አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 6.2018

 

ሉቃ. 5:1-11

ብዙኃት ሕዝቢ ቃል አምላኽ ኪሰምዑ እናተደፋፉኡ ኸለዉ፥ ኢየሱስ አብ ገምገም ብሕሪ ጊንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። አብቲ ገምገም ባሕሪ ኸአ ኽልተ ጃልባ ደው ኢለን ረአየ፤ እቶም ገፈፍቲ ዓሣ ድማ ኻብአተን ወሪዶም መርበቦም ይሓጽቡ ነበሩ። ካብተን ጃለቡ አብ ሓንቲአን፥ አብታ ናይ ስምዖን ደይቡ ካብ ምድሪ ቁሩብ አርሕቕ ኬብላ ለመኖ። አብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ሕዝቢ ይምህሮም ነበረ።  ዘረባኡ ምስ ወደአ ኸአ ንስምዖን “ ናብቲ ዓሚቑ ባህሪ ቕርብ በል እሞ ዓሣ ኽትገፉ መርበብኩም አውርዱ” በሎ። ስምዖን ከአ “ መምህር! ምሉእ ለይቲ ጺዒርና ዝኃዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና ነዚ መርበብ አውርዶ አሎኹ” ኢሉ መለሰሉ። ከምኡ ምስ ገበሩ ኸአ አዝዩ ብዙኅ ዓሣ ኃዙ፥ እቲ መርበቦምውን ኪብተኽ ጀመረ። ነቶም አብታ ኻልአይቲ ጃልባ ዝነበሩ ብጾቶም ከአ መጺኦም ኪድግፍዎም ብምልክት ጸውዕዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲአን ጃለቡ ጥቓ ምጥሓል ክሳብ ዚቀርባ መል እወን። ስምዖን ጴጥሮስ ነዚ ምስ ረአየ አብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ “ ጎይታይ! አነ ኃጥ እ ሰብ እየ እሞ ካባይ ረሓቕ” በሎ። እዚ ኸአ ንሱን ኩሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩን በቲ ኺገፉ ኸለዉ ዝኃዝዎ ዓሣ ስለ ዝተገረሙ እዩ። ከምኡውን እቶም ሰብ ብርኩ ዝነበሩ ደቂ ዘብዴዎስ ያዕቆብን ዮሓንስን ተገረሙ። ኢየሱስ ከአ ንስምዖን “ አይትፍራህ ካብ ሕጂ ንደኃር ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ” በሎ። ንሳቶም ከአ ጀላቡኦም ናብ ምድሪ አውጺኦም ንኹሉ ኃዲጎም ሰዓብዎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *