አስተንትኖ ቃል አምላኽ ሓምለ – 31.2018

ማቴ. 13. 36-43

ድኅሪዚ ነቶም ሕዝቢ አፋንዩ ናብ ቤት አተወ፥ ደቂ መዛሙርቱ ድማ ቐሪቦም “ ምሰላ ናይቲ አብ ግራት ዝበቖለ ኽርዳድ ተርጉመልና” በልዎ። ንሱ ድማ ኸምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ጽሩይ ዝርኢ ዚዘርእ ወዲ ሰብ እዩ፥ እታ ግራት ዓለም እያ፥ ጽሩይ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግሥቲ እዮም፥ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸአ ዲያብሎስ እዩ፥ ቀውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፥ እቶም ዓጻዶውን መላእኽቲ እዮም። እምበአር ነቲ ኽርዳድ አኪቦም ብሓዊ ኸም ዜንድድዎ አብ መወዳእታ ዓለም ከአ ኸምኡ ኺኸውን እዩ፥ ንሳቶም ከአ ንኹሎም ምኽንያት ኃጢአት ዝኾኑን ገበርቲ ኽፋእን ካብ መንግሥቱ ኺእክብዎም እዮም፥ አብኡ ድማ ብምኽኒያት ምሕርቃም አስናንን ኪኸውን እዩ። ሽዑ ጻድቃን አብ መንግሥቲ አቦኦም ከም ፀሓይ ኪበርሁ እዮም፥ እትሰምዕ አዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *