አስተንትኖ ቃል አምላኽ ነሓሰ – 17.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ማቴ.19:3-12

ቅዱስ መጽሓፍ ወዲ ሰብ ብኣምሳል ኣምላኽ ከምዝተፈጥረ ይምህረና።  ስለዚ ንሕና ነፍሲ ወከፍና ብሕይወትና ነቲ ጽባቐን ግርማን እግዚኣብሔር እነጸባርቕ ፍሉያት ፍጥረት ኢና። ስለዚ ቃልኪዳን ካብ ጥንቲ ብእግዚኣብሔር ዝተሰርዐ ቀጺሉ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ዝኣሰሮ ሰብ ኣይፍተሓዮ እንዳበለ ደጊሙ ዓቢ ክብሪ ዝሃቦ ዓቢ ምሥጢር ኢዩ።

እቲ ብፍቕ ተደሪኹ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍና ናብ ፍቕሪ ይጽዋዓና። እዚ ናይ ንፍሲ ወከፍ ሰብ ጸዋዕታ ኢዩ። ሰብ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ኢዩ። ስለዚ ኣምላኽ ሰብኣይን ሰበይትን ብምፍጣር . ሓደ ኣካል ብምኻን ብሕድሕዳዊ ፍቕሪ ንኽነብሩ ይዕድሞም። እቲ ሕድሕዳዊ ፍቕሮም ከኣ ናይቲ እግዚኣብሔር ንሰብ ዜፍቀረሉ ፍጹምን ዘይቃርጽ ፍቕሪ ኣምሳል ኮይኑ ይርከብ።

እዚ ፍቕሪ እዚ ብእግዚኣብሔር ክባረኽ ንረኽቦ። ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኹዋን እናበለ እግዚአብሔር ንኪዳን ሰባይን ሰበይትን ይባርኾ። ሰብእይን ሰበይትን እምበር ሓደ ነቲ ሓደ ክመልእ ዝተፈጥሩ እያቶም። ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃሃድ – ይነብር። ሓደ ኣካል ድማ ይኾኑ።

“ ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን” ብምባል “ካብ ጥንቱ መደብ ፈጣሪ እንታይ ከምዝነበረ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣነጺሩ ይምህረና።

ኢየሱስ ኣብቲ መጀመሪያ ስብከቱ ኣብ ቃና ዘገሊላ ተረኺቡ .. ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ናይ መጀመሪያ ተኣምራቱ ይፍጽም። ክርስቶስ  ስለምንታይ ኣብዚ መርዓ እዚ ክርከብ ደለየውን ክንብል ንኽእል ኢና። ሰበይቲ ንምፍታሕ ብሙሴ ዝተዋህበ ፍቓድ ብሰንኪ ትሪ ሊቢ ደቂ ሰባት ዝተገብረ ሕድገት ደኣምበር: ብሕጊ እግዚኣብሔር ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሓድነት ፍጺሙ ዘይፍታሕ ምኽኑ ኣትሪሩ ይእውጅ።

እዚ መድብ ሓድነት እዚ መደብ እግዚኣብሔር ኢዩ። ስለዚ ማንም ኪፈትሖ ኣይክእልን፣ “ እምበኣር ነቲ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍተሓዮ” እንዳበለ ከኣ ትምህርቱ የመሓላልፍ። እዚ ሓዋሪያት ብርቱዕን ዘይከኣልን ትእዛዝ ገሮም እካ እንተሓሰብዎ፡  ኣብ ክርስቶስ ዝኣምን ግና .. ደገፍን ጽላልን ናይ ክርስቶስ ኣይፍለዮን ኢዩ። ሰብ ኪዳን እምበኣር መስቀሎም ክጸሩ .. ኣብ መዓልታዊ ሕይወቶም ክደጋገፉ ይግበኦም።    ኣምላኽ በየናይ ዕላማ ምሥጢረ ቃል ኪዳን ሰሪዕዎ: ንሓድነትን . . ጠቕምን ተጻመድቲ: ውሉድ ንምውላድን ንምዕባይን: ብሓላፍነት ውሉድ ንምዕባይን:: እዚ ሓድነት ዕላማን  ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ነፍሲ ወከፍ ተጻማዲ ኣብ ጸዋዕታኡ እሙን ኮይኑ ክርከብ የዲሊ።

ቅዱስ ጳውሎስ .. ኣቱም ሰብኡት ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያን ምእንቲ ኪቕድሳ ዘፍቀራን: ህይወቱውን ምእንተኣ ዘወፈየ፤ ነንስትኹም ኣፍቅሩወን፣ ቀጺሉውን “ ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይከውን: ክሊቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኮኑ። እዚ ምስጢርዚ ዓቢይ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስ ብቤተክርስትያንን እምስሎ ኣለኹ እንዳበለ ይናገር።

ኪዳን እምበኣር እዚ ትርጉም ሒዙ ይርከብ። ኣምሳል ፍቕሪ ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑን ኮይኑ ይርከብ። እቲ ኣብ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ዝነበረ ሓድነትን ፍቕርን ኣብ መንጎ ሰብ ኪዳን እዚ ዓይነት ሓድነትን ፍቕርን ክነግስ ይድለ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *