አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሓምለ – 25.2018

ማቴ. 20. 20-28

ድኅሪዚ አደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ ናብኡ ቐሪባ እናሰገደት ሓደ ነገር ለመንቶ። ኢየሱስ ከአ “እንታይ ትደልዩ፧” በላ። ንሳ ድማ “እዞም ክልተ ደቀይ አብ መንግሥትኻ ሓደ ብጸጋም ኪቕመጡ ሕራይ በለኒ” በለኒ። ኢየሱስ ግና መሊሱ “እትልምንዎ አይትፈልጡን ኢኹም። እቲ አነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ክትስትዩኸ ትኽእሉዶ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ “እወ፥ ንኽእል” በልዎ።

ኢየሱስ ከአ “ጽዋዐይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፥ አብ የማነይን ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ነቶም አቦይ ዘዳለዎሎም እዩ እምበር አነ አይኮነኩን ዝህቦ” በሎም። እቶም ዓሠርተ ደቅ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም በቶም ክልተ አኅዋት አመና ሓረቑ። ስለዚ ኢየሱስ ጸዊዑ “ንአሕዛብ እቶም ሹማምንቶም ከም ዚገዝእዎም፥ ዓበይቶም ድማ አብ ልዕሊኦም ከም ዚሥልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም። “አባኻትኩም ግና ኸምዚ አይኮነን፥ እቲ ኻባኻትኩም ኪዓቢ ዚደሊ አገልጋሊኹም ይኹን። እቲ ኻባኻትኩም ሓለቓ ኪኸውን ዚደሊ ልኡኽኩም ይኹን። ከመይ ወዲ ሰብ እውን እንተኾነ ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙኃት በጃ ኪህብ ደአ እምበአር ኬገልግልዎ ኢሉ አይመጸን” በሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *