አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 7.2018

 

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ሉቃ. 5:33-39

ንሳቶም ድም “ደቂ መዛሙርቱ ዮሓንስ ብዙኅ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፥ ደቂ መዛሙርቲ ፍሪሳውያንውን ከምኡ፥ ደቂ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን” በልዎ። ኢየሱስ ከአ “ንስኻትኩም ነዕሩኽ መርዓዊ፥ እቲ መርዓዊ ምስአቶም ከሎ፥ ከተጹምዎም ይከአለኩም እዩ፧ ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻብአቶም ዚውሰደለን መዓልታት ኪመጻ እየን እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልታት እቲአን ኪጾሙ ኢዮም” በሎም። ከምዚ ኢሉ ድማ  መሰለሎም፥ “ ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ አብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እካ የልቦን፥ እንተ ዘይኮነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይለግብ፥ እቲ ሓድሽ ቁራጽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ። ንሓድሽ ወይኒውን አብ አረገውቲ አሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን፤ እንተ ዘይኮነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ አሕምብርቲ ይቐዶ።  ንሱውን ይፈስ ስ ፥ አሕብርቲ ድማ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይንስ አብ ሓደስቲ  አሕብርቲ እዮም ዘዕርቕዎ። ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፥ ነቲ ኸራሚ ወይኒ ደአ ጥዑም እዩ ይብል እምበር ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።

  • አስተንትኖ

ጾም ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና፡ ሕብረት ንኽህልወና ዝገብር ቁዱስ ነገር ኢዩ። ዝለዚ ብሓጺሩ ጾም ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ ዝቐራርበና ኢዩ፡ ከምቲ ዳኒኤል ዝገበሮ። “ማቅ ተኸዲነን አብ ሓሞኽሽቲ ደቂሰን እናጾምኩ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኸይ እልምንን እምህለልን ነበርኩ። ናብ እግዚአብሔር አምላኸይ እናለመንኩ ኃጢአት ሕዝበይ ከምዚ ኢለ ጽለኹ፡ “ኦ እግዚአብሔር! ንስኻ ንዚፈትውኻን ትእዛዝካ ንዚሕልውን ኪዳንካ እትጽንዕ፥ ምሕረትካ እውን እትገልጽ ዓቢይን ክቡርን አምላኽ ኢኻ። ንሕና ኃጢአት ገበርና፥ አበስና፥ ሓጥአንን ዓለውትን ኮይና፥ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ቅኑዕ መገድኻን አልገስና። ዳን. 9:3ጾም መግለጺ እምነት፤ መግለጺ ንስሓ ከምዝነበረ ቃል አምላኽ ብንጹር ይገልጸልና።

ስለዚ ንሕና ብፍላይ አብዚ ሓድሽ ዓመት –  ዘመነ  ሉቃስ ክንአቱ አብ አንቀራረበሉ ዘለና ግዜ ብጾምን ጸሎትን ምስጋንን ክንቀባበሎ ይግበአና።  ናብ ንስሓ፤ ናብ ዕርቂ ዘምርሕ ወይ ዘብጽሕ ጾምን ጸሎትን ክንገቢር ንዕደም። ብበደላትና አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አምላኽና ቀሪብና ኣበስኩ ኢልና ክንክእል የዲሊ።

ሓዋሪያት ብዙሕ ግዜ ክጸሙ ስለዘይተርኽቡ ፈሪሳውያን ንመድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ “ደቂ መዛሙርቱ ዮሓንስ ብዙኅ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፥  ደቂ መዛሙርቲ ፍሪሳውያንውን ከምኡ፥ ደቂ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን” እናበሉ ክሓትዎ ይርከቡ።  ኢየሱስ ከአ፦ “ንስኻትኩም ነዕሩኽ መርዓዊ፥ እቲ መርዓዊ ምስአቶም ከሎ፥ ከተጹምዎም ይከአለኩም እዩ፧ ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻብአቶም ዚውሰደለን መዓልታት ኪመጻ እየን እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልታት እቲአን ኪጾሙ ኢዮም” እናበለ ይምልሰሎም።

ኣብ ማቴዎስ አንተረኣና፡ ሽዑ ደቂ መዛሙርቱ ዮውሓንስ ናብ ኢየሱስ መጺኦም “ ንሕና ፈሪሳውያን ብዙኅ ንጸውም፥ ደቀ መዛሙርትካ ደአ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧” በልዎ” ኢየሱስ ከምዚ በሎም፦ “ መርዓዊ ምስ አቶም ከሎዶ አዕሩኽ መርዓዊ ኪኃዝኑ ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብ አቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ‹ ሽዑ ኸአ ኪጾሙ እዮም። ማቴ.9:14,15

እዚ መጀመሪያ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መልሲ ወይ ምሳሌ ብዛዕባ ሓጎስ ወይ መርዓ ይዛረብ። ክርስቶስ ምስ ሓዋሪያት አብዚ ምድሪ እዚ አብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ግዜ ሓዘንን ጾምን  ቦታ አይነበሮን። ስለዚ ሓዋሪያት አብዚ ግዜ እዚ ክሕጎሱን  ነይሩዎም። ምኽንያቱ ኢቲ መራዓዊ ዝኾነ ክርስቶስ አብ ምንጎኦም ይመላለስ ስለዝነበረ። ቐጺሉ እንተኾነ ግዳ ይብል መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻብአቶም ዚውሰደለን መዓልታት ኪመጻ እየን እሞ፥ ሽዑ በተን መዓልታት እቲአን ኪጾሙ ኢዮም” እንዳበለ ብዛዕባ ምትሓዙን ስቕያቱን ሞቱን  ይዛረብ። ክርስቶስ ሓዋሪያት ዝሓዝንሉ ግዜ ዝጸሙሉ ግዜ ክመጸጽእ ምኻኑ ይሕብሮም። እንተኾነ ድሕሪ እቲ ስቓይን ሓዘንን ሓዋሪያት ዘለዓለማዊ ሓጎስ ከምዝጽበዮም ከአ የብረሃሎም። ሰበይቲ ክትወልድ ከላ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበጽሓ ትጭነቕ፥ ቁልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ አብ ዓለም ስለ ዝተወልደ፥ ተሓጊሳ ነቲ ጻዕራ አይትዝክሮን ኢያ። እምበአርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጋሂ አሎኩም፥ ግናኸ ከም ብሓድሽ ስለ ዝርእየኩም ልብኹም ኪሕጎስ ኢዩ፥ ንሓጎስኩም ድማ ኻባኻትኩም ዚወስዶ ሓደ እካ የልቦን። ዮሓ. 16:21,22

ድሕሪ ብዙሕ ስቕያትን ሓዘንን ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሳእ ንሕይወቶም ሓጎስ መልኦ። ንሓድሕዶም ከአ “እቲ አብ መገዲ ኺዛረበናን ነተን ጽሑፋት ኪትርጉመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና አይነበረን፧” ሉቃ.24:32 እናበሉ ከአ በቲ ዘደንቕ ተመክሮኦም ይምስክሩ።

“ሓድሽ ቁራጽ ዓለባ አብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እካ የልቦን፥ እንተ ዘይኮነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ምስቲ ብላይ ስለ ዘይለግብ፥ እቲ ሓድሽ ቁራጽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ። እቲ ብላይ ክዳን ነቲ ደጋዊ ዝኾነ ምህላው ሕግታት የመልክት። እዚ ድሮ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓቀኛ ጾም፥ ሓቀኛ ምሕላው ሕጊ እግዚአብሔር ደጋዊ ዘይኮነ ውሻጣዊ ለውጢ ዝሓትት ምኻኑ ኢዩ። ሕይወት ወዲ ሰብ ብወንጌል ብትምህርትን ምስክርነትን ክርስቶስ ክሕደስ ኔሩዎ። ተልእኾ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከአ እዚ ኢዩ ነሩ። ነቲ ብሉይ ከሐድስ፡ አብ ሓቅን ፍቕርን ዝተመርኮሰ ጉዑዞ ንኽንክተል ኢዩ ዝመጸ።

ንሓድሽ ወይኒውን አብ አረገውቲ አሕርብቲ ዜዕርቕ የልቦን፤ እንተ ዘይኮነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ አሕምብርቲ ይቐዶ።  ንሱውን ይፈስስ፥ አሕብርቲ ድማ ይበላሾ። ክርስቶስ እምበአር ሓድሽ ወይኒ ኮይኑ ይቐርብ፡ ክርስቶስን እቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉን ምስቲ አረጊት አተሓሳስባ አነባብራ ደቂ ሰባት ክነወዳድሮ አይንኽእልን። ምጽአት ናይቲ መርዓዊ ዝኾነ ክርስቶስ፡ ወዲ ሰብ ንምሕዳስ ኢዩ ነሩ። ስለዚ ኩሎም እምነታት፦ ዕብራውያን፥ መዛሙርቲ ደቂ ዮሓንስን ነዚ ሓድሽ ሓቂ ንኽቅበልዎ አይክአሉን። ነቲ ሓድሽ ሕይወት ምስ ክርስቶስ ንምጉዓዝ ይጽግሞም። ስለዚ እምበአር አብዚ ቃል ናይ ሎሚ ተበጊስና  ብዝተሓደሰ መንፈስ ናብቲ አምላኽና ጎይታናን ዝኾነ ክርስቶስ ተመሊስና፤ ሓደሽ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ እንጅምረሉ ክርስቶስ ጎይታና ብቃሉ ንነፍሲ ወከፍና ይዕድም።

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *