አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሓምለ – 6.2018

ማቴ. 9:9-13

ኢየሱስ ካብኡ ምስ ኃለፈ፥ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብአይ አብቲ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረአየ እሞ፥ “ሰዓበኒ” በሎ፥ ንሱ ድማ ተንሢኡ ሰዓቦ። ብድኅሪዚ አብ እንዳ ማቴዎስ አብ መ አዲ ምስ ተቐመጠ፥ እንሆ ብዙኃት ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ምስ ኢየሱስ ደቂ መዝሙርቱን ተቐመጡ። ፍሪሳውያን ከአ እዚ ርእዮም ንደቂ መዛሙርቱ  “መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን ስለምንታይ ይበልዕ፧” በልዎም። ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፥ “ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበአር፥ ጥዑያት አይደለይዎን እዮም። ‘ምሕረት ደአ እምበአር መሥዋዕቲ  አይኮንኩን ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ምኻኑ ኪዱ ተምሃሩ። ከመይ አነ ንኃጥአን እምበር ንጻድቃን ናብ ንስሓ ኽጽውዕ አይመጻእኩን” በሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *