አስተንትኖ ቃል አምላኽ ነሓሰ – 14.2018

ማቴ.18:1-5፡ 10፡ 12-14

በታ ሰዓት እቲአ እቶም ደቂ መዛሙርቱ “ አብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ፧” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ። ኢየሱስ ድማ ሓደ ሕፃን ናብኡ ጸዊዑ አብ ማእከሎም አቖሞ እሞ ከምዚ በለ፦ “እንተ ዘይተመለስኩም፥ ከም ሕፃናትውን እንተ ዘይኮንኩም ናብ መንግሥተ  ሰማያት  ከቶ ኸም ዘይትአትዉ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”። እቲ ኸምዚ ሕፃን እዚ ርእሱ ዜትሕት ንሱ እዩ አብ መንግሥተ ሰማያት ካብ ኩሉ ዚዓቢ። እቲ ንኸምዚ ዝበለ ሕፃን ብስመይ ዚቕበል ንአይ ይቕበል። እቲ ንሓደ ኻብዞም ብአይ ዚአምኑ ናእሽቱ ዜስሕት ድማ አድጊ ዚጥሕነሉ መጥሓን አብ ክሳዱ አሲሮም አብ መዓሙቕ ባሕሪ ኼጥሕልዎ ይኅሾ።

“ መላኣኽቶም ኣብ ሰማያት ኩሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ እሞ፥ ካብዞም ናአሽቱ ንሓደ እካ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ አባጊዕ ዘለዋኦ ሰብአይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኪደሊዶ አይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍ አብአ አዝዩ ከም ዚሕጉስ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ኻብዞም ናአሽቱ ሓደ እካ ኺጠፍእ ፍቃድ እቲ አብ ሰማያት ዘሎ አቦኹም አይኮነን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *