አስተንትኖ ቃል አምላኽ ነሓሰ -3.2018

ማቴ. 13. 54-58

ኢየሱስ ነዘን ምስላታት እዚ ኣተን ምስ ፈጸመ ኻብኡ ኣልገሰ። ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ከምዚ ኢሎም ክሳዕ ዚድነቑ መሃሮም፦ “ እዝስ እዚ ጥበብ እዝን እዚ ተአምራት እዝን ካበይ ረኸቦ።  ወዲ እቲ ፀራቢዶ አይኮነን፧ አዲኡስ ማርያም እትብሃልዶ አይኮነትን፧ አኃዋቱስ ያዕቆብ፥ ዮሳ፥ ስምዖን፥ ይሁዳዶ አይኮነኑን፧ አኃቱስ ኩለን ምሳናዶ አየለዋን፧ እዚኹሉ ደአ ኻበይ አምጽኦ፧” ብእኡ ኸአ ተዓንቀፉ። ኢየሱስ ግና “ ነቢይ ብዘይካ አብ ዓዱን አብ ቤቱን፥ አብ ዘይከብረሉ የልቦን” በሎም።  ብሰሪ ዘይምእማኖም ድማ አብኡ ብዙኅ ተአምራት አይገበረን።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *