አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 8.2018

ማቴ.1:18-23

ልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኸምዚ እዩ፦ ኣዲኡ ማሪያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፥ ከይተቃረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ ጻድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብኅቡእ ኪኃድጋ ድአ ሓሰበ እምበር ኬጋልጻ አይደለየን። ንሱ እዚ ኪሓስብ ከሎ፥ እንሆ መልአኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ ተራእዮ፥ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብአ ዚውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማሪያም ምውሳድ አይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ኸአ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢአቶም ኬድኅኖም እዩ እሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።” እዚ ኹሉ ድማ እቲ እግዚአብሔር ብነቢይ “ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፥ ስሙ ኸአ አማኑኤል ኪብልዎ እዮም፥ ትርጉሙ ኸአ ‘ አምላኽ ምሳና’ ማለት እዩ” እናበለ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኪፍጽም ኮነ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *