አስተንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም 27.2018

ዮሓ. 19.25-27

አብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከአ አዲ ኡን ኃብቲ እንኡን፥ ማሪያም ሰበይቲ ቀለዩጳን ማሪያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ።  ኢየሱስ ነዲኡ፥ ነቲ ዚፍቅሮ ወድ መዝሙርውን አብ ጥቓአ ደው ኢሉ ምስረአየ  ነዲኡ “አቲ ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ” በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከአ  “ እንሃ አዴኻ” በሎ። እቲ ወድ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

አስተንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም 27.2018

በዓለ መስቀል

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ዮሓ. 19.25-27

አብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከአ አዲ ኡን ኃብቲ እንኡን፥ ማሪያም ሰበይቲ ቀለዩጳን ማሪያም መግደላዊትን፥ ደው ኢለን ነበራ።  ኢየሱስ ነዲኡ፥ ነቲ ዚፍቅሮ ወድ መዝሙርውን አብ ጥቓአ ደው ኢሉ ምስረአየ  ነዲኡ “አቲ ሰበይቲ! እንሆ ወድኺ” በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከአ  “ እንሃ አዴኻ” በሎ። እቲ ወድ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

  • አስተንትኖ

መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  አብቲ ግዜ መሪር ስቃያቱ  ነዲኡ ይሓስብ፡  ነቲ ዘፍቅሮ የውሃንስ ይሓስብ።  ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ክሃስብ ይርከብ። ንማሪያም ከኣ ኣብዚ ሞት ፍቁር ወዳ ሓደ ሓደራ ትቕበል = “እንሆ ወድኺ” ከምኡ ንረድኡ” እንሃት ኣዴኻ ብማለት ማርያም ኣደ ኩሎም ኣመንቲ ክትኮውን ከም ዘለዋ ሓደራ ይገድፈላ።

ማርያም እምበኣር ነታ ክርስቶስ ንተልእኽኡ ክትቅጽል ዝሓረያ ቤተ ክርስትያን ነዲኡ ይሓድገላ። “ብመለኮታዊ ፍቃድ ምስቲ ቦኵሪ ወዳ ብብርቱዕ ሓዘን ተሳቒያ፡ ኣብቲ እናታዊ ልባ ንወፈያ ወዳ ምስ ርእሳ ብምውህሃድ ከኣ ንመሥዋዕቲ እቲ ካብኣ ዝተውልደ ብፍቕሪ ሕራይ ኢላ ተቐበለቶ። ክሳብቲ ኣብ ጥቓ መስቀል ደው ብምባል ምስ ወዳ ዝንበራ ሓድነት ብእምነት ሓለወቶ።  ኣብ መጨረሽታ ከኣ፡ በቲ ኣብ መስቀል ዝመውት ዝነበረ መድሓኒና” ኣደ ኵላ ቤተክርስትያን ንክትኮውን ሓደራ ምስ ተዋባ ተቐበለቶ። ማርያም ንመደብ ድሕነት ኣምላኽ ብሙሉኡ ተሳቲፋቶ ኢያ፡  ኣብ መስቀል ምስ ወዳ ምእንቲ ሓጢኣትና ዝረኸበቶ መከራ ኣቐዲሙ ስምዖን ነቢይ ተነቢዩላ ነይሩ ኢዩ። ምስ ወዳ ምእንቲ ድሕነትና ንሳውን እቲ መሪር ሓዘን ንልባ ከም ሰይፊ ክስንጥቖ ተረኺቡ ኢዩ

ሎሚ መስቀል ክነብዕል ከለና

ኣይሁድ ምልክት ይልሙኑ፡ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ የደልዩ፡ ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት፥ ንኣሕዛብ ከኣ ዕሽነት  ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና ይብል ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ክጽሕፍ ከሎ። ብዛዕባ እዚ ክዛረቡ ከለዉ ክርስትና ብዘይ መስቀል ክርስትና ኣይኮነንን። ኣብ ሕይወቱ ንመስቀል ዘይቅበል ክነብር ኣይክእልን፡ ሕይወቱ ክመርሕ ኣይክእልን ንሱ ብባህርኡ ኣምላክ እካ እንተኾነ፥ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት፥ ኣይገድፍን ኢሉ ኣይተኸራኸረን። እንተኾነ ሰብ ብምኻን፥ መልኽዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ሞት፥ ኣረ እካ ደኣ ክሳብ ኣብ መስቀል ሙማት፥ ተኣዘዘ። ነዚ ምስጢር እዚ ሽዑ ኢየሱስ ንደቂ መዛሙርቱ ኪስዕበኒ ዚደሊ ሕይወቱ ይመንን። መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ።

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና መለኮታዊ ባሕርይ ከልብሰና ቢሉ፡ ሰብአዊ ስጋና ለበሰ። ንሕና ካብ ኩሉ ኹኔነ ነጻ ኮይና ምእንቲ ኽንርከብ ንሱ አገልጋሊና ኮይኑ ተረኽበ። አብ መጨረሻ ንሕና ምእንቲ ክንጸድቕ ክንድኅን  ንኃጢአትና አብ መስቀል ጾሮ። ንሕና ሕይወት ም እንቲ ኽንረክብ ምእንቲ  ነፍሲ ወከፍና ሞተ። ናአና ንፍጡራቱ ኸአ “ ኪስዕበኒ ዚደሊ ሕይወቱ ይመንን። መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ” እናበለ ይጽው ዕ። ስለዚ ንጎይታና አምላኽና ንምስዓብ መዓልቲ መዓልቲ  መስቀልና ክንሽከም የዲሊ። ም እንቲ ፍቕሪ ኢየሱስ ኢልና አብ ክርስቲያናዊ ጉዑዞና ንዘጋጥሙና ጽቃይን መከራን  ብትሕትና ክንቅበሎም ይግበአና። መስቀልና ብምሽካም ናይ መንፈስ ሓጎስ  ንረክብ። ስለዚ እግዚአብሔር አምላኽና ንፍቃዱ እናመላእና መስቀልና ብምሽካም መዓልታዊ ክንስዕቦ ፍቕርና ክንገልጸሉ ብመንፈስ ቅዱሱ ይሓግዘና። ርሑስ በዓለ መስቀል ይግበረልና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መስከረም – 20.2018

ሉቃ.7.36-56

ሓደ ካብ ፈሪሳውያን ንኢየሱስ ምስኡ ኺበልዕ ሓተቶ። ናብ ገዝኡ አትዩ ድማ አብ መአዲ ተቐመጠ። አንሆ አብቲ ዓዲ ሓንቲ ኃጥእ ሰበይቲ ነበረት፤ አብ አንዳ አቲ ፈሪሳዊ አብ መአዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ ቕዱይ ቕብኢ ዝመልኦ ብአልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቓጥ አብምጽአት። ብድኅሪኡ አብ ጥቓ አግሩ ኾይና አናበኸየት በቲ ንብዓታ አግሩ ክተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸግሪ ራእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፤ ቅዱይ ቅብኢውን ትቐብኦ ነበረት።

እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርአዩ፤ “እዚ ነቢይ አንተ ዚኸውንሲ እዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ ኢያ አሞ አንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምኻና ምፈለጠ ነይሩ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። ኢየሱስ ከአ “ ስምዖን ዝብለካ አሎኒ” በሎ፤ ንሱ ኸአ “ መምህር ተዛረብ በሎ፤ ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፡ አብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ አብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈዲዩዎ ስለዝሰአኑ ግና ንኽሊቲኦም ሓደገሎም። ካብአቶም አቲ አዝዩ ዜፍቅሮም መኖም ኢዩ፧ ስምዖን ከአ “ ንአይሲ እቲ ብዙሕ ዝተኃድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ፡ ኢየሱስ ከአ “ ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ።

ሽዑ ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ንስምዖን ከምዚ በሎ፤ “ነዛ ሰበይቲ እዚአስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ አትየ ንእግረይ እካ ማይ አይሃብካንን፧ አዚአ ግና ብንብዓታ አእጋረይ አጠልቀየት፡ ብጸግሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ አይተሳለምካንን፡ አዚአ ግና ካብ ዝአቱ ጀሚራ አእጋረይ ካብ ምስዓም አየቃረጸትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ አይቀባእካንን፤ አዚአ ግና አእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ቐብአት። ስለዚ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእአ ብዙሕ ኃጢአት ተሓዲጉላ ኢዩ፤ አብለካ አለኹ።

እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ግና ሒደት እዩ ዘፍቅር። ንእአ ድማ ፡ “ ኃጢአትኪ ተኃዲጉልኪ ኢዩ በላ። አቶም ምስኡ አብ መአዲ ተቀሚጦም ዝነበሩ ኸአ ብልቦም፡ “ እዚ ኃጢአት ኪኃድግ ዚኸእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “ እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፡ ብሰላም ኪዲ” በላ።

“ፈሪሳውያን መሲሕ ምስ መጸ፣ ንሓጥኣን ኣጥፊኡ፣ ንጻድቃንን ቅዱሳንን ሓዲሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘቅውም ይኣምኑን ይምህሩን ነይሮም። ኢየሱስ ግና “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን ኢዮም” ይብል። ንኢየሱስ ዘድልይዎ እምበአር ከማና ዝበሉ ሓጢአተኛታት ኢዮም። አብ ቅድሚ አምላክ ኩሉና ድኹማት ኢና ጎዶሎታት ኢና። ጸግኡን ደገፉን ዘድሊየና ፍጡራቱ ኢና። ግና ብእምነት ናብኡ ክንቀርብ የድሊ። አነ ንጥዑያት ኪጽወዕ አይመጻኹን አንታይ ደአ ንሕሙማት… ዝብል ቃል ክርስቶስ አሚናን ተቀቢልና ብ እመንት ናብ ኡ ክንቐርብ የድሊ ።

ኢየሱስ ብስምዖን ተዓዲሙ አብ ገዝኡ ይአቱ፡ አንሆ አብቲ ዓዲ ሓንቲ ኃጥእ ሰበይቲ፤ አብ አንዳ አቲ ፈሪሳዊ አብ መአዲ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት ድማ ቕዱይ ቕብኢ ዝመልኦ ብአልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቓጥ አምጽአት። አናበኸየት  ብትብዓት ብትሕትና እምነት ብዝመልኦ መንገዲ አብ አግሪ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምብርካክ ትበኪን ትነብዕን ብንብዓታ ድማ አግሪ መድኃኒና ተጠልቂ፥ ብጸግራ ረእሳ ድማ ትደርዝ። በዚ ንብዓትን እዚ ኸአ ውሽጣዊ ንስሕአን እመንታን  አብ ቅድሚ ጎይተአ ትገልጽ።

ቅዱስ አምብሮዝዮስ ብዛዕባ አዚ ክዛረብ ከሎ፡ ከምዚ ይብል” አብ ቤተክርስቲያን ማይን ንብዓትን አሎ፤ ማለት ናይ ጥምቀት ማይን፡ ናይ ንስሓ፡ ጣዕሳ ንብዓትን። በዚ ቅዱስን – እምነትን ዝመልኦ ተግባር፤ ድኻምነታ ትግልጽት: ንስሓ ምሕረትን ዕርቅን ምስ አምላኻ ትሓትት::

ሓጥአትካ ምፍላጥን ምቅባልን ንምሕረት አምላኽ ንምቅባል ቁሩብ ምካን ማለት ኢዩ:: በዚ ድማ ንሕይወትካ ሓድሽ ምዕራፍ ምኽፋት ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ እዛ ሰብ እዚአ ብስጋ እካ ህልውቲ እንተነበረት ብመንፈስ ግና ምውቲ ነበረት። ናይቲ ጥፉእ ወዲውን ክንዝክር ንኽእል: ክምለስ ከሎ ገና ርሑቅ ከሎ ወዱ ከም ዝኾነ የለልዮ። ወንጌል “ረአዮ እሞ ራሕርሓሉ” ይብለና። ቀጺሉ “ስብሕቲ ላም ኣምጺእኹም ሕረዱ፡ ንብላዕ ንተሐጐስ። ምኽንያቱ እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ ኢዩ” ይብል። ካብ እግዚአብሔር ሪሒቃ ነበረት። ሕይወት አይነበራን .. ሕይወት ክትረክብ ምስ አምላኻ ክትዕረቕ ነበራ፡ ናብ ንስሓ ክትምለስ ነበራ። “ ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ አምላኽ ምእንቲ እታ ብአአ ገይሩ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ ንአና፤ ብበደልና ምውታት እካ እንተነበርና ምስ ክርስቶስ ሕያዋን ገበረና። ኤፌ. 2፡4-5 ንገዛእ ርእስኻ “ተጋግየ” ኢልካ ምውቃስ የዲሊ። በደሉ ዚፈልጥ ጥራይ’ዩ ንጌጋ መገዲ ሓዲጉ ናብ ቅኑዕ ዘምርሕ።  ምሕረት አምላኽ ዘስተማቀር።

ስምዖን ተግባራት በናይዛ ሰበይቲ ይዕንቀፍ … “አዚ ነቢይ አንተ ዚኸውንሲ አዛ ትትንክዮ ዘላ ሰበይቲ ኃጥእ ኢያ አሞ አንታወይትን ከመይ ዝበለትን ምኻና ምፈለጠ ነይሩ” ስለዚ ነዛ ሰበይቲ ይፈርዳ፤ ይኹንና፡ አዚ እቲ አብ መዓልታዊ ህይወትና አንገብሮ እንፍጽሞን ተግባር ኢዩ። ክንደይ ኢና ነሕዋትና እንፈርድ፧ ክንደይ ኢና ልባትና ነሕዋትና ካብ ኩሉ አራአእያናን አተሓሳስባናን ወጺና ብዓይኒ ፍቅሪ አንጥምት፧

ዝኸበርኩም አኃዋትን አኃትን አብ ቅድሚ አምላኽ ኩሉና  ሓጢአተኛታትን ድኹማትናን ኢና። ምሕረት አምላኽ ዘድሊየና ፍጡራት ኢና፡  ስለዚ ንሕናውን ከምዛ ሰበይቲ እዚአ ብኃጢአትናን ድኻምነትናን ምስ እንቕበልን እንአምንን: አብ ሕይወትና ክርስቶስ ንኽአቱ ነፍቅድ። ካብቲ ልዑል ጎይታ ምሕረት ንኽንቅበል መገዲ ንኸፍት።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእአ ብዙሕ ኃጢአት ተሓዲጉላ ኢዩ፤ አብለካ አለኹ። እናበለ ንስም ዖን ክምልሰሉ ንር እዮ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ግና ሒደት እዩ ዘፍቅር። ንእአ ድማ ፡ “ ኃጢአትኪ ተኃዲጉልኪ ኢዩ በላ። አቶም ምስኡ አብ መአዲ ተቀሚጦም ዝነበሩ ኸአ ብልቦም፡ “ እዚ ኃጢአት ኪኃድግ ዚኸእልስ መን ኮን ኮይኑ እዩ፧” ኢሎም ሓሰቡ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ “ እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፡ ብሰላም ኪዲ” በላ።  ስለዚ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት ንእአ ብዙሕ ኃጢአት ተሓዲጉላ ኢዩ፤ አብለካ አለኹ። እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ፡ ብሰላም ኪዲ” በላ። ስለዚ ኣምላኽ ክሳብ ክንደይ ርሕሩሕ: ፈቃር: መሓሪ-ኣቦ ምኻኑ፤ ንሓጥአን ዝምሕርን ዘፍቅርን እምበር: ንሓጥአን ዝጸልእን ዝቀጽዕን ከም ዘይኮነ ንተዓዘብቱን ሰማዕቱን የረድእ።

ንኢየሱስ ብእምነት ክንትንክፎ ከሎና፣ ናይ ኢየሱስ ንጽሕናን ፈዋሲን ሓይልን ናባና ይሓልፍ፣ ዘንጽሕን ዝፍውሰን ሕይሊ። ንኣምላኽ ምቅባልን ናብ ኣምላኽ ምቅራብን ኢዩ ካብ ሓጢኣትና ዘንጽሓናን ካብ ሕማምና ዘሕውየናን። ምኽንያቱ ንኢየሱስ ዘድልይዎ ሓጥኣን ደኣምበር ጻድቃን ኣይኮኑን። ንኢየሱስ ዘድልይዎ ኣነን ንስኹምን ኢና። ስለዚ አብቲ ሓጢአት ዘለዎ – አብኡ ክርስቶስ አሎ። ምኽንያቱ ናብ ምሕረትን ንስሓን ንኽመልሰና: አብቲ ሕማም ዘለዎ – አብኡ ክርስቶስ አሎ ምኽንያቱ ክፍውሰና: አብቲ ውድቀት ዘለዎ – አብኡ ክርስቶስ አሎ ምኽንያቱ ከተሰአና።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ኣባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መስከረም – 19.2018

ሉቃ.7.31-35

“እምበአር ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ  ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧ ነቶም አብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም፥ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም አይሳሳ ዕኩምን፥ አልቀስናልኩም አይቤኸኩምን’ ዚበሃሃሉ ቖልዑ እዮም ዚመስሉ። እንጌራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን ዮሓንስ መጥምቕ እንተ መጸ ‘ጋኔን አለዎ’ ትብሉ። ዚበልዕን ዚሰትን ወዲ ሰብ እንተ መጸ ኸአ ‘ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ፈታዊ ተቀበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን’ ትብሉ። ጥበብ ግና ብኹሎም ደቃ ረተዐት።

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መስከረም – 19.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ሉቃ.7.31-35

“እምበአር ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ  ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧ ነቶም አብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም፥ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም አይሳሳ ዕኩምን፥ አልቀስናልኩም አይቤኸኩምን’ ዚበሃሃሉ ቖልዑ እዮም ዚመስሉ። እንጌራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን ዮሓንስ መጥምቕ እንተ መጸ ‘ጋኔን አለዎ’ ትብሉ። ዚበልዕን ዚሰትን ወዲ ሰብ እንተ መጸ ኸአ ‘ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ፈታዊ ተቀበልቲ ቐረጽን ኃጥአንን’ ትብሉ። ጥበብ ግና ብኹሎም ደቃ ረተዐት።

  • አስተንትኖ

መድኅኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ተ አምራታት ይፍጽም፡ አብ ቅድሚ አሕዛብ ምሕረት እቲ ሰማያዊ አብኡ  ይገልጽ፤ አብ ቅድሚ አይሁድ ከም ሓደ በዓል ስልጣን ይዛረብ። ብዙሓት ነዚ ተአምራታት ርእዮም፤ ስጋዊ ሕውየት  ርእዮም ይስዕብዎ ይደሊዩዎ። ሓቀኛ ለውጢ ወይ ንስሓ ኪገብሩ ጊና የጸግሞም። ነቲ ዝገብረሎም ዝነበረ ስጋዊ ነገራት ክቕበሉዎ ተረኽቡ ነቲ መንፈሳዊ ነገራት ጊና ክንጽግዎ ተረኽቡ።

ስለዚ ኢዩ መድኃኒን አኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ባሕሪያቶም ርእዩን ተዓዚቡን “እምበአር ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ  ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧ እናበለ ብዘይ ምእማኖም ብዘይ ምልዋጦም ብቆሉዑት ክምስሎም ዝርከብ።  ሎሚውን ንዓና ነዘን ቃላት እዚአተን ይደግመልና አሎ። እግዚአብሔር አምላኽና ሎሚውን እንተኾነ አብ መንጎና ብመንገዲ እታ መርዓቱ ዝኾነ ቤተክርስቲያን ዘድሊየና ጸጋታቱ ይዕድለና አሎ፡ ምስጢራቱ ብምስራዕ ካብ ኃጢአትና የንጸሓና አሎ፡ ምሕረቱ ይልግሰልና አሎ፡ መዓልታዊ ብፍላይ ሰንበት ሰንበት መአዱ ብምስራዕ ንዑ ብልዑ ስተዩ ሕይወት ክትረኽቡ ይብለና አሎ። ነቲ ኩሉ ዝተገብረልና ሰናይ ብምዝካርን ብምርአይን ከአ ንኽርስቶስ ጎይታና ክንስዕቦ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንልወጥ የዲሊ። ነቲ ዝግበረልና ናይ ለውጢ፡ ናይ ድኅነት ዕድመ ልባትና ከፊትና ክንቅበሎን ክልንስዕቦን የድሊ።

እዚ ምስ ዘይንገቢር ግና እግዚአብሔር አምላኽና ሎሚውን ንዓና እዞም ቃላት እዚአቶም ከስመዓና ኢዩ። “እምበአር ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ  ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ንመንከ ይመስሉ፧ ነቶም አብ ዕዳጋ ዚቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጸዋዊዖም፥ ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም አይሳሳ ዕኩምን፥ አልቀስናልኩም አይቤኸኩምን’ ዚበሃሃሉ ቖልዑ እዮም ዚመስሉ። ‘እምብልታ ነፋሕናልኩም አይሳሳዕኩምን፥ አልቀስናልኩም አይቤኸኩምን’ እግዚአብሔር አምላኽና ብዝተፈላለየ መገዲ ቃላቱ ይዘርእ አሎ፡ ምስጢራቱ ይሰረዕ አሎ፡ ድኅነት ዘለ ዓለማዊ ሕይወት ይእውጀልና ይዕድመና አሎ። ስለዚ ነዚ ሸለል ከይንቢል።

እሰያስ አብ መዕራፍ 5:4 “ነታኽልቲ ወይነይሲ ኃለፋ እቲ አነ ዝገበርክሉ እንታይ ኮን ምተግብረሉ ነይሩ፧ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸበኼዎስ፥ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዝፈሪ፧ እግዚአብሔር አምላኽና ም እንቲ ንሕና ናጽነት ክንረክብ ካብ ኃጢአትና ክነጸሕ በቲ ሓደ ወዱ ብምልአኽ ካብ ሞት ናብ ሕይወት አሳጊሩና ኢዩ። ካብ ጥፍአት መገዲ ናብቲ ቅኑዕ መንገዲመሊሱና ኢዩ። ስለዚ እግዚአብሔር አምላኽና ካብ ነፍሲወከፍና ናብ ቅድስና ክነምርሕ ፍረ ክንፈሪ ይደሊ። ስለዚ መዓልታዊ ምእንቲ ፍቕሪ አምላኽ ኢልና መፈሳዊ ተጋድሎ ክነዘውትር ይግበአና። እቲ ዝጸወዓና አምላኽና ቅዱስ ኢዩ እሞ ንሕናውን ቅዱሳት ኽንከዊን የደሊ። ንጸዋዕታ ንሕሽኽታ  አምላኽ ጽን ኢልና ክንሰምዕ የድሊ። መደብ አምላኽ አብ ሕይወትና ንኽፍጽም ክነፍቅድ የድሊ። ነቲ ዝተቀበልናዮ ጸጋ አምላኽ ኮንቱ ኮይኑ ከይተርፍ ክንሰርሕ ። እቲ ሓቀኛ እምነት ዝግለጽ አብቲ ዓሚቕ ዝኾነ ናይ ልቢ ውሽጣዊ ንስሓ ሚስ እንገቢር ኢዩ፤ እሞ ናብ ንስሃ ቀሪብና ምስቲ ሰማያዊ አምላክ ተዓሪቕና መገዲ ቅድስና ንስ ዓብ። ነዚ አምላኽ ብአማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ይሓግዘና! አሜን።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………: :

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መስከረም – 18.2018

ሉቃ.7.11-17

ኢየሱስ ንጽባሒቱ ናይን ናብ እትበሃል ከተማ ኸደ፥ ምስኡ ኸአ ደቂ መዛሙርቱን ብዝኅ ሕዝብን ከዱ። ናብ አፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ነዲ ኡሓደ ወዳ ዝነበረ ስለ ዝሞተ ተፀይሩ ይወጽእ ነበረ፥ ንሳ ኸአ መበለት ነበረት። ብዙኅት ደቂ እታ ኸተማ ኸአ ምስአ ነበሩ። ጎይታ ምስ ረአያ ራኅርኃላ፥ “አይትብከዩ” ከአ በላ። ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፥ እቶም ፀወርቲውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸአ “ አታ ጎበዝ፥ ተንሥእ እብለካ አሎኹ” በሎ። እቲ ምውት ተንሢኡ ኮፍ በለ፥ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ነዲኡ ሃባ። ንኹሎም ፍርሃት ኃዞም፤ “ አብ ማእከልና ዓቢይ ነቢይ ተንሢኡልና፥ አምላኽ ንሕዝቡ በጺሕዎ” እናበሉ ኸአ  ንአምላኽ አመስገንዎ። ዝናኡ ኸአ አብ ኩላ ይሁዳን ከባቢአን ተስምዐ።

ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ መስከረም – 18.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር .……….

ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም …………..

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………፡ ፡

ሉቃ.7.11-17

ኢየሱስ ንጽባሒቱ ናይን ናብ እትበሃል ከተማ ኸደ፥ ምስኡ ኸአ ደቂ መዛሙርቱን ብዝኅ ሕዝብን ከዱ። ናብ አፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረበ፥ እንሆ ነዲ ኡሓደ ወዳ ዝነበረ ስለ ዝሞተ ተፀይሩ ይወጽእ ነበረ፥ ንሳ ኸአ መበለት ነበረት። ብዙኅት ደቂ እታ ኸተማ ኸአ ምስአ ነበሩ። ጎይታ ምስ ረአያ ራኅርኃላ፥ “አይትብከዩ” ከአ በላ። ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፥ እቶም ፀወርቲውን ደው በሉ፤ ንሱ ኸአ “ አታ ጎበዝ፥ ተንሥእ እብለካ አሎኹ” በሎ። እቲ ምውት ተንሢኡ ኮፍ በለ፥ ምዝራብውን ጀመረ፤ ኢየሱስ ድማ ነዲኡ ሃባ። ንኹሎም ፍርሃት ኃዞም፤ “ አብ ማእከልና ዓቢይ ነቢይ ተንሢኡልና፥ አምላኽ ንሕዝቡ በጺሕዎ” እናበሉ ኸአ  ንአምላኽ አመስገንዎ። ዝናኡ ኸአ አብ ኩላ ይሁዳን ከባቢአን ተስምዐ።

  • ስተንትኖ

ኢየሱስ ነቲ አብ ቅፍርናሆም ንጊልያኡ ከሕውየሉ  ልመናኡ ዘቕረበ  ሓለቓ ሚእቲ በቲ እምነቱ  ተገሪሙ ልመንኡ ብምፍጻም ንጽባሒቱ ናይን ናብ እትበሃል ከተማ ይኸይድ፥ ሓዋሪያቱን ብዙሓት ክልኦት ሕዝብን ከአ እቲ ናቱ ተጋባራትን ቃላትን ርእዮም ክስዕብዎ ተረኽቡ። ምስኡ ኸአ  ከዱ ይብለና ቃል አምላኽ።

እንሆ ነዲኡ ሓደ ወዳ ዝነበረ ስለ ዝሞተ ተፀይሩ ይወጽእ ነበረ፥ ንሳ ኸአ መበለት ነበረት። ብዙኅት ደቂ እታ ኸተማ ኸአ ምስአ ነበሩ። ጎይታ ምስ ረአያ ራኅርኃላ፥ ይብለና።  “ጎይታ ምስ ረአያ ራኅርኃላ” ካብዚ  ርሕራሐ ተበጊሱ ከአ ከአ ነቲ ወዳ ከተሰአላ ተረኽበ። ብምሕረቱ ፍቕሩ አብዛ ስድራ ቤት እዚአ ተአምራት ይፍጽም። “አቱም ሕጂ እትበኽዩ ፥ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ ብጽዓን ኢኹም” ሉቃ. 6፡21 “አታ ጎበዝ፥ ተንሥእ እብለካ አሎኹ” እቲ ምውት ተንሢኡ ኮፍ በለ፥ ምዝራብውን ጀመረ፤  ትንሣኤ ናይዚ መንእሰይ መግለጺ ሓይሊ አምላኽን ምሕረቱን ኢዩ። እግዚአብሔር ብምሕረቱ ሃብታም ክንዲዚኮነ ነዚ መንእንሰይ ካብ ሞት ናብ ሕይወት የተንሥኦ። እግዚአብሔር አምላኽ እቲ ሓይሉ ኩሉ  አብ አገልግሎት ምሕረት ኢዩ ዘውዕሎ። ምኽኒያቱ ሓይሊ አምላኽ ሓይሊ ፍቕሪ ኢዩ።

እግዚአብሔር ኩሉ ግዜ አብ መንጎና ብምርካብ እቲ ሓያል ፍቕሩ የርእየና። ካብ ኩሉ ሕማምና ሓጢአትና ይምሕረና። ካብቲ ዝወደቅናሉ የተስአና፤ አነ መንገዲን ሓቅን ሕይወትን እየ እንዳበለ ከአ ካብ ሞት ናብ ሕይወት የሳግረና። ንሕና ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ ንሱ ንኃጢአትና ብምስካም አብ መስቀል ሞተ። ብሞቱ ከአ ተሳተፍቲ እቲ መለኮታዊ ሕይወቱ ገበረና። ዘካሪያስ ከምዚ እናበለ ይንበ “ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን ዝተበጀዎምን እግዚአብሔር አምላክ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ ነቶም አብ ጽልማትን አብ ጽላሎት ሞትን ዚርከቡ ኼብርህ እዩ፤ ነእጋርና ኸአ ናብ መንገዲ ሰላም ኪመርሕ እዩ።”

ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃቲን ካብዚ ቃል አምላኽ ተበጊስና እምበአር ንሕናውን አምላኽና ካብቲ ዝወደቅናሉ ኃጢአት ከተንስአናን ክምሕረናን ብእምነት ናብኡ ንቕረብ።  ንበደልና አብ መንበረ ታቦት ነወፍዮ ንሱ ኸአ ምሕረቱ ምልጋስ ጥራይ ዘይኮነ ጸጋታቱ ክሽልመና ኢዩ።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………፡ ፡

1 2 3