አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 11.2018

ኣቦና አብ ሰማያት ትነብር . ……….
ሰላም ንዓኪ ኦ ማሪያም ………..
ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

ሉቃ. 6:12-19

ኢየሱስ በተን መዓልታት እቲአተን ኪጽሊ ናብ እምባ ደየበ፥ ናብ አምላኽ ኪጽሊ ድማ ምሉእ ለይቲ ነቒሑ ኃደረ። ምድሪ ምስ ወግሐ ንደቂ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዖም፥ ካብ አቶም ዓሠርተው ክልተ ኃረየ፤ ሓዋሪያት ኢሉ ድማ ሰመዮም፦ ንሳቶም ከአ እቲ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምዖንን፥ እንድርያስ ኃውን፥ ያዕቆብን ዮሓንስን ፈልጶስን በርተሎሜዎስን፥ ማቴዎስን ቶማስን፥ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስን፥ እቲ ቀናእ ዝተባህለ ስምዖንን፥ ይሁዳ ወዲ ያዕቆብን፥ እቲ ዝኸሓዶ አይሁድ አስቆሮታውን ነበሩ።

ኢየሱስ ምስ አቶም ወሪዱ ድማ አብ ጎልጎል ደው በለ፤ ብዙኃት ካብ ደቂ መዛሙርቱን አዝዩ ብዙኅ ሕዝቢ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን፥ ም እንቲ ኺሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኺፍውሱን ናብኡ መጹ። እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ። ካብኡ ኃይሊ ወፂኡ ንኹሎም የሕውዮም ስለ ስነበረ ኸአ ኩሎም እቶም ሕዝቢ ኺትንክፍዎ ይደልዩ ነበሩ።

  • ስተንትኖ

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ብዛዕባ እቶም ፩፪ ሓዋሪያት ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ምስኡ ንኽኾኑ ንኽልአኹ መንግስተ አምላኽ ንኽሰብኩ ዝተመርጹ ክነስተንትን ንዕደም። ክርስቶስ ፩፪ ሓዋሪያት ነቲ ንሱ ካብ አቦ ዝተቐበሎ ተልእኮ ንኽፍጽሙ ይጽውዖምን ይመርጾምን። ድሕሪ ትንሣኤኡ ኸአ አብ መንጎኦም ተረኺቡ “ ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ፤ ከምቲ አቦ ንአይ ዝለአኸኒ አነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ” ዮሓ. 20፡21 እናበለ ተልእኾኦም የነጽረሎም። ምስኡ ምእንቲ ኪኾኑን፥ ኪሰብኩ ምእንቲ  ኺልእኮምን፥ ዓሰርተው ክልተ  “ ሓዋሪያት” ሸመ። ማር. 3፡14. ናብ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዓሰርተው ክልተ ሓዋሪያት ምምራጹ ምሉእ ለይቲ ኪጽሊ ከምዝነቕሐ ናይ ሎሚ ቃል ወንጌል የዘንትወልና። አብ ተልእኾ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋሪያት ምምራጽ እቲ ዓቢ ተል እኸኡ ኢዩ ነይሩ። አብዚ ግዜ እዚ ክርስቶስ ነታ መጻኢት ቤተክርስቲያኑ ዓሰርተው ክልተ ሓዋሪያት ብምምራጽ መሰረት ከትሕዛ ይጅምር። ከምቲ አቀዲምና ዝረአናዮ ከአ ድሕሪ ናይ ሓደ ምሉእ ለይቲ ጸሎት ነዚ ተግባር ክፍጽሞ ንርእዮ። ቤተክርስቲያን ካብ ጸሎት ኢያ ትውለድ። ጸሎት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ዓሚቕ አብ መንጎ አቦን ወልድን ዝነበረ   ሕብረት ዝገልጽ  ኢዩ ነሩ። ሓዋሪያት አብቲ እምባ ብምርካብ ኸአ አብቲ ሕብረት እቲ  ተሳተፍቲ ይኾኑ። እግዚአብሔር አብ ኩሉ እካ አብ ኢዱ እንተሃቦ አብ ኪንዳና ናብቲ ሰማያዊ አብኡ ክጽሊ ይርከብ።  አቱም ደቀየ! እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፥ ኃጢአት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደ እካ ኃጢአት ዝገበረ እንተሎ ግና፥ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አቦ ዝጣበቐልና አሎና፡፤ ንሱ  እቲ ጻድቕ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። 1ዮሓ.2፡፩1ክርስቶስ ምስ ሃዋሪያቱ ካብቲ እምባ ምስ ወረደ ኩሉ እቲ ሕዝቢ ቃሉ ንምስማዕን ካብ ሕማሞም ምእንቲ ኺፍውሱን ናብኡ ይመ

ስብሓት ንአብን ንወልድን …………::

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *