አስተንትኖ ቃል አምላኽ ነሓሰ – 16.2018

ማቴ. 18.21-ፍ

ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ጎይታይ! ኃወይ እንተ በደለንስ ክንደይ ሳዕ ይቕረ ኽብለሉ፧ ክሳዕ ሽብዓተዶ፧ በሎ። ኢየሱስ ድማ “ሾብዓተ ሳዕ ሰብዓ ደአ እምበር ክሳዕ ሾብዓተ አይብለካን” በሎ። ስለዚ መንግሥተ ሰማያት ምስ አገልገልቱ ኪጸባጸብ ዝደለየ ንጉሥ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሠርተ ሽሕ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ አምጽእሉ።  ዝፈድዮ ምስ ሰአነ ግና እቲ ጎይትኡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ሃብቲ ኹሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ  ዕዳ ኪኸፈል አዘዘ። እቲ አገልጋሊ ድማ ናብ እግሩ ተደፊኡ “ጎይታይ፥ ተዓገሰኒ ደአ እምበር ኩሉ ኽፈድየካ እየ’ እናበለ ሰገደሉ። እቲ ጎይታኡ ድማ ነቲ አገልጋሊ ደንገጸሉ እሞ ፈትሖ፥ ዕዳውን ኅደገሉ። እቲ አገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ አገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ ‘ አባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ’ ኢሉ ሓኒቑ ኃዞ። ሽዑ እቲ ብጻዩ አገልጋሊ ‘ ተዓገሠኒ፥ ኩሉ ክፈድየካ እየ’ እናበለ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፥ ከይዱ ድማ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈድዮ አእሰሮ። እቶም ብጾቱ አገልገልቲ ድማ እቲ ዝገበሮ ነገር ርእዮም አዝዮም ጎሃዩ፥ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ኹሉ ነገር ንጎይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጎይታኡ ጸዊዑ ‘አታ ሕሱም አገልጋሊ፥ አነ ስለ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ኃደግኩልካ። ንስኻኸ ከምቲ አነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ክትምሕሮ አይምተገበአካን፧’ በሎ። ጎይታኡ ኸአ ተቖጢዑ ኩሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ክሳዕ ዚፈዲ ንዜሳቕይዎ አኅሊፉ ሃቦ። እምበአር ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ንኃዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይኃደገሉ፥ ሰማያዊ አቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።”

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *