7ይ ክፋል – ሰብ

ሰብ

ዓለም ታሪኽ ወዲ ሰብን: ታሪኽ ድሕነት እግዚኣብሔር እትገልጽ ቦታን ስፍራን ኢያ። ስለዚ እግዚኣብሔር ከም “ፈጣሪ ሰማይን ምድርን” ምእማን ማለት ኩሉ እቲ ኣብዚ ዓለም እዚ  እንርእዮን እንድህስሶን ፍጥረት: ተግባረ ኢድ  ኣምላኽ ምኻኑ ምቕባል ማለት ኢዩ። ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ቅርጺ ዘይብላ ነበረት። ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብማዕበል ዝናወጽ መዓሙቕ ባሕሪ ሰፊኑ ነበረ።  መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ሽዑ ኣምላኽ “ብርሃን ይኹን” በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።  ፍጥረት ብሓፈሻ ከምኡውን እዛ እንነብረላ ዓለም: ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣስተንትኖና ዝረኣናዮ ክብሪ ኣምላኽ: ህላዌ ኣምላኽ ዝገልጹ ኢዮም።

አብ ዘፍ1: 26-27

ኣምላኽ ከኣ “ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር። ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ” በለ።  ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። እዚ ሓሳብ እዚ ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ኢዩ ዝብል ትምህርቲ ወይ ሓቂ ካብ ቁዱስ መጽሓፍ ዝመንጨወ ትምህርቲ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ጸጋ ወይ ህያብ እዚ ተቐቢሊና ክንክእል የድሊ: ነዚ ህያብ ዝሃበ እግዚኣብሔር ንምምስጋን ወትሩ ክንዕጠቕ የድሊ: ፍረ ናይዚ ህያብን ጸጋን እዚ ኣብ ሕይወትና ንኽዓቢ ወትሩ ክንሰርሕ : ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ብትብዓት ብኣምሳል እግዚኣብሔር ከምዝትፈጠርና ክንምስክር፤ ንዑኡ ክንመሲል:

እግዚብሔር ብኣምሳሉ ፈጠረ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና ኢዩ እዚ ማለት፦ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣስተንትኖና ዝገለጽናዮ “ ነፍሲ ወከፍና እንታይነትን ንጽባቐን እግዚኣብሔር ክነንጸባርቕ ስለዝተደለ .. እግዚኣብሔር ጽባቕኡ ኣባና የንጸባርቕ: ንሱ ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወክፍና መደብ ስለዝነበሮን ስለዘዎ እዩ:: ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ ንሱ ዘዳለዎ መንግስተ ኣምላኽ ንኽንኣቱ ሕጹያት ስለዝገበረናን ስለዝኽናን እዩ::

በየናይ መገዲ ኢና ንሕና ሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ክንብል እንበቅዕ! እንኮ ፍጡር ብናጽነት ንፈጣሪኡ ኽፈልጥን ኸፍቅርን ክእለትን ሓይልን ዘለዎ ፍሉይ ፍጥረት ብምኻኑ ብምርኣይ:: እንኮ ፍጡር ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ሕይወት ንኽሳተፍ ብፍቕሪ ዝተፈጠረን ዝተጸወዕን ምካኑ ብምእማንን ብምርኣይን።

ንሱ ከም ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ብገዛእ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ክፈልጥን ምስኡ ሕብረት ክገብርን ብነጻነት ዝተጸውዕ ፍሉይ ፍጥረት ኢዩ። ሰብ ኣብ መደብ ፍጥረት ኣምላኽ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ ይሕዝ፦ ከመይ ንሱ “አምሳል ኣምላኽ” ኢዩ፥ ኣብቲ ባሕሪኡ: ነቲ መንፈሳውን ግዙፍን ወገን ኣወሃሂዱ ዝርከብ ፍጥረት ኢዩ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ኮይኑ ነቲ ናይ ምፍጣራ ስራሕ ንኽቅጽል ዝተሓርየ ኢዩ፥ እግዚኣብሔር ፈታዊኡ ዝገበሮ ፍሉይ ፍጥረት ኢዩ።

ቅ.መጽሓፍ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብን ኣፈጣጥራ ካልኦት ፍጡራትን እንክዛረብ እንከሎ: ኣፈጣጥራ ሰብ ካብ ናይ ካልኦት ዝተፈልየ ምኳኑ ይገልጽ። “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ-ኣምላኽ ፈጠሮ፤ ተባዕታይን ኣንስታይን ገቢሩ ፈጠሮም”። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምስክረልና እቲ ሓቂ: ደቂ ሰባት ካብ ምስሊ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ ኢዮም።  እቲ ሓቂ ማእከል እምነት ክርስትናና ከኣ እዚ ኢዩ። ቤተክርስትያንን ኩሎም መማህራን ትምህርተ መሎኮትውን እንተኾኑ ነዚ ዓቂ እዚ ተቀቢሎም ኢዮም ክምህሩን ክምስክሩን ጸኒሖም። እዚ ኣርእስቲ ወይ መልእኽቲ እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ንሓደ እንታይነት ወይ ወዲ ሰብ ንምርዳእን ምፍላጥን ከም ሓደ መፍትሕ ገሮም የቕርብዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ብኣምሳል-ኣምላኽ” ተፈጥረ እንዳበለ ንወዲሰብ ገሊጹዎ ይርከብ። ምስጢር ወዲ ሰብ ካብቲ ምስጢረ እግዚኣብሔር ፈሊኻ ክርኣ ኣይክእልን። ሰብ ብአምሳል እግዚአብሔር ከምዝተፈጥረን ንፈጣሪኡን ከፍቅርን ክፈልጥን ከምዝኽእልን፡ አብ ልዕሊ ኩሉ ምድራዊ ፍጡር፦ ንእግዚአብሔር እናወደሰ ክገዝእን ክጥቀመሎምን ከምዝተሾመን የስተምህር።

እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡ እቲ እትሓልየሉ ወድ ሰብሲ እንታይ ኢዩ፧ ካብ መላእኽቲ ቁሩብ አንአስካዮ፥ ብኽብርን ጊጽን ከአ ከለልካዮ። አብ ልዕሊ ኩሉ ግብሪ አእዳውካ ሸምካዮ፥ ንኹሉ አብ ብትሕቲ እግሩ ጌርካሉ” መዝ. 8:5-7

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ኢዩ። እዚ ማለት ወዲ ሰብ ነጻ ዝኾነ ምርጫ ንክገቢር ነጻነት አለዎ ማለት ኢዩ። እንተኾነ በቲ ናጽነቱ ተጠቂሙ ነቲ አብኡ ዝነበረ ምሽጣዊ ምስሊ አምላኽ ከጥፍእ ኪኢሉ። አንጻር አምላኹ ክኸይድ ጀሚሩ። ግጉይ ምርጫ ገበረ። በዚ ምኽኒያት እቲ ዝነበሮ ምስሊ ክባላሾ ኽ ኢሉ።

“ብሰሪ ሓደ ሰብአይ ኃጢአት ናብ ዓለም አተወ፥ ብምክኒያት ኃጢአትውን ሞት መጸ፥ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ተመኃላለፈ። ሮሜ. 5:12.

እቲ ሰናይ ነገር ግና እግዚአብሔር ርሕሩሕን ፈቃርን አምላኽ ስለዝኾነ ነቲ ዝነበረና ምስሊ አምላኽ ናብቲ ንቡር ንምምላስ እቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ይሰድድ። “ነቲ ቅድም ትነብርሉ ዝነበርኩም ብኽፋእ ትምኒት ዝተበላሸወ አረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፥ በተሓሳስባኹም እውን ተሓደሱ። ነቲ በርአያ እግዚአብሔር፥ ብጽድቅን ብቕድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከአ ልበስዎ

እግዚኣብሔር ንኹሎ ፍጡር “ይኹን” ብማለት ሓንቲ ቃል እናተጠቀመ ድኅሪ ፈጢርዎ ንኩሉ ተመልከተ’ሞ ጽቡቕ ምኳኑ ረኣየ። ኣብቲ ዘብህግን ደስ ዝብልን ኩሉ ዘማልኤን ቦታ ንመሬት ምእንቲ ኺዓያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ። ዘፍ 2:15 እዚ ናይ ኪዳን መስርሕ ኢዩ። ኣምላኽ ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ወሲዱ፡ ኣብ መዓርን ጸባን ትውሕዝ መሬት ኣቀሚጥዎ። ንሰብ ካብቲ መሬታዊን ምድረ-በዳዊን ባህሪኡ ወሲዱ፡ ኣብ ሓደ ጽቡቅ ቦታ ኣስፊርዎ። ኣምላኽ ናይ ሰብ ጽቡቅ ኢዩ ዝደሊ። ካብ ሓደ ጥሩሑን ንቁጽን ቦታ ወሲዱ፡ ኣብ ሓደ ጽቡቅን ፍርያምን ኩነት ኣቀመጦ። ሰብ ኣብዚ ጀርዲን ናይ ምዕያይን ምሕላውን ስራሕ ወይ ተልእኾ ይህልዎ። ምዕያይ ናይ ኣምልኾ ኣንቀጽ ኢዩ።  ምሕላው ሃይማቶታዊ ትርጐምውን ኣለዎ። እዞም ክልተ ቃላት፡ ንኣምላኽ ምምላኽን ምግልጋልን፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው (ኣብ ግብሪ ምዎዓል የመልክቱ። ንስራሕ ዘመልክቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ዘመልክቱ ኢዮም።

ጀርዲን  ናይ ዕርክነታዊ ርክብ ኣምላኽን ሰብን ምልክት ኢዩ። እዚ ርክብ እዚ ኽኩስኮስን ክሕለውን ይግበኦ። ኣምላኽን ቃላቱን ክሕለዉ ኣለዎም። እቲ ኣብ ዘፍጥረት እንረኽቦ ቃል እግዚኣብሔር እዚ ሓቂ እዚ የዘንትወልና – ብካልእ ወገን ከኣ ሰብ ክሳብ ፣ ክንደይ ዓቢ ምኳኑ ከረድእ፡ እግዚኣብሔር ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብኢዱ ብኽብሪ ከም ዝፈጠሮ ይዛረብ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ’ሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍስ ኵነ። (ኦ.ዘፍ 2፡7) ይብል።

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ “ነፍሲ” ዚብል ቃል ንሕይወት ሰብ ወይ ከኣ ንመላእ ሰብኣዊ ኣካል እዩ ዜስምዕ። “ከመይ እቲ ንሕይወቱ ኬድሕና ዚደሊ ኬጥፍኣ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ” ። ማቴ 16:25 ግና ከኣ ነፍሲ ኪበሃል ከሎ፤ ነቲ ናይ ሰብ ውሽጣዊ ኣተናኡ፤ ኣብኡ ዝዓበየ ግምት ንዝወሃቦ ኩነቱ፤ ነቲ ኣምሳል ኣምላኽ ዚገብሮ ወገኑ ከመልክት ይርከብ፤

ነፍሲ ማለት እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈሳዊ ሠረት ኢዩ። “ነቲ ነፍስን ስጋን  ኣብ ገሃነም ኬእቱ ዚከኣሎ ደኣ ፍርህዎ እምበር፥ ነቶም ንሥጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኪቐትልዎ ዘይከኣሎም ኣይትፍርህዎም” ሰብ ግዙፍ ሥጋዊ ኣካሉ ኣብቲ ናይ “ኣምሳል-ኣምላኽ” ክብሪ ግርማ ዚሳተፍ እዩ። ንሱ ሰብኣዊ ግዙፍ ሥጋ እዩ፤ ከመይሲ ቦታ መንፈሳዊት ነፍሲ ሕይወት ዝረኸበ ኢዩ፤ እቲ ኣብ ምሥጢራዊ ኣካለ-ክርስቶስ: ታቦት-መንፈስ ቅዱስ ኪኸውን ዝተመደበሉ ከኣ እቲ መላእ ሰብኣዊ ኣካል ኢዩ። “መቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጥዖታት እንታይ ስምምዕ ኣለዎ! ኣምላኽ “ምስኣቶም ክነብር ኣብ መንጎኦም እውን ክመላለስ እየ፥ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፥ ንሳቶምውን ሕዝበይ ኪኾኑ እዮም” ከምዝበለ፥ ንሕና ቤት መቕደስ ሕያው ኣምላኽ ኢና። 1ቆሮ 6:19-20 እቲ ካብ ግዙፍ ነገር ሥጋ፤ ሕይወት ዘለዎ ሰብኣዊ ኣካል ዚኸውን ብሳላቲ መንፈሳዊት ነፍሲ ስለዝኾነ እዩ።

ኣብ ሰብ ዘሎ: መንፈስን ግዙፍን ነገርን: ክልተ ዝተወሃሃደ ባሕርያት ገቢርካ ዚሕሰብ ዘይኮነስ፤ እቲ ምውህሃዶም ሓደ ባሕርይ እዩ ዜቕውም። ሰብ: ኣምሳል ኣምላኽ ብምኻኑ ናይ ሰብ ክብረ ግርማ ዝጨበጠ ኣካል እዩ።  ርእሱ ዚፈልጥን: ዚቆጻጸርን: ነጻ ብዝኾነ መንፈስ ከኣ ርእሱ ንኻልኦት ዜወፊ:  ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ኅብረትን ሱታፌን ዚኣቱ እዩ። ምስ ፈጣሪኡ ኪዳን ኪኣቱ፤ ካልእ ፍጡር ኪገብረሉ ዘይከኣሎ፤ ንኣምላኹ ብእምነትን ብፍቕርን ንኺምልሸሉ ብመደብ ጸጋ ዝተጸውዐ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ብተወሳኺ ንወዲ ሰብ ንውልቑ ክነብር ኣይፈጠሮን እንታይ ደኣ ምስ ካልኦት ንክነብር። ማሕበራዊ ወይ ሓበራዊ ሕይወት ንኽነቢር። ኣብ መጀመሪያ ፍጥረቱ እግዚኣብሔር ንሰብ ብዝምድና ንኽነብር ፈጠሮ። ሰብአይን ሰበይትን ጌሩ ሓደ ምስ ሓደ ንኽነብሩ ፈጠሮም። እግዚአብሔር ሰብ አይን ሰበይትን ብሓባር ፈጠሮም፡ ሓደ ነቲ ካልእ ኪኾኑ መደቦም። ቃል አምላኽ ድማ ነዚ እንርደአሉ ዝተፈላለየ አብነት አብ ቅዱስ መጽሓፍ የቅርበልና። “ሰብአይ በይኑ ኪነብር ጽቡቕ አይኮነን፤ ንአኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ። እየ” ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ወዲ ሰብ ምስ ካልኦት ንኽነብር ከምዝተፈጥረ ብግልጺ ይምህረና። ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ዝምድና ክህልወና  ምስ ሓውና- ምስ ገዛ ርእስና።

ኣብሉይ ኪዳን እንተረኣና “ብኣምሳል-ኣምላኽ” ተፈጥረ ዝብል ትምህርቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ወይ ሓቂ ብምስሊ ክርስቶስ ምልኣት ክረክብ ንረኽቦ። ኣብ ትምህርቲ ሓዲስ ኪዳን ብዛዕባ እዚ 2 ምዕባለ ክንርኢ ንኽእል፦ እቲ ምሉእ ምስሊ ኣምላኽ ዘልዎ ባዕሉ ክርስቶስ ኢዩ። ክርስቶስ ናይቲ ዘይርኣ ኣምላኽ ምስልን፥ ልዕሊ ኹሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ ንእግዚኣብሔር እዩ። ቆላ.1.15 ሰብ ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፥ ንሱ ንብዙሓት ኣኅዋት በኹሮም ምእንቲ ኺኸውን፥ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐድም መደቦም ሮሜ. 8፡29 ከምኡውን ነቲ ንእኡ ምእንቲ ኺፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ አብነት ዝለበስኩም ስለ ዝኾንኩም ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። ቆላ 3:10 ስለዚ ምሕዳስን ለውጥን የድሊየና። እዚ ምሕዳስዚ ብትምህርቲ ሓዲሽ ኪዳን ብኸመይ ይካየድ ብመገዲ ምስጢራት ልዕሊ ኩሉ ብምስጢረ ቁርባን። ሰብ እምበኣር ብመልክዕን ብኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሕይወት ዘለዓለም ዝህብን ውሽጣዊ ሕይወት እግዚኣብሔር ዘሳትፍን እስትንፋስ ኣምላኽ ዝተቐበለ ኢዩ። በዚ ከኣ ሕይወቱ ብናይ ሥጋን ዓለምን ነገር ዓጊባ ክትነብር ዘይከኣል ኢዩ።  እቲ ዝተቐበሎ ሀብቲ ጸጋ ናብቲ እግዚኣብሔር ዝመደበሉ መጻኢን መወዳእታ ዘይብሉን ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣቢሉ ሃረር ከም ዝብልን ናብኡ ገጹ ከም ዘተኩርን ዝጓዓዝን ገይሩ ኢዩ ፈጢሩዎ። ንመጻኢ ዕላማ ክዓትር ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ከኣ እግዚእብሔር ይረከብ።  ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ አብቲ እግዚኣብሔር ዝመደበሉ መደብ ዝመላለስ ሰብ እግዚአብሔር ይርከብ፡ ምስ እግዚአብሔር ይሓብር። እግዚኣብሔር ዝረኸበን ምስ እግዚአብሄር ብሕብረት ዝጎዓዝ ከአ መጻኢ ሕይወቱን ዕላማኡን ረኺቡ ማለት ኢዩ።

ምኽኒያቱ ወዲ ሰብ አብዚ ዓለም እዚ ብእምነትን ፍቕርን ንአምላኽ ንኽረክብ ዝተጸወዕ ኢዩ። ሰብ እምበአር ምእንቲ እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ኢዩ።  እቲ ካብ ኩሎም ፍጡራት ንናይ መጻኢ ሕይወት ዘማዕዱ ንቅድሚት ዝጥምት፡ ከምቲ ዳዊት አብ መዝሙሩ 89፡5-6 ዝዝምሮ “ሕይወት ውዲ ሰብ ነቲ ንግሆ በቒሉ ምሸት ዚጽምሉ ዕንባባ ሜዳ ኢዩ ዚመስል” ኢሉ አሚኑ ዝጎዓዝ ፍጡር ሰብ ጥራይ ኢዩ፡

እግዚኣብሔር በቲ ዓቢይ ፍቕሩ ንዓለምን ኣብኣ ንዘለዉ ኩሎም ፍጡራትን እካ እንተ ፈጠረ እቲ ቀንዲ ናይ ምፍጣር ዕላማ ግን ሰብ ንምፍጣር ኢዩ ዝነበረ። በዚ ከኣ ንሰብ ኣብ ርእሲ ኩሎም ሥልጣን ዝሀቦ። ዘፍ. 1፡26 እንተኾነ ግና ብዙሕ ግዜ ደቂ ሰባት ኩሉ ዘድሊየና ካብ እግዚአብሔር አምላኽና ክንረኽቦን – በቲ እንረኽቦ ከአ ክንዓግብን እናኸአልና ከለና ዕግበትና ካብ ፍጡራት ከማና ንደልዮ።  ዕድላትናን ጸዋዕታናን ዘለዓለማዊ ክንሱ ተስፋና አብ ኃልፊ ነገር ንገብሮ። ዝለዚ ዘለዓለማዊ ጸዋዕታና አይንረስዕ። ነቲ እግዚአብሔር አምላኽና ክህበና ኢሉ ቃል አትዩልና ዘሎ ዘይበርስ ውርሻን፡ ዘለዓለማዊ ክብርን አይንረስዕ። እዚ ዕላማ መፍጠሪና፡ነቲ ንሱ ዘዳለወልና መንግስተ ሰማያት ንኽንወርስ። ወድ ሰብ እግዚኣብሔር ዝሀቦ ሓላፍነት ብምውሳድን ትእዛዛቱ እናሓለወ ምስ ኣምላኹን ምስ ኩሎም ፍጡራትን ብሰላም ይነብር ነበረ። ሕይወቶም ምልኣት ረኺቡ ብምልኣት ሰላምን፣ ቅሳነትን፣ ስምምዕን ዝሰፍኖ ኩነት ረኽበ፡ እዚ ከኣ ካብቲ ምስ ኣምላኹ ዝነበሮ ርክብ ዝመንጨወ ኢዩ ነይሩ። ነዚ ክብሪን ጸጋን ህያብን ኣምላኽ ክነጥፍእ ግና ንኽእል ኢና፥ ስለዚ  ምልአት ዘለዎ ሕይወት ንኽነብር፤ ነዚ ኩሉ ክንጭብጥን ክነስተማቅርን  ምስቲ ፈጣሪና ትእዛዛቱ ብምሕላው ሓቀና ዝኾነ ርክብ ክንምስርት የድሊ። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፤ ወዲ ሰብ ንዓለም ከመሓድር ብኣምላኽ ዝተዋህቦ መዝነት ቅድሚ ኹሉ ኣብ ሊዕሊ-ርእሱ ኪፍጽሞ ዘለዎ ኢዩ፤ ርእስኻ ምምላኽ። እቲ ቀዳማይ ጸዋዕታና እምበአር ነፍሲ ወከፍና   ርእሱ ክመልኽ አለዎ። እዚ ኢዩ ኸአ ካብቶም ካልኦት ፍጡራት ወይ እንሣታት ዝፈሊየና።

ከመይ ኩሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ ፍትወት ሥጋን ክፋእ ትምኒትን ዓይንን ብሃብትኻ ዕቡይ ምኻንን፥ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦ ኣይኮነን። ዓለምን እቲ ኹሉ ፍትወታን ኃላፋይ እዩ፥ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘዓለም ይነብር” ። 1ዮው2:16-7 ብናይ ፍትወት ስጋ ጣዕሚ ከይንታለል –  ካብ እንስሳ ፍሉይ ዝገብረና፥ ብህርፋን ምድራዊ ነገራት ከይንታለል – መጀመርያ መንጉስቱን ጽድቁን ድለዩ ዝተረፈ ኩሉ ክወሃበኩም ኢዩ፥ ብትዕቢት ተጻይ እግዚኣብሔር ከይንኸይድ። እዚ ንመላእኽቲውን ኣይጠቐመን፡ ትሕት ክንብል። በዚ ኸኣ እቲ ካብ ኩሉ’ቲ ዚርኣ ፍጥረት፤ ሰብ ጥራሕዩ “ንፈጣሪኡ ኪፈልጥን ከፍቅርን ዕቕሚ ዘለዎ” ዝብል ሓቂ ወይ ትምህርቲ ርዱእ ክኸውን ዝኽእል።

ከምቲ ኣቐዲማን ዝበልናዮ: አብ ምእንቲ ርእሱ ኢሉ ኣብ ምድሪ ዝፈጠሮ ኡንኮ ፍጡር ሰብ ኢዩ። ንሱ ንበይኑ ከኣ፤ ብፍልጠትን ብመደብ ፍቕርን ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ኪሳተፍ ዝተጸውዐ ኢዩ። ነዚ ዕላማዚ ስለ ዝተፈጥረ ኸኣ፤ ናይቲ ክብሪ-ግርማኡ መሠረታዊ ምንጪ ኮይኑ ይርከብ። ንሕና ኩሉና ኸኣ ብቕሉዕ ገጽ ክብሪ ጎይታ ኢና ነንጸባርቕ፥ እዚ ካብቲ መንፈስ ዝኾነ ጎይታ ዝመጸ ኽብሪ ኸኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እናተለወጥና፥ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ ንኃልፍ። 2ቖሮ. 3፡18 ከምይ ንሕና ኣሁድ ኮንና ግሪኻውያን፥ ባሮት ኮንና ጭዋታት ኩሉና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን ብሓደ መንፈስ ጠጠመቕና፥ ሓደ መንፈስውን ሰተና። ቆሮ.12፡13

ሕብረት ምስ ክርስቶስ ካብ እምነት ብጥምቀት ዝመጽእ ኢዩ። ንእየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ኩሉኻትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።  በዚ ኸኣ ካብቲ ኣረጊት ሰብነት ብሙማት ሓዲሽ ሰብነት ንለብስ። ከመይ ብኽርስቶስ ዝተጠመቑም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለቢስክምዎ ኢኹም። ገላ.3፡27 ንስሓ ቅድስ ቁርባን ካልኦትን ከኣ ነዚ ኩሉ ኣቐዲምና ንዝበልናዮ ዘሐይሉ ይኾኑ። ብምስሊ ኣምላኽ ተፈጢርና ንሓይሊ መንፈ ቅዱስ ምስጋን ይኹኖ ከኣ ብመንገዲ ምስጢራት ብኽርስቶስ ጎይታ ምልኣት ንረክብ። ኣብ ሕቑፊ እግዚኣብሔር ኣብ ከኣ ንነብር። “ስጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አነ አብኡ ይነብር ንሱ ኸአ አባይ ይነቢር” ዝብል ቃል ክርስቶስ  ክንዝክር ንኽእል።

ብሓቂ ኪረኣ ከሎ፤ ናይ ወዲ ሰብ ምስጢሩ  ኪንጸር ዝከኣል: ብመንጽርቲ ሥጋ ስለበሰ ቃል ኪጥመት ከሎ ኢዩ። ፍሰሃን ተስፋን.22.1 ምስጢር ወዲ ሰብ ብሓቂ ግሉጽ ዝኸውን: ኣብ ምሥጢር’ቲ ሥጋ ዝኾነ ቃል ጥራሕ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀዳማይ ሰብ: ኣምሳል ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ክርስቶስ ጎይታ ኢዩ። ክርስቶስ እቲ ሓዲስ ኣዳም: ናይ ኣቡኡ ምሥጢሪን ፍቕርን ብምግላጽ: ንሰብ ብርእሱ ብምልኣት ይገልጾ: ነቲ ልዑል ጸዋዕታኡ ድማ የፍልጦ። ንሱ “መልኽዕ ናይቲ ዘይረኣ ኣምላኽ: ነቲ ናይ መጀመርታ ኃጢኣት ካብ ዝፍጸም ግዜ ኣትሒዙ ተባላሽዩ ዝነበረ መለኮታዊ ኣምሳል ንደቂ ኣዳም እንደገና መሊሱ ዝሃቦም ፍጹም ሰብ ኢዩ።

Abba Hagos Teesfagabir

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *