አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሓምለ – 30.2018

ማቴ. 13. 31-35

ክልእ ምሰላ ኸምዚ ኢሉ ነገሮም፦ “መንግሥተ ሰማያት ሰብ ወሲዱ አብ ግራቱ ዝዘርእ ፍረ አድሪ እያ እትመስል። ንሳ ድማ ኻብ ኩሉ አዝርእቲ ትንእስ፥ ምስ በቑለት ግና አዕዋፍ ሰማይ መጺአን አብ ጨናፍራ ኻሳብ ዜዕርፉ፥ ካብ ኩሉ ተኽሊ አሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን።” ካልእ ምስላውን ነገሮም፥ “መንግሥተ ሰማያት ሰበይቲ ወሲዳ፥ ኩሉ ክሳዕ ዚበኩዕ፥ አብ ሠለስተ መስፈር ሓሪጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቕ ትመስል። ኢየሱስ እቲ ብነብይ “አፈይ ብምሰላ እኽፍት፥ እቲ ዓለም ካብ ዚፍጠር ተሠዊሩ ዝነበረ እዚ ኹሉ ብምሰላ ተዛረቦም እምበር፥ ብዘይ ምስላስ ሓንቲ እካ አይተዛረቦምን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *