አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 11.2018

ሉቃ. 6:12-19

ኢየሱስ በተን መዓልታት እቲአተን ኪጽሊ ናብ እምባ ደየበ፥ ናብ አምላኽ ኪጽሊ ድማ ምሉእ ለይቲ ነቒሑ ኃደረ። ምድሪ ምስ ወግሐ ንደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዖም፥ ካብ አቶም ዓሠርተው ክልተ ኃረየ፤ ሓዋሪያት ኢሉ ድማ ሰመዮም፦ ንሳቶም ከአ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምዖንን፥ እንድርያስ ኃውን፥ ያዕቆብን ዮሓንስን ፈልጶስን በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን ቶማስን፥ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናእ ዝተባህለ ስምዖንን፥ ይሁዳ ወዲ ያዕቆብን፥ እቲ ዝኸሓዶ አይሁድ አስቆሮታውን ነበሩ።

ኢየሱስ ምስ አቶም ወሪዱ ድማ አብ ጎልጎል ደው በለ፤ ብዙኃት ካብ ደቂ መዛሙርቱን አዝዩ ብዙኅ ሕዝቢ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥ ም እንቲ ኺሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኺፍውሱን ናብኡ መጹ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ። ካብኡ ኃይሊ ወፂኡ ንኹሎም የሕውዮም ስለ ስነበረ ኸአ ኩሎም እቶም ሕዝቢ ኺትንክፍዎ ይደልዩ ነበሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *