አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሓምለ – 7.2018

ማቴ.9:14-17
ሽዑ ደቂ መዛሙርቱ ዮውሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ ንሕና ፈሪሳውያን ብዙኅ ንጸውም፥ ደቀ መዛሙርትካ ደአ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧” በልዎ” ኢየሱስ ከምዚ በሎም፦ “ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎዶ አዕሩኽ መርዓዊ ኪኃዝኑ ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብ አቶም ዚውሰደላ መ ዓልቲ ኽትመጽእ እያ‹ ሽዑ ኸአ ኪጾሙ እዮም። ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ አብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ሓድ እካ የልቦን፥ ምኽኒያቱ ነቲ ጥ ዑይ ይልክሞ፥ እቲ ምቕዳዱ ኸአ ዝገደደ ይኸውን። ንሓድሽ ወይኒ አብ ዝአረገ አሕርቲ አየ ዕርቕዎን እዮም፥ ምኽኒያቱ እቲ አሕብርቲ ይቕደድ እቲ ወይኒውን ይፈሥ፥ እቲ አሕብርቲ ኸአ ይባላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና አብ ሓደስቲ አሕብርቲ የ ዕርቕዎ፥ ክልቲ ኦም ድማ ይሕለዉ።