አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሓምለ – 5.2018

ማቴ.9:1-8

ኢየሱስ ናብ ጃልባ ደይቡ ተሳገረ፥ ናብ ዓድውን መጸ። እንሆ ኸአ አብ ዓራት ዝደቀሰ ሓደ ልሙስ አምጽእሉ፥ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፥ ነቲ ልሙስ “አጆኻ እዚ ወደይ፥ ኃጥአትካ ተኃዲጉልካ እዩ” በሎ። እንሆ ኸአ ገሊኦም ካብ መምህራን ሕጊ ንሓድሓዶም ብልቦም “እዝስ ይጸርፍ አሎ” በሉ። ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዚ በሎም፦ “ ስለምንታይ ብልብኹም ክፉእ እትሓስቡ፧ አየናይ ይቐልል፧‘ኃጢአትካ ተኃዲጉልካ’ ምባልዶ ወይ ‘ተንሥእ እሞ ኪድ ምባል፧ እምበአርከስ፥ ወዲ ሰብ አብ ምድሪ ኃጢ አት ኪኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ’’ ኢሉ ሽዑ ነቲ ልሙስ ‘ተንሥእ ዓራትካ አል ዒልካውን ናብ ቤትካ ኪድ’ በሎ። ተንሢኡ ድማ ናብ ቤቱ ኸደ። እቶም ሕዝቢ ኸአ እዚ ርእዮም ፈርሁ፥ ንሰብ ከምዚ ዝበለ ሥልጣን ንዝሃበ አምላኽ ድማ አመስገንዎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *