አስትንትኖ ቃል አምላኽ መስከረም – 12.2018

ሉቃ. 6: 20-26

ኢየሱስ ናብ ደቂ መዛሙርቱ እናጠመተ ኸምዚ በለ፦

“ አቱም ድኻታት፥ መንግሥቲ አምላኽ ንአኻትኩም እያ እሞ ብፁዓን ኢኹም። አቱም ሕጂ እትጠምዩ፥ ኽትጸግቡ ኢኹም እሞ ብፁዓን ኢኹም። አቱም ሕጂ እትበኽዩ፥ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ ብፁዓን ኢኹም። ብምኽንያት ወዲ ሰብ ሰባት እንተ ጸልኡኹም፥ እንተ ፈለዩኹም፥ እንተ ጸረፉኹም፥ ሸምኩኩምውን እንተ አነወርዎ ብፁዓን  ኢኹም።  እንሆ አቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ዓስብኹም አብ ሰማይ ብዙኅ ኪኸውን እዩ፤ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲአ ባህ ይበልኩም ብሓጎስውን ተሰራሰሩ። አቱም ሃብታማት ግና ሓጎስኩም ወዲ እኩም ኢኹም እሞ ወይልኹም። አቱም ሕጂ እትስሕቁ፥ ክትበኽዩን ኽትሓዝኑን  ኢኹም እሞ ወይሉኹም። አቦታታቶም ንነብያት ሓሶት ከም ኡ ገይሮም ዎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም ወይልኹም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *