝለዚ ኣብ መጨርሻ ቅዱስ ጽሑፍ እግዚኣብሔር ንድኅነትና ኢሉ ንዝገለጸልና ሓቂ ሒዙ ዝርከብ ቅድሱ ጽሑፍ፤ ነዚ ሓቂ እዚ ፈሊጥናን ተቐቢልናን: ከኣ ናይ ኩሉ ፍጥረት ባህሪኡን: ቁምነገሩን ንውዳሴ-ኣምላኽ ምኻኑ ክንፈልጥን ክንቅበልን ንኽእለና። ናትናን ናይ ኩሉ ፍጥረት  ህላዌ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር  ጽባቐን ህላዌን እንታይነትን ዝገልጹ ምኻኖም የረደኣና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ናይ ውልቂ ዝኾነ ናቱ ጽባቔን ፍጽምናን ዘለዎ እዩ። እዚ ኣብቲ ናይ 6 መዓልቲ ተግባር እግዚኣብሔር ተገሊጹ ንረኽቦ። ነፍሲ ወከፉ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ሰናይን ጥበብን የንጸባርቕ። ኣብ መንጎ ኩሎም ፍጡራት ሓድነት .. መንፈስ ኣሎ። እዚ ሓድነት እዚ ከኣ ካብቲ ፈጣሪኦም ዝመንጨወ ኢዩ። ምኽኒያቱ ነፍሲ ወከፍና ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገልጽ ስለዝተፈጠርና።

ነዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ እንክገልጾ፡

“ኦ ጎይታ! በዛ ኣዴና ዝኾነት እትጾረናን እትምግበናን ዝተፈላለየ ፍረታትን በብዓይነቱ ዕንባባታትን ሣዕርታትን እተጽእ ኃውትና መሬት ዝተወደስካ ኩን … ንጎይታ ወድሱን ባርኹን ናኡ ኣመስግኑን: ብታሕትና ከኣ ኣገልግሉ”። ቅዱስ ፍራንቸስኮ

ስለዚ ኣሕዋት እግዚኣብሔር ንኹሉና እንኣምን ሓደ ስሩዕ ዝኾነ መሠረትን ክንሕልዎን ክነብሮን ዘለና ሕግታት ሰሪዑልና ኢዩ። ነዚ ተቐቢልና እሙናት ኮይና ክነብር ይግብአና። ከም መደምደምታ ዘፍ.2:1 ክነንብብ: “ከምዚ ኢሉ ኸኣ ፍጥረት ሰማያትን ምድርን ናይ ኩሉ ኣብኦም ዘሎን ተፍጸመ። ኣምላክ ከኣ ኻብቲ ዚፈጠሮን ዚገበሮን ዝነበረ ኹሉ ግብሩ፥ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንእኣ ባረኻን ቀደሳን”። ከምቲ  ኣቀዲማና ዝበልናዮ ከኣ ስራሕ ፍጥረት በቲ ዝዓበየ ስራሕ ድሕነት ይዛዘም። እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ምሥጢሩ ስለዓለ ክብሩን ዝጭብጥ፤ ኣብዚ ብኽርስቶስ ዝተሓደሰ ፍጥረት እዩ።

 

ኣስተንትኖ ቃላ ኣምላኽ ሠነ – 8.2018

ዮሓ.19:31-37

ስለዚ፥ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲአ ድማ ኽብርቲ በዓለ ዓመት ስለዝነበረት፥ እቲ ሬሳታት አብ መስቀል ምእንቲ ኸይኃድር መሓኹልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎ መራሕቲ አይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። ሽዑ እቶም ወተሃደራት መጺኦም መሓኹልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልአይን ሰበሩ። ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና ድሮ ከም ዝሞተ ርእዩም መሓኹልቱ አይሰበርዎን። ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና ጎድኑ ብኹናት ወግኦ፥ ብኡብኡ ኸአ ደምን ማይን ወፅ። እቲ ነዚ ዝረአየ መስከረ፥ እቲ ምስክሩ ኸአ ሓቂ አዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትአምኑ ድማ ንሱ ሓቂ ኸም ዝመስከረ ይፈልጥ እዩ። እዚ ዝኾነ ኸአ አቲ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እካ አይኪሰብሩን እዮም” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ካልእ ጽሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ክርእይዎ እዮም” ዚብል አሎ።

ኣስተንትኖ ቃላ ኣምላኽ ሠነ – 8.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ዮሓ.19:31-37

ስለዚ፥ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፥ እታ ሰንበት እቲአ ድማ ኽብርቲ በዓለ ዓመት ስለዝነበረት፥ እቲ ሬሳታት አብ መስቀል ምእንቲ ኸይኃድር መሓኹልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎ መራሕቲ አይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። ሽዑ እቶም ወተሃደራት መጺኦም መሓኹልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልአይን ሰበሩ። ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና ድሮ ከም ዝሞተ ርእዩም መሓኹልቱ አይሰበርዎን። ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና ጎድኑ ብኹናት ወግኦ፥ ብኡብኡ ኸአ ደምን ማይን ወፅ። እቲ ነዚ ዝረአየ መስከረ፥ እቲ ምስክሩ ኸአ ሓቂ አዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትአምኑ ድማ ንሱ ሓቂ ኸም ዝመስከረ ይፈልጥ እዩ። እዚ ዝኾነ ኸአ አቲ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እካ አይኪሰብሩን እዮም” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። ካልእ ጽሑፍውን “እቶም ዝወግእዎ ክርእይዎ እዮም” ዚብል አሎ።

  • አስተንትኖ

ዮሓንስ ወንጌላዊ ካብዚ  ሎሚ ቃል አምላኽ ተበጊስና ምስጢረ አምላኽን ሰብን ክነስተንትን ይዕድመና፤፡ እቲ ቃል ብቕደሙ ዝነበረ ብርእሱውን አምላኽ ዝኾነ ኩሉ ብአኡ ዝተፈጥረ፥ ብርሃን ኮይኑ ናብ ዓለም ምስ መጸ፥ ሕዝቢ ዓለም ምቕባሉ ስለ ዝተሳእኖም፥ ነቲ  ጸልማት መሪጹ፥ ግብሮም ክፍእ ስለ ዝነበረ ድማ ነቲ ጻድቕ ካብ  ገጽ ምድሪ ኬጥፍእዎ ተማኸሩ፡:አብ መስቀል ተሰቒሉ ክመውት ፈረድዎ። አብ ቀራኒዮ አእዳውን አእጋሩን ብጽኑዕ ሸንኪሮም አብ መንጎ ሰርቕቲ ሰቐልዎ።

ንሱ ብሰሪ ገበና ቆሰለ፡ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ መቕጻ ዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓወና። አበሳና ኩሉ አብኡ ጸዓኖ፡ አብ መስቀል ክርስቶስ ተሳቐየ፡ ብናጽነት ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ሕይወቱ አወፈየ። ን ዓና ከም ሓደ ዓቢ እቲ ዝዓበ ምልክት ከአ ብሞቱ ከአ ማይን ደምን ሃበ። አብ መስቀል ከአ ፍቕሩ ገለጸ፤፡ እቲ ጻድቕ ንሞት ተፈርደ ተኾነነ።

ክርስቲያናዊ ሕይወትና ከምቲ ዝግባእ ክነብሮ አብ ሓደ ዶግማ ጥራይ ምእማን፡ ናይ ሓደ ማሕበር ወይ ምንቕስቃስ አባል ምኻን፡ ቤተክርስቲያን ምምልላስ  ጥራይ እኹል አይኮነን። ነቲ እንአምኖ ብሕይወት ክትነብሮ፤ አሰር ክርስቶስ ክንክተል መስቀልና ክንስከም ይግበአና። በታ ናብ ሕይወት እትወስድ ጸባብ መንገዲ ክንሓልፍ ይግበአና። “ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ከም ሓደ ምኡዝ ዝሽትኡ መባእን መሥዋዕትን ገይሩ ኸአ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና አኅሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕርን ንበሩ”። ኤፌ.5:2 እዚ ማለት ከአ እግዚአብሔር ምእንቲ ወዲ ሰብ፤ ምእንቲ ፍጡሩ፤ ሓጢአተኛ  ገዛእ ሕይወቱ ብገዛእ ፍቃዱ አኅሊፉ ሃበ ማለት ኢዩ። ሞቱ ከአ እቲ ዝዓበ መወዳድርቲ ዘይብሉ መግለጺ ፍቕሩ ኢዩ።  ስለዚ ከም ክርስቲያን ነቲ ሕማማት ክርስቶስ መዓልታዊ ሕይወትና ክነስተንትኖ ይግበአና። ንሱ ፍልጠትን ፍቕርን ምኻኑ ከአ ክርደአና ኢዩ።

ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ግና ጎድኑ ብኹናት ወግኦ፥ ብኡብኡ ኸአ ደምን ማይን ወፅ። ምልክት ሕይወትን መንፈስ ቅዱስን። ምልክት ናይቲ መስዋእቲ ክርስቶስ ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት። በዚ ኸአ ክርስቶስ ሕይወቱ ንነፍሲ ወከፍና ከካፍል ደለየ። እግዚአብሔር ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብደሙን ማዩን  ከም እንውለድን ክም እንነብርን ክገቢር ደለየ፡ ምኽኒያቱ ደም ምልክት ሕይወት ኢዩ። ክርስቶስ እምበአራብዚ ሕይወት እዚ ከሳትፈና ደለየ። እቲ ካብ ጎድኑ ዝወፀ ደም እምበአር ምልክት ናይቲ ሕይወቱ ምእንታና ዝተሰወዕ ኢዩ። ክርስቶስ እምበአር አብ ምሥጢረ ጥምቀት ብሕያብ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና ሕያው ማይ ይቕየር። በዚ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና ጽምእና ከም እነርዊ ይገብረና። አብ ምድራዊ ጉዑዞና ዓርኪ ይኾነና። አብ ምሥጢርተ ቅዱስ ቁርባን ስጋኡን ደሙን ብምሃብ ከአ ምስ እግዚአብሔር አቦ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሕብረት ክምዝህልወና ይገብረና። እቲ ነዚ ዝረአየ መስከረ፥ እቲ ምስክሩ ኸአ ሓቂ አዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትአምኑ ድማ ንሱ ሓቂ ኸም ዝመስከረ ይፈልጥ እዩ። እዚ ዝኾነ ኸአ አቲ “ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እካ አይኪሰብሩን እዮም” ዚብል ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።

ክርስቶስ አብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺኃድር፥ አብ ፍቕሪ ሱር ክትሰዱን ክትስረቱን፥ ምስ ኩሎም ቅዱሳን ኮንኩምውን ምግፋሑን ምንዋሑን ም ዕማቑን ቁመቱን እንታይ ምኻኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ ንፍልጠት ኃፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ ክሳብ ኩሉ ምልአት አምላኽ ከአ ምእንቲ ኽትመልኡ፥ እጽሊ አለኹ። ኤፌ.2፡17-19

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ሠነ .7.2018

ማር. 12.28- 34

ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ፥ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከአ ርእዩ፥ ቐረበ። “ ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ አየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧” ኢሉ ድማ  ሓተቶ፡፤ ኢየሱስ ከአ “እታ ቐዳመይቲ እዚአ እያ፥ ‘ኦ እስራ ኤል ስማዕ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ንሱ በይኑ እግዚአብሔር እዩ። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን አፍቅሮ።” እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚአ እያ። እታ ንአአ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ “ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ አፍቅሮ” እትብል እያ። ካብዚአተን እትዓቢ ትእዛዝ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ መምህር ሕጊ ኸአ “መምህር፥ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ ፤ አምላኽ ሓደ ኢዩ፥ ብዘይካኡ ድማ ኻልእ የልቦን።  ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን ከተፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ” እዚ ካብ ኩሉ ዚሓርር መሥዋዕትን ካብ መሥዋዕቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግሥቲ አምላኽ ርሑቕ አይኮንካን” በሎ። ደጊሙ ኪሓቶ ኸአ ሓደ እካ አይደፈረን።

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ሠነ .7.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማር. 12.28- 34

ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ፥ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከአ ርእዩ፥ ቐረበ። “ ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ አየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧” ኢሉ ድማ  ሓተቶ፡፤ ኢየሱስ ከአ “እታ ቐዳመይቲ እዚአ እያ፥ ‘ኦ እስራ ኤል ስማዕ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ንሱ በይኑ እግዚአብሔር እዩ። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን አፍቅሮ።” እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚአ እያ። እታ ንአአ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ “ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ አፍቅሮ” እትብል እያ። ካብዚአተን እትዓቢ ትእዛዝ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ መምህር ሕጊ ኸአ “መምህር፥ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ ፤ አምላኽ ሓደ ኢዩ፥ ብዘይካኡ ድማ ኻልእ የልቦን።  ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን ከተፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ” እዚ ካብ ኩሉ ዚሓርር መሥዋዕትን ካብ መሥዋዕቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግሥቲ አምላኽ ርሑቕ አይኮንካን” በሎ። ደጊሙ ኪሓቶ ኸአ ሓደ እካ አይደፈረን።

  • ኣስተንትኖ

አብዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ሓደ ካብቶም መማህራን ሕጊ ካብ ኩሉ ትእዛዛት አይናይ ከምዝዓቢ ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መልሲ ክረክብ ክሓቶ ይርከብ፡፡  “ ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ አየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧” ኢሉ ድማ  ሓተቶ፡፤ ሎሚውን እንተኾነ ብዙሓት ካባና አለና እቲ ቀዳማይ አብ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ሃይማኖትና ብቐዳምነት ዝስራዕ እንታይ ምኻኑ መዓልታዊ ክንሓትት እንርከብ። እንሓትት። ገለ ምስጢረ ጥምቀት፡ ገሌና ከአ  አብ ቅዳሴ ሰንበት ሰንበት ምስታፍ፡ ገለውን ኃውና ምፍቃር፡ ምእንቲ ፍትሒ ምግዳል፡ ወዘተ. መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ኸምዚ እናበለ ነቲ ሕቶ ናይቲ መምህር ሕጊ ከምዝመለሰ፡ ንዓናዊን እዚ መልሲ እዚ ሎሚ ይህበና አሎ። “እታ ቐዳመይቲ እዚአ እያ፥ ‘ኦ እስራ ኤል ስማዕ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ንሱ በይኑ እግዚአብሔር እዩ። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን አፍቅሮ።” አብ ግዜ ኢየሱስ አይሁዳውያን እዚ ከም ሓደ ጸሎት አብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ንግሆ፡ ቀትሪ፡ ምሸት ይደግምዎ ነበሩ። ነዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ አፍቅሮ” ዝብል ከም ካልአይ ዓቢ ትእዛዝ ይጠቅስ። ካብዚአተን እትዓቢ ትእዛዝ የልቦን” እናበለ ሓጺርን ዓሚቅን መልሲ  ይህቦም።  እዚ ጽማቕ ናይቲ ኩሉ መድኃኒኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እግዚአብሔርን ሕይወትን  ዝመሃሮ ኢዩ።  እምበአር ሕግን ነብያትን እዚ ኢዩ እሞ ከምቲ ሰባት ኪገብርሉልኩም እትደሊዩዎ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። ማቴ. 7,12

እቲ መምህር ሕጊ ኸአ “መምህር፥ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ ፤ አምላኽ ሓደ ኢዩ፥ ብዘይካኡ ድማ ኻልእ የልቦን።  ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን ከተፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ” እዚ ካብ ኩሉ ዚሓርር መሥዋዕትን ካብ መሥዋዕቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግሥቲ አምላኽ ርሑቕ አይኮንካን” በሎ። ደጊሙ ኪሓቶ ኸአ ሓደ እካ አይደፈረን።

እታ ንአአ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ “ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ አፍቅሮ” እትብል እያ። ብጻይ ዝበሃል፡ እቲ እግዚአብሔር አብ ሕይወትካ ምሳኻ ከምዚራኸብ ዚገብሮ፡ ሰብ ኢዩ። እቲ ሓገዝካ ዘድሊዮ። ፍቕሪ አምላኽ እቲ ቐዳማይ ትእዛዝ ኢዩ። አቱም አሕዋተይ፥ አምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ አፍቀረና፥ ንሕናውን ንሓድሓድና ኽንፋቐር ይግበአና ኢዩ። 1ዮሓ.1:11 ቅዱስ አጎስጢኖስ ዚበሎ ዘረባ አይትረስዕ፥  “ አብቱ ምስኡ ክትነብር ኢልካ ትኸዶ ዘሎኻ ምእንቲ ኽትበጽሕ፡ ነቲ ምሳኻ ኃቢሩ ዚጎዓዝ ዘሎ ብጻይካ ሓግዝ”። ፍቕሪ ብጻይ እምበአር ካብ ፍቕሪ አምላኽ ኢዩ ዝመጽእ። ንብጻይካ ምስተፍቕር ንአምላኽ ተፍቅር። ንሕና ንአምላኽና ፍቕርና እንገልጸሉ ንኃውና ምስ እነፍቅሮ ጥራይ ኢዩ። ገጽ አምላክ አብ ገጽ ኅሃውና ክርኢይ አለና።

“ንስኻስ ካብ መንግሥቲ አምላኽ ርሑቕ አይኮንካን” በሎ፡፤ መንግስተ ሰማይ ሕብረት አብዞም ክልተ ሕግታት እግዚአብሔር መሰረት ዝገበረ ኢዩ። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን “ንብጻይካ ኸአ ኸም ንፍስኻ አፍቅሮ”  እግዚአብሔር አቦ እንተኮይኑ ንሕና ኩሉና አኅዋትን አኃትን ኢና፡ ማቴዎስ  “ ኹሎም ኦሪትን ነቢያትን አብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚ አተን ተጠርኒፎም አለዉ “ እናበለ ይጽሕፍ። ማቴ. 22,40 ዝኸበርኩም አኃዋትን አኃትን ንሕና አመንቲ ክርስቶስ ተኸተልቲ ክርስቶⶊ ነዘን ትእዛዛት እዚአተን አብ ግብሪ ክነውዕለን ክንሰርሕ ይግበአና፡ ምኽኒያቱ ብዘይ እዞም ሕጊ እዚአቶም አብ እግዚአብሔር ክንበጽሕ አይንኽ እልን ኢና። ክርስቶስ አምላኽና ባዕሉውን እተፍቅሩኒ አንተ ኾንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ ኢኹም” ኢሉና ኢዩ። እዚ ፍቕሪ እዚ መሰረቱ ኣብ ክርስቶስ ኮይኑ ከምቲ ንሱ ዘፍቀረና ክነፍቅሮ። ከም እነፍቅሮ እንፍለጥ ከኣ ኣብቲ ዝሓደገልና ትእዛዛት እሙናት ኮይና ምስ እንርከብ ኢዩ። እዚ ዓይነት ጉዕዞን እምነትን እምበኣር ኣብ ሕብረት መንፈስ ቅዱስ ከምእንነብር ይገብረና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ሠነ .6.2018

ማር. 12.28- 34

ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ፥ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከአ ርእዩ፥ ቐረበ። “ ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ አየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧” ኢሉ ድማ  ሓተቶ፡፤ ኢየሱስ ከአ “እታ ቐዳመይቲ እዚአ እያ፥ ‘ኦ እስራ ኤል ስማዕ፥ እግዚአብሔር አምላኽና ንሱ በይኑ እግዚአብሔር እዩ። ንእግዚአብሔር አምላኽካ ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን አፍቅሮ።” እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚአ እያ። እታ ንአአ እትመስል ካልአይቲ ድማ፥ “ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ አፍቅሮ” እትብል እያ። ካብዚአተን እትዓቢ ትእዛዝ የልቦን” ኢሉ መለሰሉ። እቲ መምህር ሕጊ ኸአ “መምህር፥ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ ፤ አምላኽ ሓደ ኢዩ፥ ብዘይካኡ ድማ ኻልእ የልቦን።  ብኹሉ ልብኻን ብኹሉ አእምሮኻን ብኹሉ ኃይልኻን ከተፍቅሮ፥ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ” እዚ ካብ ኩሉ ዚሓርር መሥዋዕትን ካብ መሥዋዕቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ” በሎ። ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ፥ “ንስኻስ ካብ መንግሥቲ አምላኽ ርሑቕ አይኮንካን” በሎ። ደጊሙ ኪሓቶ ኸአ ሓደ እካ አይደፈረን።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሠነ 6.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማር.12:18-27

ትንሣኤ ሙታን ናይ እምነታ ዓቢይ ትምህርት ኢዩ። ቅዱስ መጽሓፍውን ብግልጺ ትንሣኤ ሙታን ከምዘሎ ይምህረና። ባዕሉውን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕን ደመይ ዚሰትን ዘለዓለማዊ  ሕይወት አለዎ፡ አነ ከዓ በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ከተንሥኦ እየ” ዮሓ. 6፡40 እናበለ  ድሕሪ ሞት ትንሣኤ ከምዘሎ ይምህር።  “ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተኾኑ፡ ስብከትና ከንቱ እዩ፤ እምነትኩም’ውን ከንቱ እያ”። “ክርስቶስ ካብ ምውታን ተንሥአ፡ በዚ ኸአ ናይቶም ዝሞቱ በኹሩ ትንሣኤ ኾነ። 1ቆሮ. 15:20-22

ሰዱቃውያን እምበአር ንኽርስቶስ ንምፍታን ሰበይቲ ሸውዓተ ሰብአይ አእቲያ ኩሎም ብዘይ ሓድጊ እንተሞቱ  እሞ ብትንሣኤ ሙታን ናይ መኖም ኽትከውን ኢያ ብምባል ሓተትዎ። ንሱ ከአ መጻሕፍቲ ኾነ ኃይሊ አምላኽ ሰአን ምፍላጥኩም አይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም፧ ካብ ምውታት ምስ ተንሥኡስ ከምቶም አብ ሰማያት ዘለዉ መልእኽቲ አምላኽ እዮም እምበር፥ አይምርዓውን አየመረዓዕውን እዮም። አነ አምላኽ አብራሃምን አምላኽ ይስሓቕምን አምላኽ ያዕቆብን እየ” ኢሉ ኸም ዝተዛረቦዶ አየንበብኩምን፤

ንሳቶም ከም ቃል አምላኽ እቶም ቀዳሞት ፭ መጻሕፍቲ ጥራይ ይቕበሉ ነበሩ። መጻሕፍቲ ነቢያት ግና ይነጽግዎ ነበሩ ምክንያቱ አብ መጻሓፍቲ ነቢያት እግዚአብሔር ቀጻሊ ፍትሒ ይሰብኽ ስለዝነበረ ነቶም አብዚ ምድሪ እዚ ፍትሒ ዘይገብሩ ግና ይኹንን ስለዝነበረ፡ ስለዚ እቲ ዝነበረ ኩነታት ሕይወት ንዓታቶም ዘርብሕ ስለዝነበረ። አብ ትንሥኤ ሙታን አይአምኑን ነበሩ።  ክርስቶስ እምበአር ነቲ ሕቶኦም ከምቲ አቐዲምን ዝሰማዕናዮ ካብ ምውታት ምስ ተንሥኡስ ከምቶም አብ ሰማያት ዘለዉ መልእኽቲ አምላኽ እዮም እምበር፥ አይምርዓውን አየመረዓዕውን እዮም። ወዲ ሰብ እዚ ግዚያዊ ጉዑዙ ፈጺሙ  ካብዚ ዓለም እዚ ምስ ሓለፈ አብቲ እግዚአብሔር ዘዳለወሉ መንግሥተ ሰማይ ሕይወት መላእኽቲ ክነብር ከምዝተጸውዕ ይዛረብ። ምስ ተንሥኡስ ከምቶም አብ ሰማያት ዘለዉ መልእኽቲ አምላኽ እዮም እናበለ አብቲ መልሱ መላእኽቲ ይጠቕስ አብዚውን ሰዱቃውያን አብ ህላዌ መላእኽቲ ይአምኑ ስለዘይብነበሩ ኢዩ፡ ስለዚ ከምቲ መላእኽቲ ሕይወት ብቐጥታ ካብ እግዚአብሔር ዝቕበሉ ከምኡ ኸአ አብ ትንሣኤ ሕይወት ንሕና ነፍሲ ወከፍና ካብቲ እግዚአብሔር አምላኽና ዘለዓለማዊ ንወርስ። ነዚ ንኽንበቅዕ ግና አብቲ ናይ እግዚአብሔር ሕግታቱን ትምህርቱን እሙናት ኮይና ክንርከብ ይግበአና። አምላኽ ድማ ከምቲ ንጎይታና ካብ ምውታት ዘተንሥኦ፥ ንአናውን ብኃይሉ ኼተንሥ አና እዩ። 1ቆሮ. 6:14 አነ አምላኽ አብራሃምን አምላኽ ይስሓቕምን አምላኽ ያዕቆብን እየ” ኢሉ ኸም ዝተዛረቦዶ አየንበብኩምን።

አነ አምላኽ አብራሃምን አምላኽ ይስሓቕን አምላኽ ያዕቆብን እየ” ከምዚ ኽብል ከሎ እግዚአብሔር ነብራሃምን ንያዕቆብን ይሳቕን ከም ዝከላኸለሎም ኢዩ ዘረድእ። አብራሃምን ያዕቆብን ይስሓቕን  አብ ትሕቲ ሓላዋ እቲ ልዑል እግዚአብሔር ኢዮም ነሮም። እግዚአብሔር ንፍጡራቱ ብሕይወቱ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ይከላከለሎም። ንሕና አብ ትሕቲ ሓለዋ እግዚአብሔር ኢና ክንብል ከለና ንሕናውን እግዚአብሔር አምላኽና ፍጡራቱ ክንመውት አይደሊን፡ አብቲ ሕይወቱ የሳትፈና። ። አብዚ ሓደ ፍሉይ ሓደ ሓድሽ ትምህርቲ ብዛዕባ ሕይወት ሞትን ትንሣኤን ይምህር። እምበአር ንሱ አምላኽ ሕያዋን እምበር አምላኽ ምውታት አይኮነን።

ክርስቶስ  ጎይታና እምበአር በዚ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ነቲ ጎይታ ሕይወት ዝኾነ አምላኽ ልባትና ክንከፍተሉ ን ዕደም። ብዙሕ ግዜ አብቲ ደጋዊ ሕይወትና ጥራይ ብዙሕ ግዜ ንሓስብ ንአምላኽና ልባትናን  መንፈሳናን ክንከፍተሉ ግና የጸግመና።  ንሱ አምላኽ ሕያዋን እምበር አምላኽ ምውታት አይኮነን፡ ሕይወት አምላኽ ፍቕሪ ኢዩ፡ ብርሃን፡ ሓቂ ኢዩ። እምበአር እግዚአብሔር አምላኽና  ናብ ሕይወት ይጽወዓና አሎ። ብሰንኪ ኃጢአትና መንገዲ ዘለ ዓለማዊ ሕይወት ከይንስሕት፡ መገዲ ጸልማት ከይንመርጽ፡ ትንሣኤን ሕይወትን አነ እየ” ዮሓ.12:25 ንሕልውና መንግሥተ ሰማይ እና አመና ንቅድስና ወትሩ ክንሰርሕ ይግበአና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::