6ይ – ሰማይን ምድርን

 

እግዚኣብሔር “ብመጀመሪያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” ዘፍ 1:1

እግዚኣብሔር ንኩሉ ፍጥረት ብነጻን ብፍቕርን ዝመልኦ ብድልየቱ ፈጢርዎ ንብል። እዚ ካብ ኮነ እምነትና  “እግዚኣብሔር ንኩሉ ካብ መለኮታዊ ባህሩ ወጻኢ ዝኾኑ …  ብቃሉ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኹሉ ፍጥረት ፈጢርዎ ብማለት ስራሕ እግዚኣብሔር ክንደይ ጽቡቕን ዘደንቕን ምኻኑ ክነስተንትን ንኽእል። መንፈስካ ኦጐይታ ንዓለም መልኣ ኣምላኽ ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ምድሪ ድማ በረኻን ጥራይ ነበረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ መንፈስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዘንብ ነበረ (ዘፍ 1: 2)

ነዚ ዝረኣ ዓለም ምስቲ ኩሉ ሃብትታቱ፤ ዝተፈላለየ  ዓይነቱን ሥርዓቱን ዝፈጠሮ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ። ይኹን እንዳበለ ዝፈጠረ ንሱ ኢዩ። ክፈጥር ስልጣን ዘለዎን ንሱ ኢዩ። ቅዱስ መጽሓፍውን ነዚ ናይ ፈጣሪ ተግባር: ብሽዱሽተ መዓልታታ ናይ ፍጥረት ስራሕ ከም ዝፈጸመ፤ ብናይታ ሽብዓይቲ ዕለት ከኣ “ብዕረፍቲ” ከም ዝዛዘመ መለኮታዊ “ስራሕ”  ገቢሩ የቕርቦ። እግዚኣብሔር “ፈጣሪ ስማይ ምድርን” ምኻኑ ጸሎት ሃይማኖት ዘሓዋርያት ብግልጺ ይምህረና። እዚ እምነትዚ ነቲ “ ኩሉ ዚረኣን ዘይረኣን” ዚብል ከምዘጠቓልል፤ እቲ ጸሎት ሃይማኖት ናይ ንቅያ ግልጺ ይገብሮ። ሰማይን ምድርን ዚብል ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ብሂል ንኹሉ ህልው ዘበለ፤ ንፍጥረት ብመልኡ ዜስምዕ ኢዩ። ከምኡውን ነቲ ኣብ ፍጥረት ብዓሚቑ ዘሎ: ንሰማይን ምድርን ዜራኽብ ሓድነት፤ በቲ ሓደ ከኣ ዚፈላልዩ መደብ ይገልጽ። “ምድሪ” ክበሃል ከሎ ከቲ ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ኣስፊሩዎ ዝርከብ:  ናይ ሰባት ዓለም (ሃለዋት) እንነብረሉ የስምዕ፤ “ሰማይ” ወይ “ሰማያት” ከኣ ነዚ ጠፈር-ሰማይ, ስለዓለ ቦታ (ሃዋህው) ከምኡውን ከም ቦታ እግዚኣብሄር የስምዕ።

ኣብ “ሰማያት እትነብር ኣቦና” ንብል፤ ኣብዚውን “ሰማይ” ናይ ልዕልና … ናይ መወዳእታ ክብሪ ዕብየት እግዚኣብሔር መግለጺ ማለት ኢዩ። ከምኡውን “ሰማይ” ነቶም ቅዱሳንን መልእክትን  ዝበሉ ኣብ ዙርያ ኣምላኽ ዚርከቡ መንፈሳውያን ፍጥረትን ንዘለውዎ ስፍራ ወይ ሃለዋት የመልክት። እግዚኣብረሔር እምበኣር ንኹሉ ..ሰማያት  ይኹኑ ምድሪ .. ደቂ ሰባት ይኹኑ መላእኽቲ ከይተረፉ ብኣኡ ከምተፈጥሩ ባዕሉ መጽሓፍ ቁዱስ ይምህረና። ወዲ ሰብ ናይ ስራሕ ፈጣሪ ኣኽሊል ኢዩ። መላእኽቲ ከኣ ብኹሉ ህላዌኦም ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲን ተለኣኽትን እዮም።

ሰማየ ሰማያት ናይ እግዚኣብሔር ኢዩ፥

ምድሪ ግን ንደቂ ሰብ ሃቦም። መዝ. 115:1

ኩሉሳዕ ገጽ  እቲ ኣብ ሰማይት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ስለዝኾኑ ንሳቶም ንቓሉ ዚሰምዑ: ንትእዛዙ ዚፍጽሙ ኃያላትን ብርቱዓን እዮም።ማቴ.18:10 ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንረኽቦ ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን እንተኾነ ኢየሱስ እግዚብሔር ፈጣሪ ምካኑ ኢዩ ዝምስክር። እግዚብሔር ንኩሉ ፍጥረት ሕይወት ከምዝሃቦ ጥራይ ዘይኮነውን ይሕልዎን ይከናኸኖን። ከምቲ አብዝ ሓለፈ ትምህርትና ኢቲ ኣባትነት ናይ እግዚኣብሔር ኣብ ወይ ከኣለ ኩሉ ምኻኑ ንምግላጽ፥ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፥ ኣይዘርኣ፥ ኣይዓጽዳ፥ ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን ኢየን። ብዛዕባ ክዳንከ ስለምንታይ ትጭነቑ! ዕምባባታት መሮር ተመልከቱ ኣይፈትሉ፥ ኣይደኽሙ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ተመልከቱ። ማቴ. 6: 26-28 እንዳበለ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ክሳብ ክንደይ ከምዝከናኸኖን ዝሕልዎን ይናገር። ንሱ ንኹፍኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፥ ንጻድቃንን ንሕጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም። 5:45

ሓደ ክርስትያን እግዚኣብሔር ከም ፈጣሪ ክኣምንን ክቕበልን  ዝኽእል ግና ኣሕዋት ምስ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግላዊ ርክብ ምስዝገብር ኢዩ። ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ኹሉና ኢዩ። እዚ ድማ “ኣቦ ብዙሓት ኣሕዛብ ገይረካ እየ” ዚብል ተጻሒፉ ስለዘሎ እዩ። ኣብረሃም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ ኣምላኽ ኣቦና ኢዩ። እዚ ኣምላኽ እዚ ንዝሞቱ ሕይወት ዚህብ፥ ንዘየለዉውን ናብ ህላዌ ዚጽውዕ እዩ።” ሮሜ.4:17. ናይ እግዚኣብሔር ነገር ክንደይ ዘደንቕ ምክኑ ይገልጽ።

እግዚኣብሔር መድሕን፥ እግዚኣብሔር ፈጣሪ፥ ዓለም ከኣ ከም ተጋባር ወይ ፍጥረት እግዚኣብሔር ኮይኑ፤ እግዚኣብሔርን ወዲ ሰብን ዝራኸብሉ ሓደ ቦታ ወይ ስፍራ ወይ ጉዕዞ  ኣሎ። ንሱ ኸኣ  ጉዕዞ እምነት ይከውን። እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከም ፈጣሪናን ፈጣሪ ሰማይን ምድርን እንቕበሎ ወይ እንገልጾ ኣብ እምነተዊ ሕይወትና  ኢዩ። ዓለም ታሪኽ ወዲ ሰብን: ታሪኽ ድሕነት እግዚኣብሔር  እትገልጽ ቦታን ስፍራን ኢያ። ስለዚ እግዚኣብሔር ከም “ፈጣሪ ሰማይን ምድርን” ምእማን ማለት ኩሉ  እቲ ኣብዚ ዓለም እዚ  እንርእዮን እንድህስሶን ፍጥረት:  እቲ ተግባረ ኢድ  ኣምላኽ ምኻኑ ምቕባል ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ቅርጺ ዘይብላ ነበረት። ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዝናወጽ  መዓሙቕ ባሕሪ ሰፊኑ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ሽዑ ኣምላኽ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ፍጥረት  ብሓፈሻ ከምኡውን እዛ እንነብረላ ዓለም: ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣስተንትኖና ዝረኣናዮ ክብሪ ኣምላኽ: ህላዌ ኣምላኽ ዝገልጹ ኢዮም። ኣብ መዝ.19 ከምዚ ነንንብብ፦

መዝ.19

ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትው፥

ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግሩ።

መዓልቲ ነታ እትመጽእ መዓልቲ ተዘንትወላ፥

ለይቲ ድማ ነታ እትመጽእ ለይቲ ትነግራ።

ንእግዚኣብሔር ኣመስግንዎ!

ንእግዚኣብሔር ካብ ሰማያት ኣመስግንዎ፥

ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። መዝ:148

ኩሉኹም መላእኽቱ ኣመስግንዎ፥

ብዘለኹም ሠራዊቱ፥ ኣመስግንዎ።

ፀሓይን ወርሕን፥ ኣመስግናኦ፥

ብሩሃት አዋኽብቲ፥ ኣመስግንዎ።

ንሱ ስለ ዝኣዘዘ ተፈጢሮም ኢዮም እሞ፥

ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ።

ንዘለዓለም ዓለም ሰሰፈሮም ኣትሓዞም፥

ዘይልወጥ ሕጊ ኸኣ ሃቦም።

እግዚኣብሔር ከም ፍጣሪ ምድርን ሰማይን ምቕባልን ምእማንን እምበኣር: እግዚኣብሔር ጎይታ ሰማይን ምድርን ምካኑ: ኩሉ ብእኡ  ከዝተፈጥረ ምእማን ኢዩ። ህላዌኡ ካብ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ዘይቅበል ወላ ሓደኻ የልቦን። ምኽኒያቱ ንሕና ፍጡራቱ ኢና፡፣ ዓለም ኪህሉ ዝኸኣለ ከኣ: ቃል-ኣምላኽ ካብ ዘይልቦ ምስ ኣምጽኦ ጥራሕ ኢዩ። ኩሉ ህልው ዘበለ፤ ኩሉ ፍጥረት፤ መላእ ታሪኽ-ወድሰብ እውን ከይተረፈ: ኣብቲ ናይ ኩሉ ምንጪ ዝኾነ፤ ኣብቲ ዓለም ዝተገብረሉን፤ ግዜ ዝጀመረሉን ቀዳማይን ጥንታውን ፍጻሜ ዝተመስረተ ኢዩ። ወዲ ሰብ እምበኣር ካብቲ ተመክሮ ድሕነት ዝኾነ ትንሣኤ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ተበጊሱ፥ ሓዲሽ ፍጥረት ንሕና ግና ከምቲ ተስፋኡ፥ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።2ጴጥ. 3,13

ክርስቶስ ናይቲ ዘይረኣ  ኣምላኽ ምስልን፥ ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ። ከመይ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ኹሉ፥ ዚርኣን ዘይረኣን መናብርቲ ይኹኑ ጎይትነት፥ ሊቃናት ይኹኑ ሥልጣናት ኩሎም ብኣኡን ንእኡን ዝተፈጥሩ ኢዮም። ቆላ.1.15-20

ብዛዕባ ፍጥረት ሰማይን ምድርን ኢሳ 65፡17

እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ኣን ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን እፈጥር ኣለኹ። እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን “ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን” እንታይ የስምዕ ኢስራኤላውያን ካብ እግዝኣብሔር ሪሒቆም ዝማላለሱሉ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ  ነቢያት ብናይ እግዝኣብሔር መንፈስ ሓይሊን ተሰንዮም  ተስፋ ዚህብ ቃልይ ይእውጁ ነበሩ። እግዝኣብሔር “ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን” ኪፈጥር ምኳኑ የተስፍዉ። ሕዝቢ ኢስራኤል ብወገኖም እግዚኣብሔር ቃሉ ዘይጠልም ኣምላኽ  ሓንቲ መዓልቲ ድህህነት ድኅነት ክል እኸሎም ምኽኑ: እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት  ሓቀኛ  ዝኾነ ለውጢ ንምምጻእ ሓይሊን ስልታንን ዘለዎ  ከኣሌ ኩሉ  አምላኽ ምኳኑ ይኣምኑ ነበሩ።

“ሓዲሽ ሰማይን፡ ሓዲሽ ምድርን” ጉዙፋት ምሳሌ ናይቲ ውሽጣዊ ለውጢ’ዩ። እዚ ለውጢ’ዚ ኸአ ኢስራኤላውያን እቲ ቅቡእ ወይ መሲሕ ምስ መጸ ክኸውን ኢዩ ኢሎም ይ አምኑ ነበሩ። መሲሕ ንኩሉ ዘተዓራሪን ዝልውጥን ሓዲሽ ዚገብርን ብምኳኑ ብተስፋን ጸሎትን  ይጽበይዎ። ኢሳያስ ነቢይ ኣብ ምዕ 11፡1-4 ዘሎ እንተ ረኣና- መሲሕ ብመንፈስ ኣምላኽ መሊኡ ንፍሉይ ተልእኮ ንዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ወዲ ዳዊት ኢዩ። እዚ መንፈ’ዚ ህያብ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነ ብርእሱ ምንጪ ህያባት ምኳኑ ይኣምንሉ። በዚ ከኣ ንሱ ምስ መጸ ስላምን ፍትሕን ከምዝነግስ ይዛረብ። ሎምውን ክርስቶስ አብ ሕይወትና ምስ ዝነግስ ምስ ዝመጽእ – አብ ህይወትና ሰላምን ፍትሕን ፍቕሪን ይነጊስ።  አብዚ ዓለም እዚ ምስ ኢየሱስ ሓቢርና ክነብር – ክርስቶስ አብ ህይወትና ክነግሲ – ማሕደር ኪገቢር መዓልታዎ ክንሰርሕ ይግበና።

እዚ አብ ሕይወትና ንኽፍጸም እቲ ከኣ ፍረ ናይ ቅኑዕ ኂልና ዚኾነ ሰናይ ተግባራት ክፍጽሙ ነይሩዎም ሎሚውን ንሕና ክንፍጽም ይግበአና። እምነትና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብተግባር ክነርእዮ አለና። ብዙኃት ካብዚ ሓቀኛ ትምህርቲ ሃይማኖትና ሪሒቖም ዚርከቡ፡ እቲ ክርስቲያናዊ ሕይወቶም ምስቲ እምነቶም ማዕረ ማዕረ አሳኒዩ ክኸይድ ስለዘይከአለ ኢዩ። ንሱ ማለት ኢቲ መሲሕ ነቲ ብኣዳምን ሔዋንን ዚጠፍኤ ገነት ኪምለስ’ዩ ይብሉ ነበሩ። ስለዚ ፍጥረት መግለጺ  ኣምላኽ – መግለጺ ህላዌ ኣምላኽ ኢዩ – እዚ ኩሉ ኸአ አብ ክርስቶስ ምልኣት ይረክብ።

ኣብ ኢሳ 66፡22 “ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን”  ኩሉ እቲ ብ አምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ፍጡር እግዝኣብሔር ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል አምላኽ ኪነብሩ –  ኣብ መንጐኦም ዝኾነ ኣፈላላይ ንድሕሪት ገዲፎም ብሓባር ንእግዝኣብሔር አምላኾም ከመስግኑ የስምዕ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ንጴጥሮስ ክግለጸሉ ይርኤ: እግዝኣብሔር ዘንጽሖ ሰብ ኣይንጹሑን ኪብሎ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኣብዛ ሓዳሽ ምድሪ መንፈስ ቅዱስ ዚመልኣ ከተማ ኵሎም ብእምነቶም ሓድነት ዘመስከሩ ደቃ ብቅድስና ኪመላለሱ እዮም።

ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን

ጥቅስታት፦ 2ጴጥ 3፡13, ራእይ 20፡11, 21፡1 (ማቴ 19፡28) ጥቅስታት ሓዲሽ ኪዳን ብዛዕባ’ዚ እንክናገሩ ዘመሓላልፍዎ ትምህርቲ እግዝኣብሔር ነቲ ዘኣረገ ኣጥፊኡ ፍትሒ ዚነግሠሉ ሓዲሽ ፍጥርት ኪፈጥር ምኳኑ የስምዕ። ነዚ ዚተረድኤ ቅ.ጳውሎስ “ደጊም ካብ ሕጂ ንድሓር ብሥጋዊ ኣረኣእያ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ሽሕ እኳ ንኽርስቶስ ብሥጋዊ ኣረኣእያ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። ስለዚ ሓደ እኳ ብኽርስቶስ እንተ ኣልዩ ንሱ ሓዲሽ ፍጥረት ኢዩ። እዚ ኵሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቀና፡ ንኻልኦት’ውን ምስኡ ከነተዓርቕ መዚ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። 2ቆሮ 5፡16-18 ይብለና።

ንሕና አብ ክርስቶስ ክንህሉ ይግበአና። እቲ ቃል አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ፤ ንዓና መለኮታዊ ባሕሪ ኬልብስ ቢሉ፡ ሰብ አዊ ስጋና ለበሰ። ንሕና ካብ ጥፍ አት ኩኔነ ነጻ ንምግባር – አገልጋሊና ኮነ፥ ንሕና ምእንቲ ክንጸድቅ መንግስተሰማይ ምእንቲ ክንወርስ – ናብዚ ምድሪ ብምራድ ኃጢአትና ጾረ። እግዚኣብሔርን ናይ ሰብን ዓለማትን ከምቲ ዚድለ ርክብ ኪነብራን፡ ማለት እግዝኣብሔር ንሰብ ምስ ኩሉ ኣተሓሳስብኡ ከም ብሓዲሽ ለዊጡ ኣብ ዚለዓለ ደረጃ ናይ ሰብ ኵነት ኣብጽሑ – ሓሳቡን ድላዩን ናብ እግዝኣብሔር ከም ዚኸውን ኪገብሮ እንከሎ ኢዩ።

ንክርስትያን እምበኣር ሓዲሽ ሰማይን ሓዲሽ ምድርን ብመስቀል ክርስቶስ ዝተበሠረ ብትንሳኤ ከኣ ብወግዒ ዝተገልጸ ሓዲሽ ሕይወት የስምዕ። ትንሳኤ በቲ ሕይወት ዚህብ መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም’ዩ ሕይወት ክርስትያን ዚተሓደሰ ከኣ ብሳላኡ ይኸውን። ‘እቲ ንኽርስቶስ ካብ ምውታን ዘተንስኤ ንሱ ነቲ መዋቲ ሥጋኹም በቲ ኣባኻትኩም ኃዲሩ ዘሎ መንፈስ ገይሩ ሕያው ኪገብሮ ኢዩ” ሮሜ. 8፡11 ይብለና ቅ.ጳውሎስ። ክርስቶስ ብወገኑ ንሞት ኣሸኒፉ ምስ ተንስኤ ንሓዋርያት ዚገብረሎም ህያብ “መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ ኡፍ ኪብለሎም ይርኤ። ክርስትያን ከኣ ብምስጢራት ጥምቀትን ሜሮንን ተሸከምቲ መንፈስ እግዝኣብሔር ይኾኑ፡ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ኮይኖም ይርከቡ። ኣብዚ ኵነታት’ዚ ሰብን መለኮትን ኣብ ሓደን ብሓደን ተሰማሚዖም ይነብሩ። እዚ ዝኸውን ግና  ወድ ሰብ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ብነፃ ድልየትና –  ነቲ መደብ ኣምላኽ እንተ ደኣ ተቐቢልናዮ ማለት’ዩ። ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ምንባር ማለት ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎ ምትእስሳር ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምኳኑ የረድእ። መንፈስ ቅዱስ ህያብ ኣምላኽ ምንጪ ናይ ሕይወትን ቅድስና ናይ አመንቲ ኮይኑ ይርከብ።

ዝለዚ ኣብ መጨርሻ ቅዱስ ጽሑፍ እግዚኣብሔር ንድኅነትና ኢሉ ንዝገለጸልና ሓቂ ሒዙ ዝርከብ ቅድሱ ጽሑፍ፤ ነዚ ሓቂ እዚ ፈሊጥናን ተቐቢልናን: ከኣ ናይ ኩሉ ፍጥረት ባህሪኡን: ቁምነገሩን ንውዳሴ-ኣምላኽ ምኻኑ ክንፈልጥን ክንቅበልን ንኽእለና። ናትናን ናይ ኩሉ ፍጥረት  ህላዌ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር  ጽባቐን ህላዌን እንታይነትን ዝገልጹ ምኻኖም የረደኣና። ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ናይ ውልቂ ዝኾነ ናቱ ጽባቔን ፍጽምናን ዘለዎ እዩ። እዚ ኣብቲ ናይ 6 መዓልቲ ተግባር እግዚኣብሔር ተገሊጹ ንረኽቦ። ነፍሲ ወከፉ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ሰናይን ጥበብን የንጸባርቕ። ኣብ መንጎ ኩሎም ፍጡራት ሓድነት .. መንፈስ ኣሎ። እዚ ሓድነት እዚ ከኣ ካብቲ ፈጣሪኦም ዝመንጨወ ኢዩ። ምኽኒያቱ ነፍሲ ወከፍና ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገልጽ ስለዝተፈጠርና።

ነዚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ እንክገልጾ፡

“ኦ ጎይታ! በዛ ኣዴና ዝኾነት እትጾረናን እትምግበናን ዝተፈላለየ ፍረታትን በብዓይነቱ ዕንባባታትን ሣዕርታትን እተጽእ ኃውትና መሬት ዝተወደስካ ኩን … ንጎይታ ወድሱን ባርኹን ናኡ ኣመስግኑን: ብታሕትና ከኣ ኣገልግሉ”። ቅዱስ ፍራንቸስኮ

ስለዚ ኣሕዋት እግዚኣብሔር ንኹሉና እንኣምን ሓደ ስሩዕ ዝኾነ መሠረትን ክንሕልዎን ክነብሮን ዘለና ሕግታት ሰሪዑልና ኢዩ። ነዚ ተቐቢልና እሙናት ኮይና ክነብር ይግብአና። ከም መደምደምታ ዘፍ.2:1 ክነንብብ: “ከምዚ ኢሉ ኸኣ ፍጥረት ሰማያትን ምድርን ናይ ኩሉ ኣብኦም ዘሎን ተፍጸመ። ኣምላክ ከኣ ኻብቲ ዚፈጠሮን ዚገበሮን ዝነበረ ኹሉ ግብሩ፥ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ስለ ዘዕረፈ፥ ንእኣ ባረኻን ቀደሳን”። ከምቲ  ኣቀዲማና ዝበልናዮ ከኣ ስራሕ ፍጥረት በቲ ዝዓበየ ስራሕ ድሕነት ይዛዘም። እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ምሥጢሩ ስለዓለ ክብሩን ዝጭብጥ፤ ኣብዚ ብኽርስቶስ ዝተሓደሰ ፍጥረት እዩ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *